ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 መመላእታ ጽሑፍ

መጐልበብ ርእሲ—መዓስን ስለምንታይን፧

መጐልበብ ርእሲ—መዓስን ስለምንታይን፧

ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ መዓስን ስለምንታይን እያ ምስ ኣምልኾ ብዚተሓሓዝ መጐልበብ ርእሲ ኽትገብር ዘለዋ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ዝገለጾ መንፈስ ዝነፈሶ ሓሳባት እስከ ንርአ። ንኣምላኽ ዜኽብር ጽቡቕ ውሳነታት ንኽንገብር ዜድልየና መምርሒ ሂቡና ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 11:3-16) ጳውሎስ ሰለስተ ረቛሒታት ገለጸ:- (1) ሰበይቲ መጐልበቢ ኽትገብር ዜድልየሉ ንጥፈታት: (2) ከምኡ ኽትገብር ዜድልየሉ ዅነታት: (3) ነዚ ስርዓት እዚ ኽትዓየሉ ዜለዓዕላ ድራኸታት።

ንጥፈታት። ጳውሎስ ክልተ ንጥፈታት ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ድማ ጸሎት ክትጽልን ትንቢት ክትንበን ከላ እዩ። (ቍጽሪ 4, 5) ጸሎት ምስ የሆዋ እንራኸበሉ ኽፋል ኣምልኾና እዩ። ትንቢት ምንባይ: ሎሚ ንዝዀነ ይኹን ሓደ ክርስትያን ኣገልጋሊ ዚምህሮ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ ትምህርቲ የመልክት። ይኹን እምበር: ጳውሎስ: ሰበይቲ ኽትጽሊ ዀነ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ኽትምህር ከላ ርእሳ ኽትጕልበብ ከም ዘለዋ ድዩ ሓሳብ ዚህብ ነይሩ፧ ኣይኰነን። እቲ ሰበይቲ እትጽልየሉ ወይ እትምህረሉ ዅነታት ኣብዚ ጕዳይ እዚ ኣገዳሲ ረቛሒ እዩ።

ኵነታት። ጳውሎስ ክልተ ዅነታት ወይ ዓውዲ ንጥፈታት ጠቒሱ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ስድራ ቤትን ኣብ ጉባኤን እዩ። “ርእሲ ሰበይቲ ኸኣ ሰብኣይ [እዩ።] . . . ሰበይቲ ዘበለት ኵላ ግን ክትጽሊ ወይስ ትንቢት ክትንበ  ኸላ: ርእሳ እንተ ዘይተጐልበበት: . . . ርእሳ ተሕስር እያ” በለ። (ቍጽሪ 35) ኣብ ስርዓት ስድራ ቤት: ርእሲ ኪኸውን ብየሆዋ እተሸመ: ሰብኣይ እዩ። ሓንቲ ሰበይቲ ንስልጣን ሰብኣያ ግቡእ ኣኽብሮት ከይሃበት ነቲ የሆዋ ንዕኡ ዝሃቦ ሓላፍነታት ባዕላ እንተ ፈጺማቶ: ንሰብኣያ እያ እተሕስር። ንኣብነት: ሰብኣያ ኣብ ዘለዎ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ርእሳ ብምጕልባብ ንርእስነቱ ኣፍልጦ ትህብ። እቲ ሰብኣያ እተጠምቀ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ ከምኡ ትገብር እያ፣ ከመይሲ: ርእሲ እታ ስድራ ቤት እዩ። * ዘይባጽሐ እተጠምቀ ወዳ ኣብ ዘለዎ ኽትጽሊ ወይ ክትምህር እንተ ዀይና: መጐልበብ ርእሲ ትገብር እያ። ከምኡ እትገብር ከኣ ርእሲ እታ ስድራ ቤት ገይራ ስለ ዝረኣየቶ ዘይኰነስ: እቲ ስልጣን እቲ ነቶም ጥሙቓት ደቂ ተባዕትዮ ኣባላት እታ ጉባኤ ስለ እተዋህበ እዩ።

ጳውሎስ ብዛዕባ ኣብ ጉባኤ ኺግበር ዚግባእ ኣመልኪቱ: “ገለ ሰብ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ ኪተሃላለኽ ዚደሊ እንተሎ፥ ንሕናን እተን ናይ ኣምላኽ ኣብያተ ክርስትያንን ካብዚ ዝተፈልየ ልማድ የብልናን” በለ። (ቍጽሪ 16 ትርጕም 1990) ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ: ርእስነት ንጥሙቓት ደቂ ተባዕትዮ እዩ ተዋሂቡ። (1 ጢሞቴዎስ 2:11-14፣ እብራውያን 13:17) ደቂ ተባዕትዮ ጥራይ እዮም ነቲ መጓሰ ኣምላኽ ንኺከናኸኑ ኸም ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ኰይኖም ዚሽየሙ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:28) ሓሓሊፉ ግን ሓደ ብቕዓት ዘለዎ እተጠምቀ ወዲ ተባዕታይ ኪስከሞ ዝነበሮ ሓላፍነት: ክርስትያን ሰበይቲ ኽትዓዮ የድሊ ይኸውን። ንኣብነት: ብቑዕ ወዲ ተባዕታይ ስለ ዘይርከብ ወይ ኣብቲ እዋን ስለ ዘየለ: ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽትመርሕ የድሊ ይኸውን። ወይ ጥሙቕ ወዲ ተባዕታይ ኣብ ዘለወሉ እዋን ኣቐዲማ ቘጸራ ዝሓዘትሉ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትመርሕ ትኸውን። ከምዚ ዝኣመሰለ ንጥፈታት ክፍሊ ዕዮ ክርስትያናዊት ጉባኤ ስለ ዝዀነ: ነቲ ኸም ንቡር ብወዲ ተባዕታይ ዚግበር ዕዮ ትዓዪ ኸም ዘላ ኣፍልጦ ንምሃብ ርእሳ ትጕልበብ እያ።

በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ሓንቲ ሓብቲ ኣብ ሓያሎ መዳያት ኣምልኾና ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን እዩ። ንኣብነት: ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ሓሳብ ክትህብ ከላ: ምስ ሰብኣያ ወይ ምስ ካልእ እተጠምቀ  ወዲ ተባዕታይ ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዚግበር ኣገልግሎት ክትጽመድ ከላ: ወይ ንዘይተጠምቁ ውሉዳታ መጽናዕቲ ኽትመርሓሎም ወይ ክትጽልየሎም ከላ: ርእሳ ኽትጕልበብ ኣየድልያን እዩ። ልክዕ እዩ: ካልእ ሕቶታት ኪለዓል ይኽእል እዩ: ሓንቲ ሓብቲ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ርግጸኛ እንተ ዘይኰይና ኸኣ ተወሳኺ ምርምር ክትገብር ትኽእል እያ። * ርግጸኛ እንተ ዘይኰይና ወይ ሕልናኣ መጐልበብ ርእሲ ኽትገብር እንተ ደሪኽዋ: ከምቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ዘሎ: መጐልበቢ ምግባራ ጌጋ ኣይኰነን።

ድራኸታት። ኣብ ቍጽሪ 10 ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ነዚ ስርዓት እዚ ኸተኽብረሉ ዚድርኻ ኽልተ ምኽንያታት ተገሊጹ ኣሎ:- “ምእንቲ እቶም መላእኽቲ ንሰበይቲ ኣብ ርእሳ ምልክት ምልኪ [“ምልክት ሥልጣን:” ትርጕም 1990] ኺህልዋ ይግባእ እዩ።” ቀዳማይ: እታ “ምልክት ሥልጣን” እትብል መግለጺ ኣስተብህለላ። ሰበይቲ መጐልበብ ርእሲ ምግባራ: የሆዋ ንጥሙቓት ደቂ ተባዕትዮ ኣብ ጉባኤ ስልጣን ከም ዝሃቦም ኣፍልጦ እትህበሉ እዩ። ስለዚ: ንየሆዋ ኣምላኽ ዘለዋ ፍቕርን ተኣማንነትን ትገልጽ። ካልኣይ ምኽንያት: ኣብተን “ምእንቲ እቶም መላእኽቲ” ዚብላ ቓላት ተገሊጹ ኣሎ። ሰበይቲ መጐልበብ ርእሲ ብምግባራ ነቶም ሓያላት መንፈሳውያን ፍጡራት ብኸመይ ትጸልዎም፧

መላእኽቲ ኣብቲ ኣብ ሰማይ ኰነ ኣብ ምድሪ ዘሎ ብምሉኡ ውድብ የሆዋ: መለኮታዊ ስልጣን ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ኺርእዩ ይደልዩ እዮም። ኣብዚ መዳይ እዚ ኻብ ኣብነታት ዘይፍጹማት ሰባት ይጥቀሙ እዮም። ከመይሲ: ንሳቶም ንባዕሎም ንስርዓት የሆዋ ተገዛእቲ ኪዀኑ ኣለዎም፣ ኣብ ሓደ እዋን በዚ ፈተና እዚ ዝወደቑ መላእኽቲ ሒደት ኣይኰኑን። (ይሁዳ 6) ስለዚ: ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኻብ ሓደ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ጥሙቕ ወዲ ተባዕታይ ዝያዳ ተመክሮን ዝያዳ ፍልጠትን ዝያዳ  ምስትውዓልን እናሃለዋ ኽነሱ: ንስልጣኑ ግን ብፍታው ክትግዛእ ከላ መላእኽቲ ኺርእዩ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት: እታ ሰበይቲ ኻብቶም ጸኒሖም መዋርስቲ ክርስቶስ ዚዀኑ ቕቡኣት ክርስትያናት ክትከውን ትኽእል እያ። ከምዚ ዝኣመሰለት ሰበይቲ ኣብ መወዳእታኡ ኻብቲ መላእኽቲ ዘለዎም ኣብ ዝለዓለ ቦታ ዀይና ኣብ ሰማይ ምስ ክርስቶስ ክትገዝእ እያ። እዝስ ንመላእኽቲ ኸመይ ዘበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀኖም! ኵለን ኣሓት በቲ ኣብ ቅድሚ ሚልዮናት እሙናት መላእኽቲ ዜርእያኦ ተኣማንነተንን ተገዛእነትን ኣቢለን ብትሕትና ኸም ዚእዘዛ ኼርእያስ ከመይ ዝበለ ፍሉይ መሰል ኰን እዩ!

^ ሕ.ጽ. 3 ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እንተ ዘይኰይኑ: ኣማኒ ሰብኣያ ኣብ ዘለወሉ ዓው ኢላ ኣይትጽልን እያ። ሓደ ኻብቲ ፍሉይ ኵነታት: ሰብኣያ ብሕማም ኪዛረብ ዘይክእል እንተ ዀይኑ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

^ ሕ.ጽ. 2 ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ሓምለ 2002 ኣብ ገጽ 26-7 ከምኡውን ናይ 15 ለካቲት 1977 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 125-8 ርአ።