ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 17:1-18

17  ሓደ ኻብቶም ሸውዓተ ጭሔሎ ዝሓዙ ሸውዓተ መላእኽቲ ኸኣ መጺኡ፡ ከምዚ ኢሉ ተዛረበኒ፦ “ፍርዲ እታ ኣብ ብዙሕ ማያት እትቕመጥ ዓባይ ኣመንዝራ ኸርእየካስ፡ ንዓ፣  ነገስትታት ምድሪ ምስኣ መንዚሮም፡ ኣብ ምድሪ ዚነብሩ እውን ብወይኒ ምንዝርናኣ ሰኺሮም እዮም።”  ብመንፈስ ድማ ናብ በረኻ ወሰደኒ። ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ኣብ ዘለዎ ስማት ጸርፊ ዝመልኦ ቐይሕ ኣራዊት እተቐመጠት ሰበይቲ ረኣኹ።  እታ ሰበይቲ ኸኣ ጁዅን ቀይሕን ተወንዚፋ፡ ብወርቅን ብኽቡር እምንን ብሉልን ተሰሊማ ነበረት፣ ጽያፍን ርኽሰት ምንዝርናኣን ዝመልአ ጽዋእ ወርቂ ድማ ኣብ ኢዳ ነበራ።  ኣብ ግምባራ ኸኣ ምስጢር ዝዀነ፡ “ዓባይ ባቢሎን፡ ኣደ ኣመናዝርን ኣደ ጽያፍ ምድርን” ዚብል ስም ተጻሒፉ ነበረ።  እታ ሰበይቲ ብደም ቅዱሳትን ብደም መሰኻኽር የሱስን ሰኺራ ድማ ረኣኽዋ። ምስ ረኣኽዋ ኸኣ፡ ኣዝየ ተገረምኩ።  እቲ መልኣኽ ድማ ከምዚ በለኒ፦ “ስለምንታይ ተገሪምካ፧ ምስጢር እታ ሰበይትን ምስጢር እቲ ጸይርዋ ዘሎ ሸውዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን ዘለዎ ኣራዊትን ኣነ ኽነግረካ እየ፦  እቲ ዝረኣኻዮ ኣራዊት ነበረ፡ የሎን ከኣ፡ ካብ መዓሙቝ ድማ ኪወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ኪኸይድ እዩ። እቶም ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ ስሞም ኣብ ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ዘይተጻሕፈ ነበርቲ ምድሪ፡ እቲ ኣራዊት ከም ዝነበረን ከም ዘየሎን ከም ዚህሉን ምስ ረኣዩ፡ ኪግረሙ እዮም።  “ጥበብ ዘለዎ ኣእምሮ ኣብዚ እዩ ዜድሊ፦ እቲ ሸውዓተ ርእሲ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ እተቐመጠቶ ሸውዓተ ኣኽራን እዩ። 10  ሸውዓተ ነገስታት ከኣ እዮም፦ እቶም ሓሙሽተ ወዲቖም፡ እቲ ሓደ ኣሎ፡ እቲ ሓደ ገና ኣይመጸን፣ ምስ መጸ ድማ፡ ቍሩብ ኪጸንሕ ይግብኦ እዩ። 11  እቲ ዝነበረን ዘየሎን ኣራዊት፡ ንሱ ድማ ሻምናዮም እዩ፣ ካብቶም ሸውዓተ ኸኣ እዩ ዚወጽእ፡ ናብ ጥፍኣት እውን ይኸይድ። 12  “እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርኒ ድማ፡ መንግስቲ ገና ዘይተቐበሉ ዓሰርተ ነገስታት እዮም፣ ግናኸ፡ ምስቲ ኣራዊት ከም ነገስታት ኰይኖም፡ ንሓንቲ ሰዓት ስልጣን ይቕበሉ እዮም። 13  እዚኣቶም ሓደ ሓሳብ ኣለዎም፣ ሓይሎምን ስልጣኖምን ከኣ ነቲ ኣራዊት ይህብዎ እዮም። 14  እዚኣቶም ምስቲ ገንሸል ኪዋግኡ እዮም፣ እቲ ገንሸል ግና ጐይታ ጐይተትን ንጉሰ ነገስትን ስለ ዝዀነ፡ ኪስዕሮም እዩ። እቶም ምስኡ ዘለዉ ጽዉዓትን ሕሩያትን እሙናትን እውን ኪስዕሩ እዮም።” 15  ከምዚ ድማ በለኒ፦ “እቲ እታ ኣመንዝራ ተቐሚጣቶ ዝረኣኻዮ ማያትሲ፡ ህዝብታትን ብዙሕ ሰብን ኣህዛብን ቋንቋታትን እዮም። 16  እቶም ዝረኣኻዮም ዓሰርተ ቐርንን እቲ ኣራዊትን ከኣ ነታ ኣመንዝራ ኺጸልእዋን ኬጥፍእዋን ጥራያ ኺገብርዋን ንስጋኣ ኺበልዑን ብሓዊ ኺህምኽዋን እዮም። 17  ከመይሲ፡ ኣምላኽ፡ ሓሳቡ ኺገብሩ፡ ቃል ኣምላኽ ክሳዕ ዚፍጸም ከኣ፡ መንግስቶም ነቲ ኣራዊት ብምሃብ፡ ሓደ ሓሳብ ኪዀኑ፡ ኣብ ልቦም ኣእትዩ እዩ። 18  እታ ዝረኣኻያ ሰበይቲ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ነገስታት ምድሪ መንግስቲ ዘለዋ ዓባይ ከተማ እያ።”

እግረ ጽሑፍ