ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማርቆስ 14:1-72

14  ፋስጋን በዓል ቅጫን ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ብተንኰል ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎን ከም ዚቐትልዎን መገዲ ይደልዩ ነበሩ፣  ከመይሲ፡ “ኣብ ህዝቢ፡ ናዕቢ ምእንቲ ኸይለዓልሲ፡ ብበዓል ኣይኹን” ይብሉ ነበሩ።  ኣብ ቢታንያ፡ ኣብ ቤት ስምኦን እቲ ድዉይ፡ ኣብ መኣዲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ኣዝዩ ኽቡር ጽሩይ ቅዱይ ቅብኢ ናርዶስ ዝመልአ ብልቃጥ ኣልባስጥሮስ ዝሓዘት ሰበይቲ መጸት። ነቲ ብልቃጥ ሰቢራ ኸኣ፡ ኣብ ርእሱ ኣፍሰሰቶ።  ገሊኣቶም ግና ሓሪቖም፡ “እዚ ቕዱይ ቅብኢ ንምንታይ ባኺኑ፧  እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ፡ ካብ 300 ዲናር ንላዕሊ ተሸይጡስ፡ ንድኻታት ምተዋህበ ነይሩ!” ተባሃሃሉ። ንዓኣ ኸኣ ኰረዩላ።  የሱስ ግና ከምዚ በሎም፦ “ሕደግዋ። ስለምንታይ ተሸግርዋ ኣለኹም፧ ንሳ ሰናይ ግብሪ ገይራትለይ እያ።  ድኻታትሲ ዅሉ ሳዕ ምሳኻትኩም እዮም፣ ኣብ ዝደለኹምዎ እዋን ከኣ ሰናይ ክትገብሩሎም ትኽእሉ ኢኹም፣ ኣነ ግና ኵሉ ሳዕ ምሳኻትኩም ኣይኰንኩን።  ዚከኣላ እያ ገይራ፣ ኣቐዲማ ንቐብረይ ሰብነተይ ብቕዱይ ቅብኢ ቐብአት።  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ እዚ ብስራት እዚ ኣብ ኵላ ዓለም ኣብ እተሰብኮ ዘበለ፡ እዛ ሰበይቲ ዝገበረቶ ግብሪ ንመዘከሪኣ ኺንገር እዩ።” 10  ይሁዳ ኣስቆሮታዊ፡ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ ኸኣ፡ ንዕኡ ኣሕሊፉ ምእንቲ ኺህቦም፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከደ። 11  ንሳቶም ምስ ሰምዑ፡ ተሓጐሱ፡ ገንዘብ ብሩር ኪህብዎ ድማ ኣተስፈውዎ። ኣሕሊፉ ኺህቦ ኸኣ ምሹእ እዋን ይደሊ ነበረ። 12  በታ ሕሩድ ፋስጋ ዚሓርዱላ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቅጫ፡ ደቀ መዛሙርቱ፡ “ፋስጋ ኽትበልዕሲ፡ ናበይ ኬድና ኸነዳልወልካ ትደሊ፧” በልዎ። 13  ንሱ ድማ ንኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸምዚ ኢሉ ለኣኾም፦ “ናብ ከተማ ኺዱ፡ ኣብኡ ዕትሮ ማይ እተሰከመ ሰብ ኪረኽበኩም እዩ። ንዕኡ ስዓብዎ፡ 14  ኣብታ ዚኣትዋ ኸኣ፡ ነቲ ብዓል ቤት፡ ‘መምህር፡ “ምስ ደቀ መዛሙርተይ ፋስጋ ዝበልዓላ ቤት ኣጋይሽ ኣበይ እያ፧” ይብል ኣሎ’ በልዎ። 15  ንሱ ኸኣ ኣብ ደርቢ እተነጽፈን እተዳለወን ኣዳራሽ ኬርእየኩም እዩ፣ ኣብኡ ኣዳልዉልና።” 16  እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ከዱ፣ ናብ ከተማ ኸኣ ኣተዉ፣ ከምቲ ዝበሎም ድማ ረኸቡ፣ ንፋስጋ ዚኸውን እውን ኣዳለዉ። 17  ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ። 18  ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፡ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ሓደ ኻባኻትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ ዘሎ፡ ኣሕሊፉ ኺህበኒ እዩ” በሎም። 19  ንሳቶም ከኣ ኪጕህዩ፡ በብሓደ ድማ፡ “ኣነ ደዀን እየ፧” ኪብልዎ ጀመሩ። 20  ንሱ ኸኣ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፦ “ንሱ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ሓደ ጻሕሊ ዜጥልቕ እዩ። 21  ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተጻሕፈሉ ኪኸይድ እዩ፣ እቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዚህቦ ሰብ ግና ወይልኡ! እቲ ሰብ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሓሾ ነይሩ።” 22  ኪበልዑ ኸለዉ ድማ፡ እንጌራ ኣልዒሉ፡ ባሪኹ፡ ቈሪሱ፡ “ውሰዱ፡ እዚ ስጋይ ማለት እዩ” ኢሉ ሃቦም። 23  ጽዋእ ኣልዒሉ እውን፡ ኣመስጊኑ፡ ሃቦም፣ ኵላቶም እውን ካብኣ ሰተዩ። 24  ንሱ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “እዚ ምእንቲ ብዙሓት ዚፈስስ ናተይ ‘ደም ኪዳን’ ማለት እዩ። 25  ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ ክሳዕ እታ ኣብ መንግስቲ ኣምላኽ ምሳኻትኩም ሓድሽ ዝሰትየላ መዓልቲ፡ ካብ ፍረ ወይኒ ኸቶ ኣይክሰትን እየ።” 26  መዝሙር ውዳሰ ምስ ዘመሩ ድማ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ወጹ። 27  የሱስ ከኣ፡ “‘ነቲ ጓሳ ኽወቕዖ እየ፡ እተን ኣባጊዕ ድማ ፋሕ ኪብላ እየን’ ዚብል ተጻሒፉ ኣሎ እሞ፡ ኵላትኩም ክትዕንቀፉ ኢኹም። 28  ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ” በሎም። 29  ጴጥሮስ ግና፡ “ኵላቶም እኳ እንተ ተዓንቀፉ፡ ኣነስ ኣይክዕንቀፍን እየ!” በሎ። 30  የሱስ ከኣ፡ “ብሓቂ እብለካ ኣለኹ፦ ሎሚ በዛ ለይቲ እዚኣ፡ ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” በሎ። 31  ንሱ ግና፡ “ምሳኻ ኽመውት እኳ እንተ ኣሎኒ፡ ከቶ ኣይክኽሕደካን እየ” ኢሉ ኣትሪሩ ተዛረበ። ኵሎም ካልኦት እውን፡ ከምኡ በሉ። 32  ጌተሴማኔ ናብ እትብሃል ቦታ ድማ መጹ፣ ንደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ “ክሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ” በሎም። 33  ንጴጥሮስን ንያእቆብን ንዮሃንስን ድማ ተማልኦም፣ ዝን ኪብልን ኪጭነቕን ከኣ ጀመረ። 34  “ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ። ኣብዚ ኹኑ፡ ንቕሑ እውን” በሎም። 35  ቍሩብ ርሕቕ ኢሉ ድማ፡ ኣብ ምድሪ ተደፊኡ፡ እንተ ተኻኢሉ፡ እታ ሰዓት ካብኡ ኽትሓልፍ ጸለየ። 36  “ኣባ፡ ኣቦ፡ ንዓኻ ኵሉ ይከኣለካ እዩ፣ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ኣልግሳ። ግናኸ፡ ንስኻ እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ዝደልዮ ኣይኹን” ድማ በለ። 37  ምስ መጸ ኸኣ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ ንጴጥሮስ ድማ፡ “ስምኦን፡ ደቂስካዶ፧ ሓንቲ ሰዓት ክትነቅሕዶ ኣይከኣልካን፧ 38  ናብ ፈተና ኸይትኣትዉስ፡ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስሲ ህንጡይ እዩ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ” በሎ። 39  ከም ብሓድሽ ከይዱ፡ ከምቲ ኢልዎ ዝነበረ ቓል ጸለየ። 40  ከም ብሓድሽ ምስ መጸ ድማ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም፣ እንታይ ኢሎም ከም ዚምልሱሉ እውን ኣይፈለጡን። 41  ሳልሳይ ሳዕ መጺኡ ኸኣ፡ “ኣብ ከምዚ ዝበለ ግዜስ፡ ትድቅሱን ተዕርፉን ኣለኹም! ይኣክል! እታ ሰዓት በጺሓ! እንሆ፡ ወዲ ሰብ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኣሕሊፍካ ኺውሃብ እዩ። 42  ተንስኡ ንኺድ። እንሆ፡ እቲ ኣሕሊፉ ዚህበኒ ቐሪቡ ኣሎ” በሎም። 43  ብኡብኡ ኸኣ፡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተ መጸ፣ ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ካብ ጸሓፍትን ካብ ዓበይትን፡ ኣስያፍን ኣባትርን ዝሓዙ ህዝቢ መጹ። 44  እቲ ኣሕሊፉ ዚህቦ ኸኣ፡ “እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፣ ሓዝዎ፡ ኣጽኒዕኩም ውሰድዎ” ኢሉ ምልክት ሂብዎም ነበረ። 45  ትኽ ኢሉ መጺኡ ድማ፡ ናብኡ ቐሪቡ፡ “መምህር” ኢሉ ኣጥቢቑ ሰዓሞ። 46  ንሳቶም ከኣ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ሓዝዎ። 47  ሓደ ኻብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ግና፡ ሰይፉ መሊሑ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ እዝኑ ቘረጾ። 48  የሱስ ድማ፡ “ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም ክትሕዙኒ መጺእኩም፧ 49  መዓልቲ መዓልቲ ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሃርኩ ምሳኻትኩም ነይረ፣ ንስኻትኩም ግና ኣይሓዝኩምንን። እዚ ግና፡ እቲ ቕዱሳት ጽሑፋት ምእንቲ ኺፍጸም እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 50  ኵላቶም ድማ ሓዲጎምዎ ሃደሙ። 51  ቅጭን በፍታ ኣብ ጥራይ ዝባኑ እተወንዘፈ ጐበዝ ደድሕሪኡ ሰዓቦ፣ ኪሕዝዎ ድማ ፈተኑ፣ 52  ንሱ ግና በፍታኡ ሓዲጉ ጥራይ ዝባኑ ሃደመ። 53   ንየሱስ ድማ ናብ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ፣ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ጸሓፍትን ከኣ ተኣከቡ። 54  ጴጥሮስ ግና ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ኣጸድ ሊቀ ኻህናት ሰዓቦ፣ ምስቶም ገላዉ ተቐሚጡ ኸኣ ሓዊ ይስሕን ነበረ። 55  ሊቃውንቲ ኻህናትን ብዘሎ እቲ ዋዕላን ድማ፡ ንየሱስ ምእንቲ ኪቐትልዎ ናይ ሓሶት ምስክር ደለዩ፣ ግናኸ፡ ኣይረኸቡን። 56  ብዙሓት ብሓሶት ይምስክሩሉ እኳ እንተ ነበሩ፡ ምስክርነቶም ግና ኣይተሰማምዐን። 57   ገለ ሰባት ተንሲኦም፡ ከምዚ እናበሉ ብሓሶት መስከሩሉ፦ 58  “‘ነዛ ብኢድ እተገብረት ቤተ መቕደስ ከፍርሳ እየ፣ ብኢድ ዘይተገብረት ካልእ ከኣ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሃንጽ እየ’ ኺብል ከሎ ሰሚዕናዮ።” 59  ኣብዚ እውን፡ ምስክርነቶም ኣይተሰማምዐን። 60  እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ኣብ ማእከሎም ተንሲኡ፡ “ኣይትምልስን ዲኻ፧ እዚ ዚምስክሩልካ ዘለዉ እንታይ እዩ፧” ኢሉ ሓተቶ። 61  ንሱ ግና ስቕ በለ፡ ኣይመለሰን እውን። እቲ ሊቀ ኻህናት ድማ ከም ብሓድሽ፡ “ክርስቶስ ወዲ እቲ ብሩኽ ዲኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። 62  የሱስ ከኣ፡ “ኣነ እየ፣ ንወዲ ሰብ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእይዎ ኢኹም” በለ። 63  ሽዑ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳኑ ቐዲዱ፡ “ደጊም ንምንታይ መሰኻኽር የድልዩና፧ 64  ጸርፉ ሰሚዕኩም ኣለኹም። እንታይ ይመስለኩም፧” በለ። ኵላቶም ከኣ ሞት ከም ዚግብኦ ፈረዱ። 65  ገሊኣቶም ጡፍ ኪብሉሉ፡ ገጹ ጐልቢቦም ኬጕስጥዎ፡ “ተነበ!” እውን ኪብልዎ ጀመሩ። እቶም ገላዉ ድማ እናጸፍዑ ወሰድዎ። 66  ጴጥሮስ ኣብ ታሕቲ ኣብ ኣጸድ ከሎ፡ ሓንቲ ኻብተን ኣገልገልቲ ሊቀ ኻህናት መጸት፣ 67  ንጴጥሮስ ኪስሕን ከሎ ምስ ረኣየቶ፡ ጠመተቶ እሞ፡ “ንስኻ እውን ምስ የሱስ እቲ ናዝሬታዊ ኔርካ ኢኻ” በለቶ። 68  ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዮ ዘለኺ ኣይፈልጦን፡ እንታይ ትብሊ ኸም ዘለኺ እውን ኣይተረድኣንን” ኢሉ ኸሓደ፣ ናብ ጥቓ ኣፍ ደገ ድማ ከደ። 69  እታ ኣገልጋሊት ምስ ረኣየቶ፡ ነቶም ደው ኢሎም ዝነበሩ፡ ከም ብሓድሽ፡ “እዚ ኻባታቶም እዩ” ኽትብሎም ጀመረት። 70  ንሱ ድማ ከም ብሓድሽ ከሓደ። እቶም ደው ዝበሉ ቝሩብ ጽንሕ ኢሎም ንጴጥሮስ፡ “ገሊላዊ ኢኻ እሞ፡ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ” በልዎ። 71  ንሱ ግና፡ “እዚ እትብልዎ ዘለኹም ሰብኣይ ኣይፈልጦን እየ” ኢሉ ንባዕሉ ኺረግምን ኪምሕልን ጀመረ። 72  ብኡብኡ ደርሆ ኻልኣይ ሳዕ ነቀወ፣ ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ “ደርሆ ኽልተ ሳዕ ከይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ” ዝበሎ ዘከረ። ምኽኣል ስኢኑ ኸኣ፡ በኸየ።

እግረ ጽሑፍ