ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 8:1-34

8  ካብ ከረን ምስ ወረደ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።  እንሆ ድማ፡ ሓደ ድዉይ መጺኡ፡ “ጐይታይ፡ እንተ ደሊኻስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ” እናበለ ሰገደሉ*  ንሱ ኸኣ፡ “እደሊ እየ። ንጻህ” እናበለ ኢዱ ዘርጊሑ ተንከዮ። ብኡብኡ ድማ፡ ካብ ደዌኡ ነጽሀ።  የሱስ ድማ፡ “ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ፣ ግናኸ ኺድ፡ ርእስኻ ንኻህን ኣርኢ፣ ንዓታቶም ንምስክር ምእንቲ ኪኸውን ድማ፡ ነቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ” በሎ።  ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓደ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ ለመኖ፣  ከምዚ እናበለ፦ “ጐይታይ፡ ኣገልጋልየይ ለሚሱ ኣብ ቤተይ ደቂሱ ኣሎ፣ ብርቱዕ ቃንዛ እውን ኣለዎ።”  ንሱ ኸኣ፡ “ምስ መጻእኩ፡ ከሕውዮ እየ” በሎ።  እቲ ሓለቓ ሚእቲ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፦ “ጐይታይ፡ ንስኻ ናብ ትሕቲ ናሕሰይ ክትኣቱ ብቑዕ ኣይኰንኩን፣ ጥራይ በል እምበር፡ ኣገልጋልየይ ኪሓዊ እዩ።  ከመይሲ፡ ኣነ እውን ኣብ ትሕቲ ስልጣን ዝመሓደር ሰብ እየ፡ ኣብ ትሕተይ ድማ ወተሃደራት ኣለዉኒ እሞ፡ ነዚ፡ ‘ኪድ!’ እብሎ፡ ይኸይድ፣ ንኻልእ ከኣ፡ ‘ንዓ!’ እብሎ፡ ይመጽእ፣ ንባርያይ እውን፡ ‘እዚ ግበር!’ እብሎ፡ ንሱ ኸኣ ይገብር።” 10  የሱስ በቲ ዝሰምዖ ኣስተንኪሩ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዝነበሩ ኸምዚ በሎም፦ “ከምዚኣ ዝበለት ዓባይ እምነት ዘላቶስ፡ ሓደ እኳ ኣብ እስራኤል ኣይረኸብኩን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 11  ግናኸ፡ ብዙሓት ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ኪመጹ፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም፡ እብለኩም ኣለኹ። 12  ደቂ መንግስቲ ግና፡ ናብቲ ኣብ ወጻኢ ዘሎ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ድማ፡ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም።” 13  ድሕሪኡ፡ የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ “ኪድ። ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ” በሎ። እቲ ኣገልጋሊ ድማ፡ በታ ሰዓት እቲኣ ሓወየ። 14  ድሕሪኡ፡ የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ሓማት ጴጥሮስ ብርቱዕ ረስኒ ስለ ዝነበራ፡ ደቂሳ ረኣያ። 15  ስለዚ፡ ኢዳ ተንከያ እሞ፡ ረስና ሓደጋ፣ ተንሲኣ እውን ኣገልገለቶ። 16  ምስ መሰየ ግና፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ብዙሓት ሰባት ኣምጽኡሉ። ንሱ ድማ፡ ነቶም መናፍስቲ ብሓንቲ ቓል ኣውጽኦም፡ ንዅሎም እቶም ዝሓመሙ ኸኣ ኣሕወዮም። 17  እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “ንሱ ሕማምና ወሰደ፡ ስቓይና ድማ ጾረ” እተባህለ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 18  የሱስ፡ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ናብ ስግር ብዛዕባ ምስጋር ትእዛዝ ሃበ። 19  ሓደ ጸሓፊ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኽስዕበካ እየ” በሎ። 20  የሱስ ግና፡ “ንወኻሩ ጕድጓድ፡ ንኣዕዋፍ ሰማይ ከኣ ሰፈር ኣለወን፣ ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን” በሎ። 21  ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ጐይታይ፡ ከይደ ንኣቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ” በሎ። 22  የሱስ ግና፡ “ስዓበኒ ደኣ፡ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበርዎም” በሎ። 23  ናብ ጃልባ ምስ ደየበ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዓብዎ። 24  እንሆ ድማ፡ እቲ ባሕሪ ኣመና ስለ እተናወጸ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ይመልኣ ነበረ፣ ንሱ ግና፡ ደቂሱ ነበረ። 25  ንሳቶም መጺኦም ከኣ፡ “ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና!” እናበሉ ኣተንስእዎ። 26  ንሱ ግና፡ “ኣቱም ጐደሎ ዝእምነቶም፡ ስለምንታይ እትጃጅዉ፧” በሎም። ሽዑ፡ ተንሲኡ፡ ንንፋሳትን ንባሕርን ገንሖም፣ ዓብዪ ህድኣት እውን ኰነ። 27  እቶም ሰባት ከኣ፡ “እዚ፡ ንፋሳትን ባሕርን ዚእዘዝዎስ፡ እንታዋይ ኰን እዩ፧” ኢሎም ኣስተንከሩ። 28  ናብ ስግር፡ ናብ ሃገር ጋዳሬኖስ ምስ በጽሐ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ክልተ ሰባት ካብ መቓብር እናወጹ ተጓነፍዎ፣ ንሳቶም ኣዝዮም ሕሱማት ስለ ዝነበሩ፡ በታ መገዲ እቲኣ ደፊሩ ዚሓልፍ ኣይነበረን። 29  እንሆ ድማ፡ “ኣታ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ ኣሎና፧ ቅድሚ እዋኑ ኸተሳቕየናዶ መጺእካ፧” እናበሉ ጨደሩ። 30  ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ፡ መጓሰ ብዙሓት ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። 31  እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ “እንተ ኣውጺእካና፡ ናብቲ መጓሰ ሓሰማታት ስደደና” እናበሉ ለመንዎ። 32  ንሱ ኸኣ፡ “ኪዱ!” በሎም። ወጺኦም ድማ፡ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብቲ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማያት እውን ሞተ። 33  እቶም ጓሶት ግና፡ ሃዲሞም ናብ ከተማ ኣተዉ፣ ብዛዕባ እቲ ዝዀነ ዅሉ፡ እንተላይ ብዛዕባ እቶም ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ሰባት ከኣ ኣውረዩ። 34  እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ኸተማ ምስ የሱስ ክትራኸብ ወጸት፣ ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ምድሮም ኬልግስ ለመንዎ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 8:2 * ወይ፡ “ኢድ ነስኣሉ።”