ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 7:1-29

7  “ከይፍረደኩም፡ ኣይትፍረዱ፣    ከመይሲ፡ ብእትፈርድዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብእትሰፍርዎ መስፈሪ ድማ ኪስፈረልኩም እዩ።  ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ሰርወ ዘየስተብሃልካስ፡ ስለምንታይ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር እትርኢ፧  ወይስ ኣብ ዓይንኻ ሰርወ ኸሎ፡ ከመይ ጌርካ ንሓውካ፡ ‘ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካ ሕደገኒ’ እትብሎ፧  ኣታ ግቡዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ነቲ ሰርወ ኣውጽኣዮ፣ ድሕሪኡ፡ ነቲ ኣብ ዓይኒ ሓውካ ዘሎ በሰር ንኸተውጽእ ኣጸቢቕካ ኽትርኢ ኢኻ።  “ቅዱስ ዘበለ ንኣኽላባት ኣይትሃቡ። ብኣእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም፡ ሉልኩም ኣብ ቅድሚ ሓሰማታት ኣይትደርብዩ።  “ብቐጻሊ ለምኑ እሞ፡ ኪውሃበኩም እዩ፣ ብቐጻሊ ድለዩ እሞ፡ ክትረኽቡ ኢኹም፣ ብቐጻሊ ዃሕኵሑ እሞ፡ ኪኽፈተልኩም እዩ።  ከመይሲ፡ ዚልምን ዘበለ ይቕበል፡ ዚደሊ ዘበለ ይረክብ፡ ዚዅሕኵሕ ዘበለ እውን ይኽፈተሉ እዩ።  ካባኻትኩምከ ወዱ እንጌራ እንተ ለሚንዎ፡ እምኒ ዚህቦ መን እዩ፧ 10  ዓሳ እንተ ለሚንዎኸ፡ ተመንዶ ይህቦ፧ 11  እምበኣር፡ ንስኻትኩም እኩያት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ብኸመይ ጽቡቕ ውህበት ከም እትህቡ ኻብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቕ ዘይህቦም! 12  “እምበኣር፡ ሕግን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰባት ኪገብሩልኩም እትደልይዎ ዘበለ ዅሉ፡ ንስኻትኩም እውን ከምኡ ግበሩሎም። 13  “በታ ጸባብ ኣፍ ደገ እተዉ፣ ከመይሲ፡ እታ ናብ ጥፍኣት እትመርሕ መገዲ ገፋሕን ርሕብትን እያ፣ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም፣ 14  እታ ናብ ህይወት እትመርሕ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም። 15  “ካብቶም ብውሽጦም ሃርጓማት ተዃሉ ኽነሶም፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም ዚመጹኹም ናይ ሓሶት ነብያት ተጠንቀቑ። 16  ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዅዶ ወይኒ፡ ካብ ተዀርባዶኸ በለስ* ይቕንጠብ እዩ፧ 17  ከምኡ ድማ፡ ጽቡቕ ኦም ዘበለ ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ዘበለ ኸኣ ሕማቕ ፍረ ይፈሪ። 18  ጽቡቕ ኦም ሕማቕ ፍረ ኺፈሪ፡ ሕማቕ ኦም ከኣ ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይክእልን እዩ። 19  ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20  እምበኣር፡ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። 21  “ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ደኣ እምበር፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ’ ዚብለኒ ዅሉ ኣይኰነን ናብ መንግስተ ሰማያት ዚኣቱ። 22  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ብዙሓት፡ ‘ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካዶ ኣይተነበናን፧ ብስምካዶ ኣጋንንቲ ኣየውጻእናን፧ ብስምካዶኸ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበርናን፧’ ኪብሉኒ እዮም። 23  ኣነ ግና፡ ‘ኣቱም ጠሓስቲ ሕጊ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን! ካባይ ርሓቑ!’ ክብሎም እየ። 24  “እምበኣር፡ ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዚገብሮ ዅሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሃነጸ ኣስተውዓሊ ሰብኣይ ይመስል። 25  ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ፣ ኣብ ከውሒ ስለ እተሰረተት ግና፡ ኣይወደቐትን። 26  ነዚ ቓለይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ዅሉ ኸኣ፡ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሃነጸ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27  ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሓዘ፡ ንፋስ እውን ነፈሰ፣ ነታ ቤት ከኣ ደፍኣ እሞ ወደቐት፣ ኣወዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ።” 28  የሱስ ዘረባኡ ምስ ወድአ፡ እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራኡ ተገረሙ፣ 29  ከመይሲ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ገይሩ ይምህሮም ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 7:16 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “በለስ” ርአ።