ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 9

“ካብ ምንዝርና ህደሙ”

“ካብ ምንዝርና ህደሙ”

“ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ።”—ቈሎሴ 3:5

1, 2. በላዓም ንህዝቢ የሆዋ ኺጐድኦም ውዲት ዝኣለመ ብኸመይ እዩ፧

ሓደ ገፋፍ ዓሳ ናብ ሓንቲ ዓሳ ንምሓዝ እትምሽኦ ቦታ ኸደ። ንሓደ ዓይነት ዓሳ እዩ ኺሕዝ ሓሲቡ። ነቲ ዓይነት ዓሳ እቲ እትስሕቦ መህረሪ ኣብታ ዓንቃሪቦ ኣእትዩ ነቲ መቓጥን ናብቲ ማይ ደርበዮ። ድሕሪ እተወሰነ እዋን: እቲ መቓጥን ምስ ተወጠረ: እቲ ገፋፍ ዓሳ ነቲ ዝሓዞ ዓሳ ስሒቡ ኣውጸኦ። ነቲ ዝደለዮ ዓሳ እትስሕብ መህረሪ ኸም እተጠቕመ ፈሊጡ ፍሽኽ በለ።

2 ብ1473 ቅ.ክ. ሓደ በላዓም ዚበሃል ሰብኣይ እንታይ መህረሪ ኸም ዚጥቀም ኣዕሚቑ ሓሰበ። እቶም ግዳይ ኪዀኑ ዝሓሰቦም ግን: እቶም ኣብቲ ዶብ ምድሪ ተስፋ ዚርከብ ጐላጕል ሞኣብ ሰፊሮም ዝነበሩ ህዝቢ ኣምላኽ እዮም። በላዓም ነብዪ የሆዋ ኸም ዝዀነ እዩ ዚዛረብ ነይሩ: ከም ሓቂ ግን ንእስራኤል ኪረግም እተቘጽረ ስሱዕ ሰብ እዩ ነይሩ። ይኹን እምበር: የሆዋ ጣልቃ ብምእታዉ: በላዓም ንእስራኤላውያን ኪምርቖም ጥራይ እዩ ኽኢሉ። በላዓም ዓስቡ ኺረክብ ቈሪጹ ስለ ዝነበረ: ነቶም ህዝቢ ኣስዲዕካ ኸቢድ ሓጢኣት ከም ዚፍጽሙ እንተ ተገይሮም: ኣምላኽ ባዕሉ ንህዝቡ ኺረግሞም ከም ዚድረኽ ሓሰበ። ነዚ ሸቶ እዚ ኣብ ኣእምሮኡ ሒዙ: ነቲ መህረሪኡ ደርበየ፣ እዚኣተን ድማ እተን መስዳዕቲ ኣዋልድ ሞኣብ ነበራ።—ዘሁልቍ 22:1-7፣ 31:15, 16፣ ራእይ 2:14

3. ውዲት በላዓም ክሳዕ ክንደይ እዩ ተዓዊቱ፧

3 እዚ ስልቲ እዚ ዓዪዩ ድዩ፧ ብእተወሰነ ደረጃ: እወ ዓዪዩ እዩ።  ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዚቝጸሩ እስራኤላውያን ሰብኡት ‘ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ብምምንዛር’ በቲ መህረሪ ሰዲዖም እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ኣማልኽቲ ሞኣብ ኬምልኹ ጀመሩ፣ ሓደ ኻብቲ ኣማልኽቶም ድማ በዓል-ጴዖር ዚበሃል ዜፈንፍን ኣምላኽ ፍርያምነት ወይ ጾታዊ ርክብ ነበረ። ከም ሳዕቤኑ: 24,000 እስራኤላውያን ኣብ ዶብ እታ ምድሪ ተስፋ ሞቱ። ከመይ ዝበልዎ ዜሕዝን ነገር ኰን እዩ!—ዘሁልቍ 25:1-9

4. ኣሽሓት እስራኤላውያን ብምንዝር ዝወደቑ ስለምንታይ እዮም፧

4 ነዚ ጥፍኣት እዚ መገዲ ዝጸረገ እንታይ እዩ ነይሩ፧ ብዙሓት ካብቶም ህዝቢ ኻብቲ ኻብ ግብጺ ዘውጸኦምን ኣብቲ በረኻ ዝመገቦምን ናብታ ምድሪ ተስፋ ብደሓን ዝመርሖምን ኣምላኾም የሆዋ ብምርሓቕ እኩይ ልቢ ኣማዕቢሎም ነይሮም። (እብራውያን 3:12) ሃዋርያ ጳውሎስ ብዛዕባ እዚ ኸምዚ በለ:- “ከምቲ ገሊኣቶም ዝመንዘሩ እሞ ብሓንቲ መዓልቲ ዕስራን ሰለስተን ሽሕ ዝወደቑ: ኣይንመንዝር።” *1 ቈረንቶስ 10:8

5, 6. እቲ ብዛዕባ እቲ እስራኤላውያን ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝገበርዎ ሓጢኣት ዚገልጽ ጸብጻብ ሎሚ ንዓና ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

5 እቲ ኣብ ዘሁልቍ ዚርከብ ጸብጻብ ነቶም ሎሚ ኣብ ድርኵኺት  እታ ኣዝያ ዝዓበየት ምድሪ ተስፋ ዚርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ብዙሕ ኣገዳሲ ትምህርትታት ኣለዎ። (1 ቈረንቶስ 10:11) ንኣብነት: ዓለም ብጾታዊ ተግባራት ተዋሒጣ ምህላዋ: ነቲ ጥንታውያን ሞኣባውያን ዝነበሮም ኣረኣእያ ብዝዓበየ ደረጃ ዜንጸባርቕ እዩ። ብዘይካዚ: ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ክርስትያናት በቲ ንእስራኤላውያን ዘስድዐ ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራት ይወድቁ ኣለዉ። (2 ቈረንቶስ 2:11) ከምቲ ዚምሪ ንሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ብድፍረት ናብቲ ኣብ ሰፈር እስራኤላውያን ዚርከብ ድንኳኑ ሒዝዋ ዝመጸ: ሎሚ እውን ገሊኦም ምስ ህዝቢ ኣምላኽ ዚሓብሩ ሰባት ኣብ ውሽጢ ክርስትያናዊት ጉባኤ ዜበላሹ ጽልዋ የሕድሩ እዮም።—ዘሁልቍ 25:6, 14፣ ይሁዳ 4

6 ኣብቲ ዘመናዊ ጐላጕል ሞኣብ ከም ዘለኻ ይረኣየካ ድዩ፧ ሽልማትካ: ማለት እታ ንነዊሕ እተጸበኻያ ሓዳስ ዓለም ብማዕዶ ትረኣየካዶ፧ እዚ ዚረኣየካ እንተ ዀይኑ: ነቲ “ኻብ ምንዝርና ህደሙ” ዚብል ትእዛዝ ብምስዓብ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ዚከኣለካ ዘበለ ግበር።—1 ቈረንቶስ 6:18

ጐላጕል ሞኣብ ብማዕዶ

ምንዝር እንታይ እዩ፧

7, 8. “ምንዝር” እንታይ እዩ፧ እቶም ዚምንዝሩኸ ዝዘርእዎ ዚዓጽዱ ብኸመይ እዮም፧

7 ብመሰረት መጽሓፍ ቅዱስ: እታ “ምንዝር” (ብግሪኽ: ፖርንያ) እትብል ቃል ካብ ቅዱስ ጽሑፋዊ መርዓ ወጻኢ ንዚግበር ዝዀነ ይኹን ዘይግቡእ ጾታዊ ርክብ ተመልክት። እዛ ቓል እዚኣ ንዝሙት: ንሽርሙጥና: ከምኡውን ኣብ መንጎ ዘይተመራዓዉ ውልቀ-ሰባት ንዚግበር ጾታዊ ርክብ ኰነ ምስ ዘይተመርዓኻዮ ውልቀ-ሰብ ብኣፍን ብመሃንቱስን ንዚፍጸም ጾታዊ ተግባራት ተመልክት። ኣብ መንጎ ሕደ ጾታ ዘለዎም ሰባትን ምስ እንስሳን ዚግበር ጾታዊ ተግባራት እውን ተጠቓልል እያ። *

 8 ቅዱሳት ጽሑፋት ንጹር መትከል እዩ ዘለዎ። እቶም ዚምንዝሩ ኣብ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኺጸንሑ ኣይክእሉን እዮም: ንመንግስቲ ኣምላኽ ድማ ኣይኪወርስዋን እዮም። (1 ቈረንቶስ 6:9፣ ራእይ 22:15) ብዘይካዚ: ሕጂ እውን እንተ ዀነ ብዙሕ ጕድኣት እዩ ዚወርዶም፣ ንኣብነት: ሰብ ኣይኣምኖምን: ክብረቶም ኣይሕልዉን: ሓዳሮም ይፈርስ: ሕልናኦም ይቘስል: ኣደዳ ዘይድለ ጥንሲ: ኣደዳ ሕማም: ከምኡውን ኣደዳ ሞት ይዀኑ። (ገላትያ 6:7, 8) ከምዚ ኻብ ኰነ ስለምንታይ ኣዝዩ ብዙሕ ጸበባ ብዝመልኣ መገዲ እትጐዓዝ፧ እቲ ዜሕዝን: ብዙሓት ነቲ ቐዳማይ ግጉይ ስጕምቲ ኺወስዱ ኸለዉ ኣርሒቖም ኣይሓስቡን እዮም፣ እቲ ቐዳማይ ግጉይ ስጕምቲ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ስእለ-ጽዩፍ እተተሓሓዘ እዩ።

ስእለ-ጽዩፍ —ቀዳማይ ስጕምቲ

9. ስእለ-ጽዩፍ ከምቲ ገሊኦም ዚብልዎ ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ፧ ግለጽ።

9 ኣብ ብዙሓት ሃገራት ስእለ-ጽዩፍ ኣብ መሸጢ ጋዜጣታት: ኣብ ሙዚቃ: ኣብ ተለቪዥን ይርከብ፣ ንኢንተርነት ድማ ኣዕለቕሊቕዎ ኣሎ። * እሞኸ ኸምቲ ገሊኦም ዚብልዎ ጕድኣት ዘይብሉ ድዩ፧ ኣይፋሉን! እቶም ስእለ-ጽዩፍ ዚርእዩ ሰባት: ልማደኛታት ፈጸምቲ ግብረ-ሕቡእ ይዀኑ: “ዜነውር ፍትወት” ድማ ኣብ ኣእምሮኦም የሕድሩ፣ እዚ ኸኣ ወልፊ ጾታዊ ርክብ: ዘይባህርያዊ ትምኒት: ኣብ ሓዳሮም ብቐሊሉ ዘይፍታሕ ግጭት: ከምኡውን ፍትሕ ኬስዕበሎም ይኽእል እዩ። * (ሮሜ 1:24-27፣ ኤፌሶን 4:19) ሓደ መጽናዕቲ ዘካይድ ሰብ ንወልፊ ጾታዊ ርክብ ምስ መንሽሮ ኣተኣሳሲርዎ ኣሎ። ብዛዕባኡ ድማ “ይዓብን ይሰፍሕን እዩ። ሳሕቲ እንተ ዘይኰይኑ ዘይለቅቕ እዩ: ንምሕካሙን ንምሕዋዩን እውን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ” በለ።

ኣብ ቤትና እንጥቀመሉ ኢንተርነት: ኣብ ቃልዕ ቦታ ምግባሩ ጥበባዊ እዩ

10. ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:14, 15 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧ (ኣብ  ገጽ 101 እትርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

 10 ነቲ ኣብ ያእቆብ 1:14, 15 ተመዝጊቡ ዘሎ ቓላት እሞ ሕሰበሉ:- “ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር: ትምኒት ምስ ጠነሰት: ንሓጢኣት ትወልዶ: ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ: ንሞት ይወልዶ።” ስለዚ: ክፉእ ትምኒት ኣብ ኣእምሮእኻ እንተ ኣትዩ: ንኸተውጽኦ ብኡንብኡ ስጕምቲ ውሰድ! ንኣብነት: ብዘይፍላጥ ግብረ-ስጋ ዜለዓዕል ስእልታት እንተ ርኢኻ: ቀልጢፍካ ናብ ካልእ ጠምት: ወይ ንኮምፕዩተርካ ኣጥፍኣያ: ወይ ነቲ መደበር ተለቪዥን ቀይሮ። ካብ ቍጽጽርካ ወጻኢ ዀይኑ ንዓኻ ቕድሚ ምቍጽጻሩ: በቲ ዘይስነ-ምግባራዊ ትምኒት ምእንቲ ኸይትስነፍ ኣድላዪ ዘበለ ስጕምቲ ውሰድ!—ማቴዎስ 5:29, 30

11. ምስ ሕማቕ ትምኒት ክንቃለስ ከለና: ኣብ የሆዋ ኸም እንውከል ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧

 11 እቲ ኻብቲ ንሕና ንርእስና እንፈልጣ ንላዕሊ ኣጸቢቑ ዚፈልጠና ኣምላኽ: “ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፤ ምንዝር: ርኽሰት: ፍትወት ስጋ: ክፉእ ትምኒት: ስስዔ: እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ” ኪብል እምበኣር ሓቁ እዩ። (ቈሎሴ 3:5) ልክዕ እዩ: ከምዚ ምግባር በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኰይኑ ግን: ለመናና ኸነቕርበሉ እንኽእል ፈቃርን ዕጉስን ሰማያዊ ኣቦ ኸም ዘሎና ኣይትረስዕ። (መዝሙር 68:19) ስለዚ: ሕማቕ ሓሳባት ናብ ኣእምሮኻ እንተ ኣትዩ: ቀልጢፍካ ኻብ ኣምላኽ ሓገዝ ሕተት። ነቲ “ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ” ኺህበካ ጸሊ: ንኣእምሮኻ ድማ ኣብ ካልእ ነገራት ንኼተኵር ኣገድዶ።—2 ቈረንቶስ 4:7፣ 1 ቈረንቶስ 9:27፣ ነታ ኣብ ገጽ 104 እትርከብ “ ካብ ሕማቕ ልማድ ብኸመይ ክላቐቕ እኽእል፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

12. ‘ልብና’ እንታይ እዩ፧ ክንሕልዎ ዘሎናኸ ስለምንታይ ኢና፧

12 እቲ ጥበበኛ ዝነበረ ሰሎሞን: “ህይወት ካብኡ እያ እትፍልፍል እሞ: ልዕሊ ዅሉ ንልብኻ ሐልዎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ምሳሌ 4:23) ‘ልብና’ ውሽጣዊ እንታይነትና: ወይ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ እንረኣየሉ መንነትና እዩ። ብዘይካዚ: ናይ ዘለኣለም ህይወት ምርካብና ወይ ዘይምርካብና ዚውሰን: በቲ ኣምላኽ ‘ንልብና’ ዚርእየሉ ደኣ እምበር: በቲ ኻልኦት ሰባት ዚርእዩና ኣይኰነን። እዚ ንምርዳኡ ቐሊል እዩ። ግናኸ ኣርዚንካ ኺርአ ኣለዎ። እቲ እሙን ዝነበረ እዮብ ንሰበይቲ ብዘይግቡእ ምእንቲ ኸይርኢ: ምስ ኣዒንቱ ኺዳን ወይ ወግዓዊ ስምምዕ ገይሩ ነበረ። (እዮብ 31:1) ከመይ ዝበለ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ ዚዀነና! እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ነዒንተይ ካብ ምርኣይ ከንቱነት ምለሰን” ኢሉ ብምጽላዩ: ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ኸም ዘለዎ ኣርኣየ።—መዝሙር 119:37

ዲና ዝገበረቶ ዘይጥበባዊ ምርጫ

13. ዲና እንታወይቲ እያ ነይራ፧ ናይ መሓዙት ምርጫኣ ዘይጥበባዊ ዝነበረኸ ስለምንታይ እዩ ነይሩ፧

13 ኣብ ምዕራፍ 3 ኸም ዝረኣናዮ: ኣዕሩኽና እንተ ንጽቡቕ እንተ  ንሕማቕ ኣጸቢቖም ይጸልዉና እዮም። (ምሳሌ 13:20፣ 1 ቈረንቶስ 15:33) ንኣብነት: ንዲና ጓል ያእቆብ እስከ ንውሰድ። (ዘፍጥረት 34:1) ጽቡቕ ኣተዓባብያ እኳ እንተ ነበራ: ምስ ኣዋልድ ከነኣን ምሕዝነት ብምግባራ ስራሕ ዕሽነት እያ ሰሪሓ። ከነኣናውያን ከም ሞኣባውያን ኣመና ብዕሉጋት ነበሩ። (ዘሌዋውያን 18:6-25) ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ከነኣናውያን ሰብኡት: እንተላይ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ቤት ኣቦኡ ኻብ ኵሎም ‘ዚኸብር’ ዝነበረ ሴኬም: ዲና ንዚቐርበላ ብዕሉግ ጾታዊ ሕቶ ኸም እትቕበል ጌርካ እያ እትርአ ነይራ።—ዘፍጥረት 34:18, 19

14. ዲና ዝገበረቶ ናይ መሓዙት ምርጫ ናብ ምንታይ ዜሕዝን ነገር መርሐ፧

14 ዲና ንሴኬም ምስ ረኣየቶ: ጾታዊ ርክብ ኣይሓሰበትን ትኸውን። ንሱ ግን ከምቲ መብዛሕትኦም ከነኣናውያን ብጾታዊ ምስ ተለዓዓሉ ዚገብርዎ ነገር ገበረ። እቲ ዲና ኣብ ናይ መወዳእታ ህሞት ዝገበረቶ ተቓውሞ ዋላ ሓንቲ ረብሓ ኣይነበሮን: “ወሲድዋ” ምስኣ ደቀሰ: “ኣነወራውን።” ድሕርዚ ሴኬም ንዲና “ፈተዋ:” ኰይኑ ግን እዚ ነቲ ዝገበሮ ነገር ዚቕይር ኣይነበረን። (ዘፍጥረት 34:1-4) ከም ሳዕቤኑ ድማ  ዲና ጥራይ ኣይኰነትን መከራ ረኺባ። እቲ ናይ መሓዙት ምርጫኣ: ኣብ ብምሉኡ ስድራኣ ውርደትን ጸርፍን ዘምጽአ ፍጻመታት ኣስዓበ።—ዘፍጥረት 34:7, 25-31፣ ገላትያ 6:7, 8

15, 16. ናይ ሓቂ ጥበብ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧ (ኣብ  ገጽ 109 እትርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

15 ዲና ሓደ ኣገዳሲ ትምህርቲ ተማሂራ እንተ ዀይና: ብመከራ እያ ተማሂራቶ። እቶም ንየሆዋ ዜፍቅርዎን ዚእዘዝዎን ሰባት: ብመከራ  ኺመሃሩ ኣየድልዮምን እዩ። ከመይሲ: ንኣምላኽ ይሰምዕዎን ‘ምስ ጠቢባን ኪመላለሱ’ ይመርጹን እዮም። (ምሳሌ 13:20) በዚ ኸምዚ “ዅሉ ሰናይ መገዲ” የስተውዕሉ: ካብ ዘየድሊ ጸገማትን ስቓይን ድማ የምልጡ።—ምሳሌ 2:6-9፣ መዝሙር 1:1-3

16 ኣምላኻዊት ጥበብ ንዅሎም እቶም ሃረር ዚብልዋ እሞ ንሃረርታኦም ከኣ ኣዘውቲሮም ብምጽላይን ንቓል ኣምላኽ ኰነ ነቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ብምጽናዕን ዜርእዩ ሰባት ትርከበሎም እያ። (ማቴዎስ 24:45፣ ያእቆብ 1:5) እታ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ኽንስዕብ ፍቓደኛታት ክንከውን እተኽእለና ትሕትና እውን ኣገዳሲት እያ። (2 ነገስት 22:18, 19) ንኣብነት: ሓደ ክርስትያን ልቡ ጐራሕን ሕሱምን ምዃኑ ብመሰረቱ ይቕበሎ ይኸውን። (ኤርምያስ 17:9) ኰይኑ ግን: ልቦና ኣብ ዚውሕዶ ዅነታት: ንጹርን ፍቕራውን ምኽሪ ዀነ ሓገዝ ንኪቕበል ትሕትና ኣላቶዶ፧

17. ኣብ ውሽጢ ስድራ ቤት ኪለዓል ዚኽእል ኵነታት ግለጽ: ሓደ ኣቦ ንጓሉ ብኸመይ ኬረድኣ ኸም ዚኽእል ከኣ ሓብር።

17 ነዚ ዚስዕብ ኵነታት እሞ ኣብ ኣእምሮኻ ስኣሎ። ሓደ ኣቦ ንጓሉን ንሓደ መንእሰይ ክርስትያንን ብዘይ መሰነይታ በይኖም ከይከዱ ይኣብዮም። እታ ጓል: “ባባ: ኣይትኣምነንን ዲኻ፧ ዋላ ሓንቲ ነውሪ ኣይክንገብርን ኢና!” ትብሎ። ንየሆዋ ተፍቅሮ ትኸውን: ዝሓለነቶ እውን ጽቡቕ ኪኸውን ይኽእል እዩ፣ ኰይኑ ግን ‘ብጥበብ ኣምላኽ ድያ እትመላለስ’ ዘላ፧ ‘ካብ ምንዝርና ትሃድም’ ድያ ዘላ፧ ወይስ ብዕሽነት ‘ብልባ እያ እትእመን’ ዘላ፧ (ምሳሌ 28:26) ምናልባት ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ኣቦን ጓልን ነቲ ጕዳይ ንኺሓስቡሉ ዜኽእሎም ተወሳኺ መሰረታዊ ስርዓታት ትዝክር ትኸውን።—ምሳሌ 22:3፣ ማቴዎስ 6:13፣ 26:41 ርአ።

ዮሴፍ ካብ ምንዝርና ሃደመ

18, 19. ንዮሴፍ ኣብ ህይወቱ እንታይ ፈተና ኣጋጠሞ፧ ብኸመይከ ተዋጽኣሉ፧

18 እቲ ንዲና ብኣቦ ሓዋ ዝነበረ ዮሴፍ: ንኣምላኽ ዜፍቅርን ካብ ምንዝርና ዝሃደመን ንፉዕ መንእሰይ እዩ ነይሩ። (ዘፍጥረት 30:20-24) ቈልዓ ኸሎ: ሓብቱ ዝገበረቶ ስራሕ ዕሽነት ዘፍረዮ ፍረ  ብዓይኑ ርእዩ እዩ። እዚ ተዘክሮታት እዝን ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኺጸንዕ ዝነበሮ ባህግን ድሕሪ ሓያሎ ዓመታት ኣብ ግብጺ ሰበይቲ ጐይታኡ “መዓልቲ ንመዓልቲ” ኸተስሕቶ ምስ ፈተነት ከም ዝጠቐሞ ኣየጠራጥርን እዩ። ልክዕ እዩ: ባርያ ስለ ዝነበረ: ካብ ስራሑ ኺሰናበት ኣይክእልን እዩ ነይሩ። ነቲ ዅነታት ብጥበብን ብትብዓትን ኪዋጽኣሉ ነበሮ። ነዚ ድማ ንሰበይቲ ጶጢፋር ብተደጋጋሚ ብምእባይን ኣብ መወዳእታ ኻብኣ ብምህዳምን ገበሮ።—ዘፍጥረት 39:7-12

19 ሕስብ እሞ ኣብሎ። ዮሴፍ ብዛዕባ እታ ሰበይቲ ወይ ብዛዕባ ጾታዊ ርክብ ኪሓልም እንተ ዚውዕል ነይሩ: ንጽህናኡ ኺሕሉ ምኸኣለዶ፧ ኣይምኸኣለን። ብዛዕባ ሓጥእ ተግባራት ኣብ ክንዲ ዚሓስብ: ነቲ ምስ የሆዋ ዝነበሮ ርክብ ክብ ኣቢሉ ረኣዮ: እዚ ኸኣ ኣብቲ ንሰበይቲ ጶጢፋር ዝመለሰላ ቓላት ንጹር ኰይኑ ኣሎ። “[ንጐይታይ] ሰበይቱ ኢኺ እሞ: ብጀካኽስ ገለኳ ኣይከልኣንን። ከመይ ገይረኸ እዚ ዓብዪ ኽፍኣትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ከኣ ሓጢኣትን ክገብር እኽእል፧” በላ።—ዘፍጥረት 39:8, 9

20. የሆዋ ኢዱ ብምእታው ንዮሴፍ ዝሓገዞ ብኸመይ እዩ፧

20 የሆዋ ነቲ ኻብ ስድራኡ ርሒቑ ዝነበረ መንእሰይ ዮሴፍ መዓልቲ ንመዓልቲ ንጽህናኡ ኺሕሉ ምስ ረኣዮ እተሰምዖ ሓጐስ እሞ ገምቶ። (ምሳሌ 27:11) ጸኒሑ የሆዋ ኣብቲ ዅነታት ኢዱ ብምእታው: ዮሴፍ ካብ ቤት ማእሰርቲ ኸም ዚፍታሕ ጥራይ ዘይኰነስ: ቀዳማይ ሚኒስተር ግብጽን ኣመሓዳሪ ምግብን ከም ዚኸውን ገበሮ! (ዘፍጥረት 41:39-49)  እተን ኣብ መዝሙር 97:10 ዚርከባ: “ኣቱም ንእግዚኣብሄር እተፍቅርዎ: እከይ ጽልኡ: ነፍሲ ቕዱሳኑ ይሕሉ: ካብ ኢድ ረሲኣን የናግፎም” ዚብላ ቓላት ኣማን ብኣማን ሓቂ እየን!

21. ሓደ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብር መንእሰይ ሓው ስነ-ምግባራዊ ትብዓት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

21 ሎሚ እውን ብተመሳሳሊ: ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣምላኽ ነቲ “እከይ ጽልኡ: ሰናይ ከኣ አፍቅሩ” ዚብል ቃላት ከም ዚዓዩሉ የርእዩ እዮም። (ኣሞጽ 5:15) ንሓደ ኣብ ሓንቲ ኣፍሪቃዊት ሃገር ዚነብር መንእሰይ ሓው: ሓንቲ ጓል ክፍሉ ኣብ ናይ ሕሳብ ፈተና እንተ ሓጊዝዋ ምስኡ ጾታዊ ርክብ ከም እትገብር ብድፍረት ሓተተቶ። ንሱ ግን: “ብኡንብኡ ሕቶኣ ነጸግክዎ። ንጽህናይ ብምሕላወይ: ክብረተይ ሓልየ እየ: እዚ ድማ ካብ ወርቅን ብሩርን ይኸብር” በለ። ሓጢኣት ‘ንግዜኡ ባህ ዜብል’ እኳ እንተ ዀነ: እዚ ሓላፊ ተድላ ግን ብዙሕ ስቓይ እዩ ዜምጽእ። (እብራውያን 11:25) ኣብ ልዕሊ እዚ እውን ምስቲ ንየሆዋ ዘሎና ተኣዛዝነት ዜምጽኦ ነባሪ ሓጐስ ኪነጻጸር ከሎ: ኣብ ግምት ዚኣቱ ኣይኰነን።—ምሳሌ 10:22

ካብ ምሕረት ኣምላኽ ሓገዝ ተቐበል

22, 23. (ሀ) ሓደ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት እንተ ፈጺሙ: ተስፋ ዘይብሉ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ንኣባሲ እንታይ ሓገዝ ተዳልዩ ኣሎ፧

22 ዘይፍጹማት ስለ ዝዀንና: ኵላትና ንስጋዊ ትምኒትና ንምስናፍን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅኑዕ ንምግባርን ንቃለስ ኢና። (ሮሜ 7:21-25) የሆዋ ነዚ ይፈልጦ እዩ: “ሓመድ ምዃንና ይዝክር እዩ።” (መዝሙር 103:14) ሓድሓደ ግዜ ግን: ሓደ ክርስትያን ከቢድ ሓጢኣት ይፍጽም ይኸውን። እዚ ተስፋ ከቝርጾዶ ይግባእ፧ ኣይፋልን! ልክዕ እዩ: እቲ ኣባሲ ኸምቲ ንንጉስ ዳዊት ዘጋጠሞ: ሕማቕ ፍረ ይዓጽድ ይኸውን። ይኹን እምበር: ኣምላኽ ነቶም ዚጠዓሱን ሓጢኣቶም ‘ዚእመኑን’ ወትሩ “ንይቕሬታ ድልዊ” እዩ።—ያእቆብ 5:16፣ መዝሙር 86:5፣ ምሳሌ 28:13

23 ብተወሳኺ: ኣምላኽ ብለውሃቱ ንክርስትያናዊት ጉባኤ “ውህበት:” ማለት ሓገዝ ኪህቡ ብቕዓትን ድሌትን ዘለዎም መንፈሳውያን  ጓሶት ሂብዋ ኣሎ። (ኤፌሶን 4:8, 12፣ ያእቆብ 5:14, 15) ሸቶኦም ከኣ ንኣባሲ ምስ ኣምላኽ ዘለዎ ርክብ ንኼዐሪ ምሕጋዝን ሓጢኣቱ ምእንቲ ኸይደግሞ ኸምቲ እቲ ጥበበኛ ሰብኣይ ዝበሎ ኸም ‘ዚልብም’ ምግባርን እዩ።—ምሳሌ 15:32

‘ልቦና ኣጥሪ’

24, 25. (ሀ) እቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 ተገሊጹ ዘሎ ጐበዝ “ልቢ ዜብሉ” ምዃኑ ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧ (ለ) ብኸመይ ኢና ‘ልቢ ኸነጥሪ’ እንኽእል፧

24 መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ‘ልቢ ዘይብሎምን’ ‘ልቢ ዜጥርዩን’ ሰባት ይዛረብ እዩ። (ምሳሌ 7:7) ሓደ “ልቢ ዜብሉ” ሰብ ኣብ ኣገልግሎት ኣምላኽ መንፈሳዊ ብስለትን ተመክሮን ስለ ዘይብሉ: ምስትውዓልን ምምዝዛንን ይጐድሎ ይኸውን። ከምቲ ኣብ ምሳሌ 7:6-23 እተገልጸ ጐበዝ: ብቐሊሉ ኣብ ከቢድ ሓጢኣት ይወድቕ ይኸውን። ይኹን እምበር: እቲ “ልቦና ዜጥሪ” ኣዘውቲሩ ብጸሎት መጽናዕቲ ቓል ኣምላኽ ብምግባር ንውሽጣዊ እንታይነቱ ይምርምር። በቲ ዘይፍጽምናኡ ዚፈቕደሉ መጠን ከኣ ሓሳባቱን ባህግታቱን ስምዒታቱን ሸቶታቱን ምስቲ ኣምላኽ ዚሰምሮ የሰማምዕ። በዚ ኸምዚ “ንነፍሱ የፍቅራ” ወይ ንርእሱ ይባርኽ: ከምኡውን “ሰናይ ይረክብ።”—ምሳሌ 19:8

25 እምበኣር: ንርእስኻ ኸምዚ ኢልካ ሕተት:- ‘መለክዒታት ኣምላኽ ቅኑዕ ምዃኑ ምሉእ ብምሉእ እኣምነሉ ድየ፧ ንዕኡ ምስዓበይ ዝበለጸ ሓጐስ ከም ዜምጽኣለይ ብጽኑዕ እኣምነሉ ድየ፧’ (መዝሙር 19:7-10፣ ኢሳይያስ 48:17, 18) ንእሽቶ ጥርጣረ እውን እንተ ኣልያትካ: ክትፈትሓ ጽዓር። ሕግታት ኣምላኽ ዕሽሽ ምባል ዜስዕቦ ሳዕቤን ኣስተንትነሉ። በታ ሓቂ ብምንባር ከምኡውን ንኣእምሮኻ ብጥዑይ ሓሳባት: ማለት ብሓቅን ብቕኑዕን ብንጹህን ብተፈታውን ብደግነትን ብምምላእ: ‘የሆዋ ሰናይ ምዃኑ ጥዓምን ርአን።’ (መዝሙር 34:8፣ ፊልጲ 4:8, 9) ዝያዳ ኸምኡ ብዝገበርካ መጠን: ንኣምላኽን ነቲ ንሱ ዜፍቅሮን ዝያዳ ኸም እተፍቅር: ነቲ ንሱ ዚጸልኦ ኸኣ ዝያዳ ኸም እትጸልእ ርግጸኛ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። ዮሴፍ ፍጹም ሰብ ኣይነበረን። ኰይኑ ግን: የሆዋ ንሓያሎ ዓመታት  ንኪቐርጾን ልቢ ንኺህቦን ብምፍቃዱ: ‘ካብ ምንዝርና ኺሃድም’ ክኢሉ እዩ። ንስኻ እውን ከምኡ ኹን።—ኢሳይያስ 64:8

26. ኣብ ዚቕጽል እንታይ ኣገዳሲ ጕዳይ ኢና ኽንርኢ፧

26 ፈጣሪና ንኣካላት መፍረና ዝፈጠሮ: ተድላ ንምርካብ ጥራይ ኢልና ኽንጻወተሉ ዘይኰነስ: ንኽንፋረየሉን ኣብ ውሽጢ ሓዳር ንኽንቀራረበሉን ኢሉ እዩ። (ምሳሌ 5:18) ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣብ ዚቕጽላ ኽልተ ምዕራፋት ኪግለጽ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 እቲ ኣብ ዘሁልቍ ዚርከብ ኣሃዝ ነቶም ብፈራዶ እተቐትሉ 1,000 ኣቢሎም ነይሮም ኪዀኑ ዚኽእሉ “ሓላቑ ህዝቢ” ኸምኡውን ነቶም የሆዋ ብቐጥታ ዝቐዘፎም ህዝቢ ዜጠቓልል ኪኸውን ኣለዎ።—ዘሁልቍ 25:4, 5

^ ሕ.ጽ. 7 ብዛዕባ ትርጕም ርኽሰትን ቀይዲ-በተኽነትን ክትፈልጥ እንተ ደሊኻ: ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ 15 ሓምለ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት “ሕቶታት ካብ ኣንበብቲ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ርአ።

^ ሕ.ጽ. 9 ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ “ስእለ-ጽዩፍ” ክንብል ከለና: ንጾታዊ ምልዕዓል ተባሂሉ ብስእሊ: ብጽሑፍ: ወይ ግብረ-ስጋ ይፍጸም ከም ዘሎ ብዜስምዕ ድምጺ ዚቐርብ ነገራት የመልክት። ስእለ-ጽዩፍ ኪበሃል ከሎ: ካብቲ ሓደ ሰብ ንግብረ-ስጋ ብዜለዓዕል መገዲ እተሳእሎ ስእሊ ኣትሒዙ: ክሳዕ እቲ ኣብ መንጎ ኽልተ ወይ ዝያዳ ሰባት ዚግበር ዜስገድግድ ጾታዊ ተግባራት ዜርኢ ነገራት የጠቓልል።

^ ሕ.ጽ. 9 ብዛዕባ ግብረ-ሕቡእ ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 218-19 ተገሊጹ ኣሎ።

ዝያዳ ፍለጥ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)

ንጹሃት ኴንና ኽንነብር ንኽእል ኢና

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንርኹስ ትምኒት ንምውጋድ ኣብ እንገብሮ ቓልሲ ኺሕግዘና ዚኽእል ሰለስተ ነጥቢ ይሕብር።