ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 27:1-66

27  ምስ ነግሀ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ።  ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ እቲ ሹም ሃብዎ።  ሽዑ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዝሃቦ ይሁዳ፡ ንሱ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ፡ ነቲ ሰልዲ ብሩር ድማ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን መለሶ፣  ከምዚ እናበለ፦ “ጻድቕ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ ሓጣእኩ።” ንሳቶም ከኣ፡ “እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ!” በልዎ።  ስለዚ፡ ነቲ ሰልዲ ብሩር ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፣ ከይዱ እውን ተሓንቀ።  ሊቃውንቲ ኻህናት ግና፡ ነቲ ሰልዲ ብሩር ወሲዶም፡ “ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ቅዱስ ቤት መዝገብ ኪኣቱ ኣይተፈቕደን” በሉ።  ምስ ተማኸሩ፡ ብእኡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን መሬት ሰራሕ ካይላ ዓደጉ።  ስለዚ፡ እታ መሬት እቲኣ ኽሳዕ ሎሚ፡ “መሬት ደም” ትብሃል ኣላ።  ሽዑ፡ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ ከምዚ እተባህለ ተፈጸመ፦ “እቲ ገሊኦም ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ዋጋኡ ዝዀነ ሰላሳ ሰልዲ ብሩር ወሲዶም፡ 10  ከምቲ የሆዋ ዝኣዘዘኒ፡ ምእንቲ መሬት ሰራሕ ካይላ ሃቡ።” 11  የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ፣ እቲ ሹም ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። የሱስ ከኣ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ። 12  ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስስዎ ኸለዉ ግና፡ ኣይመለሰን። 13  ሽዑ፡ ጲላጦስ፡ “ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉስ ኣይትሰምዕን ዲኻ፧” በሎ። 14  ንሱ ግና ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰሉን፣ እቲ ሹም ድማ ኣዝዩ ተገረመ። 15  እቲ ሹም ከኣ ነቶም ህዝቢ፡ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፈትሓሎም ልምዲ ነበሮ። 16  ሽዑ፡ በርባን ዚብሃል ውሩይ እሱር ነበሮም። 17  ስለዚ፡ ተኣኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ፡ “ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ንበርባንዶ፡ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስ፧” በሎም። 18  ከመይሲ፡ ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ። 19  ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ “ሎሚ ለይቲ ብሕልሚ ብሰሩ ብዙሕ መከራ ረኺበ እየ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ ኣይትእቶ” ኢላ ለኣኸትሉ። 20  ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ግና ነቲ ህዝቢ፡ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል ሓበልዎም። 21  እቲ ሹም ከኣ መሊሱ፡ “ካብ ክልቲኦም፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ንበርባን” በሉ። 22  ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ክርስቶስ ዚብሃል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። ኵላቶም፡ “ይሰቐል!” በሉ። 23  ንሱ ኸኣ፡ “እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ይሰቐል!” እናበሉ ብዝያዳ ጨደሩ። 24  ጲላጦስ፡ እቲ ነገር ናዕቢ ኻብ ምልዕዓል ሓሊፉ ሓንቲ እኳ ኸም ዘይጠቐመ ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ “ካብ ደም እዚ ሰብ እዚ ንጹህ እየ። ባዕላትኩም ፍለጡ” እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሓጽበ። 25  ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ “ደሙ ኣብ ልዕሌናን ኣብ ልዕሊ ደቅናን ይኹን” ኢሎም መለሱ። 26  ሽዑ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፣ ንየሱስ ግና ኣግሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም። 27  ድሕርዚ፡ ወተሃደራት እቲ ሹም ንየሱስ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሹም ኣእተውዎ፣ ብዘሎ ጭፍራ ወተሃደራት እውን ናብኡ ኣከቡ። 28  ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ፡ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ፣ 29  ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ከኣ፡ ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፣ ኣብ የማናይ ኢዱ ድማ ሻምብቆ ኣትሓዝዎ። ኣብ ቅድሚኡ ተምበርኪኾም፡ “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ እውን ኣላገጹሉ። 30  ጡፍ ከኣ በሉሉ፡ ነቲ ሻምብቆ ወሲዶም ድማ ርእሱ ወቕዕዎ። 31  ምስ ኣላገጹሉ ኸኣ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ፣ ኪሰቕልዎ ድማ ወሰድዎ። 32  ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብሃል ቀሬናዊ ረኸቡ። ንዕኡ ድማ ጕንዲ ስቅያቱ ኺጾረሉ ገደድዎ። 33  ጐልጎታ፡ ማለት ቦታ ቐረንቀራ፡ ናብ እትብሃል ቦታ ምስ በጽሑ፡ 34  ምስ ሓሞት እተሓወሰ ወይኒ ኺሰቲ ሃብዎ፣ ንሱ ግና ጥዒሙ፡ ምስታዩ ኣበየ። 35  ምስ ሰቐልዎ ኸኣ፡ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ፣ 36  ኣብኡ ተቐሚጦም እውን ሓለውዎ። 37  ኣብ ልዕሊ ርእሱ ድማ፡ “እዚ፡ የሱስ ንጉስ ኣይሁድ እዩ” ዚብል ጽሑፍ ክሱ ኣንበሩ። 38  ሽዑ፡ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ድማ ብጸጋሙ፡ ምስኡ ተሰቕሉ። 39  ሓለፍቲ መገዲ ድማ፡ ርእሶም እናነቕነቑ ጸረፍዎ፡ 40  ከምዚ እናበሉ፦ “ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ ርእስኻ ኣድሕን! ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ካብ ጕንዲ ስቅያት ውረድ!” 41  ከምኡ ድማ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍትን ዓበይትን ኰይኖም፡ ከምዚ እናበሉ ኣላገጹሉ፦ 42  “ንኻልኦት ኣድሒንዎም፣ ንርእሱ ግና ኼድሕና ኣይከኣለን! ንሱ ንጉስ እስራኤል እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ይውረድ፡ ንሕና ኸኣ ብእኡ ንኣምን። 43  ኣብ ኣምላኽ ተወኪሉ እዩ፣ ‘ወዲ ኣምላኽ እየ’ ኢሉ እዩ እሞ፡ ይደልዮ እንተ ዀይኑስ፡ ሕጂ የድሕኖ።” 44  እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲ እውን፡ ከምኡ እናበሉ ጸረፍዎ። 45  ካብ ሻድሸይቲ ሰዓት* ኣትሒዙ፡ ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ኵላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 46  ብታሽዐይቲ ሰዓት ኣቢሉ፡ የሱስ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ እዚ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ። 47  ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ። 48  ብኡብኡ፡ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ወሲዱ፡ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ ብሻምብቆ ገይሩ ኣስተዮ። 49  እቶም ዝተረፉ ግና፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬድሕኖ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” በሉ። [ካልእ ድማ፡ ኲናት ኣልዒሉ፡ ጐድኑ ወግኦ፣ ደምን ማይን ከኣ ወጸ።]* 50  የሱስ ከም ብሓድሽ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፡ መንፈሱ ኣሕሊፉ ድማ ሃበ።* 51  እንሆ ድማ፡ መጋረጃ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ፣ ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፣ ኣኻውሕ ከኣ ተጨድዱ። 52  መቓብራት እውን ተኸፍቱ፣ ሬሳታት ብዙሓት ዓሪፎም ዝነበሩ ቕዱሳት ተንስኡ፣ 53  (ድሕሪ ትንሳኤኡ፡ ሰባት ካብቲ መቓብራት ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ኣተዉ፣) ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54  እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ምስኡ ንየሱስ ዚሕልዉ ዝነበሩን ግና፡ ነቲ ምንቅጥቃጥ ምድርን ነቲ ዝዀነ ነገራትን ምስ ረኣዩ፡ “እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” እናበሉ ኣዝዮም ፈርሁ። 55  ንየሱስ ኬገልግላኦ ኢለን ካብ ገሊላ ዘሰነያኦ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ፣ 56  ካባታተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴን ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። 57  ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ ድማ፡ ዮሴፍ ዝስሙ ወደ መዝሙር የሱስ ዝዀነ ሃብታም ብዓል ኣርማትያስ መጸ። 58  ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ። ሽዑ፡ ጲላጦስ ኪውሃቦ ኣዘዘ። 59  ዮሴፍ ከኣ ነቲ ሬሳ ወሲዱ፡ ብጽሩይ ቅጭን በፍታ ገነዞ፣ 60  ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ድማ ኣንበሮ። ዓብዪ እምኒ ኣንከባሊሉ ነቲ ኣፍ መቓብር ምስ ዓጸዎ ኸኣ፡ ከደ። 61  ማርያም መግደላዊትን እታ ኻልአይቲ ማርያምን ግና፡ ኣብ መንጽር እቲ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። 62  ንጽብሒቱ፡ ድሕሪ እታ መዓልቲ ምድላው፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ኣብ ቅድሚ ጲላጦስ ተኣከቡ፡ 63  ከምዚ እናበሉ፦ “ጐይታና፡ እቲ መስሓቲ ብህይወት ከሎ፡ ‘ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ’ ኸም ዝበለ ዘኪርና። 64  ስለዚ፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ፡ ንህዝቢ፡ ‘ካብ ምዉታት ተንሲኡ’ ኸይብሉስ፡ ካብቲ ቐዳማይ ከኣ ዳሕራይ ስሕተት ከይገድድሲ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሳልሰይቲ መዓልቲ ብጽኑዕ ኪሕሎ ኣዝዝ።” 65  ጲላጦስ ከኣ፡ “ሓለውቲ እነዉልኩም። ከም እትፈልጥዎ ጌርኩም ብጽኑዕ ሓልዉ” በሎም። 66  ከይዶም ከኣ፡ ነቲ እምኒ ብምሕታምን ሓለውቲ ብምግባርን፡ ነቲ መቓብር ብጽኑዕ ሓለውዎ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 27:45 * “ሻድሸይቲ ሰዓት፡” ማለት ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ።
ማቴ 27:45 * “ታሽዐይቲ ሰዓት፡” ማለት ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ።
ማቴ 27:49 * እዘን ቃላት እዚአን ኣብ ገሊኡ ኢደ ጽሑፋት ዚርከባ እኳ እንተ ዀና፡ ኣብ ሓያሎ ወግዓዊ ኢደ ጽሑፋት ግና ኣይርከባን እየን።
ማቴ 27:50 * ወይ፡ “ትንፋሱ ድማ ሓለፈት።”