ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 19:1-30

19  ኰነ ድማ፡ የሱስ ተዛሪቡ ምስ ወድአ፡ ካብ ገሊላ ነቒሉ ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ናብ ዘሎ ወሰናስን ይሁዳ መጸ።  ብዙሕ ህዝቢ ድማ ሰዓቦ፣ ንሱ እውን ኣብኡ ኣሕወዮም።  ፈሪሳውያን ድማ ናብኡ መጹ እሞ፡ ኪፍትንዎ ደልዮም፡ “ሰብኣይ ንሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒዱሉ እዩ፧” በልዎ።  ንሱ ኸኣ፡ “እቲ ኣብ መጀመርታ ዝፈጠሮም፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ኸም ዝፈጠሮምዶ ኣየንበብኩምን፧  ‘ስለዚ፡ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ፡ ክልቲኦም ድማ ሓደ ስጋ ይዀኑ’ ኸም ዝበለዶኸ ኣየንበብኩምን፧  ደጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። እምበኣር፡ ነቲ ኣምላኽ ዝጸመዶስ፡ ዋላ ሓደ ሰብ ኣይፍለዮ” ኢሉ መለሰሎም።  ንሳቶም ከኣ፡ “ስለምንታይ ደኣ እዩ ሙሴ ጽሑፍ መፍትሒኣ ሂብካ ኽትፍታሕ ዝኣዘዘ፧” በልዎ።  ንሱ ድማ፡ “ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ኣንስትኹም ክትፈትሑ ፈቐደልኩም፣ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን።  ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ንሰበይቱ ብዘይካ ብምኽንያት ምንዝርና* ዚፈትሓ እሞ ኻልእ ዚምርዖ ዘበለ ይዝሙ” በሎም። 10  እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጕዳይ ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ዘይምምርዓው ይሓይሽ” በልዎ። 11  ንሱ ግና፡ “ነዚ ነገር እዚ፡ ብዘይካ እቶም እተዋህቦም፡ ኵሉ ኣይኰነን ዚቕበሎ። 12  ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወልዱ ኣለዉ፣ ብሰባት እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ፣ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባት እውን ኣለዉ። ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ” በሎም። 13  ድሕርዚ፡ ኢዱ ምእንቲ ኼንብረሎምን ምእንቲ ኺጽልየሎምን፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፣ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና ገንሕዎም። 14  የሱስ ግና፡ “መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ነቶም ቈልዑ ሕደግዎም፡ ናባይ ከይመጹ ድማ ኣይትኸልክልዎም” በለ። 15  ኣእዳዉ እውን ኣንበረሎም፣ ካብኡ ኸኣ ከደ። 16  እንሆ ድማ፡ ሓደ ናብኡ መጺኡ፡ “መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ፡ እንታይ ሕያውነት ክገብር ኣሎኒ፧” በሎ። 17  ንሱ ኸኣ፡ “ብዛዕባ ሕያውነት ስለምንታይ እትሓትተኒ፧ ሓደ ጥራይ እዩ ሕያዋይ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሊኻ ግና፡ ትእዛዛት ሓሉ” በሎ። 18  ንሱ ድማ፡ “ኣየኖት፧” በሎ። የሱስ ከኣ፡ “ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ 19  ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኣፍቅር” በሎ። 20  እቲ ጐበዝ፡ “ነዚ ዅሉስ እሕልዎ ኣለኹ፣ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ፧” በሎ። 21  የሱስ ድማ፡ “ፍጹም ክትከውን እንተ ደሊኻስ፡ ኪድ፡ ንብረትካ ሼጥካ፡ ንድኻታት ሃብ፣ ኣብ ሰማይ ከኣ መዝገብ ኪህልወካ እዩ፣ ንዓ እውን ሰዓብየይ ኩን” በሎ። 22  እቲ ጐበዝ ነዚ ዘረባ እዚ ምስ ሰምዐ፡ ብዙሕ ጥሪት ስለ ዝነበሮ፡ ጕህዩ ኸደ። 23  የሱስ ግና ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ሃብታም ናብ መንግስተ ሰማያት ኪኣቱ፡ ጭንቂ ኪዀኖ እዩ። 24  ደጊመ እብለኩም ኣለኹ፦ ሃብታም ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ዚኣቱስ፡ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክትሓልፍ ይቐልል” በሎም። 25  እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ እዚ ምስ ሰምዑ፡ “መን ኰን ኪድሕን ይኽእል፧” እናበሉ ብዙሕ ተገረሙ። 26  የሱስ ከኣ እናጠመቶም፡ “እዚ ብሰባት ኣይከኣልን እዩ፡ ብኣምላኽ ግና ኵሉ ይከኣል እዩ” በሎም። 27  ሽዑ፡ ጴጥሮስ መሊሱ፡ “እንሆ፡ ንሕና ዅሉ ሓዲግና ስዒብናካ፣ እንታይ ኰን ክንረክብ ኢና፧” በሎ። 28  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ብዳግመ ፍጥረት፡ በታ ወዲ ሰብ ኣብ ክቡር ዝፋኑ ዚቕመጠላ እዋን፡ ንስኻትኩም እቶም ዝሰዓብኩምኒ እውን ኣብ ዓሰርተው ክልተ ዝፋን ተቐሚጥኩም፡ ንዓሰርተው ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም። 29  ምእንቲ ስመይ ኢሉ ኣባይቲ፡ ወይ ኣሕዋት፡ ወይ ኣሓት፡ ወይ ኣቦ፡ ወይ ኣደ፡ ወይ ውሉዳት፡ ወይ ግራውቲ ዝሓደገ ዅሉ፡ ብዙሕ ዕጽፊ ኺረክብ፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኪወርስ እዩ። 30  “ብዙሓት ቀዳሞት ግና ዳሕሮት፡ ዳሕሮት ድማ ቀዳሞት ኪዀኑ እዮም።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 19:9 * ወይ፡ “ጾታዊ ዘይስነ ምግባራውነት፣ ጾታዊ ሓጢኣት።” ብግሪኽኛ ፖርኒያ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 4 ርአ።