ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማርቆስ 8:1-38

8  በተን መዓልትታት እቲአን፡ ከም ብሓድሽ ብዙሕ ህዝቢ ምስ ተኣከበ፡ ዚብላዕ ኣይነበሮምን እሞ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡  “እዞም ህዝቢ እዚኦም ምሳይ ሰለስተ መዓልቲ ስለ ዝገበሩ፡ ዚብላዕ እውን ስለ ዘይብሎም፡ የደንግጹኒ ኣለዉ።  ጾሞም ናብ ቤቶም እንተ ኣሰናቢተዮም፡ ኣብ መገዲ ኺሕለሉ እዮም” በሎም።  ደቀ መዛሙርቱ ግና፡ “ኣብዚ ጽምዊ ቦታ ደኣ ነዞም ህዝቢ እዚኦም ዜጽግብ እንጌራ ኻበይ ይርከብ፧” ኢሎም መለሱሉ።  ንሱ ኸኣ፡ “ክንደይ እንጌራ ኣሎኩም፧” ኢሉ ሓተቶም። ንሳቶም፡ “ሸውዓተ” በልዎ።  ነቶም ህዝቢ ድማ ኣብ ምድሪ ኪቕመጡ ኣዘዞም፣ ነተን ሸውዓተ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ኣመስጊኑ፡ ቈሪሱ፡ ኬቕርቡሎም ኢሉ ንደቀ መዛሙርቱ ሃቦም፣ ንሳቶም ከኣ ነቶም ህዝቢ ኣቕረቡሎም።  ሒደት ንኣሽቱ ዓሳታት ድማ ነበሮም፣ ንዕኡ ኸኣ ባሪኹ ሃቦም፡ ኬቕርቡሎም እውን ነገሮም።  በሊዖም ድማ ጸገቡ፣ ዝተረፈ ቝርስራስ ከኣ ሸውዓተ ዓብዪ መሶብ መሊኦም ኣልዓሉ።  ኣስታት 4,000 እውን ነበሩ። ሽዑ፡ ኣሰናበቶም። 10  ብኡብኡ ድማ፡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ጃልባ ደዪቡ ናብ ዞባ ደልማኑታ መጸ። 11  ፈሪሳውያን ወጺኦም ከኣ፡ ምእንቲ ኺፍትንዎ ኢሎም፡ ካብ ሰማይ ትእምርቲ ኼርእዮም ደልዮም ተኸራኸርዎ። 12  ንሱ ድማ ብመንፈሱ እህህ ኢሉ፡ “ስለምንታይ እዩ እዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ዚደሊ፧ ብሓቂ እብል ኣለኹ፦ ነዚ ወለዶ እዚ ትእምርቲ ኣይውሃቦን እዩ።” 13  ሓዲግዎም ከኣ ከም ብሓድሽ ናብ ጃልባ ደዪቡ፡ ናብ ስግር ከደ። 14  ግናኸ፡ ምምላእ እንጌራ ረስዑ፣ ምሳታቶም ኣብ ጃልባ ኸኣ ብዘይካ ሓንቲ እንጌራ ኻልእ ኣይነበሮምን። 15  ንሱ ድማ፡ “ካብ ማይ ብሑቝ ፈሪሳውያንን ካብ ማይ ብሑቝ ሄሮድስን ተጠንቀቑን ተሓለዉን” ኢሉ ብንጹር ኣዘዞም። 16  እንጌራ ስለ ዘይነበሮም ከኣ፡ ንሓድሕዶም ተዘራረቡ። 17  ነዚ ፈሊጡ ድማ፡ “እንጌራ ስለ ዘይብልኩም፡ ስለምንታይ ትዘራረቡ ኣለኹም፧ ገናዶ ኣይትግንዘቡን ወይስ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧ ልብኹምዶ ድፉን እዩ፧ 18  ‘ኣዒንቲ ኸለዋኹምሲ፡ ኣይትርእዩን ዲኹም፧ ኣእዛን ከለዋኹምከ፡ ኣይትሰምዑን ዲኹም፧’ ኣይትዝክሩንዶኸ ኢኹም፧ 19  እቲ ሓሙሽተ እንጌራ ን5,000 ምስ ቈረስክዎ፡ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ መሶብ ኣልዒልኩም፧” በሎም። ንሳቶም ከኣ፡ “ዓሰርተው ክልተ” በልዎ። 20  “እቲ ሸውዓተ እንጌራ ን4,000 ምስ ቈረስኩዎኸ፡ ቍርስራስ ዝመልአ ኽንደይ ዓብዪ መሶብ ኣልዒልኩም፧” ንሳቶም ከኣ፡ “ሸውዓተ” በልዎ። 21  ንሱ ድማ፡ “ገናዶ ኣይተስተውዕሉን ኢኹም፧” በሎም። 22  ናብ ቤት-ሳይዳ ኸኣ መጹ። ዕዉር ኣምጽኡሉ እሞ፡ ኪትንክዮ ለመንዎ። 23  ነቲ ዕዉር ብኢዱ ሒዙ ድማ ናብ ወጻኢ እታ ቝሸት ወሰዶ። ኣብ ኣዒንቱ ጡፍ ኢሉ ኸኣ ኣእዳዉ ኣንበረሉ እሞ፡ “ገለዶ ትርኢ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 24  ቋሕ ኢሉ ድማ፡ “ሰባት እርኢ ኣለኹ፣ ምኽንያቱ፡ ኣእዋም ዚመስሉ እርኢ ኣለኹ፡ ግናኸ ይኸዱ ኣለዉ” በለ። 25  ሽዑ፡ ከም ብሓድሽ ኣእዳዉ ኣብ ኣዒንቱ ኣንበረሉ እሞ፡ ንሱ ኣጸቢቑ ረኣየ፡ ሓወየ፡ ንዅሉ እውን ብንጹር ረኣዮ። 26  “ናብ ቍሸት ኣይትእቶ” ኢሉ ድማ ናብ ቤቱ ሰደዶ። 27  የሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ኣቝሻት ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ ከዱ። ኣብ መገዲ ኸኣ፡ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ሰባት መን እዩ ይብሉኒ ኣለዉ፧” ኢሉ ሓተቶም። 28  ንሳቶም ድማ፡ “ዮሃንስ መጥምቕ፡ ካልኦት ከኣ ኤልያስ፡ ካልኦት እውን ሓደ ኻብ ነብያት” በልዎ። 29  ንሱ ድማ፡ “ንስኻትኩምከ መን እዩ ትብሉኒ፧” ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ከኣ፡ “ንስኻ ክርስቶስ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ። 30  ሽዑ፡ ብዛዕባኡ ንሓደ እኳ ኸይነግሩ ብጽኑዕ ኣዘዞም። 31  ወዲ ሰብ ብዙሕ መከራ ኺጸግብ፡ ብዓበይትን ብሊቃውንቲ ኻህናትን ብጸሓፍትን ኪነዓቕን ኪቕተልን፡ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን ኪትንስእ ከም ዚግብኦ ድማ ኪምህሮም ጀመረ። 32  ነዚ ቓል እዚ ኣግሂዱ ተዛረቦ። ጴጥሮስ ግና ንበይኑ ገይሩ ኺገንሖ ጀመረ። 33  ናብ ደቀ መዛሙርቱ ግልጽ ኢሉ ጠመተ እሞ፡ ንጴጥሮስ፡ “ካባይ ርሓቕ፡ ሰይጣን! ናይ ሰብ እምበር፡ ናይ ኣምላኽ ኣይትሓስብን ኢኻ” በሎ። 34  ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ ከምዚ በሎም፦ “ኪስዕበኒ ዚደሊ ዘበለ፡ ርእሱ ቐቢጹ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኣልዒሉ፡ ይስዓበኒ። 35  ከመይሲ፡ ንነፍሱ* ኼድሕና ዚደሊ ዘበለ፡ ኬጥፍኣ እዩ፣ ንነፍሱ ምእንታይን ምእንቲ እቲ ብስራትን ዜጥፍኣ ዘበለ ግና፡ ኪረኽባ እዩ። 36  ሰብ ምሉእ ዓለም ረቢሑስ፡ ነፍሱ እንተ ኣጥፊኡ እንታይ ይጠቕሞ፧ 37  ሰብከ ኣብ ክንዲ ነፍሱ እንታይ ምሃበ፧ 38  ከመይሲ፡ ኣብዚ ዘማውን ሓጥእን ወለዶ እዚ ብኣይን ብቓለይን ዚሓፍር ዘበለ፡ ወዲ ሰብ ድማ ብኽብሪ ኣቦኡ ምስ ቅዱሳት መላእኽቱ ምስ መጸ፡ ብእኡ ኺሓፍር እዩ።”

እግረ ጽሑፍ

ማር 8:35 * ወይ፡ “ንህይወቱ።”