ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 16:1-21

16  ካብታ መቕደስ ከኣ ነቶም ሸውዓተ መላእኽቲ፡ “ኪዱ እሞ ነቲ ሸውዓተ ጭሔሎ ቝጥዓ ኣምላኽ ናብ ምድሪ ኣፍስስዎ” ዚብሎም ዓው ዝበለ ድምጺ ሰማዕኩ።  እቲ ቐዳማይ ከይዱ፡ ጭሔሎኡ ናብ ምድሪ ኣፍሰሰ። ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት ዘለዎምን ንምስሉ ዝሰገዱን ሰባት ክፉእን ብርቱዕን ቍስሊ ወጾም።  እቲ ኻልኣይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ባሕሪ ኣፍሰሰ። እቲ ባሕሪ ኸኣ ከም ናይ ምዉት ሰብ ዚመስል ደም ኰነ፣ ኣብቲ ባሕሪ ዝነበረ ዅሉ ህያው ነፍሲ እውን ሞተ።  እቲ ሳልሳይ ድማ ጭሔሎኡ ናብ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ኣፍሰሰ። እቲ ርባታትን ዓይኒ ማያትን ከኣ ደም ኰነ።  እቲ መልኣኽ ማያት ድማ ከምዚ ኺብል ከሎ ሰማዕኩ፦ “ኣታ ዘለኻን ዝነበርካን እሙን፡ እዚ ብምውሳንካ፡ ጻድቕ ኢኻ፣  ምኽንያቱ፡ ደም ቅዱሳትን ደም ነብያትን ኣፍሲሶም እዮም፣ ንስኻ ኸኣ ኪሰትዩ ደም ሃብካዮም። ይግብኦም እዩ።”  እቲ መሰውኢ ድማ፡ “እወ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል የሆዋ ኣምላኽ፡ ፍርድታትካ ሓቅን ቅኑዕን እዩ” ኺብል ከሎ ሰማዕኩ።  እቲ ራብዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ጸሓይ ኣፍሰሰ፣ ንጸሓይ እውን ንሰብ ብሓዊ ኸተሕርር ተፈቕደላ።  እቶም ሰብ ድማ ብብርቱዕ ሃሩር ሓረሩ፣ ግናኸ፡ ንስም እቲ ኣብዚ መዓታት እዚ ስልጣን ዘለዎ ኣምላኽ ጸረፍዎ፡ ክብሪ ኺህብዎ እውን ኣይተነስሑን። 10  እቲ ሓምሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ዝፋን እቲ ኣራዊት ኣፍሰሰ። መንግስቱ ኸኣ ጸልመተት፣ ብሰሪ ስቓዮም እውን ልሳኖም ሓየኹ፣ 11  ብሰሪ እቲ ስቓዮምን ኣቝሳሎምን ከኣ ንኣምላኽ ሰማይ ጸረፍዎ፡ ካብ ግብሮም እውን ኣይተነስሑን። 12  እቲ ሻድሻይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብቲ ዓብዪ ርባ ኤፍራጥስ ኣፍሰሰ፣ ነቶም ካብ ምብራቕ ጸሓይ ዚመጹ ነገስታት መገዲ ምእንቲ ኺዳለወሎም ከኣ፡ ማይ እቲ ርባ ነጸፈ። 13  ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ናይ ሓሶት ነብይን ድማ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መንፈሳዊ መግለጺታት ኪወጹ ኸለዉ ረኣኹ። 14  እዚኣቶም ከኣ ትእምርትታት ዚገብሩ ናይ ኣጋንንቲ መንፈሳዊ መግለጺታት እዮም፣ ናብ ውግእ እታ ዓባይ መዓልቲ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ኪእክብዎም ድማ፡ ናብ ነገስታት ብዘላ ዓለም ይወጹ። 15  “እንሆ፡ ከም ሰራቒ እመጽእ ኣለኹ። ጥራዩ ምእንቲ ኸይከይድ፡ ንሕፍረቱ እውን ከይርእይዎ፡ እቲ ዚነቅሕን ክዳውንቱ ዚሕሉን ሕጉስ እዩ።” 16  ንሳቶም ከኣ ናብቲ ብእብራይስጢ ኣርማጌዶን* ዚብሃል ቦታ ኣከብዎም። 17  እቲ ሻውዓይ ድማ ጭሔሎኡ ኣብ ኣየር ኣፍሰሰ። ካብታ መቕደስ፡ ካብቲ ዝፋን ከኣ፡ “ኰይኑ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ ወጸ። 18  በርቅታትን ድምጽታትን ነጐዳታትን እውን ኰነ፣ ሰብ ኣብ ምድሪ ኻብ ዚኸውን ኣትሒዙ ኸቶ ዘይኰነ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፣ እወ፡ ኣዝዩ ሓያልን ብርቱዕን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ። 19  እታ ዓባይ ከተማ ኸኣ ኣብ ሰለስተ ኽፍሊ ተጨድደት፡ ከተማታት ኣህዛብ እውን ወደቓ፣ ዓባይ ባቢሎን ድማ ጽዋእ ወይኒ ነድሪ ቝጥዓኡ ኺህባስ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ተዘከረት። 20  ደሴት ዘበለት ከኣ ሃደመት፣ ኣኽራን እውን ኣይተረኽቡን። 21  ኣስታት ሓሓደ ታለንት* ዝምኽባዱ ዓበይቲ በረድ ካብ ሰማይ ናብ ሰብ ወረደ፣ እቲ መዓት ኣዝዩ ዓብዪ ስለ ዝነበረ፡ እቶም ሰብ ብሰሪ እቲ መዓት በረድ ንኣምላኽ ጸረፍዎ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 16:16 * ብግሪኽኛ ሃርማጌዶን፣ ብእብራይስጢ፡ “ከረን መጊዶ” ዚብል ትርጕም ኣለዎ።
ራእ 16:21 * ኣስታት 20.4 ኪሎ ግራም።