ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 13:1-18

13  ኣብ ሑጻ ባሕሪ እውን ደው በለ። ዓሰርተ ቐርንን ሸውዓተ ርእስን፡ ኣብ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብ ኣራእሱ እውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ።  እቲ ዝረኣኽዎ ኣራዊት ከኣ ነብሪ ይመስል፡ ኣእጋሩ ግና ከም ናይ ድቢ፡ ኣፉ እውን ከም ኣፍ ኣንበሳ እዩ። እቲ ገበል ድማ ሓይሉን ዝፋኑን ብዙሕ ስልጣንን ሃቦ።  ሓደ ኻብቶም ኣራእሱ ኸኣ ንሞት ከም እተሓርደ ዀነ፣ እቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ግና ሓወየ፣ ብዘላ ምድሪ ድማ ተገሪማ ደድሕሪ እቲ ኣራዊት ሰዓበት።  ነቲ ኣራዊት ስልጣን ስለ ዝሃቦ ኸኣ፡ ነቲ ገበል ሰገዱሉ፣ ነቲ ኣራዊት እውን፡ “ነዚ ኣራዊት እዚ መን ይመስሎ፧ መንከ ኺዋግኦ ይኽእል፧” እናበሉ ሰገዱሉ።  ትዕቢትን ጸርፍን ዚዛረብ ኣፍ ተዋህቦ፣ ብኣርብዓን ክልተን ወርሒ ኺገብር እውን ስልጣን ተዋህቦ።  ንኣምላኽ ኪጸርፍ፡ ንስሙን ንማሕደሩን ነቶም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ እውን ኪጸርፍ ኣፉ ኸፈተ።  ምስቶም ቅዱሳት ውግእ ኪገብርን ኪስዕሮምን ከኣ ተፈቕደሉ፣ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ነገድን ህዝብን ቋንቋን ኣህዛብን ድማ ስልጣን ተዋህቦ።  ኵሎም እቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ኸኣ ኪሰግዱሉ እዮም። ካብ ምስራት ዓለም ኣትሒዙ፡ ናይ ሓዲኦም ስም እኳ ኣብታ ናይቲ እተሓርደ ገንሸል ዝዀነት ጥቕልልቲ መጽሓፍ ህይወት ኣይተጻሕፈን።  እዝኒ ዘለዎ እንተሎ፡ ይስማዕ። 10  ዚማረኽ እንተሎ፡ ተማሪኹ ኪኸይድ እዩ። ብሰይፊ ዚቕተል እንተሎ፡ ብሰይፊ ኪቕተል ኣለዎ። ተጻዋርነትን እምነትን እቶም ቅዱሳት ኣብዚ እዩ። 11  ካልእ ኣራዊት እውን ካብ ምድሪ ኺወጽእ ከሎ ረኣኹ፣ ናይ ገንሸል ዚመስል ክልተ ቐርኒ እውን ነበሮ፣ ግናኸ፡ ከም ገበል እዩ ዚዛረብ። 12  ኵሉ ስልጣን እቲ ቐዳማይ ኣራዊት ድማ ኣብ ቅድሚኡ ዀይኑ ይገብር። ምድርን እቶም ኣብኣ ዚነብሩን ከኣ ነቲ ናብ ሞት ዜብጽሕ ቍስሉ ዝሓወየሉ ቐዳማይ ኣራዊት ከም ዚሰግዱሉ ይገብር። 13  ኣብ ቅድሚ ሰብሲ ሓዊ እኳ ኻብ ሰማይ ናብ ምድሪ ኽሳዕ ዜውርድ፡ ዓበይቲ ትእምርትታት ይገብር። 14  ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ ድማ፡ ነቲ ብሰይፊ እተወቕዐ፡ ግናኸ ዝሓወየ ኣራዊት፡ ምስሊ ኺገብሩሉ እናበለ፡ በቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣራዊት ኪገብሮ እተፈቕደሉ ትእምርትታት፡ ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩ የስሕቶም። 15  ምስሊ እቲ ኣራዊት ምእንቲ ኺዛረብን ንዅሎም እቶም ንምስሊ እቲ ኣራዊት ዘይሰግዱ ዘበሉ ምእንቲ ኬቕትሎምን ከኣ፡ ንምስሊ እቲ ኣራዊት ትንፋስ ኪህብ ተፈቕደሉ። 16  ንዅሎም ድማ፡ ንንኣሽቱን ንዓበይትን፡ ንሃብታማትን ንድኻታትን፡ ንጭዋታትን ንባሮትን፡ ኣብ የማናይ ኢዶም ወይስ ኣብ ግምባሮም ማሕተም ኪቕበሉ ገደዶም፣ 17  ማሕተም ስም እቲ ኣራዊት ወይስ ቍጽሪ ስሙ ዘለዎ እንተ ዘይኰይኑ ድማ፡ ሓደ እኳ ኺዕድግ ወይ ኪሸይጥ ከም ዘይክእል ይገብር። 18  ጥበብ ኣብዚ እያ፦ ቍጽሪ እቲ ኣራዊት፡ ቍጽሪ ሰብ እዩ እሞ፡ ምስትውዓል* ዘለዎ ይጸብጽቦ፣ ቍጽሩ ኸኣ 666 እዩ።

እግረ ጽሑፍ

ራእ 13:18 * ቃል ብቓሉ፡ “ኣእምሮ፡” ብግሪኽኛ ኖውስ።