ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ማርቆስ 12:1-44

12  ብምሳሌታት ድማ ኪዛረቦም ጀመረ፦ “ሓደ ሰብኣይ ኣታኽልቲ ወይኒ ተኸለ፡ ብሓጹር ሓጸሮ፡ መጽመቝ ወይኒ ዀዓተሉ፡ ግምቢ ሰርሓሉ፡ ንሓረስቶት ብመገስ ሂቡ* ኸኣ ናብ ካልእ ሃገር ገሸ።  ግዜኡ ምስ በጽሐ፡ ካብቶም ሓረስቶት ፍረ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኼምጽኣሉ ኢሉ፡ ባርያኡ ናብቶም ሓረስቶት ለኣኸ።  ንሳቶም ግና ሒዞም ወቕዕዎ፡ ጥራይ ኢዱ ድማ ሰደድዎ።  ከም ብሓድሽ፡ ካልእ ባርያ ናባታቶም ለኣኸ፣ ንዕኡ እውን ርእሱ ፈግእዎን ኣሕሰርዎን።  ካልእ ድማ ለኣኸ፡ ንዕኡ እውን ቀተልዎ፣ ብዙሓት ካልኦት ከኣ ለኣኸ፡ ንገሊኣቶም ወቕዕዎም፡ ንገሊኣቶም ድማ ቀተልዎም።  ገና ሓደ ፍቑር ወዲ ነበሮ። ኣብ መወዳእታ፡ ‘ንወደይሲ ኺሓፍርዎ እዮም’ ኢሉ ናባታቶም ለኣኾ።  እቶም ሓረስቶት ግና፡ ‘እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ ንቕተሎ እሞ፡ ርስቱ ናትና ኪኸውን እዩ’ ተባሃሃሉ።  ሒዞም ድማ ቀተልዎ፡ ካብቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ናብ ወጻኢ ኸኣ ደርበይዎ።  እቲ ዋና ኣታኽልቲ ወይኒ እንታይ ኪገብር እዩ፧ መጺኡ ነቶም ሓረስቶት ኬጥፍኦም እዩ፣ ነቲ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ንኻልኦት ኪህቦ እዩ። 10  ከምዚ ዚብል ቅዱስ ጽሑፍዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፦ ‘እቲ ነደቕቲ ዝነዓቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ እምኒ መኣዝን ኰነ። 11  እዚ ኻብ የሆዋ ዀነ፣ ኣብ ኣዒንትና እውን ድንቂ እዩ።’” 12  እዛ ምሳሌ እዚኣ ብዛዕባኦም ከም እተዛረባ ኣስተውዒሎም ነበሩ እሞ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዚሕዝዎ መገዲ ደለዩ፣ ነቲ ህዝቢ ግና ፈርሁ። ሓዲጎምዎ ድማ ከዱ። 13  ድሕርዚ፡ ብዘረባኡ ምእንቲ ኺሕዝዎ፡ ገለ ኻብ ፈሪሳውያንን ካብ ሄሮድሳውያንን ለኣኹሉ። 14  መጺኦም ድማ፡ “መምህር፡ ሓቀኛ ምዃንካ፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ስለ ዘይተዳሉ ድማ ከም ዘይዓጅበካ፡ የግዳስ መገዲ ኣምላኽ ብሓቂ ኸም እትምህር ንፈልጥ ኢና፦ ንቄሳር ግብሪ ምሃብሲ ተፈቒዱ ድዩ ወይስ ኣይፋልን፧ 15  ንኽፈልዶ ኣይንኽፈል፧” በልዎ። ንሱ ድማ ግብዝናኦም ፈሊጡ፡ “ስለምንታይ ትፍትኑኒ ኣለኹም፧ ክርእዮስ ዲናር ኣምጽኡለይ” በሎም። 16  ኣምጽኡሉ ኸኣ። ንሱ ድማ፡ “እዚ ምስልን ጽሕፈትን ናይ መን እዩ፧” በሎም። ንሳቶም፡ “ናይ ቄሳር” በልዎ። 17  ሽዑ የሱስ፡ “ናይ ቄሳር ንቄሳር፡ ናይ ኣምላኽ እውን ንኣምላኽ ሃቡ” በሎም። ብእኡ ድማ ብዙሕ ገረሞም። 18  ትንሳኤ የልቦን ዚብሉ ሰዱቃውያን ከኣ ናብኡ መጺኦም ከምዚ ኢሎም ሓተትዎ፦ 19  “መምህር፡ ሓደ ሰብ ሰበይቲ ሓዲጉ፡ ውሉድ ግና ከይሓደገ እንተ ሞይቱ፡ ሓዉ ነታ ሰበይቱ ኺወርሳ እሞ፡ ካብኣ ንሓዉ ዘርኢ ኺትክኣሉ ኸም ዘለዎ ሙሴ ጸሓፈልና። 20  ሸውዓተ ኣሕዋት ነበሩ፣ እቲ ቐዳማይ ሰበይቲ ኣእተወ፡ ኪመውት ከሎ ግና ዘርኢ ኣይሓደገን። 21  እቲ ኻልኣይ ድማ ወረሳ፡ ዘርኢ ኸይሓደገ ግና ሞተ። እቲ ሳልሳይ ከኣ ከምኡ። 22  ሸውዓቲኦም ድማ ዘርኢ ኣይሓደጉን። ድሕሪ ዅላቶም እታ ሰበይቲ ሞተት። 23  ንሸውዓቲኦም ሰበይቲ ዀይናቶም ነይራ እያ እሞ፡ ብትንሳኤ ሰበይቲ መኖም ክትከውን እያ፧” 24  የሱስ ከኣ ከምዚ በሎም፦ “ቅዱሳት ጽሑፋት ኰነ ሓይሊ ኣምላኽ ሰኣን ምፍላጥኩም ደይኰነን እትጋገዩ ዘለኹም፧ 25  ካብ ምዉታት ምስ ተንስኡስ፡ ኣብ ሰማያት ከም ዘለዉ መላእኽቲ ደኣ እዮም ዚዀኑ እምበር፡ ኣይምርዓዉ ኣይምርዓዋ። 26  ብዛዕባ ምዉታት ግና፡ ከም ዚትንስኡ፡ ኣብ መጽሓፍ ሙሴ፡ ኣምላኽ ኣብቲ ብዛዕባ እታ ኣሻዅ ቈጥቋጥ ዚገልጽ ዛንታ፡ ‘ኣነ ኣምላኽ ኣብርሃምን ኣምላኽ ይስሃቅን ኣምላኽ ያእቆብን እየ’ ኸም ዝበሎዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፧ 27  ንሱ ኣምላኽ ህያዋን እዩ እምበር፡ ኣምላኽ ምዉታትሲ ኣይኰነን። ብዙሕ ተጋጊኹም።” 28  ሓደ ኻብቶም ዝመጹ ጸሓፍቲ ኺከራኸሩ ሰሚዑ፡ ጽቡቕ ከም ዝመለሰሎም ከኣ ፈሊጡ፡ “ኣየነይቲ ትእዛዝ እያ ኻብ ኵለን ቀዳመይቲ፧” ኢሉ ሓተቶ። 29  የሱስ ከምዚ ኢሉ መለሰ፦ “እታ ቐዳመይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ኦ እስራኤል፡ ስማዕ፡ የሆዋ ኣምላኽና ሓደ የሆዋ እዩ፣ 30  ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ብምሉእ ሓይልኻን ኣፍቅሮ።’ 31  እታ ኻልአይቲ እዚኣ እያ፦ ‘ንብጻይካ ኸም ነፍስኻ ኣፍቅሮ።’ ካብዚኣተን እትዓቢ ኻልእ ትእዛዝ የላን።” 32  እቲ ጸሓፊ ኸኣ፡ “መምህር፡ ብሓቂ ጽቡቕ ተዛሪብካ፡ ‘ንሱ ሓደ እዩ፡ ብዘይካኡ ድማ ካልእ የልቦን’፣ 33  ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን* ብምሉእ ሓይልኻን ከተፍቅሮ፡ ንብጻይካ እውን ከም ነፍስኻ ኸተፍቅሮ፡ እዚ ኻብ ኵሉ ዚሓርር መስዋእትን መስዋእቲ ሕሩድን ይበልጽ” በሎ። 34  የሱስ ድማ ብምስትውዓል ከም ዝመለሰ ርእዩ፡ “ንስኻስ ካብ መንግስቲ ኣምላኽ ርሑቕ ኣይኰንካን” በሎ። ደጊሙ ኺሓትቶ ዝደፈረ ግና ሓደ እኳ ኣይነበረን። 35  የሱስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኪምህር ከሎ ድማ፡ ከምዚ በለ፦ “ጸሓፍቲ ኸመይ ኢሎም እዮም ‘ክርስቶስ ወዲ ዳዊት እዩ’ ዚብሉ፧ 36  ዳዊት ባዕሉ ብመንፈስ ቅዱስ፡ ‘የሆዋ ንጐይታይ፡ “ንጸላእትኻ ኣብ ትሕቲ እግርኻ ኽሳዕ ዝገብሮም፡ ኣብ የማነይ ተቐመጥ” በሎ’ በለ። 37  ዳዊት ባዕሉ፡ ‘ጐይታይ’ ካብ ዚብሎ፡ ከመይ ኢሉ ወዱ ይኸውን፧” ብዙሕ ህዝቢ ድማ ባህ ኢልዎ ይሰምዖ ነበረ። 38  ኣብ ትምህርቱ ኸኣ ከምዚ በለ፦ “ካብቶም ወለል ዚብል ክዳን ተኸዲኖም ዚዞሩን ኣብ ዕዳጋ ሰላምታ ኺውሃቦም ዚደልዩን ጸሓፍቲ ተጠንቀቑ፣ 39  ኣብ ምኵራባት ቀዳሞት መናብር፡ ኣብ ድራር ከኣ ብሉጽ ቦታ ይደልዩ እዮም። 40  ንሳቶም ኣባይቲ መበለታት ይውሕጡ፡ ምእንቲ ኺረኣዩ* ድማ ጸሎት የንውሑ እዮም፣ እዚኣቶም ዝኸበደ ፍርዲ ኪቕበሉ እዮም።” 41  ኣብ መንጽር እቲ መመጽወቲ ተቐሚጡ፡ እቶም ህዝቢ ኣብቲ መመጽወቲ ኸመይ ገይሮም ገንዘብ የውድቑ ኸም ዝነበሩ ረኣየ፣ ብዙሓት ሃብታማት ከኣ ብዙሕ ሰልዲ የውድቑ ነበሩ። 42  ሓንቲ ድኻ መበለት እውን መጸት እሞ፡ ዚረብሕ ዋጋ ዘይብለን ክልተ ሰናቲም* ኣውደቐት። 43  ንደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ኸኣ ከምዚ በሎም፦ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ፦ እዛ ድኻ መበለት እዚኣ፡ ካብ ናይ ኵሎም እዞም ኣብቲ መመጽወቲ እቲ ገንዘብ ዜውድቑ ዘለዉ ዚበዝሕ እያ ኣውዲቓ፣ 44  ከመይሲ፡ ኵላቶም ካብ ተረፎም እዮም ኣውዲቖም፡ ንሳ ግና ካብ ስእነታ፡ ዘለዋ ዘበለ ዅሉ መነባብሮኣ እያ ኣውዲቓ።”

እግረ ጽሑፍ

ማር 12:1 * ወይ፡ “ኣካርዩ።”
ማር 12:33 * ቃል ብቓሉ፡ “ምስትውዓልካን።”
ማር 12:40 * ወይ፡ “ኼምስሉ።”
ማር 12:42 * ቃል ብቓሉ፡ “ኽልተ ለብጣ፡ ማለት ሓደ ቆድራንቴን።” 1/64 ናይ ውዕለት። ለብጦን ብነሓሲ ወይ ብሮንዞ እተሰርሐት ዝነኣሰት ሰልዲ ኣይሁድ እያ ነይራ። ኣብ መመላእታ ጽሑፍ 11 ርአ።