ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 17:1-27

17  ድሕሪ ሽዱሽተ መዓልቲ፡ የሱስ ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስ ሓዉን ወሲዱ፡ ንበይኖም ናብ ነዊሕ ከረን ኣደየቦም።  ኣብ ቅድሚኦም ድማ ትርኢቱ ተለወጠ፣ ገጹ ኸም ጸሓይ በርሀ፡ ክዳኑ እውን ከም ብርሃን ጻዕደወ።  እንሆ ድማ፡ ሙሴን ኤልያስን ምስኡ እናተዘራረቡ ተራእይዎም።  ሽዑ፡ ጴጥሮስ ንየሱስ፡ “ጐይታይ፡ ንዓና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትደሊ እንተ ዄንካስ፡ ኣብዚ ሰለስተ ድንኳን ክተክል፣ ሓደ ንዓኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ ድማ ንኤልያስ” በሎ።  ገና ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ፡ ብሩህ ደበና ኣጐልበቦም፣ እንሆ ድማ፡ ካብቲ ደበና፡ “ዝሰምሮ ፍቑር ወደይ እዚ እዩ፣ ንዕኡ ስምዕዎ” ዚብል ድምጺ መጸ።  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ነዚ ሰሚዖም፡ ብገጾም ተደፍኡ።  የሱስ ድማ ቅርብ ኢሉ ተንከዮም፡ “ተንስኡ፡ ኣይትፍርሁ እውን” በሎም።  ቍሊሕ ምስ በሉ፡ ብዘይካ የሱስ በይኑ፡ ሓደ እኳ ኣይረኣዩን።  ካብቲ ኸረን ኪወርዱ ኸለዉ ኸኣ፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ካብ ምዉታት ክሳዕ ዚትንስእ፡ እዚ ዝረኣኹምዎ ንሓደ እኳ ኣይትንገሩ” ኢሉ ኣዘዞም። 10  ግናኸ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ “ጸሓፍቲ፡ ‘ቅድም ኤልያስ ኪመጽእ ይግባእ’ ዚብሉ ደኣ ስለምንታይ እዮም፧” ኢሎም ሓተትዎ። 11  ንሱ ኸኣ፡ “ኤልያስሲ ኺመጽእ፡ ንዅሉ ድማ ኪመልስ እዩ። 12  ኣነ ግና እብለኩም ኣለኹ፦ ኤልያስ ድሮ መጺኡ እዩ፣ ከም ዝደለይዎ ገበርዎ እምበር፡ ኣየለለይዎን። ወዲ ሰብ እውን፡ ከምኡ ብኣታቶም መከራ ኺጸግብ እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 13  ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ፡ ብዛዕባ ዮሃንስ መጥምቕ ከም እተዛረቦም ኣስተውዓሉ። 14  ናብቲ ህዝቢ ምስ በጽሑ፡ ሓደ ሰብ ናብኡ ቐሪቡ፡ ተምበርኪኹ፡ 15  “ጐይታይ፡ ንወደይ ምሓረለይ፣ ሕማም ምንፍርፋር ኣለዎ፡ ሓሚሙ ኸኣ ኣሎ፣ ብዙሕ ሳዕ ኣብ ሓዊ፡ ብዙሕ ሳዕ ድማ ኣብ ማይ ይወድቕ እዩ። 16  ናብ ደቀ መዛሙርትኻ ኣምጺአዮስ፡ ኬሕውይዎ ኣይከኣሉን” በሎ። 17  የሱስ ድማ፡ “ኣታ ዘይኣምንን ቄናንን ወለዶ፡ ክሳዕ መዓስ እየ ምሳኻትኩም ክነብር፧ ክሳዕ መዓስከ እየ ኽዕገሰኩም፧ ናብዚ ናባይ ኣምጽእዎ” ኢሉ መለሰ። 18  ድሕርዚ፡ የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ፣ እቲ ወዲ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ኣትሒዙ ሓወየ። 19  ሽዑ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብሕት ኢሎም ናብ የሱስ መጺኦም፡ “ስለምንታይ ደኣ ንሕና ኸነውጽኦ ዘይከኣልና፧” በልዎ። 20  ንሱ ኸኣ፡ “እምነትኩም ስለ ዝጐደለት እያ። ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን እዚ፡ ‘ካብዚ ናብቲ ግዓዝ’ ትብልዎ፡ ይግዕዝ ከኣ፡ ዘይከኣለኩም እውን ኣይህሉን” በሎም። 21  *—— 22  ኣብ ገሊላ ተኣኪቦም ከለዉ፡ የሱስ፡ “ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሰባት ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ፣ 23  ንሳቶም ከኣ ኪቐትልዎ፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ ድማ ኪትንስእ እዩ” በሎም። ስለዚ ድማ፡ ብዙሕ ጐሃዩ። 24  ኣብ ቅፍርናሆም ምስ በጽሑ፡ እቶም ነናይ ክልተ ድራክማ* ግብሪ ዚእክቡ ሰባት ናብ ጴጥሮስ ቀሪቦም፡ “መምህርኩምሲ ኽልተ ድራክማ ኣይከፍልን ድዩ፧” በልዎ። 25  ንሱ ድማ፡ “ይኸፍል እባ” ኢሉ መለሰ። ናብ ቤት ምስ ኣተወ ግና፡ የሱስ ኣቐዲሙ፡ “ስምኦን፡ እንታይ ይመስለካ፧ ነገስታት ምድሪ፡ ቀረጽ ወይ ግብሪ ኻብ መን እዮም ዚወስዱ፧ ካብ ደቆምዶ ወይስ ካብ ካልኦት፧” በሎ። 26  “ካብ ካልኦት” ኢሉ ምስ መለሰ፡ የሱስ፡ “እምበኣርሲ፡ ደቆም ካብ ቀረጽ ናጻ እዮም። 27  ምእንቲ ኸይንዕንቅፎም ግና፡ ናብ ባሕሪ ኼድካ፡ መቝለብ ዓሳ ደርቢ፣ ነቲ ቐዳማይ እተታሕዘ ዓሳ ውሰዶ እሞ፡ ኣፉ ምስ ከፈትካ፡ ሰልዲ ብሩር* ክትረክብ ኢኻ። ንዕኡ ወሲድካ፡ ኣብ ክንዳይን ኣብ ክንዳኻን ሃቦም” በሎ።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 17:21 * እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ጽሑፍ ግሪኽኛን ኣብ ካልእ ሒሳዊ ሕታማትን ኣይትርከብን እያ።
ማቴ 17:24 * ቃል ብቓሉ፡ “ዕጽፊ ድራክማ።” ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 11 ርአ።
ማቴ 17:27 * ቃል ብቓሉ፡ “ኣስታቴር፡” ማዕረ ኣርባዕተ ድራክማ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 11 ርአ።