ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማርቆስ 16:1-20

16  ሰንበት ምስ ሓለፈት፡ ማርያም መግደላዊትን እታ ኣደ ያእቆብ ዝዀነት ማርያምን ሰሎሜን መጺአን ኪለኽያኦ፡ ሽቱ ዓደጋ።  በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ጸሓይ ምስ በረቐት፡ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር መጻ።  ንሓድሕደን ከኣ፡ “ነቲ እምንስ ካብ ኣፍ እቲ መቓብር መን ኬንከባልለልና እዩ፧” ይባሃሃላ ነበራ።  ቍሊሕ ኢለን እንተ ጠመታ ግና፡ እቲ እምኒ ኣዝዩ ገዚፍ እኳ እንተ ነበረ፡ ተንከባሊሉ ረኣያኦ።  ናብቲ መቓብር ምስ ኣተዋ፡ ወለል ዚብል ጻዕዳ ኽዳን እተኸድነ ጐበዝ ኣብ የማን ተቐሚጡ ረኣያ እሞ፡ ሰምበዳ።  ንሱ ድማ፡ “ኣይትሰምብዳ። ነቲ እተሰቕለ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ትደልያ ኣለኽን። ንሱ ተንሲኡ እዩ፡ ኣብዚ የሎን። እታ ተነቢሩላ ዝነበረት ቦታ እንሃ!  ኪዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱን ንጴጥሮስን፡ ‘ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፣ ከምቲ ዝነገረኩም፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም’ ኢልክን ንገራኦም” በለን።  ካብቲ መቓብር ምስ ወጻ፡ ደንጽይወን ራዕራዕ እናበላ ሃደማ። ፈሪሀን ስለ ዝነበራ ኸኣ፡ ንሓደ እኳ ኣይነገራን። ወግዓዊ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ፡ በተን ኣብ ፍቕዲ ሸሞንተ ዘለዋ ቓላት እዩ ዚዛዘም። ገለ ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ግና፡ እዚ ዚስዕብ ነዊሕ መደምደምታ ሒዙ ኣሎ፣ ድሕሪኡ ዝነበረ ገለ ኢደ ጽሑፋት ከኣ ነቲ ስዒቡ ዘሎ ሓጺር መደምደምታ ሒዙ ኣሎ። ክልቲኡ መደምደምታ፡ ክፍሊ እቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቕዱሳት ጽሑፋት ከም ዝዀነ ጌርካ ኣይርአን እዩ። ነዊሕ መደምደምታ  በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ኣንጊሁ ምስ ተንስአ፡ ቅድም ነታ ሸውዓተ ኣጋንንቲ ዘውጽኣላ ማርያም መግደላዊት ተራእያ። 10  ንሳ ድማ ከይዳ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ኪሓዝኑን ኪበኽዩን ከለዉ፡ ነገረቶም። 11  ንሳቶም ግና፡ ንሱ ህያው ከም ዝዀነን ንዓኣ ኸም እተራእያን ምስ ሰምዑ፡ ኣይኣመኑን። 12  ድሕርዚ፡ ንኽልተ ኻባታቶም ናብ ገጠር ኪኸዱ ኸለዉ፡ ብኻልእ መልክዕ ተራእዮም፣ 13  ንሳቶም ከኣ ተመሊሶም ንዝተረፉ ነገርዎም። ንዓታቶም እውን ኣይኣመንዎምን። 14  ድሕሪኡ ግና፡ ነቶም ዓሰርተው ክልተ ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ከለዉ፡ ተራእዮም፣ ነቶም ካብ ምዉታት ተንሲኡ ዝረኣይዎ ኣይኣመንዎምን እሞ፡ ስለቲ ዘይምእማኖምን ስለቲ ትሪ ልቦምን ነቐፎም። 15  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንዅሉ ፍጥረት ከኣ ብስራት ስበኹሉ። 16  ዚኣምንን እተጠምቀን ኪድሕን፡ ዘይኣምን ግና ኪዅነን እዩ። 17  ነቶም ዚኣምኑ እውን እዚ ትእምርትታት እዚ ኼሰንዮም እዩ፦ ብስመይ ኣጋንንቲ ኼውጽኡ፡ ብቛንቋታት ኪዛረቡ፡ 18  ብኣእዳዎም ኣትማን ኬልዕሉ እዮም፣ ዚቐትል እንተ ሰትዮም ድማ፡ ኣይኪጐድኦምን እዩ። ኣእዳዎም ኣብ ሕሙማት ኬንብሩ፡ ንሳቶም እውን ኪሓውዩ እዮም።” 19  እምበኣር፡ ጐይታና የሱስ ምስ ተዛረቦም፡ ናብ ሰማይ ዓረገ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ እውን ተቐመጠ። 20  ንሳቶም ድማ ወጺኦም ኣብ ኵሉ ሰበኹ፣ ጐይታ ኸኣ ምሳታቶም እናዓየየ፡ ነቲ መልእኽቲ በቲ ዜሰንዮ ትእምርትታት ገይሩ ይድግፎ ነበረ። ሓጺር መደምደምታ ኵሉ እቲ እተኣዘዛኦ ግና፡ ነቶም ምስ ጴጥሮስ ዝነበሩ ኣሕጽር ኣቢለን ነገራኦም። ድሕርዚ፡ የሱስ ባዕሉ ነቲ ቕዱስን ዘይሓልፍን ስብከት ናይ ዘለኣለም ድሕነት፡ ካብ ምብራቕ ክሳዕ ምዕራብ ብኣታቶም ለኣኾ።

እግረ ጽሑፍ