ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 5

ካብ ዓለም ክትፍለየሉ እትኽእል መገድታት

ካብ ዓለም ክትፍለየሉ እትኽእል መገድታት

“ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን።”—ዮሃንስ 15:19

1. የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ምሸት እንታይ እዩ ኣጕሊሑ፧

የሱስ ኣብታ ሰብ ኰይኑ ኣብ ምድሪ ዝጸንሓላ ናይ መወዳእታ ምሸት: ብዛዕባ ናይ መጻኢ ድሕንነት ሰዓብቱ ኣጸቢቑ ኸም ዚሓስብ ገለጸ። ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ከምዚ ዚስዕብ ብምባል እውን ናብ ኣቦኡ ጸለየ:- “ካብቲ ኽፉእ ክትሕልዎም እምበር: ካብ ዓለም ከተውጽኦም ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ከምቲ ኣነ ኻብ ዓለም ዘይኰንኩ: ንሳቶምውን ካብ ዓለም ኣይኰኑን።” (ዮሃንስ 17:15, 16) ኣብዚ ልባዊ ለመና እዚ: ንሰዓብቱ ዘላቶ ዓማቝ ፍቕሪ ኸምኡውን ንኣገዳስነት እተን በታ ምሸት እቲኣ ኣቐዲሙ እተዛረበን “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን” ዚብላ ቓላቱ ገለጸ። (ዮሃንስ 15:19) ሰዓብቱ ኻብ ዓለም እተፈልዩ ምዃኖም ኣመና ኸም ዜገድሶ ብንጹር ክንርኢ ንኽእል ኢና!

2. እታ የሱስ ዝጠቐሳ “ዓለም” እንታይ እያ፧

2 እታ የሱስ ዝጠቐሳ “ዓለም” ንዅሎም እቶም ካብ ኣምላኽ ዝረሓቑ: ብሰይጣን ዚግዝኡ: ባሮት እቲ ኻብኡ ዚምንጭ ስስዐን ትዕቢትን ዝመልኦ መንፈስ ከኣ ዝዀኑ ደቂ ሰብ እያ እተመልክት። (ዮሃንስ 14:30፣ ኤፌሶን 2:2፣ 1 ዮሃንስ 5:19) እወ: “ፍቕሪ ንዓለምሲ ንኣምላኽ ጽልኢ ምዃኑ” ዜጠራጥር ኣይኰነን። (ያእቆብ 4:4) ኵሎም እቶም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ ዚደልዩ ደኣ እሞ ኣብ ዓለም እናነበሩ ኽነሶም ካብኣ እተፈልዩ ኪዀኑ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ ሓሙሽተ መገድታት ክንርኢ ኢና፣ እዚ ኸኣ ነታ ኣብ ትሕቲ ክርስቶስ እትግዛእ መንግስቲ ኣምላኽ እሙናት ብምዃንን ካብ ፖለቲካ  ዓለም ገለልትነትና ብምሕላውን: ንመንፈስ ዓለም ብምጽራር: ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ትሕትና ብምንጽብራቕ: ንዓይንና ጥዕይቲ ብምግባር: ከምኡውን መንፈሳዊ ኣጽዋር ብምልባስ እዩ።

እሙንን ገለልተኛን ምዃን

3. (ሀ) የሱስ ነቲ ብግዜኡ ዝነበረ ፖለቲካ ብኸመይ ይርእዮ ነበረ፧ (ለ) ቅቡኣት ሰዓብቲ የሱስ ከም ኣምባሳደራት ኰይኖም የገልግሉ ኺበሃል ዚከኣል ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ እውን ርአ።)

3 የሱስ ኣብቲ ብግዜኡ ዝነበረ ፖለቲካ ኣብ ክንዲ ዚሳተፍ: ብዛዕባ እታ ዚነግሰላ ሰማያዊ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምስባኽ ኣተኰረ። (ዳንኤል 7:13, 14፣ ሉቃስ 4:43፣ 17:20, 21) ስለዚ: ኣብ ቅድሚ እቲ ሮማዊ ኣመሓዳሪ ዝነበረ ጶንጥዮስ ጲላጦስ ምስ ቀረበ: “መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን” ኢሉ ኺምልስ ከኣለ። (ዮሃንስ 18:36) እቶም እሙናት ሰዓብቱ ከኣ ንክርስቶስን ንመንግስቱን እሙናት ብምዃን ከምኡውን ነታ መንግስቲ እቲኣ ንዓለም ብምእዋጅ ኣብነቱ ይስዕቡ እዮም። (ማቴዎስ 24:14) ሃዋርያ ጳውሎስ: “ንሕና ናይ ክርስቶስ ኣምባሳደራት ኢና፥ . . . ኣብ ክንዲ ክርስቶስ ኴንና ድማ ‘ምስ ኣምላኽ ተዓረቑ’ እናበልና ንልምነኩም ኣሎና” ኢሉ ጸሓፈ። *2 ቈረንቶስ 5:20 ትርጕም 1990

4. ኵሎም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንመንግስቲ ኣምላኽ ተኣማንነቶም ዘርኣዩ ብኸመይ እዮም፧ (ኣብ “ ገጽ 52 እትርከብ ሳጹን ርአ።)

4 ኣምባሳደራት ንናይ ወጻኢ ልዑላዊ ወይ ሃገር ስለ ዚውክሉ: ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት እተን ዜገልግሉለን ሃገራት ጣልቃ ኣይኣትዉን እዮም፣ የግዳስ: ገለልተኛታት እዮም። ይኹን እምበር: ንመንግስቲ እታ ዚውክልዋ ሃገር ይሕለቑላ እዮም። እቶም ‘ሃገሮም ኣብ ሰማያት ዝዀኑ’ ቕቡኣት ሰዓብቲ ክርስቶስ እውን ተመሳሳሊ እዮም ዚገብሩ። (ፊልጲ 3:20) ሳላ እቲ ብቕንኣት ዝፈጸምዎ ስብከት  መንግስቲ ኣምላኽ: ንሚልዮናት ናይ ክርስቶስ “ካልኦት ኣባጊዕ” ‘ምስ ኣምላኽ ንኺዕረቑ’ ሓጊዞምዎም እዮም። (ዮሃንስ 10:16፣ ማቴዎስ 25:31-40) እቶም ካልኦት ኣባጊዕ ነቶም ቅቡኣት ኣሕዋት የሱስ ብምድጋፍ: ከም ልኡኻት ክርስቶስ ኰይኖም የገልግሉ። ክልቲኦም ጕጅለ  ንመሲሓዊት መንግስቲ ዚጣበቑ ሓደ መጓሰ ብምዃኖም: ኣብ ፖለቲካዊ ጕዳያት እዛ ዓለም እዚኣ ብጥብቂ ገለልትነቶም ይሕልዉ እዮም።—ኢሳይያስ 2:2-4

5. ክርስትያናዊት ጉባኤ ኻብ ጥንታዊት እስራኤል እተፈልየት ዝዀነት ብኸመይ እያ፧ እዚ ፍልልይ እዚኸ ብኸመይ እዩ ዚርአ፧

5 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ገለልተኛታት ዚዀኑ: ብምኽንያት እቲ ንክርስቶስ ዘለዎም ተኣማንነት ጥራይ ኣይኰነን። ንሕና ኸምቶም ኣምላኽ ዝሃቦም ምድሪ ዝነበሮም ጥንታውያን እስራኤላውያን ዘይኰንናስ: ክፍሊ ዓለምለኻዊ ሕውነት ኢና። (ማቴዎስ 28:19፣ 1 ጴጥሮስ 2:9) ስለዚ: ንሓደ ኣብ ዓድና ዚርከብ ፖለቲካዊ ሰልፊ እንድግፍ እንተ ንኸውን ኔርና: ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽን ንክርስትያናዊ ሓድነትናን ብዚምልከት ከይተሰከፍና ኽንዛረብ ኣይምኸኣልናን። (1 ቈረንቶስ 1:10) ብዘይካዚ: ኣብ እዋን ውግእ ምስቶም ከነፍቅሮም ትእዛዝ እተዋህበና ኣመንቲ ዝዀኑ ብጾትና ምተዋጋእና። (ዮሃንስ 13:34, 35፣ 1 ዮሃንስ 3:10-12) እምበኣር: የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ሰይፊ ኸየልዕሉ ዝኣዘዘሉ ብቑዕ ምኽንያት ኣለዎ። ንጸላእቶም እኳ ኸይተረፈ ኼፍቅሩ እውን ነገሮም።—ማቴዎስ 5:44፣ 26:52፣ ኣብ ገጽ 55 እትርከብ “ ገለልተኛ ድየ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

6. ርእስኻ ንኣምላኽ ምውፋይካ ነቲ ምስ ቄሳር ዘሎካ ርክብ ብኸመይ ይጸልዎ፧

6 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ህይወትና ንዝዀነ ይኹን ሰብ: ሰብኣዊ ውድብ: ወይ ሃገር ዘይኰነስ: ንኣምላኽ ኢና ወፊና። ቀዳማይ ቈረንቶስ 6:19, 20: “ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ: . . . ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ: ኣይትፈልጡን ኢኹም፧” ትብል። ስለዚ: ሰዓብቲ ክርስቶስ “ንቄሳር” ዚግብኦ ኽብረትን ግብርን ተዛማዲ ተገዛእነትን ኪህብዎ ኸለዉ: “ናይ ኣምላኽውን ንኣምላኽ” ይህቡ እዮም። (ማርቆስ 12:17፣ ሮሜ 13:1-7) እዚ ኸኣ ኣምልኾኦምን ብምሉእ ነፍሶም ዜርእይዋ ፍቕርን ብተኣማንነት ዚፍጽምዎ ተኣዛዝነቶምን የጠቓልል። ኣድላዪ እንተ ዀይኑ: ንኣምላኽ ህይወቶም እውን ከይተረፈት ንምሃብ ድሉዋት እዮም።—ሉቃስ 4:8፣ 10:27፣ ግብሪ ሃዋርያት 5:29፣ ሮሜ 14:8

 ን“መንፈስ ዓለም” ምጽራሩ

7, 8. “መንፈስ ዓለም” እንታይ እዩ፧ እዚ መንፈስ እዚኸ ኣብ ሰብ ተግባሩ “ዚገብር” ብኸመይ እዩ፧

7 ክርስትያናት ካብ ዓለም እተፈልዩ ዚዀኑሉ ኻልእ መገዲ: ንእኩይ መንፈስ ብምጽራር እዩ። ጳውሎስ: “ነቲ ኻብ ኣምላኽ ዚኸውን መንፈስ እምበር: መንፈስ ዓለም ኣይተቐበልናን” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ቈረንቶስ 2:12) ንሰብ ኤፌሶን: “ንስኻትኩም ቀደም ከም ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ: ከምቲ መንፈሱ ሕጂ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ዚገብር ዘሎ ሓለቓ ስልጣን ኣየር እተመላለስኩም” ኢሉ ጸሓፈሎም—ኤፌሶን 2:2, 3

8 “ኣየር” ወይ መንፈስ ዓለም: ንኣምላኽ ከይትእዘዞ ዜለዓዕል: “ፍትወት ስጋን ፍትወት ኣዒንትን” ከኣ ዜተባብዕ ደራኺ ሓይሊ እዩ። (1 ዮሃንስ 2:16፣ 1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) “ስልጣን” እዚ መንፈስ እዚ: በቲ ንሓጥእ ስጋ ዘለዎ ስሕበት: ብውዲት: ዘየቋርጽ ብምዃን: ከምኡውን ከም ኣየር ኣብ ኵሉ ብምዝርጋሑ እዩ ዚግለጽ። ብዘይካዚ: ኣብ ሓደ ሰብ በብቝሩብ ከም ስስዐን ትዕቢትን ህርፋንን ብርእሰይ ክምራሕ ዚብል መንፈስን ዕልወትን ዝኣመሰለ ኣምላኽ ዘይፈትዎ ባህርያት ብምዅስኳስ እዩ ተግባሩ “ዚገብር።” * ብሓጺሩ: መንፈስ ዓለም ኣብ ልቢ ሰብ ባህርያት ድያብሎስ በብቝሩብ ከም ዚዓቢ ይገብር።—ዮሃንስ 8:44፣ ግብሪ ሃዋርያት 13:10፣ 1 ዮሃንስ 3:8, 10

9. መንፈስ ዓለም በየናይ መገድታት እዩ ኣብ ኣእምሮናን ልብናን ኪኣቱ ዚኽእል፧

9 መንፈስ ዓለም ኣብ ልብኻን ኣእምሮኻን ሱር ኪሰድድ ይኽእል ድዩ፧ ዘይጥንቁቕ ብምዃን ሱር ኪሰድድ እንተ ፈቒድካሉ: እወ ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 4:23) ጽልዋኡ ብዝረቐቐ መገዲ እዩ ዚጅምር፣ ምናልባት ጥዑያት ዚመስሉ ግን ንየሆዋ ፍቕሪ ዘይብሎም ኣዕሩኽ ዜምጽእዎ ጽልዋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ዜተሓታትት ጽሑፍ: ስእለ-ጽዩፍ: ከሓድቲ ኣብ ኢንተርነት ዚዝርግሕዎ ሓበሬታ: ዘይጥዑይ መዘናግዒ: ብርቱዕ ውድድር ዘለዎ ስፖርት—ኰታስ  ዝዀነ ይኹን ንኣተሓሳስባ ሰይጣን ኰነ ስርዓቱ ዜመሓላልፍ ነገር ነዚ እከይ እዚ ኼምጽኣልና ይኽእል እዩ።

10. መንፈስ ዓለም ብኸመይ ክንጻረሮ ንኽእል፧

10 ነቲ በካሊ መንፈስ ዓለም ክንጻረሮን ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ የሆዋ ዝገበሮ መንፈሳዊ መሰናድዎታት ምሉእ ብምሉእ ብምጥቃምን መንፈስ ቅዱስ ንኺወሃበና ኸየባተኽና ብምጽላይን እዩ። የሆዋ ኻብ ድያብሎስ ወይ ካብታ ኣብ ትሕቲ  ቝጽጽር ሰይጣን ዘላ እክይቲ ዓለም ኣጸቢቑ ይሕይል። (1 ዮሃንስ 4:4) ብጸሎት ናብ የሆዋ ምልጋብና እምበኣር ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብ ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ትሕትና ምንጽብራቕ

11. መንፈስ ዓለም ንኣከዳድና ብኸመይ እዩ ጸልይዎ፧

11 መንፈስ ዓለም ንሓደ ሰብ ጽልዋ ኸም ዝገበረሉ ዚሕብር ደጋዊ መሐበሪ: ኣከዳድናኡን ኣመለኻኽዓኡን ጽሬቱን እዩ። ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣከዳድና ኣመና እናተበላሸወ ኻብ ምኻዱ እተላዕለ: ሓደ ናይ ተለቪዥን ወሃብ ርእይቶ: ድሕሪ ሓጺር እዋን ኣመናዝር ዚኽደናኦ ኻብ ካልኦት እተፈልየ ኸም ዘይከውን ተዛረበ። ኣብ ሓንቲ ጋዜጣ ዝቐረበ ሓደ ጸብጻብ ከም ዚሕብሮ: ገና ዘይጐርዘዋ ኣዋልድ እኳ ኸይተረፋ “ኣካላተን ዚቐልዕ: ትሕትና ዘየርኢ” ኽዳን የዘውትራ ኣለዋ። ካልእ ዚዝውተር ዘሎ ኣከዳድና: መንፈስ ዕልወት ዜንጸባርቕን ዘይምዕሩግን ወጅሃላይ ኣከዳድና እዩ።

12, 13. እንታይ መሰረታዊ ስርዓታት እዩ ንኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን መምርሒ ኪዀነና ዚግባእ፧

12 ኣገልገልቲ ኣምላኽ ከም ምዃንና መጠን: ጽቡቕ ትርኢት ኪህልወና ኢና እንደሊ፣ እዚ ኸኣ ጽፉፍን ንጹህን ባህ ዜብልን ነቲ ኣጋጣሚ ዚግባእን ክዳውንቲ ንኽደን ማለት እዩ። ኵሉ ሳዕ ትርኢትና ‘ፍርሃት ኣምላኽ ንዘለዎም’ ደቂ ተባዕትዮ ዀነ ደቂ ኣንስትዮ ዚግባእ: ‘ሕንክን [“ትሕትና ዜርእን:” ትርጕም 1990] ምቕጻዕ ነፍስን’ ከምኡውን “ሰናይ ግብሪ” ዜንጸባርቕ ኪኸውን ይግባእ። ቀንዲ ዜተሓሳስበና ነገር: ኣቓልቦ ምስሓብና ዘይኰነስ: ‘ርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ምሕላውና’ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10፣ ይሁዳ 21) እወ: እቲ ልዕሊ ዅሉ ዝጸበቐ ስልማትና: ‘እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ሕቡእ ናይ ልቢ ሰብ’ ኪኸውን ኢና እንደሊ።—1 ጴጥሮስ 3:3, 4

13 ቅዲ ኽዳውንትናን ኣመለኻኽዓናን ነቲ ኻልኦት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘለዎም ኣረኣእያ ኸም ዚጸልዎ እውን ኣይትረስዕ። እታ “ሕንኪ” ወይ “ትሕትና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ንስነ-ምግባር ብዚምልከት ኪዕየየላ ኸሎ: ንስምዒት ወይ ኣረኣእያ  ኻልኦት ኣኽብሮትን ፍርሃትን ምሕዳር ዚብል ሓሳብ ሒዛ ኣላ። ሸቶና እምበኣር ሕልና ኻልኦት ካብቲ መሰልና ኢልና እንሓስቦ ነገራት ንላዕሊ ኽንሰርዖ እዩ። ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: ንየሆዋን ንህዝቡን ክብሪ ኸነምጽእ: “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ” ብምግባር ድማ ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ኸነርኢ ኢና እንደሊ።—1 ቈረንቶስ 4:9፣ 10:31፣ 2 ቈረንቶስ 6:3, 4፣ 7:1

ትርኢተይ ንየሆዋ ኽብሪ ዜምጽእ ድዩ፧

14. ንትርኢትናን ጽሬትናን ብዚምልከት: እንታይ ሕቶታት ኢና ንርእስና ኽንሓትት ዘሎና፧

14 ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኽንጽመድ ወይ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባ ኽንእከብ ከለና: ኣከዳድናናን ኣመለኻኽዓናን ንጽህናናን ዝያዳ ኣገዳስነት ኣለዎ። ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ትርኢተይን ጕድለት ጽሬተይን ናባይ ዘየድሊ ኣቓልቦ ይስሕብ ድዩ፧ ንኻልኦት የሕፍሮም ድዩ፧ ምስዚ ዚተሓሓዝ መሰለይ: ካብቲ ኣብ ጉባኤ ዚወሃብ ሓላፍነት ኣገልግሎት ዝያዳ ኣገዳሲ ገይረ ድየ ዝርእዮ፧’—መዝሙር 68:6፣ ፊልጲ 4:5 NW1 ጴጥሮስ 5:6

15. ቃል ኣምላኽ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ጽሬትን ዝርዝር ሕግታት ዘይሃበ ስለምንታይ እዩ፧

15 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ጽሬትን ዚምልከት ንክርስትያናት ዚኸውን ዝርዝር ሕግታት ኣይሃበን። የሆዋ ናይ ምምራጽ ናጽነትና ወይ ንኣእምሮና እንጥቀመሉ መገዲ ኺድርቶ ኣይደልን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ኣብ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲስና  እነመዛዝን ከምኡውን ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናና እነላምድ’ ብሱላት ሰባት ክንከውን እዩ ዚደልየና። (እብራውያን 5:14) ልዕሊ ዅሉ ድማ: ንኣምላኽን ንብጻይናን ብዘላትና ፍቕሪ ኽንምራሕ እዩ ዚደልየና። (ማርቆስ 12:30, 31) ኣብ ውሽጢ እዚ ደረት እዚ: ብዙሕ ዓይነት ኣከዳድናን ኣመለኻኽዓን ኣሎ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ዓለም ዚርከቡ ሕጉሳት ህዝቢ የሆዋ ኣብ ኣኼባታቶም ዚኽደንዎ እተፈላለየ ዓይነት ክዳውንቲ ነዚ መርትዖ ዚኸውን እዩ።

“ጥዕይቲ” ዓይኒ ትሃሉኻ

16. መንፈስ ዓለም ምስ ትምህርትታት የሱስ ዚጋጮ ብኸመይ እዩ፧ ንርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና፧

16 መንፈስ ዓለም መታለሊ እዩ: ንሚልዮናት ሰባት ከኣ ገንዘብን ንዋይን ከም ምንጪ ሓጐስ ገይሮም ንኺርእይዎ ይድርኾም። የሱስ ግን: “ህይወት ሰብ ብብዝሒ ገንዘብ ኣይኰነትን” በለ። (ሉቃስ 12:15) የሱስ ንምናነ ወይ ንነፍሲ ምሕሳም ይድግፍ እኳ እንተ ዘይነበረ:  ህይወትን ናይ ሓቂ ሓጐስን ኪረኽቡ ዚኽእሉ: እቶም “መንፈሳዊ ነገራት ከም ዜድልዮም ዚግንዘቡ” ኸምኡውን ቅንዕትን ኣብ መንፈሳዊ ነገራት ዘተኰረትን “ጥዕይቲ” ዓይኒ ዘላቶም ሰባት ምዃኖም መሃረ። (ማቴዎስ 5:3 NW፣ 6:22, 23) እምበኣር: ከምዚ ኢልካ ንርእስኻ ሕተት:- ‘የሱስ ዝመሃሮ ትምህርቲ ብሓቂ እኣምነሉ ድየ ወይስ በቲ “ንሓሶት ኣቦኣ” ዝዀነ እየ ዝጽሎ ዘለኹ፧ (ዮሃንስ 8:44) ቃላተይን ሸቶታተይን ቀዳምነት ዝህቦ ነገራትን ኣነባብራይን እንታይ እዩ ዚገልጽ፧’—ሉቃስ 6:45፣ 21:34-36፣ 2 ዮሃንስ 6

17. ገለ ኻብቲ እቶም ጥዕይቲ ዓይኒ ዘላቶም ዚረኽብዎ በረኸት ጥቐስ።

17 የሱስ: “ጥበብ ግና ብተግባራ ረትዐት” በለ። (ማቴዎስ 11:19 ትርጕም 1990) እቶም ጥዕይቲ ዓይኒ ዘላቶም ዚረኽብዎ ገለ ጥቕምታት እሞ ሕስብ ኣብለሉ። ብኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ዕረፍቲ ይረኽቡ። (ማቴዎስ 11:29, 30) ዘየድሊ ጭንቀት የርሕቑ: በዚ ኸምዚ ድማ ካብ ኣእምሮኣውን ስምዒታውን ስቓይ ይናገፉ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) በቲ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ስለ ዚዓግቡ: ንስድራ ቤቶምን ንክርስትያናት ብጾቶምን ዝያዳ ግዜ ኣለዎም። ከም ውጽኢቱ ድማ ጥዑም ድቃስ ኪድቅሱ ይኽእሉ። (መክብብ 5:12) ብእተፈላለየ መገዲ ንኻልኦት ስለ ዚህቡ: ብምሃብ ዝያዳ ሓጐስ ይረኽቡ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:35) ‘ብተስፋ ሃብታማት’ እዮም: ውሽጣዊ ሰላምን ዕግበትን ድማ ኣለዎም። (ሮሜ 15:13፣ ማቴዎስ 6:31, 32) እዚ በረኸት እዚ ብዋጋ ዘይሽነን እዩ!

“ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ” ምልዓል

18. መጽሓፍ ቅዱስ ንጸላኢናን ንሜላታቱን ንዓይነት ቃልስናን ብኸመይ ይገልጾ፧

18 እቶም ንርእሶም ብፍቕሪ ኣምላኽ ዚሕልዉ: ካብቲ ንክርስትያናት ሓጐስ ጥራይ ዘይኰነስ: ናይ ዘለኣለም ህይወት እውን ኬጥፍኣሎም ዚደሊ ሰይጣን ዚፍንዎ መጥቃዕቲ: መንፈሳዊ ዕቝባ ይረኽቡ እዮም። (1 ጴጥሮስ 5:8) ጳውሎስ: “እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር: ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን” በለ። (ኤፌሶን  6:12) እታ “ቕልስ” እትብል ቃል ከም እትሕብሮ: እቲ ቓልስና ኣብ ከም ዕርዲ ዄንካ ብማዕዶ ዚግበር ዘይኰነስ: ኢድ ብኢድ ዚግበር ጥምጥም እዩ። ብተወሳኺ: እተን “ሕልቅነትን” “ስልጣናትን” “ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን” ዚብል ቃላት: እቲ ኻብ መንፈሳዊ ዓለም ዚፍኖ መጥቃዕቲ ብስርዓት እተወደበን ደይ መደይ ኢልካ ዚፍኖን ምዃኑ ይሕብር።

19. ነቲ ሓደ ክርስትያን ኬልዕሎ ዘለዎ መንፈሳዊ ኣጽዋር ግለጾ።

19 ሰብኣዊ ድኽመትን ድሩት ዓቕምን እኳ እንተ ኣሎና: ዓወት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ብኸመይ፧ “ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ” ብምልዓል ኢና እንዕወት። (ኤፌሶን 6:13) ኤፌሶን 6:14-18 ነዚ ኣጽዋር እዚ ኸምዚ ኢሉ ይገልጾ:- “ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላው ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ [ወይ ተስፋ] ኣእትዉ: ናይ መንፈስ ሰይፊውን: ማለት ቃል ኣምላኽ: ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም . . . ንቕሑ።”

20. ኵነታትና ኻብ ናይ ሓደ ቓል ብቓሉ ወተሃደር እተፈልየ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

20 ነዚ መንፈሳዊ ኣጽዋር: ኣምላኽ ስለ ዘዳለዎ: ኵሉ ሳዕ እንተ ለቢስናዮ: ብርግጽ ዕቝባ ይዀነና እዩ። ቃል ብቓሉ ወተሃደራት ኣብቲ ውግእ ዘይህልወሉ እዋን ንንውሕ ዝበለ እዋን ዜዕርፉ እኳ እንተ ዀኑ: ክርስትያናት ግን ክሳዕ እቲ ኣምላኽ ንናይ ሰይጣን ዓለም ዜጥፍኣሉን ንዅሎም እኩያት መናፍስቲ ኣብ መዓሙቝ ዚኣስረሉን እዋን ዘየቋርጽ ናይ ህይወትን ሞትን ቃልሲ እዩ ዘለዎም። (ራእይ 12:17፣ 20:1-3) ኵላትና ንየሆዋ እሙናት ኴንና ንኽንቅጽል ንርእስና ስለ ‘እነሰቅዮ:’ ንስኻ እውን ምስ ድኽመታት ወይ ሕማቕ ባህግታት ትቃለስ እንተ ኣሊኻ ኣይትተሓለል። (1 ቈረንቶስ 9:27) እወ: ቅልስ እንተ ዘይብልና እዩ ኼተሓሳስበና ዘለዎ!

21. ኣብ መንፈሳዊ ውግእና ብኸመይ ጥራይ ኢና ዓወት ክንረክብ እንኽእል፧

21 ብዘይካዚ: ኣብዚ ቓልሲ እዚ ብሓይልና ኽንዕወት ኣይንኽእልን  ኢና። ስለዚ ድማ እዩ ጳውሎስ ናብ የሆዋ “ዅሉ ሳዕ ብመንፈስ” ክንጽሊ ኸም ዜድልየና ዘዘኻኸረና። ኣብ ርእሲ እዚ እውን ኣብ ኵሉ ኣጋጣሚ ቓል ኣምላኽ ብምጽናዕ: ከምኡውን ኣብዚ ቓልሲ እዚ እንቃለስ ዘለና በይንና ስለ ዘይኰንና ‘ምስቶም ምሳና ዀይኖም ዚዋግኡ’ ብምሕባር: ንየሆዋ ኽንሰምዖ ኣሎና። (ፊልሞን 2፣ እብራውያን 10:24, 25) እቶም ኣብ ኵሉ እዚ መዳያት እዚ እሙናት ዝዀኑ ዓወት ይረኽቡ ጥራይ ዘይኰነስ: ንእምነቶም ዚብድህ ኬጋጥሞም ከሎ ኺከላኸሉላ እውን ይኽእሉ እዮም።

ንእምነትካ ንኽትከላኸለላ ድሉው ኩን

22, 23. (ሀ) ኵሉ ሳዕ ንእምነትና ንኽንከላኸለላ ድሉዋት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ንርእስናኸ እንታይ ሕቶታት ክንሓትት ኣሎና፧ (ለ) ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ እንታይ ጕዳይ እዩ ኺምርመር፧

22 የሱስ: “ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን: ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ” በለ። (ዮሃንስ 15:19) ስለዚ: ክርስትያናት ንእምነቶም ንኺከላኸሉላ ድሉዋት ኪዀኑ ኣለዎም: ነዚ ድማ ብኣኽብሮትን ብለውሃትን ኪገብርዎ ይግባእ። (1 ጴጥሮስ 3:15 ትርጕም 1990) ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘ሓድሓደ ግዜ ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ሓፋሽ ዘይፈትዎ መትከል ዚሕዙሉ ምኽንያት ይርድኣኒ ድዩ፧ ከምዚ ዓይነት መትከል ብምሓዘይ ብድሆ ኼጋጥመኒ ኸሎ: እቲ መጽሓፍ ቅዱስን እቲ እሙን ባርያን ዚብሎ ቕኑዕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እኣምነሉ ድየ፧ (ማቴዎስ 24:45፣ ዮሃንስ 17:17) ኣብ ቅድሚ ዓይኒ የሆዋ ቕኑዕ ዘበለ ኽገብር ከለኹ: እተፈለኹ እኸውን ጥራይ ዘይኰነስ: እተፈለኹ ብምዃነይ እሕበን እውን ድየ፧’—መዝሙር 34:2፣ ማቴዎስ 10:32, 33

23 መብዛሕትኡ ግዜ ግን ካብ ዓለም እተፈለና ኽንከውን ዘሎና ባህጊ: ብዝረቐቐ መገዲ ይፍተን እዩ። ንኣብነት: ኣቐዲምና ኸም ዝረኣናዮ: ድያብሎስ ብዓለማዊ መዘናግዒ ገይሩ ንኣገልገልቲ የሆዋ ናብ ዓለም ኪስሕቦም ይፍትን እዩ። ከመይ ጌርና ኢና ንመንፈስና ዜሐድስን ንጹህ ሕልና ዚሓድገልናን መዘናግዒ ኽንመርጽ እንኽእል፧ ኣብ እትቕጽል ምዕራፍ: እዚ ጕዳይ እዚ ኺምርመር እዩ።

^ ሕ.ጽ. 3 ካብ ጴንጠቆስጠ 33 ድ.ክ. ኣትሒዙ: ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ እታ ኣብ ምድሪ እትርከብ ጉባኤ ቕቡኣት ሰዓብቲ ኸም ንጉስ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (ቈሎሴ 1:13) ብ1914 ክርስቶስ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ዓለም” ንጉሳዊ ስልጣን ተቐበለ። ስለዚ: ሎሚ ዘለዉ ቕቡኣት ክርስትያናት ኣምባሳደራት እታ መሲሓዊት መንግስቲ ዀይኖም የገልግሉ እዮም።—ራእይ 11:15

^ ሕ.ጽ. 8 ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ሪዝኒን ፍሮም ዘ ስክሪፕቸርስ: ኣብ ገጽ 389-93 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 65 ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 212-15 ርአ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ብዅሉ ኣካይዳና ቕዱሳት ክንከውን ይግብኣና

ከይትለማለም ምጥንቃቕ፡ ንየሆዋ ዝበለጸ ምሃብ፡ ዕጹም መንፈሳዊ ምግቢ ኣዘውቲርካ ምምጋብ እንታይ ዜመሳስሎ ነገር ኣሎ፧

ኣብ ዘለኻ ኣሊኻ፡ ድምጺ የሆዋ ስማዕ

ንድምጺ የሆዋ ምስማዕን ምስኡ ምዝርራብን ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ፍለጥ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ፡ ሰይጣንን ሓጥእ ዝንባለታትናን ንድምጺ የሆዋ ኸም ዘይንሰምዖ ምእንቲ ኸይገብረና ብኸመይ ክንጥንቀቕ ከም እንኽእል ክትገልጸልና እያ።