ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 26:1-75

26  ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዅሉ እዚ ዘረባ እዚ ምስ ወድአ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡  “ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ* ምዃኑ ትፈልጡ ኢኹም፣ ወዲ ሰብ ድማ ንኺስቀል ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ” በሎም።  ሽዑ፡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣጸድ እቲ ቀያፋ ዚብሃል ሊቀ ኻህናት ተኣኪቦም፡  ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ተማኸሩ።  ግናኸ፡ “ኣብ መንጎ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይለዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” ይብሉ ነበሩ።  የሱስ ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ ከሎ፡  ክቡር ቅዱይ ቅብኢ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ዝሓዘት ሰበይቲ ናብኡ ቐሪባ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ነቲ ቕብኢ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ርእዮም ሓረቑ፡ “ንምንታይ እዚ ዚባኽን፧  እዝስ ንብዙሕ ተሸይጡ፡ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ” ድማ በሉ። 10  የሱስ ግና፡ እዚ ፈሊጡ፡ “ነዛ ሰበይቲ ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ። 11  ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን። 12  እዛ ሰበይቲ እዚኣ ኣብ ሰብነተይ ቅዱይ ቅብኢ ኸተፍስስ ከላ፡ ንቐብረይ ከተዳልወኒ ኢላ እያ ገይራቶ። 13  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ” በሎም። 14  ሽዑ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ 15  “ንዕኡ ኣሕሊፈ ኽህበኩምሲ፡ እንታይ ትህቡኒ፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ ሰላሳ ሰልዲ ብሩር ኣቕረቡሉ። 16  ካብ ሽዑ ኣትሒዙ ድማ፡ ኣሕሊፉ ንኺህቦ ምሹእ ኣጋጣሚ ይደሊ ነበረ። 17  በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ፋስጋ ኽትበልዕሲ፡ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧” በልዎ። 18  ንሱ ድማ ከምዚ በለ፦ “ናብ ከተማ፡ ናብ እከለ ኺዱ እሞ፡ ‘መምህር፡ “ግዜይ ቀሪባ እያ፣ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ቤትካ ፋስጋ ኸብዕል” ይብል ኣሎ’ በልዎ።” 19  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸምቲ የሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ። 20  ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጠ። 21  ኪበልዑ ኸለዉ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ሓደ ኻባኻትኩም ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም። 22  ንሳቶም ከኣ በዚ ብዙሕ ጕህዮም፡ በብሓደ፡ “ጐይታይ፡ ኣነ ደዀን እየ፧” ኪብልዎ ጀመሩ። 23  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዜጥልቕ፡ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዚህበኒ። 24  ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይልኡ! እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ።” 25  እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ይሁዳ ድማ፡ “መምህር፡ ኣነ ደዀን እየ፧” ኢሉ መለሰ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ በልካ” በሎ። 26  ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዓለ፣ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ እናሃበ ድማ፡ “ውሰዱ፡ ብልዑ። እዚ ስጋይ ማለት እዩ” በሎም። 27  ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ከምዚ እናበለ ሃቦም፦ “ኵላትኩም ካብዚ ስተዩ፣ 28  እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ። 29  ግናኸ እብለኩም ኣለኹ፦ ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ዝሰትየላ መዓልቲ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ኸቶ ኣይክሰትን እየ።” 30  መዝሙር ውዳሰ ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ። 31  ሽዑ፡ የሱስ፡ “‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ኵላትኩም ብሰረይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32  ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም። 33  ጴጥሮስ ግና፡ “ኵላቶም እኳ ብሰርኻ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይክዕንቀፍን እየ!” በሎ። 34  የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ። 35  ጴጥሮስ ድማ፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” በሎ። ኵሎም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ እውን፡ ከምኡ በሉ። 36  ድሕርዚ፡ የሱስ ምሳታቶም፡ ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ኸደ፣ ነቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ “ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም። 37  ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማሊኡ ድማ፡ ኪጕህን ኪጭነቕን ጀመረ። 38  ሽዑ፡ “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ። ኣብዚ ኹኑ፡ ምሳይ እውን ንቕሑ” በሎም። 39  ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ብገጹ ተደፊኡ፡ “ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ፡ ከም ፍቓድካ እምበር፡ ከም ፍቓደይ ኣይኹን” ኢሉ ጸለየ። 40  ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ ምስ መጸ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ 41  ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ። 42  ከም ብሓድሽ፡ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ “ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰተኽዎ ኺሓልፍ ዘይከኣል እንተ ዀይኑ፡ ፍቓድካ ይኹን” ኢሉ ጸለየ። 43  ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44  ሓዲግዎም ከም ብሓድሽ ከይዱ ኸኣ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ኢሉ ሳልሳይ ሳዕ ጸለየ። 45  ድሕሪኡ፡ ናብቶም ደቀ መዛሙርቲ መጺኡ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! እንሆ፡ እታ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ዚውሃበላ ሰዓት ቀሪባ ኣላ። 46  ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። 47  ንሱ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ዓበይቲ ህዝብን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ብዙሓት ህዝቢ መጹ። 48  እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 49  ትኽ ኢሉ ናብ የሱስ ከይዱ ድማ፡ “ሰላም፡ መምህር” ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። 50  የሱስ ግና፡ “ዓርከይ፡ ንምንታይ መጺእካ፧” በሎ። ሽዑ፡ ቀሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም፡ ንየሱስ ሓዝዎ። 51  እንሆ ግና፡ ሓደ ኻብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ፡ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ። 52  ሽዑ፡ የሱስ፡ “ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም፡ ብሰይፊ ኺጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ሰፈራ ምለሳ። 53   ወይስ ንኣቦይ ሕጂ ኻብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን* ዚበዝሑ መላእኽቲ ንኺሰድደለይ ክልምኖ ዘይክእልዶ ይመስለካ፧ 54  እቲ በዚ ኸምዚ ኺፍጸም ዚግብኦ ቕዱሳት ጽሑፋት ደኣ ኸመይ ኢሉ ኺፍጸም፧” በሎ። 55  ሽዑ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ ተቐሚጠ እምህር ነይረ፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። 56  እዚ ዅሉ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ነብያት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ ዀይኑ” በሎም። ሽዑ፡ ኵሎም እቶም ደቀ መዛሙርቲ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። 57   እቶም ንየሱስ ዝሓዝዎ ኸኣ፡ ናብ ቀያፋ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣ ኣብኡ ኸኣ ጸሓፍትን ዓበይትን ተኣኪቦም ነበሩ። 58  ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ናብ ውሽጢ ምስ ኣተወ ኸኣ፡ መወዳእታኡ ኺርኢ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። 59  ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ናይ ሓሶት ምስክር ደለዩ፣ 60  ግናኸ ብዙሓት ናይ ሓሶት መሰኻኽር እኳ እንተ ቐረቡ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። ደሓር፡ ክልተ ቐሪቦም፡ 61  “እዚ ሰብ እዚ፡ ‘ንቤተ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ፡ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጻ እኽእል እየ’ ኢሉ” በሉ። 62  እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” በሎ። 63  የሱስ ግና ስቕ በለ። ስለዚ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት፡ “ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካ ኽትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ አምሕለካ ኣለኹ!” በሎ። 64  የሱስ ድማ፡ “ንስኻ እኳ በልካ። ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ድሕሪ ሕጂ፡ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ። 65  ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ከምዚ እናበለ ኽዳኑ ቐደደ፦ “ተጻሪፉ! ተወሰኽቲ መሰኻኽርከ ንምንታይ የድልዩና፧ እንሆ፡ ሕጂ ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። 66  እንታይ ይመስለኩም፧” ንሳቶም ከኣ፡ “ሞት ይግብኦ” ኢሎም መለሱሉ። 67  ድሕርዚ፡ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉን ኣጕሰጥዎን። ገሊኣቶም ከኣ ጸፍዕዎ፡ 68  ከምዚ እናበሉ፦ “ኦ ክርስቶስ፡ ተነበየልና። መን እዩ ወቒዑካ፧” 69  ጴጥሮስ ኣብ ወጻኢ፡ ኣብ ኣጸድ ተቐሚጡ ነበረ፣ ሓንቲ ኣገልጋሊት ከኣ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ!” እናበለት ናብኡ መጸት። 70  ንሱ ግና፡ “ብዛዕባ እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጥን እየ” እናበለ ኣብ ቅድሚ ዅላቶም ከሓደ። 71  ናብ ጥቓ ኣፍ ደገ ምስ ከደ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ነቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኸኣ፡ “እዚ፡ ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ነይሩ እዩ” በለቶም። 72  ንሱ ኸኣ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ብማሕላ ኸሓደ። 73  ድሕሪ ቝሩብ ግዜ፡ እቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ ቐሪቦም፡ ንጴጥሮስ፡ “ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ብዘረባኻ እኳ ትፍለጥ” በልዎ። 74  ሽዑ፡ ንሱ፡ “ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ!” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75  ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱ እውን፡ ኣምሪሩ በኸየ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 26:2 * ኣብ ማህደረ ቓላት፡ ኣብ “ፋስጋ” ርአ።
ማቴ 26:53 * “ለጌዎን” ቀንዲ ኣሃዱ ሰራዊት ሮሜ እዩ ነይሩ። እዛ ቓል እዚኣ፡ ኣብዚ ንብዙሕ ቍጽሪ ተመልክት።