ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሉቃስ 2:1-52

2  ኰነ ድማ፡ በተን መዓልትታት እቲአን፡ ኵሉ ዓለም ኪምዝገብ፡ ካብ ቄሳር ኣውጉስጦስ ትእዛዝ ወጸ፣  (እዚ ቐዳማይ ምዝገባ እዚ፡ ቀሬኔዎስ ኣብ ሶርያ ተሸይሙ ኸሎ እዩ ዀይኑ፣)  ኵሉ ኺምዝገብ ከኣ፡ ነፍሲ ወከፉ ነናብ ከተማኡ ኸደ።  ዮሴፍ ድማ ካብ ቤትን ካብ ዓሌትን ዳዊት ስለ ዝነበረ፡ ካብ ገሊላ፡ ካብ ከተማ ናዝሬት፡ ናብ ይሁዳ፡ ናብታ ቤት-ልሄም እትብሃል ከተማ ዳዊት ወረደ።  ምስታ ብጽሕቲ ወርሒ ዝነበረት ሕጽይቱ ማርያም፡ ኪምዝገብ ከደ።  ኣብኡ ኸለዉ ድማ፡ ግዜ ሕርሳ በጽሐ።  በዅሪ ወዳ ኸኣ ወለደት፡ ብዓለባ እውን ጠቕለለቶ፣ ኣብ መሕደር ኣጋይሽ ስፍራ ስለ ዘይረኸቡ ድማ፡ ኣብ መብልዕ ማል ኣደቀሰቶ።  ኣብታ ሃገር እቲኣ፡ ብለይቲ መጓሰኦም እናሓለዉ፡ ኣብ መሮር ዚሓድሩ ጓሶት ነበሩ።  ብሃንደበት ከኣ፡ መልኣኽ የሆዋ ኣብ ጥቓኦም ደው በለ፣ ክብሪ የሆዋ እውን ኣብ ዙርያኦም ኣብርሀ፡ ንሳቶም ከኣ ኣመና ፈርሁ። 10  እቲ መልኣኽ ግና፡ “ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም ኣለኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ፣ 11  ከመይሲ፡ ሎሚ መድሓኒ፡ ንሱ ድማ ክርስቶስ ጐይታ፡ ኣብ ከተማ ዳዊት ተወሊዱልኩም ኣሎ። 12  እዚ ድማ ምልክት ይኹንኩም፦ ኣብ መብልዕ ማል ብዓለባ እተጠቕለለ ሕጻን ደቂሱ ኽትረኽቡ ኢኹም” በሎም። 13  ብሃንደበት ከኣ፡ ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ምስቲ መልኣኽ ኰይኖም፡ ከምዚ እናበሉ ንኣምላኽ ወደስዎ፦ 14  “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረቱ ዝረኸቡ ሰባት።” 15  ኰነ ድማ፡ እቶም መላእኽቲ ኻባታቶም ናብ ሰማይ ምስ ከዱ፡ እቶም ጓሶት ንሓድሕዶም፡ “ናብ ቤት-ልሄም ኬድና፡ ነዚ የሆዋ ዘፍለጠና ኽዉን ነገር ንርአ” ተባሃሃሉ። 16  ቀልጢፎም እውን ከዱ፣ ንማርያምን ንዮሴፍን ነቲ ኣብ መብልዕ ማል ዝደቀሰ ሕጻንን ድማ ረኸብዎም። 17  ነቲ ሕጻን ምስ ረኣይዎ፡ ብዛዕባኡ እተነግሮም ነገር ኣውረዩ። 18  ዝሰምዑ ዘበሉ ዅሎም ከኣ፡ በቲ እቶም ጓሶት ዝነገርዎም ተገረሙ፣ 19  ማርያም ግና ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎን ትሓስቦን ነበረት። 20  እቶም ጓሶት ድማ፡ ከምቲ እተነግሮም ኰይኑ ስለ ዝረኸብዎ፡ ስለቲ ዝሰምዕዎን ዝረኣይዎን ኵሉ፡ ንኣምላኽ እናኣሞገሱን እናወደሱን ተመልሱ። 21  ኪገዝርዎ ሸሞንተ መዓልቲ ምስ መልአ፡ ከምቲ መልኣኽ ኣብ ከርሲ ኸይተጠንሰ ኸሎ ዝሰመዮ፡ ስሙ የሱስ በልዎ። 22  ከም ሕጊ ሙሴ፡ መዓልትታት ምንጻሆም ምስ ኣኸላ፡ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኬቕርብዎ ናብ የሩሳሌም ወሰድዎ፣ 23  ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡ “በዅሪ ተባዕታይ ዘበለ፡* ንየሆዋ እተቐደሰ ይበሃል” እተባህለ፡ ከምኡ ገበሩ፣ 24  ከምቲ ኣብ ሕጊ የሆዋ፡ “ክልተ ርግቢ ወይ ክልተ ጫቚት ርግቢ” እተባህለ ኸኣ፡ መስዋእቲ ኣቕረቡ። 25  እንሆ ድማ፡ ኣብ የሩሳሌም ስምኦን ዚብሃል ሰብኣይ ነበረ፣ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ጻድቕን ንኣምላኽ ዚፈርህን፡ ምጽንናዕ እስራኤል ከኣ ዚጽበ ነበረ፣ መንፈስ ቅዱስ እውን ኣብ ልዕሊኡ ነበረ። 26  ነቲ ናይ የሆዋ ቕቡእ* ከይረኣዮ፡ ሞት ከም ዘይርኢ፡ ብመንፈስ ቅዱስ ብመለኮታዊ መገዲ ተገሊጹሉ ነበረ። 27  ብመንፈስ ተመሪሑ ኸኣ ናብ ቤተ መቕደስ መጸ፣ እቶም ወለዲ ነቲ ሕጻን ዝነበረ የሱስ ከም ልምዲ ሕጊ ኺገብሩሉ ምስ ኣእተውዎ፡ 28  ንሱ ኣብ ኢዱ ሓቘፎ፡ ከምዚ ኢሉ እውን ንኣምላኽ ባረኾ፦ 29  “ኦ ልዑላዊ ጐይታ፡ ሕጂ ኸምቲ ዝበልካዮ ንባርያኻ ብሰላም ተፋንዎ ኢኻ፣ 30  ከመይሲ፡ ኣዒንተይ ነቲ ንስኻ እተድሕነሉ መገዲ ርእየን እየን፣ 31  ንሱ እቲ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ህዝብታት ዘዳለኻዮ፡ 32  ነቲ ንኣህዛብ ጋሪድዎም ዘሎ ዚቐልዕ ብርሃንን ክብሪ ህዝብኻ እስራኤልን እዩ።” 33  ኣቦኡን ኣዲኡን ከኣ በቲ ብዛዕባኡ እተባህለ ነገር ተገረሙ። 34  ስምኦን እውን ባረኾም፡ ንኣዲኡ ማርያም ድማ፡ “እንሆ፡ እዚ፡ ኣብ እስራኤል ንብዙሓት መውደቒኦምን መተንስኢኦምን ኪኸውን፡ ዚነቕፍዎ ምልክት እውን ኪኸውን እዩ፣ 35  እዚ ዚኸውን ድማ፡ ሓሳብ ልቢ ብዙሓት ሰባት ምእንቲ ኪቕላዕ እዩ። ናብ ነፍስኺ ኸኣ ነዊሕ ሰይፊ ኺኣቱ እዩ” በላ። 36  ካብ ነገድ ኣሴር ድማ ነብዪት ሃና ጓል ፋኑኤል ነበረት። ንሳ ብዕድመ ዝደፍአት ነበረት፣ ድሕሪ ምምርዓዋ* ኸኣ ምስ ሰብኣያ ሸውዓተ ዓመት ገይራ ነበረት፣ 37  ንሳ ሰማንያን ኣርባዕተን ዓመት ዝዕድሚኣ መበለት ነበረት። ለይትን መዓልትን እናኣገልገለትን እናጾመትን እናተማህለለትን ካብ ቤተ መቕደስ ኣይትጠፍእን ነበረት። 38  በታ ሰዓት እቲኣ ኸኣ፡ ቀሪባ ንኣምላኽ ኣመስገነቶ፣ ንዅሎም እቶም ድሕነት የሩሳሌም ዚጽበዩ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ሕጻን ተዛረበቶም። 39  ከም ሕጊ የሆዋ ዅሉ ምስ ፈጸሙ ኸኣ፡ ናብ ገሊላ፡ ናብ ናዝሬት ዓዶም ተመልሱ። 40  እቲ ሕጻን ድማ ብጥበብ እናተመልአ ዓበየን በርትዐን፡ ሞገስ ኣምላኽ እውን ኣብኡ ነበረ። 41  ወለዱ ኸኣ ዓመት ዓመት ንበዓል ፋስጋ ናብ የሩሳሌም ይኸዱ ነበሩ። 42  ንሱ ወዲ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ምስ ኰነ ድማ፡ ከም ልምዲ እቲ በዓል ናብ የሩሳሌም ደየቡ። 43  እተን መዓልትታት ኣእኪሎም ኪምለሱ ኸለዉ ኸኣ፡ እቲ ቘልዓ ዝነበረ የሱስ ኣብ የሩሳሌም ተረፈ፡ ወለዱ ግና ኣይፈለጡን። 44  ምስቶም መኻይዶም ዘሎ መሲልዎም፡ መገዲ ሓደ መዓልቲ ኸዱ፡ ኣብ ኣዝማዶምን ኣብ ዚፈልጥዎምን ከኣ ደለይዎ። 45  ምስ ሰኣንዎ ድማ፡ ናብ የሩሳሌም ተመሊሶም ኣናደይዎ። 46  ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፡ ኣብ ቤተ መቕደስ፡ ኣብ ማእከል መምህራን ተቐሚጡ እናሰምዖምን እናሓተቶምን ረኸብዎ። 47  ዝሰምዕዎ ዘበሉ ኸኣ፡ ብምስትውዓሉን ብምላሹን የስተንክሩ ነበሩ። 48  ምስ ረኣይዎ ድማ ተገረሙ፣ ኣዲኡ ኸኣ፡ “ወደየ፡ ስለምንታይ ከምዚ ጌርካና፧ እንሆ፡ ኣቦኻን ኣነን ተሻቒልና ኽንደልየካ ጸኒሕና” በለቶ። 49  ንሱ ግና፡ “ንምንታይ እሞ ትደልዩኒ፧ ኣብ ቤት ኣቦይ ክኸውን ከም ዚግብኣኒዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” በሎም። 50  ንሳቶም ግና ነቲ ዝበሎም ዘረባ ኣየስተውዓልዎን። 51  ምሳታቶም ወሪዱ ናብ ናዝሬት መጸ፡ ይእዘዞም እውን ነበረ። ኣዲኡ ድማ ነዚ ዅሉ እተባህለ ነገር ኣብ ልባ ተዋህልሎ ነበረት። 52  የሱስ ከኣ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ብጥበብን ብኣካልን ብሞገስን ይዓቢ ነበረ።

እግረ ጽሑፍ

ሉቃ 2:23 * ቃል ብቓሉ፡ “ማሕጸን ዚኸፍት ተባዕታይ ዘበለ።”
ሉቃ 2:26 * ቃል ብቓሉ፡ “ክርስቶስ።”
ሉቃ 2:36 * ወይ፡ “ካብ ድንግልናኣ ኣትሒዛ።”