ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማቴዎስ 11:1-30

11  የሱስ ከኣ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣዚዙ ምስ ወድአ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ተበገሰ።  ዮሃንስ ግና፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ብዛዕባ ግብርታት ክርስቶስ ምስ ሰምዐ፡ ብደቀ መዛሙርቱ ገይሩ ልኢኹ፡  “እቲ ዚመጽእሲ ንስኻ ዲኻ፡ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧” በሎ።  የሱስ፡ “ኬድኩም፡ እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘለኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፦  ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ድዉያት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ድኻታት ድማ ይብሰሩ ኣለዉ፣  እቲ ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ሕጉስ እዩ” ኢሉ መለሰሎም።  እዚኣቶም ኪኸዱ ኸለዉ፡ የሱስ ነቶም ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ከምዚ ኺብሎም ጀመረ፦ “ኣብ በረኻ እንታይ ክትርእዩ ወጺእኩም፧ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆ፧  እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጺእኩም፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድነ ሰብ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት እዮም ዘለዉ።  ስለምንታይ ደኣ ወጺእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም ኣለኹ። 10  እቲ፡ ‘እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ መገድኻ ዚጸርግ ልኡኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ ኣለኹ’ ተባሂሉ እተጻሕፈሉ፡ ንሱ እዩ። 11  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ካብቶም ካብ ኣንስቲ እተወልዱ፡ ካብ ዮሃንስ መጥምቕ ዚዓቢ ኣይተንስአን፣ እቲ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዝነኣሰ ግና፡ ካብኡ ዝዓበየ እዩ። 12  ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥምቕ ክሳዕ ሕጂ ግና፡ ንመንግስተ ሰማያት ይጋደሉላ ኣለዉ፣ እቶም ዚጋደሉ ድማ ይረኽብዋ ኣለዉ። 13  ከመይሲ፡ ነብያትን ሕግን ብሓፈሻ፡ ክሳዕ ዮሃንስ እዩ ተነብዩ። 14  ክትቅበልዎ እትደልዩ እንተ ዄንኩም፡ ‘እቲ ዚመጽእ ኤልያስ’ ንሱ እዩ። 15  እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ። 16  “ነዚ ወለዶ እዚ ብመን ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ንመጻውቶም ዚደሃዩ ቘልዑ ይመስሉ። 17  ከምዚ እናበሉ፦ ‘ሻምብቆ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፣ ኣልቀስናልኩም፡ ደረትኩም ኣይወቓዕኩምን።’ 18  ከምኡ ኸኣ፡ ዮሃንስ ከይበልዐን ከይሰተየን ምስ መጸ፡ ‘ጋኔን ኣለዎ’ ይብሉ፣ 19  ወዲ ሰብ እናበልዐን እናሰተየን ምስ መጸ ድማ፡ ‘እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ኣከብቲ ቐረጽን ሓጥኣንን’ ይብሉ። ዝዀነ ዀይኑ፡ ጥበብ ብግብራ ጸደቐት።” 20  ድሕርዚ፡ ነተን መብዛሕትኡ ግብርታት ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት፡ ስለ ዘይተነስሓ ኸምዚ ኢሉ ኺነቕፈን ጀመረ፦ 21  “ወይለኺ ኰራዚን! ወይለኺ ቤት-ሳይዳ! እቲ ኣባኻትክን እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ሲዶንን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ማቕ ተኸዲነን፡ ኣብ ሓምዅሽቲ ድማ ተቐሚጠን፡ ቀደም ምተነስሓ ነይረን። 22  ስለዚ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ንዓኻትክን ንጢሮስን ንሲዶንን ኪቐልል እዩ፡ እብለክን ኣለኹ። 23  ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳብ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳብ መቓብር* እባ ኽትወርዲ ኢኺ፣ ከመይሲ፡ እዚ ኣባኺ እተገብረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውን፡ ንሳ ኽሳዕ ሎሚ ምጸንሐት ነይራ። 24  ስለዚ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ፡ ካብ ንዓኺ ንሶዶም ኪቐልል እዩ፡ እብለኪ ኣለኹ።” 25  በታ ግዜ እቲኣ፡ የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “ኦ ኣቦይ፡ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ ነዚ ነገራት እዚ ኻብ ጥበበኛታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሓባእካዮ፡ ንሕጻናት ከኣ ስለ ዝገለጽካዮ፡ ብግህዶ እውድሰካ ኣለኹ። 26  እወ፡ ኦ ኣቦይ፡ ከምኡ ዝዀነ፡ ስለ ዝሰመርካዮ እዩ። 27  ኵሉ ኻብ ኣቦይ ተዋሂቡኒ ኣሎ፣ ንወዲ ኸኣ ብዘይካ ኣቦ፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን፣ ንኣቦ እውን ብዘይካ ወድን ወዲ ኺገልጸሉ ዚደሊ ዘበለን፡ ሓደ እኳ ኣጸቢቑ ዚፈልጦ የልቦን። 28  ኣቱም ኵሉኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ናባይ ንዑ፡ ኣነ ድማ ከዕርፈኩም እየ። 29  ኣነ ልኡምን ትሑት ዝልቡን እየ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ፡ ካባይ እውን ተምሃሩ፣ ንነፍሳትኩም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም። 30  ከመይሲ፡ ኣርዑተይ ምሹእ፡ ጾረይ እውን ፈኲስ እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ማቴ 11:23 * ወይ፡ “ሲኦል።” ማለት፡ ሓፈሻዊ መቓብር ደቂ ሰብ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 8 ርአ።