ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

መጽሓፍ ቅዱስ ኢንተርነት

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም See 2013 revision

ሉቃስ 19:1-48

19  ናብ ያሪኮ ኣትዩ ኸኣ፡ ብእኣ ሓለፈ።  ዘኬዎስ ዝስሙ ሰብኣይ ከኣ ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ሓለቓ ኣከብቲ ቐረጽ ነበረ፡ ሃብታም እውን ነበረ።  ንየሱስ መን ምዃኑ ኺርእዮ ይደሊ ነበረ፣ ቍመቱ ሓጺር ስለ ዝነበረ ግና፡ ብሰንኪ እቲ ህዝቢ፡ ኣይከኣለን።  የሱስ በታ መገዲ እቲኣ ይሓልፍ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ቕድሚት ጐይዩ፡ ኪርእዮ ኣብ ሳግላ ሓዀረ።  የሱስ ኣብታ ቦታ ምስ በጽሐ፡ ኣንቃዕሪሩ ጠመቶ እሞ፡ “ዘኬዎስ፡ ሎሚ ኣብ ቤትካ ኽውዕል ይግብኣኒ እዩ እሞ፡ ቀልጢፍካ ውረድ” በሎ።  ንሱ ኸኣ ቀልጢፉ ወረደ፡ ተሓጒሱ እውን ተቐበሎ።  እዚ ምስ ረኣዩ ድማ፡ “ኣብ ቤት ሓጥእ ሰብኣይ ኪውዕል ኣትዩ” ኢሎም ኵላቶም ኣዕዘምዘሙ።  ዘኬዎስ ከኣ ተንሲኡ፡ ንጐይታ፡ “ጐይታይ፡ እንሆ፡ ፍርቂ ንብረተይ ንድኻታት እህብ ኣለኹ፣ ብሓሶት ከሲሰ ዝዘረፍክዎ እንተ ኣልዩ ኸኣ፡ ኣርባዕተ ዕጽፊ እፈድዮ” በሎ።  የሱስ ድማ፡ “ንሱ እውን ወዲ ኣብርሃም ስለ ዝዀነ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ፡ ነዛ ቤት እዚኣ ድሕነት ኰነላ። 10  ከመይሲ፡ ወዲ ሰብ ንዝጠፍአ ኺደልን ኬድሕንን እዩ መጺኡ” በለ። 11  ንሳቶም እዚ ኺሰምዑ ኸለዉ፡ ናብ የሩሳሌም ቀሪቡ ስለ ዝነበረ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ከኣ ብቕጽበት እትገሃድ ይመስሎም ስለ ዝነበረ፡ ተወሳኺ ምሳሌ መሰለ። 12  ስለዚ፡ ከምዚ በለ፦ “ሓደ ወዲ ዓበይቲ፡ ንግስና ተቐቢሉ ኺምለስ፡ ናብ ርሑቕ ሃገር ከደ። 13  ንዓሰርተ ባሮቱ ጸዊዑ ኸኣ፡ ‘ክሳዕ ዝመጽእ፡ በዚ ንገዱ’ ኢሉ ዓሰርተ ምና ሃቦም። 14  ደቂ ዓዱ ግና ጸልእዎ እሞ፡ ‘እዚ ኽነግሰና ኣይንደልን ኢና’ ኢሎም ደድሕሪኡ ልኡኻት ለኣኹ። 15  “ኰነ ድማ፡ ንግስና ተቐቢሉ ምስ ተመልሰ፡ ነቶም ገንዘብ ዝሃቦም ባሮቱ፡ ክንደይ ዚኣክል ነጊዶም ከም ዝረብሑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ኪጽውዑሉ ኣዘዘ። 16  እቲ ቐዳማይ ከኣ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ዓሰርተ ምና ወሊዳ’ እናበለ ቐረበ። 17  ንሱ ኸኣ፡ ‘ንፉዕ፡ ኣታ ሕያዋይ ባርያ! ብንእሽቶ እሙን ስለ ዝዀንካ፡ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 18  እቲ ኻልኣይ ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ምናኻ ሓሙሽተ ምና ወሊዳ’ እናበለ መጸ። 19  ነዚ ኸኣ፡ ‘ንስኻ እውን ኣብ ልዕሊ ሓሙሽተ ኸተማ ተሸየም’ በሎ። 20  ሓደ ኻልእ ግና ከምዚ እናበለ መጸ፦ ‘ጐይታይ፡ እዛ ኣብ ጨርቂ ቛጺረ ዘጽናሕክዋ ምናኻ እንሃትልካ። 21  ዘየንበርካዮ እተልዕል፡ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ ሓያል ሰብ ስለ ዝዀንካ፡ ፈሪሀካ።’ 22  ንሱ ድማ፡ ‘ኣታ እኩይ ባርያ፡ ከምቲ ኣፍካ ዝበሎ እፈርደካ ኣለኹ። ኣነ ዘየንበርክዎ ዘልዕል፡ ዘይዘራእክዎ ኸኣ ዝዓጽድ ሓያል ሰብ ምዃነይዶ ፈሊጥካ፧ 23  ስለምንታይ ደኣ ገንዘበይ ኣብ ባንክ ዘየንበርካዮ፧ ኣነ እውን መጺአ፡ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ ነይረ፧’ በሎ። 24  “ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ኸኣ፡ ‘እታ ምና ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ ምና ዘለዎ ሃብዎ’ በሎም። 25  ንሳቶም ድማ፡ ‘ጐይታይ፡ ንሱስ ዓሰርተ ምና ኣለዎ’ በልዎ። 26  ንሱ ኸኣ፡ ‘እብለኩም ኣለኹ፦ ንዘለዎ ዘበለ፡ ይውሰኾ፣ ንዘይብሉ ግና፡ እታ ዘላቶ እውን ይግደፍ። 27  ነዞም ኣነ ኽነግሶም ዘይደልዩ ጸላእተይ ከኣ፡ ናብዚ ኣምጺእኩም ኣብ ቅድመይ ሕረድዎም’ በሎም።” 28  እዚ ምስ በለ፡ ናብ የሩሳሌም ኪድይብ ንቕድሚት ከደ። 29  ናብተን ደብረ ዘይቲ ኣብ ዚብሃል ከረን ዚርከባ ቤት-ፋጌን ቢታንያን ምስ ቀረበ፡ ክልተ ኻብ ደቀ መዛሙርቱ ለኣኸ፣ 30  ከምዚ ድማ በሎም፦ “ኣብ ማዕዶኹም ናብ ዘላ ቝሸት ኪዱ፣ ናብኣ ምስ ኣተኹም ከኣ፡ ብኡብኡ ሰብ ተወጢሕዎ ዘይፈልጥ ጻዕብ ተኣሲሩ ኽትረኽቡ ኢኹም፣ ፈቲሕኩም ከኣ ኣምጽእዎ። 31  ገለ ሰብ፡ ‘ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧’ ኢሉ እንተ ሓቲቱኩም፡ ‘ጐይታ ደልይዎ ኣሎ’ በሉ።” 32  እቶም እተላእኩ ኸኣ ከይዶም፡ ከምቲ ዝበሎም ረኸቡ። 33  ነቲ ጻዕብ ኪፈትሕዎ ኸለዉ ኸኣ፡ ዋናታቱ፡ “ነዚ ጻዕብ ስለምንታይ ትፈትሕዎ ኣለኹም፧” በልዎም። 34  ንሳቶም ድማ፡ “ጐይታ ደልይዎ ኣሎ” በልዎም። 35  ናብ የሱስ ከኣ ኣምጽእዎ፣ ኣብቲ ጻዕብ ድማ ክዳውንቶም ጠይቂ ገበሩ እሞ፡ ንየሱስ ኣብኡ ኣወጥሕዎ። 36  ንሱ ኪኸይድ ከሎ፡ ክዳውንቶም ኣብ መገዲ ኣንጸፉ። 37  ናብታ ኻብ ደብረ ዘይቲ ንቝልቁል እተውርድ መገዲ ምስ ቀረበ፡ ኵሎም እቶም ብዙሓት ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ እቲ ዝረኣይዎ ዅሉ ግብርታት ሓይሊ ኺሕጐሱን ዓው ብዝበለ ድምጺ ንኣምላኽ ኪውድስዎን ጀመሩ፡ 38  ከምዚ እናበሉ፦ “ብስም የሆዋ ዚመጽእ ንጉስ ብሩኽ እዩ! ሰላም ኣብ ሰማይ፡ ክብሪ ድማ ኣብ ላዕሊ!” 39  ኣብ መንጎ እቲ ህዝቢ ዝነበሩ ገሊኦም ፈሪሳውያን ግና፡ “መምህር፡ ንደቀ መዛሙርትኻ ግንሓዮም” በልዎ። 40  ንሱ ኸኣ፡ “እብለኩም ኣለኹ፦ እዚኣቶም እኳ ስቕ እንተ ኢሎም፡ እዚ ኣእማን እዚ ኺጭድር እዩ” ኢሉ መለሰሎም። 41  ምስ ቀረበ፡ ነታ ኸተማ ረኣያ እሞ፡ በኸየላ፡ 42  ከምዚ እናበለ፦ “ኣየ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ንሰላምኪ ዚኸውን ነገር እንተ ትፈልጢ! ሕጂ ግና ካብ ኣዒንትኺ ተሰዊሩ ኣሎ። 43  ጸላእትኺ ኣብ ዙርያኺ ዕርዲ ዓሪዶም ዚኸብቡኺ፡ በዝን በትን ከኣ ዜጽብቡልኪ መዓልትታት ኪመጻ እየን፣ 44  እትምርመርሉ እዋን ሰኣን ምፍላጥክስ፡ ንዓኽን ኣባኺ ንዚነብሩ ደቅኽን ኪድዕምኹኹም፡ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኸኣ ኣይኪሓድጉልክን እዮም።” 45  ናብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ኸኣ፡ ነቶም ዚሸጡ ዝነበሩ ኺሰጕጎም ጀመረ፡ 46  ከምዚ እናበሎም፦ “‘ቤተይ ቤት ጸሎት ክትከውን እያ’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ፣ ንስኻትኩም ግና በዓቲ ጐሓሉት ጌርኩምዋ።” 47  መዓልቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቤተ መቕደስ ይምህር ነበረ። ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ኣውራታት እቲ ህዝብን ድማ ኬጥፍእዎ ይደልዩ ነበሩ፣ 48  ብዘሎ እቲ ህዝቢ ግና ኪሰምዖ ደልዩ ይዓስሎ ነበረ እሞ፡ እንታይ ከም ዚገብሩ ጠፍኦም።

እግረ ጽሑፍ