ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 3:1-17

3  በቲ እዋን እቲ፡ ዮሃንስ መጥምቕ ኣብ በረኻ ይሁዳ እናሰበኸ መጸ፣  ከምዚ እናበለ፦ “መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ እሞ፡ ተነስሑ።”  እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ “እንሆ፡ ‘መገዲ የሆዋ ኣዳልዉ! ጽርግያታቱ ኣቕንዑ!’ እናበለ ኣብ በረኻ ይጭድር ኣሎ” ተባሂሉ እተነግረሉ ንሱ እዩ።  ዮሃንስ ግና፡ ካብ ጸጕሪ ገመል እተሰርሐ ኽዳን ይኽደን፡ ዕጣቕ ቈርበት ከኣ ኣብ ሕቘኡ ይዕጠቕ ነበረ፣ ምግቡ ድማ ኣንበጣን መዓር በረኻን ነበረ።  ሽዑ፡ ካብ የሩሳሌምን ካብ ኵሉ ይሁዳን ካብ ብዘሎ ሃገር ዙርያ ዮርዳኖስን ናብኡ ወጹ፣  ሓጢኣቶም እናተናዘዙ ድማ፡ ኣብ ርባ ዮርዳኖስ ብእኡ ተጠምቁ።  ብዙሓት ካብ ፈሪሳውያንን ካብ ሰዱቃውያንን ናብቲ ጥምቀት ኪመጹ ምስ ረኣየ፡ ከምዚ በሎም፦ “ኣቱም ውሉዳት ኣፍዑት፡* ካብቲ ዚመጽእ ቍጥዓ ኸተምልጡ ደኣ መን ኣጠንቀቐኩም፧  እምበኣር፡ ንንስሓ ዚበቅዕ ፍረ ፍረዩ፣  ከምቲ ብልብኹም፡ ‘ኣብርሃም ኣቦ ኣሎና’ እትብልዎ ኣይምሰልኩም። ከመይሲ፡ ኣምላኽ ንኣብርሃም፡ ካብዚ ኣእማን እዚ ውሉዳት ኬተንስኣሉ ይኽእል እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10  ድሮ እኳ ፋስ ኣብ ሱር እቲ ኣእዋም ተነቢሩ ኣሎ፣ እምበኣር፡ ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዅሉ ኦም ይቝረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 11  ኣነስ ስለ ንስሓኹም ብማይ አጥምቐኩም ኣለኹ፣ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ ግና፡ ካባይ ይብርትዕ እዩ፣ ኣነስ ኣሳእኑ ኸውጽእ እኳ ኣይበቅዕን እየ። ንሱ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓውን ኬጥምቐኩም እዩ። 12  መዝረዊኡ ኣብ ኢዱ እዩ፣ ንዓውዱ እውን ኣጸቢቑ ኼጽርዮ እዩ፣ ንስርናዩ ኣብ ማዕከኑ ኺእክብ፡ ነቲ ብቝቡቝ ግና ብዘይጠፍእ ሓዊ ኼንድዶ እዩ።” 13  ሽዑ፡ የሱስ ብዮሃንስ ምእንቲ ኺጥመቕ፡ ካብ ገሊላ ናብ ዮርዳኖስ መጸ። 14  ዮሃንስ ግና፡ “ኣነ ብኣኻ ኽጥመቕ የድልየኒ እምበር፡ ንስኻዶ ናባይ ትመጽእ፧” ኢሉ ኣበዮ። 15  የሱስ ከኣ፡ “ኵሉ ጽድቂ ኽንፍጽም ይግብኣና እዩ እሞ፡ ሕጅስ ይኹን ደኣ” በሎ። ድሕርዚ፡ ኣይኣበዮን። 16  የሱስ ምስ ተጠምቀ፡ ብኡብኡ ኻብ ማይ ወጸ፣ እንሆ፡ ሰማያት ተኸፍተ፡ መንፈስ ኣምላኽ ከም ርግቢ ወሪዱ፡ ኣብኡ ኺዓርፍ ከሎ ረኣየ። 17  እንሆ ድማ፡ ካብ ሰማያት፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ድምጺ መጸ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 3:7 * መርዛም ዓይነት ተመን።