ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 13:1-58

13  በታ መዓልቲ እቲኣ፡ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ።  ብዙሕ ህዝቢ ድማ ናብኡ ተኣከበ፣ ስለዚ፡ ኣብ ጃልባ ደዪቡ ተቐመጠ፣ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኸኣ ኣብቲ ገምገም ደው ኢሉ ነበረ።  ሽዑ፡ ብምሳሌታት ብዙሕ ነገሮም፣ ከምዚ እናበለ፦ “እንሆ፡ ሓደ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ።  ኪዘርእ ከሎ ኸኣ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፣ ኣዕዋፍ መጺአን ድማ በልዓኦ።  ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሓመድ ኣብ ዘይብሉ ኸውሒ ወደቐ፣ ዓሚቝ ሓመድ ስለ ዘይብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ።  ጸሓይ ምስ በረቐት ግና ሓረረ፣ ሱር ስለ ዘይብሉ ድማ ነቐጸ።  ገሊኡ እውን ኣብ ማእከል ኣእሻዅ ወደቐ፣ እቲ ኣእሻዅ ድማ ዓብዩ ሓነቖ።  ገሊኡ ኸኣ ኣብ ጽቡቕ መሬት ወደቐ እሞ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ።  እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ።” 10  ስለዚ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ መጺኦም፡ “ስለምንታይ ኢኻ ብምሳሌታት እትዛረቦም፧” በልዎ። 11  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንዓኻትኩም፡ ምስትውዓል እቲ ቕዱስ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ተዋሂቡኩም ኣሎ፣ ንዓታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12  ከመይሲ፡ ንዘለዎ ይውሰኾ፡ ይበዝሓሉ ኸኣ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እኳ ይግደፍ። 13  እናረኣዩ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑ ኣይሰምዑን፡ ኣየስተውዕሉን እውን እዮም እሞ፡ ስለዚ እየ ብምሳሌታት ዝዛረቦም። 14  ትንቢት ኢሳይያስ ከኣ ኣባታቶም ይፍጸም ኣሎ፡ ከምዚ ዚብል፦ ‘ምስማዕሲ ኽትሰምዑ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተውዕሉን ኢኹም፣ ምርኣይ እውን ክትርእዩ፡ ግናኸ ኸቶ ኣይከተስተብህሉን ኢኹም። 15  ከመይሲ፡ ልቢ እዚ ህዝቢ እዚ ተሪሩ ኣሎ እሞ፡ ብኣዒንቶም ከይርእዩ፡ ብኣእዛኖም ከይሰምዑ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነ እውን ከየሕውዮምሲ፡ ብኣእዛኖም ሰሚዖም ምላሽ ኣይሃቡን፡ ኣዒንቶም ከኣ ዓመቱ።’ 16  “ግናኸ፡ ኣዒንትኹም ዚርእያ፡ ኣእዛንኩም ከኣ ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ሕጉሳት እየን። 17  ከመይሲ፡ ብዙሓት ነብያትን ጻድቃንን ነዚ እትርእይዎ ዘለኹም ኪርእዩ ተመንዮም ኣይረኣይዎን፡ ነዚ እትሰምዕዎ ዘለኹም ኪሰምዑ ተመንዮም እውን ኣይሰምዕዎን፡ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ። 18  “እምበኣር፡ ምሳሌ እቲ ዘራኢ ስምዑ። 19  ቃል መንግስቲ ሰሚዑ ንዘየስተውዕሎ ዘበለ፡ እቲ እኩይ መጺኡ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርአ ይምንጥሎ፣ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርአ እዚ እዩ። 20  እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርአ ድማ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። 21  ኣብኡ ሱር ስለ ዘይሰደደ ግና፡ ንግዜኡ ጥራይ እዩ ዚጸንሕ፣ ስለ እቲ ቓል፡ ጸበባ ወይ መስጐጕቲ ምስ ተላዕለ ድማ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22  እቲ ኣብ ኣእሻዅ እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ዚሰምዕ እዩ፣ ጭንቀት እዚ ስርዓት ዓለምን ምትላል ሃብትን ግና፡ ነቲ ቓል ይሓንቆ፡ ዘይፈሪ ድማ ይኸውን። 23  እቲ ኣብ ጽቡቕ መሬት እተዘርአ ኸኣ፡ ነቲ ቓል ሰሚዑ ዜስተውዕሎ እዩ፣ ንሱ ፍረ ይፈሪ፣ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ድማ ይህብ።” 24  ካልእ ምሳሌ ድማ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርአ ሰብ ትመስል። 25  ሰባት ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢኡ መጺኡ ኣብ መንጎ እቲ ስርናይ ክርዳድ ዘርአ። 26  እቲ ብቝሊ ዓብዩ ፍረ ምስ ፈረየ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27  ባሮት እቲ ብዓል ቤት መጺኦም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧’ በልዎ። 28  ንሱ ኸኣ፡ ‘ነዝስ ጸላኢ እዩ ገይርዎ’ በሎም። ንሳቶም ድማ፡ ‘እሞ ደኣ ኼድናዶ ኽንኣርዮ ትደሊ ኢኻ፧’ በልዎ። 29  ንሱ ኸኣ፡ ‘ነቲ ኽርዳድ ክትኣርዩ ኸለኹም፡ ምስኡ ነቲ ስርናይ ከይትምሕውዎስ፡ ኣይፋልኩምን ደኣ። 30  ክሳዕ ቀውዒ ኽልቲኡ ብሓደ ይዕበ ሕደግዎ፣ ብግዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ ኪኣርይዎን ንኺነድድ ድማ በብእንዳእቲ ገይሮም ኪኣስርዎን፡ ድሕሪኡ ነቲ ስርናይ ናብ ማዕከነይ ኪእክብዎ ኽነግሮም እየ’ በሎም።” 31  ካልእ ምሳሌ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ ትመስል። 32  ንሳ ኻብ ኵሉ ዘርኢ ዝደቐቐት ክነሳ፡ ምስ ዓበየት ግና፡ ካብ ኣሕምልቲ ዝዓበየት ኦም ትኸውን፣ ስለዚ ኸኣ፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺአን ኣብ ጨናፍራ ይሰፍራ።” 33  ካልእ ምሳሌ እውን መሰለሎም፦ “መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ስፍሪ* ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።” 34  የሱስ ነቶም ህዝቢ፡ እዚ ዅሉ ብምሳሌታት ነገሮም። ብዘይ ምሳሌ ኣይዛረቦምን ነበረ፣ 35  ከምኡ ዝገበረ ድማ፡ እቲ ብነብዪ፡ “ኣፈይ ብምሳሌታት እኸፍት፡ ካብ ምስራት ኣትሒዙ ተሓቢኡ ዝነበረ እነግር” ተባሂሉ ዝነበረ ምእንቲ ኺፍጸም እዩ። 36  ሽዑ፡ ነቶም ህዝቢ ምስ ኣፋነዎም፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ናብኡ ቐሪቦም፡ “ምሳሌ እቲ ኣብ ግራት ዝበቘለ ኽርዳድ ግለጸልና” በልዎ። 37  ንሱ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “እቲ ዘራኢ ጽቡቕ ዘርኢ፡ ወዲ ሰብ እዩ፣ 38  እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፣ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፣ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ እኩይ እዮም፣ 39  እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ። እቲ ቐውዒ፡ መደምደምታ ስርዓት ዓለም እዩ፣ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40  እምበኣር፡ ከምቲ ኽርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ዚነድድ፡ ኣብ መደምደምታ ስርዓት ዓለም እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ። 41  ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፣ ንሳቶም ከኣ መዐንቀፊ ዘበለን ጠሓስቲ ሕጊ ዘበሉን ካብ መንግስቱ ኺኣርዩ እዮም፣ 42  ናብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኺድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ድማ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም። 43  ሽዑ፡ ጻድቃን ኣብ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ደሚቖም ኪበርሁ እዮም። እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 44  “መንግስተ ሰማያት፡ ኣብ ሓንቲ መሬት ተሓቢኡ ዝነበረ እሞ፡ ሰብ ረኺቡ ዝሓብኦ መዝገብ ትመስል። ተሓጒሱ ድማ ከይዱ ዘለዎ ሸይጡ፡ ነታ መሬት እቲኣ ዓደጋ። 45  “መንግስተ ሰማያት ጽቡቕ ሉላት ዚደሊ ነጋዳይ እውን ትመስል። 46  ሓንቲ ኽብርቲ ሉል ምስ ረኸበ፡ ብኡብኡ ኸይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ዓደጋ። 47  “መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ፡ ኵሉ ዓይነት ዓሳ ዝኣከበት መርበብ እውን ትመስል። 48  ምስ መልአት፡ ጐቲቶም ናብ ገምገም ኣውጽእዋ፣ ተቐሚጦም ከኣ ጸጽቡቑ ናብ ኣቓሑ ኣከቡ፡ ሐሕማቑ ኸኣ ደርበይዎ። 49  ኣብ መደምደምታ ስርዓት ዓለም እውን ከምኡ ኪኸውን እዩ፦ መላእኽቲ ወጺኦም፡ ነቶም እኩያት ካብ መንጎ ጻድቃን ኪፈልይዎም እዮም፣ 50  ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ኸኣ ኪበኽዩን ኣስናኖም ኪሕርቅሙን እዮም። 51  “ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ፧” ንሳቶም ድማ፡ “እወ” በልዎ። 52  ንሱ ኸኣ፡ “እምበኣርከስ፡ ኵሉ መምህር ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ምስ ተማህረ፡ ካብ መዝገቡ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል” በሎም። 53   ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ምሳሌታት እዚ ምስ ወድአ፡ ካብኡ ነቐለ። 54  ናብ ዓዱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ኣብ ምኵራቦም መሃሮም፣ ንሳቶም ስለ እተገረሙ ድማ፡ ከምዚ በሉ፦ “እዚ ሰብ እዚ፡ ነዚ ጥበብን ነዚ ግብርታት ሓይልን ካበይ ረኸቦ፧ 55  እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰነን፧ ኣዲኡስ ማርያም እትብሃል፡ ኣሕዋቱ ኸኣ ያእቆብን ዮሴፍን ስምኦንን ይሁዳን ደይኰኑን፧ 56  ኣሓቱስ ኵላተን ምሳናዶ የለዋን፧ እዚ ሰብ እዚ ደኣ ነዚ ዅሉ ኻበይ ረኸቦ፧” 57   ብእኡ ድማ ተዓንቀፉ። የሱስ ግና፡ “ነብዪ ብዘይካ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዓቕን እዩ” በሎም። 58  ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ፡ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 13:33 * ብግሪኽኛ ሳቶን። ብድምር 22 ሊትሮ ኣቢሉ ይኸውን።