ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት | መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማርቆስ 15:1-47

15  ምስ ወግሐ፡ ብኡብኡ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን፡ ኰታስ ኵሎም ኣባላት እቲ ዋዕላ ተማኸሩ፣ ንየሱስ ኣሲሮም ወሲዶም ድማ፡ ኣሕሊፎም ንጲላጦስ ሃብዎ።  ጲላጦስ ከኣ፡ “ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ንሱ ድማ፡ “ንስኻ እኳ ትብል ኣለኻ” ኢሉ መለሰሉ።  ሊቃውንቲ ኻህናት ከኣ ብብዙሕ ነገር ከሰስዎ።  ጲላጦስ ድማ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እንሆ፡ ብኽንደይ ነገር ይኸስሱኻ ኣለዉ” ኢሉ ኸም ብሓድሽ ሓተቶ።  የሱስ ግና ደጊም ሓንቲ እኳ ኣይመለሰን፣ ጲላጦስ ድማ ኣዝዩ ተገረመ።  በብበዓል፡ ሓደ ዝለመንዎ እሱር ይፈትሓሎም ነበረ።  ሽዑ፡ ምስቶም ኣብ ናዕቢ ነፍሲ ዝቐተሉ መናዓብቲ፡ በርባን ዚብሃል ተኣሲሩ ነበረ።  እቶም ህዝቢ ኸኣ ደዪቦም፡ ከምቲ ዘልመዶም ኪገብረሎም፡ ኪልምንዎ ጀመሩ።  ጲላጦስ ድማ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ ክፈትሓልኩምዶ ትደልዩ ኢኹም፧” ኢሉ መለሰሎም። 10  ከመይሲ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ብቕንኢ ኣሕሊፎም ከም ዝሃብዎ ፈሊጡ ነበረ። 11  ሊቃውንቲ ኻህናት ግና ነቶም ህዝቢ፡ ኣብ ክንዳኡ ንበርባን ምእንቲ ኺፈትሓሎም ኪልምኑ ኣለዓዓልዎም። 12  ጲላጦስ ከም ብሓድሽ፡ “ነቲ ንጉስ ኣይሁድ እትብልዎኸ እንታይ ክገብሮ፧” በሎም። 13  ንሳቶም፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ከም ብሓድሽ ጨደሩ። 14  ጲላጦስ ከኣ፡ “እንታይ ክፉእ ገይሩ፧” በሎም። ንሳቶም ግና፡ “ስቐሎ!” ኢሎም ብዝያዳ ጨደሩ። 15  ሽዑ፡ ጲላጦስ ነቶም ህዝቢ ባህ ኬብሎም ደልዩ፡ ንበርባን ፈትሓሎም፡ ንየሱስ ድማ ኣግሪፉ፡ ኪስቀል ኣሕሊፉ ሃቦም። 16  እቶም ወተሃደራት ከኣ ናብ ውሽጢ እቲ ኣጸድ፡ ናብ ቤተ መንግስቲ እቲ ሹም ኣእተውዎ፣ ብዘሎ ጭፍራ ወተሃደራት እውን ኣከቡ። 17  ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን ኣጐናጸፍዎ፡ ኣኽሊል እሾዅ ተኒጎም እውን ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ። 18  “ሰላም፡ ኦ ንጉስ ኣይሁድ” እናበሉ ሰላም ኪብልዎ ጀመሩ። 19  ብሻምብቆ ርእሱ ይወቕዕዎን ጡፍ ይብሉሉን እውን ነበሩ፣ ተምበርኪኾም ድማ ሰገዱሉ።* 20  ምስ ኣላገጹሉ ኸኣ፡ ነቲ ጁዅ ዝሕብሩ ኽዳን ቀንጢጦም ክዳውንቱ ኸደንዎ። ኪሰቕልዎ ድማ ወሰድዎ። 21  ንሓደ ሓላፍ መገዲ፡ ስምኦን ቀሬናዊ ኣቦ እስክንድሮስን ሩፎስን፡ ካብ ገጠር ኪኣቱ ኸሎ፡ ጕንዲ ስቅያቱ ኺጾረሉ ገደድዎ። 22  ጐልጎታ፡ ትርጕሙ “ቦታ ቐረንቀራ፡” ናብ እትብሃል ቦታ ወሰድዎ። 23  ምስ ከርበ እተሓወሰ ወይኒ* ኺሰቲ ሃብዎ፣ ንሱ ግና ኣበየ። 24  ምስ ሰቐልዎ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፎም እንታይ ከም ዚበጽሖም ንምፍላጥ፡ ንኽዳውንቱ ዕጫ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። 25  ብሳልሰይቲ ሰዓት* ከኣ ሰቐልዎ። 26  ኣብ ልዕሊኡ እውን፡ “ንጉስ ኣይሁድ” ዚብል ጽሕፈት ክሱ ተጻሒፉ ነበረ። 27  ክልተ ኸተርቲ ኸኣ፡ ሓደ ብየማኑ፡ ሓደ ድማ ብጸጋሙ ምስኡ ሰቐሉ። 28  *—— 29  እቶም ብእኡ ዚሓልፉ ዝነበሩ ድማ፡ ርእሶም እናነቕነቑን ከምዚ እናበሉን ጸረፍዎ፦ “ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ ኣፍሪስካ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ 30  እስከ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ወሪድካ፡ ርእስኻ ኣድሕን።” 31  ከምኡ ድማ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጸሓፍቲ ዀይኖም፡ ንሓድሕዶም ከምዚ እናተባሃሃሉ ኣላገጹሉ፦ “ንኻልኦት ኣድሒንዎም፣ ንርእሱ ግና ኼድሕና ኣይከኣለን! 32  ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ ጕንዲ ስቅያት ይውረድ።” እቶም ምስኡ እተሰቕሉ ኸተርቲ እውን፡ ይጸርፍዎ ነበሩ። 33  ሻድሸይቲ ሰዓት* ምስ ኰነት፡ ክሳዕ ታሽዐይቲ ሰዓት፡* ኣብ ብዘላ እታ ምድሪ ጸልማት ኰነ። 34  ብታሽዐይቲ ሰዓት፡ የሱስ፡ “ኤሊ፡ ኤሊ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧” ኢሉ ዓው ብዝበለ ድምጺ ጨርሐ፣ ትርጕሙ ኸኣ፡ “ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ስለምንታይ ሓዲግካኒ፧” ማለት እዩ። 35  ገለ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ነዚ ሰሚዖም፡ “እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ ኣሎ” በሉ። 36  ሓደ ግና ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣብ መጺጽ ወይኒ ኣሊኹ፡ “ሕደግዎ! ኤልያስ ኬውርዶ ዚመጽእ እንተ ዀይኑ እስከ ንርአ” እናበለ ኣብ ሻምብቆ ገይሩ ኣስተዮ። 37  የሱስ ግና ዓው ኢሉ ምስ ጨርሐ፡ ትንፋሱ ሓለፈት። 38  መጋረጃ መቕደስ ድማ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። 39  እቲ ኣብ መንጽሩ ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ትንፋሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝሓለፈት ምስ ረኣየ፡ “እዚ ሰብ እዚ፡ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ እዩ ነይሩ” በለ። 40  ኣንስቲ እውን ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ፣ ካባታተን ከኣ ማርያም መግደላዊትን እታ ኣደ ያእቆብ ንእሽቶን ዮሴን ዝዀነት ማርያምን ሰሎሜን ነበራ። 41  ንሳተን ኣብ ገሊላ ኸሎ ዜሰንያኦን ዜገልግላኦን ዝነበራ እየን፣ ብዙሓት ካልኦት ኣንስቲ እውን ምስኡ ናብ የሩሳሌም ዝደየባ ነበራ። 42  ኣጋ ምሸት ምስ ኰነ፡ መዓልቲ ምድላው፡ ማለት ድሮ ሰንበት ስለ ዝነበረት፡ 43  ሕፉር ኣባል ቤት ምኽሪ ዝነበረ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ እውን ዚጽበያ ዝነበረ፡ ዮሴፍ ብዓል ኣርማትያስ መጸ። ተቢዑ ናብ ጲላጦስ ኣትዩ ኸኣ፡ ሬሳ የሱስ ለመነ። 44  ጲላጦስ ግና ድሮ ሙማቱ ገረሞ፣ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ ጸዊዑ ድማ፡ ድሮ ሞይቱ እንተ ዀይኑ ሓተቶ። 45  ካብቲ ሓለቓ ሚእቲ ምስ ኣረጋገጸ ኸኣ፡ ሬሳኡ ንዮሴፍ ሃቦ። 46  ንሱ ድማ ቅጭን በፍታ ዓዲጉ፡ ኣውሪዱ፡ በቲ ቕጭን በፍታ ገኒዙ፡ ኣብ ከውሒ ኣብ እተወቕረ መቓብር ኣንበሮ፣ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ እምኒ ኣንከባሊሉ ዓጸዎ። 47  ማርያም መግደላዊትን ማርያም ኣደ ዮሴን ግና፡ እተነብረሉ ቦታ ይርእያ ነበራ።

እግረ ጽሑፍ

ማር 15:19 * ወይ፡ “ኢድ ነስኡሉ።”
ማር 15:23 * እዚ እተሓዋወሰ መስተ፡ ዜደንዝዝ እዩ ነይሩ።
ማር 15:25 * “ሳልሰይቲ ሰዓት፡” ማለት ሰዓት ትሽዓተ ናይ ንግሆ ኣቢሉ።
ማር 15:28 * እዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ ኣብቲ ብዌስትኮትን ሆርትን እተዳለወ ጽሑፍ ግሪኽኛን ኣብ ካልእ መበቈላዊ ጽሑፋት እቲ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽኛን ኣይትርከብን እያ።
ማር 15:33 * “ሻድሸይቲ ሰዓት፡” ማለት ፍርቂ መዓልቲ ኣቢሉ።
ማር 15:33 * “ታሽዐይቲ ሰዓት፡” ማለት ሰዓት ሰለስተ ናይ ድሕሪ ቐትሪ ኣቢሉ።