ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ራእይ 10:1-11

10  ካልእ ብርቱዕ መልኣኽ ከኣ ካብ ሰማይ ኪወርድ ከሎ ረኣኹ፣ ንሱ ደበና ተወንዚፉ ነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ ቀስተ ደበና ነበሮ፣ ገጹ ድማ ከም ጸሓይ ነበረ፣ ኣእጋሩ እውን ከም ኣዕኑድ ሓዊ ነበራ፣  ኣብ ኢዱ ኸኣ ሓንቲ እተቐልዐት ንእሽቶ መጽሓፍ ነበረት። የማነይቲ እግሩ ኣብ ባሕሪ፡ ጸጋመይቲ እግሩ ድማ ኣብ ምድሪ ኣንበረ፣  ከም ዚጓዝም ኣንበሳ ኸኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨደረ። ምስ ጨደረ ድማ፡ ድምጺ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ተሰምዐ።  እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት ምስ ተዛረቡ፡ ኣነ ኽጽሕፍ ደለኹ፣ ካብ ሰማይ ግና፡ “ነቲ እቶም ሸውዓተ ነጐዳታት እተዛረብዎ ሕተሞ እምበር፡ ኣይትጽሓፎ” ዚብል ድምጺ ሰማዕኩ።  እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዝረኣኽዎ መልኣኽ ድማ፡ ንየማነይቲ ኢዱ ናብ ሰማይ ዘርግሓ፡  በቲ ሰማይን ኣብኡ ዘሎን ምድርን ኣብኣ ዘሎን ባሕርን ኣብኡ ዘሎን ዝፈጠረ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እውን ከምዚ ኢሉ መሓለ፦ “ደጊም ኣይኪድንጕን እዩ፣  ግናኸ፡ ብመዓልትታት እቲ ሻውዓይ መልኣኽ መለኸቱ ዚነፍሓሉ እዋን ኣቢሉ፡ እቲ ኣምላኽ ንባሮቱ ነብያት ከም ብስራት ዘበሰሮም ቅዱስ ምስጢር ኪፍጸም እዩ።”  እቲ ኻብ ሰማይ ዝሰማዕክዎ ድምጺ ኸኣ፡ “ኪድ እሞ ነታ ኣብ ኢድ እቲ ኣብ ባሕርን ኣብ ምድርን ደው ኢሉ ዘሎ መልኣኽ ዘላ እተቐልዐት መጽሓፍ ውሰዳ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ተዛረበኒ።  ናብቲ መልኣኽ ከይደ ድማ፡ “ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ሃበኒ” በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ “ውሰዳ እሞ ብልዓያ፣ ንኸብድኻ መሪር ክትገብሮ እያ፣ ኣብ ኣፍካ ግና ከም መዓር ጥዕምቲ ኽትከውን እያ” በለኒ። 10  ነታ ንእሽቶ መጽሓፍ ከኣ ካብ ኢድ እቲ መልኣኽ ወሲደ በላዕክዋ፣ ኣብ ኣፈይ ከም መዓር ጠዓመትኒ፣ ምስ በላዕክዋ ግና፡ ከብደይ መረረ። 11  “ከም ብሓድሽ ብዛዕባ ህዝብታትን ኣህዛብን ቋንቋታትን ብዙሓት ነገስታትን ክትንበ ኣሎካ” ድማ በሉኒ።

እግረ ጽሑፍ