ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 4:1-25

4  ድሕርዚ፡ የሱስ ብድያብሎስ ምእንቲ ኺፍተን፡ ብመንፈስ ናብ በረኻ ተመርሐ።  ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ጠመየ።  እቲ ፈታኒ መጺኡ ድማ፡ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ነዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል” በሎ።  ንሱ ግና፡ “‘ሰብ ካብ ኣፍ የሆዋ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ።  ሽዑ፡ ድያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም መንደቕ ቤተ መቕደስ ደው ኣቢሉ፡  “‘እግርኻ ብእምኒ ምእንቲ ኸይትዕንቀፍ፡ ብኣእዳዎም ኪጾሩኻ፡ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ጽደፍ” በሎ።  የሱስ ከኣ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣይትፈትኖ’ ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ” በሎ።  ከም ብሓድሽ፡ ድያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ ኵለን መንግስትታት ዓለምን ክብረንን ኣርኣዮ፣  “ፍግም ኢልካ እንተ ሰጊድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” ድማ በሎ። 10  ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ንየሆዋ ኣምላኽካ ኣምልኽ፡ ንዕኡ በይኑ ድማ ኣገልግል’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ፡ ኪድ፡ ሰይጣን!” በሎ። 11  ድሕርዚ፡ ድያብሎስ ሓደጎ፣ እንሆ ድማ፡ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ። 12  ብዛዕባ ማእሰርቲ ዮሃንስ ምስ ሰምዐ፡ ናብ ገሊላ ኸደ። 13  ካብ ናዝሬት ምስ ሓለፈ ድማ፡ ኣብ ኣውራጃታት ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብታ ኣብ ጥቓ ባሕሪ እትርከብ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። 14  እዚ ድማ፡ እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ ከምዚ ዝበሎ ምእንቲ ኺፍጸም ኰነ፦ 15  “ኦ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ስግር ዮርዳኖስ፡ ናይ ኣህዛብ ገሊላ፡ 16  ኣብ ጸልማት ዚቕመጥ ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረኣየ፡ ኣብ ዞባ ድነ ሞት ንዚቕመጡ እውን ብርሃን ወጸሎም።” 17  ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ፡ የሱስ፡ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ” እናበለ ኺሰብኽ ጀመረ። 18  ብጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኪኸይድ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ እተባህለ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ኸለዉ ረኣየ። 19  “ኣነ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ እሞ፡ ስዓቡኒ” ድማ በሎም። 20  ብኡብኡ መርበቦም ሓዲጎም ሰዓብዎ። 21  ካብኡ ምስ ሓለፈ እውን፡ ክልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓዉን፡ ምስ ኣቦኦም ዘብዴዎስ ኣብ ጃልባ ዀይኖም፡ መርበቦም ኬዐርዩ ረኣየ እሞ፡ ጸውዖም። 22  ንሳቶም ከኣ ብኡብኡ ነታ ጃልባን ንኣቦኦምን ሓዲጎም ሰዓብዎ። 23  ድሕርዚ፡ ኣብ ምኵራባቶም እናመሃረን ብስራት መንግስቲ እናሰበኸን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ሕማምን ድናሰን እናኣሕወየን ኣብ ብዘላ ገሊላ ዞረ። 24  ወሪኡ ኸኣ ናብ ኵላ ሶርያ በጽሐ፣ ንሳቶም ድማ ኵሎም ሕሙማት፡ እተፈላለየ ሕማምን ቃንዛን ዘለዎምን ኣጋንንቲ ዝሓደርዎምን ሕማም ምንፍርፋር ዘለዎምን ልሙሳትን ኣምጽኡሉ፣ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። 25  ካብ ገሊላን ደካጶሊስን* የሩሳሌምን ይሁዳን ካብ ስግር ዮርዳኖስን ከኣ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዓቦ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 4:25 * ወይ፡ “ዓሰርተ ኸተማ።”