ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 3

ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ኣፍቅር

ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ኣፍቅር

“ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን።”—ምሳሌ 13:20

1-3. (ሀ) መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ዘይነምልጠሉ ሓቂ እዩ ዚገልጸልና፧ (ለ) ጽቡቕ ጽልዋ ዚገብሩልና ኣዕሩኽ ብኸመይ ክንመርጽ ንኽእል፧

ሰባት ብእተወሰነ መዳይ ከም ሰፍነግ እዮም፣ ኣብ ከባቢኦም ዚርከብ ዝዀነ ይኹን ነገር ናይ ምምጻይ ዝንባለ ኣለዎም። ኣረኣእያታትን መለክዒታትን ባህርያትን እቶም እንቐርቦም ሰባት ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ምቕባል ኣዝዩ ቐሊል እዩ።

2 መጽሓፍ ቅዱስ: “ምስ ጠቢባን ዚመላለስ ጠቢብ ይኸውን: ምስ ዓያሱ ዚመሐዞ ግና ሕሱም ይኸውን” ብምባል ሓደ ኸነምልጠሉ ዘይንኽእል ሓቂ ገሊጹልና ኣሎ። (ምሳሌ 13:20) እዛ ምስላ እዚኣ ብዛዕባ ሓጺር ርክብ ኣይኰነትን እትዛረብ ዘላ። እታ “ዚመላለስ” እትብል ቃል: ቀጻሊ ሕብረት ተመልክት። ሓደ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገልጽ መወከሲ ጽሑፍ: ብዛዕባ እዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣብ ዝሃቦ ሓሳብ: “ምስ ሓደ ሰብ ምምልላስ: ፍቕርን ምትእስሳርን የመልክት” በለ። ነቶም እነፍቅሮም ሰባት ከም እንመስሎም ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ እወ: ምስቶም እነፍቅሮም ሰባት ብስምዒት ስለ እንተኣሳሰር: እንተ ንጽቡቕ እንተ ንሕማቕ ኪጸልዉና ይኽእሉ እዮም።

3 ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንምጽናዕ: ጽቡቕ ጽልዋ ዜሕድሩልና ኣዕሩኽ ከነጥሪ ኣዝዩ ኣድላዪ እዩ። ብኸመይ ኢና ኸምኡ ዓይነት ኣዕሩኽ ክንረክብ እንኽእል፧ ብሓጺሩ ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ብምፍቃር: ወይ ምስቶም ኣዕሩኽ ኣምላኽ ብምትዕርራኽ ኢና እንገብሮ። ሕስብ እሞ ኣብሎ። ካብቶም የሆዋ ኸም ኣዕሩኹ ገይሩ ዚርእዮም ሰባት ዝሓሹ ኣዕሩኽ እሞ ኣበይ ኪርከቡ ይኽእሉ፧ ስለዚ እምበኣር:  ኣምላኽ እንታይ ዓይነት ሰባት ከም ዜፍቅር እስከ ንመርምር። ኣረኣእያ የሆዋ ብንጹር ኣብ ኣእምሮና እንተ ሒዝና: ጥዑያት ኣዕሩኽ ንምምራጽ ዝያዳ ኽንዕጠቕ ኢና።

እቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም

4. የሆዋ ኣዕሩኹ ኺመርጽ መሰል ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ንኣብርሃም “ፈታውየይ” ኢሉ ዝጸውዖኸ ስለምንታይ እዩ፧

4 የሆዋ ንኣዕሩኹ ተጠንቂቑ እዩ ዚመርጾም። ከምኡ ኺገብር ከኣ ብርግጽ መሰል ኣለዎ። ከመይሲ: ልዑላዊ ጐይታ ዅሉ ፍጥረት ስለ ዝዀነ: ምስኡ ዕርክነት ምምስራት ካብ ኵሉ ዝዓበየ ኽብሪ እዩ። ንመን ደኣ እዩ እሞ ኣዕሩኹ ኪዀኑ ዚመርጾም፧ የሆዋ ናብቶም ኣብኡ ዚውከሉን ምሉእ ብምሉእ ዚኣምንዎን እዩ ዚቐርብ። ንኣብነት: ኣብርሃም እቲ ኣበው በታ ሓለፍ ዝበለት እምነቱ እዩ ዚፍለጥ ነይሩ። ንሓደ ሰብኣዊ ኣቦ: ወዱ ኸም መስዋእቲ ገይሩ ኬቕርቦ ኻብ ምሕታት ዚዓቢ ናይ እምነት ፈትና ኺህሉ ኣይክእልን እዩ። * ኰይኑ ግን: ኣብርሃም: “ኣምላኽ ካብ ምዉታት ድማ ኬተንስኦ ኸም ዚከአሎ” ምሉእ እምነት ብምሕዳሩ “ንይስሃቅ ሰውኦ” ተባሂሉሉ ኣሎ። (እብራውያን 11:17-19) ከምዚ ዝኣመሰለ እምነትን ተኣዛዝነትን ስለ ዘርኣየ: የሆዋ ብፍቕሪ “ፈታውየይ” ኢሉ ጸዊዕዎ ኣሎ።—ኢሳይያስ 41:8፣ ያእቆብ 2:21-23 ትርጕም 1990

5. የሆዋ ነቶም ብተኣማንነት ዚእዘዝዎ ብኸመይ ይርእዮም፧

5 የሆዋ ብተኣማንነት ንዚርአ ተኣዛዝነት ኣኽቢሩ እዩ ዚርእዮ። ነቶም ንዕኡ ዘለዎም ተኣማንነት ካብ ዝዀነ ይኹን ንላዕሊ ኽብ ኣቢሎም ዚርእዩ የፍቅሮም እዩ። (2 ሳሙኤል 22:26 ትርጕም 1990) ኣብ ምዕራፍ 1 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኸም ዝረኣናዮ: የሆዋ በቶም ብፍቕሪ ተደሪኾም ዚእዘዝዎ ብዙሕ ባህ ይብሎ እዩ። ምሳሌ 3:32 ብዛዕባ እቶም ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ: “ምስጢሩ ግና ምስቶም  ቅኑዓት እዩ” ትብል። እቶም ብተኣማንነት ነቲ ኣምላኽ ዚሓቶ ብቕዓታት ዜማልኡ: ካብ የሆዋ ጸጋ ዝመልኦ ዕድመ ይቐርበሎም። ኣብ ‘ድንኳኑ’ ኺሓድሩ ይኽእሉ: ማለት ንኼምልኽዎ ተቐባልነት ይህልዎም: ናብኡ ብጸሎት ንኪቐርቡ ድማ መገዲ ይኽፈተሎም።—መዝሙር 15:1-5

6. ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ የሆዋ ብዛዕባ እቶም ንወዱ ዜፍቅርዎ ኸመይ ይስምዖ፧

6 የሆዋ ነቶም ነቲ ሓደ ወዱ ዝዀነ የሱስ ዜፍቅርዎ ሰባት የፍቅሮም እዩ። የሱስ: “ዜፍቅረኒ እንተሎ: ቃለይ ይሕሉ እዩ: ኣቦይ ድማ የፍቅሮ: ናብኡውን ንመጽእ ኣብኡ ኸኣ ማሕደር ክንገብር ኢና” በለ። (ዮሃንስ 14:23) ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ነቲ ብስራት ምስባኽን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እውን ዜጠቓልል ትእዛዛቱ ብምሕላው ኢና ፍቕሪ እነርእዮ። (ማቴዎስ 28:19, 20፣ ዮሃንስ 14:15, 21) ብቓልን ብግብርን ብእተኻእለና መጠን ንዕኡ ብምምሳል ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ከለና እውን ፍቕሪ ነርእዮ ኢና። (1 ጴጥሮስ 2:21) እቶም ንክርስቶስ ብዘላቶም ፍቕሪ ተደሪኾም ባህርያቱ ዚቐድሑ ሰባት ዚገብርዎ ጻዕርታት: ንልቢ የሆዋ ይትንክፎ እዩ።

7. ምስ ኣዕሩኽ ኣምላኽ ምትዕርራኽ ጥበባዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

7 ንየሱስን ንመገድታቱን ዘሎና እምነት: ተኣማንነት: ተኣዛዝነት: ከምኡውን ፍቕሪ: ገለ ኻብቲ የሆዋ ኣብ ኣዕሩኹ ኺርእዮ ዚደሊ ባህርያት እዩ። ነፍሲ ወከፍና ንርእስና: ‘ከምዚ ዝኣመሰለ ባህርያትን መገድታትን ኣብ ናይ ቀረባ ኣዕሩኸይ ይርአ ድዩ፧ ንኣዕሩኽ የሆዋ ኣዕሩኸይ ገይረዮም ድየ፧’ ኢልና ኽንሓትት ኣሎና። ከምኡ ኽንገብር ጥበባዊ እዩ። እቶም ባህርያት ኣምላኽ ዜማዕብሉን ብቕንኣት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ዚሰብኩን ውልቀ-ሰባት: ንኣምላኽ ንምሕጓስ ዝገበርናዮ ቘራጽነት ንኽንፍጽም ጽልዋ ብምሕዳር: ኣባና ኣወንታዊ ጽልዋ ኺህልዎም ይኽእል እዩ።—ኣብ ገጽ 29 እትርከብ “ ጥዑይ ዓርኪ ዚበሃል ከመይ ዝበለ እዩ፧” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዚርከብ ኣብነት ትምህርቲ ምውሳድ

8. ካብቲ ኣብ መንጎ (ሀ) ናእሚን ሩትን: (ለ) እቶም ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት: (ሐ) ጳውሎስን ጢሞቴዎስን: ዝነበረ ርክብ እንታይ መሲጡካ፧

8 ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ እቶም ጥዑያት ኣዕሩኽ ብምምራጾም እተጠቕሙ ዚገልጽ ሓያሎ ኣብነታት ሒዙ ኣሎ። ኣብ መንጎ ናእሚን ሩት እትበሃል ሰበይቲ ወዳን: ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ባቢሎን ዘይተፈላለዩ ሰለስተ እብራውያን መንእሰያት: ከምኡውን ኣብ መንጎ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን ብዛዕባ ዝነበረ ርክብ ከተንብብ ትኽእል ኢኻ። (ሩት 1:16፣ ዳንኤል 3:17, 18፣ 1 ቈረንቶስ 4:17፣ ፊልጲ 2:20-22) ሕጂ ግን ኣብ ሓደ ዜደንቕ ኣብነት ነተኵር:- እዚ ድማ ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዝነበረ ዕርክነት እዩ።

9, 10. ኣብ መንጎ ዳዊትን ዮናታንን ዕርክነት ንኺህሉ መሰረት ዝዀነ እንታይ እዩ፧

9 ዳዊት ንጐልያድ ምስ ቀተሎ: “ነፍሲ ዮናታን ምስ ነፍሲ ዳዊት ተአስረት: ዮናታን ከኣ ከም ነፍሱ ገይሩ ፈተዎ” ኢሉ መጽሓፍ ቅዱስ ይገልጽ። (1 ሳሙኤል 18:1) ሰፊሕ ናይ ዕድመ ፍልልይ እኳ እንተ ነበሮም: ክሳዕ እቲ ዮናታን ኣብ ዓውዲ ዂናት ዝሞተሉ ግዜ ዝቐጸለ ዘይብተኽ ዕርክነት መስረቱ። * (2 ሳሙኤል 1:26) ነቲ ኣብ መንጎ እዞም ክልተ ኣዕሩኽ እተመስረተ ሓያል ማእሰር: መሰረት ዝዀነ እንታይ እዩ ነይሩ፧

10 ዳዊትን ዮናታንን በታ ንኣምላኽ ዝነበረቶም ፍቕርን በቲ ንዕኡ እሙናት ኪዀኑ ዝነበሮም ሓያል ባህግን እዮም ጥብቂ ርክብ መስሪቶም። እዞም ክልተ ሰብኡት እዚኣቶም መንፈሳዊ ማእሰር ነበሮም። ነፍሲ ወከፎም ከም ዚፈታተዉ ዝገበሮም ባህርያት ነበሮም። ዮናታን በቲ ድምብርጽ ከይበሎ ንስም የሆዋ እተጣበቐሉ መንእሰይ ዘርኣዮ ትብዓትን ቅንኣትን ተመሰጠ። ዳዊት እውን ነቲ ንመሰናድዎታት የሆዋ ብተኣማንነት ዝደገፈን ንጥቕሚ ዳዊት ካብ ጥቕሚ ርእሱ ዘቐደመን  ብዕድመ ዚዓብዮ ሰብኣይ ኣኽቢርዎ ኪኸውን ኣለዎ። ንኣብነት: ዳዊት ካብ ቍጥዓ እቲ ንዮናታን ኣቦኡ ዝነበረ እኩይ ንጉስ ሳኦል ንምምላጥ ሃዲሙ ኣብ በረኻ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጸቢብዎ ኸሎ እንታይ ከም ዘጋጠሞ እሞ ንርአ። ዮናታን ብዜደንቕ መገዲ ተኣማንነቱ ንምርኣይ: ተበግሶ ወሲዱ: “ናብ ዳዊት . . . ከደ: ኢዱ ኸኣ ብኣምላኽ ኣጽንዔ።” (1 ሳሙኤል 23:16) ዳዊት ነቲ ፍቑር ዓርኩ ናብኡ  መጺኡ ደገፍን መተባብዕን ኪህቦ ኸሎ ምስ ረኣየ እንታይ ከም እተሰምዖ እሞ ገምቶ። *

11. ካብ ኣብነት ዮናታንን ዳዊትን ብዛዕባ ዕርክነት እንታይ ተማሂርካ፧

11 ካብ ኣብነት ዮናታንን ዳዊትን እንታይ ንመሃር፧ ብቐዳምነት: ኣዕሩኽ ኪህልዎም ዘለዎ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ሓባራዊ ነገር: መንፈሳዊ ስርዓታት እዩ። ነቶም ከም ናትና ዓይነት እምነት: ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት: ከምኡውን ንኣምላኽ እሙናት ንኽንከውን ዘሎና ባህጊ ዘለዎም ሰባት ክንቀርቦም ከለና: ኬተባብዓናን ኪሃንጸናን ዚኽእል ሓሳባትን ስምዒታትን ተመክሮታትን ክንለዋወጥ ንኽእል ኢና።  (ሮሜ 1:11, 12) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣዕሩኽ: ኣብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ኽንረክብ ንኽእል ኢና። ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን ኵሉ እቲ ናብቲ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚግበር ኣኼባ ዚመጽእ ሰብ ጥዑይ ዓርኪ እዩ ማለት ድዩ፧ ከምኡ ማለት ኣይኰነን።

ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ምምራጽ

12, 13. (ሀ) ካብ መንጎ ክርስትያን ብጾት እውን እንተ ዀነ: እንቐርቦም ኣዕሩኽ መረጽቲ ኽንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ለ) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበራ ጉባኤታት እንታይ ጸገማት እዩ ነይርወን፧ እዚኸ ንጳውሎስ እንታይ መጠንቀቕታ ንኺህብ ደረኾ፧

12 ኣብ ውሽጢ ጉባኤ እውን እንተ ዀነ: ኣዕሩኽና ብመንፈሳዊ ዚሃንጹና ኪዀኑ እንተ ዀይኖም: መረጽቲ ኽንከውን ኣሎና። እዚ ኼገርመና ይግባእዶ፧ ኣይፋሉን። ከምቲ ኣብ ሓንቲ ኦም ዚርከብ ገሊኡ ፍረ ንኺበስል ንውሕ ዝበለ ግዜ ዜድልዮ: ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ክርስትያናት እውን ናብ መንፈሳዊ ብስለት ንኺበጽሑ ዝያዳ ግዜ የድልዮም ይኸውን። ስለዚ: ኣብ ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ኣብ እተፈላለየ ደረጃ መንፈሳዊ ዕቤት ዚርከቡ ክርስትያናት ንረክብ ኢና። (እብራውያን 5:12–6:3) ልክዕ እዩ: ንሓደስትን ንድኹማትን ብመንፈስ ዕቤት ኪገብሩ ኽንሕግዞም ስለ እንደሊ: ትዕግስትን ፍቕርን ነርእዮም ኢና።—ሮሜ 14:1፣ 15:1

13 ኣብ ጉባኤና ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ዜድልየሉ ዅነታት ሓሓሊፉ ይፍጠር እዩ። ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ዜተሓታትት ኣካይዳ ይህልዎም ይኸውን። ገሊኦም ኣዘውቲሮም የማርሩ ወይ የዕዘምዝሙ ይዀኑ። ኣብ ቀዳማይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበራ ጉባኤታት ተመሳሳሊ ጸገማት ኣጋጢምወን ነይሩ። መብዛሕትኦም ኣባላተን እሙናት እኳ እንተ ነበሩ: ገሊኦም ውልቀ-ሰባት ግን ቅኑዕ ኣካይዳ ኣይነበሮምን። ገሊኦም ኣብ ጉባኤ ቈረንቶስ ዝነበሩ ሰባት ንክርስትያናዊ ትምህርትታት ብዘይምድጋፎም: ሃዋርያ ጳውሎስ ነታ ጉባኤ: “ኣይትታለሉ: ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ” ኢሉ ኣጠንቀቓ። (1 ቈረንቶስ 15:12, 33) ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ካብ መንጎ  ክርስትያን ብጾት እውን: ንኽብረት ዘይኰኑ ገሊኦም ሰባት ኪህልዉ ኸም ዚኽእሉ ኣጠንቀቖ። ርእሱ ኻብዚኣቶም ኬጽሪ: ናይ ቀረባ ኣዕሩኹ ድማ ከይገብሮም ነገሮ።—2 ጢሞቴዎስ 2:20-22

14. ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧

14 ነቲ ጳውሎስ ዝሃቦ መጠንቀቕታ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል፧ ኣብ ውሽጢ ዀነ ኣብ ወጻኢ ጉባኤ ዚርከብ ሕማቕ ጽልዋ ኼሕድር ምስ ዚኽእል ዝዀነ ይኹን ሰብ ብዘይምትዕርራኽ ኢና ኽንዓየሉ እንኽእል። (2 ተሰሎንቄ 3:6, 7, 14) መንፈሳውነትና ኽንሕሉ ኣሎና። ከም ሰፍነግ ኣረኣእያታትን መገድታትን ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ኸም እንመጺ ኣይትረስዕ። ከምቲ ሰፍነግ ኣብ ውሽጢ ኣቸቶ ኣሊኽና ኽነስና ማይ ኪመጺ ዘይንጽበዮ: ምስቶም ኣሉታዊ ጽልዋ ዚገብሩልና ተዓራሪኽና ኽነስና ኸኣ ኣወንታዊ ጽልዋ ኼሕድሩልና ኽንጽበ ኣይንኽእልን ኢና።—1 ቈረንቶስ 5:6

ኣብ መንጎ ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾት ጥዑያት ኣዕሩኽ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ

15. ኣብ ጉባኤ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣዕሩኽ ንምርካብ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

15 እቲ ዜሐጕስ: ኣብ መንጎ ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ጥዑያት ኣዕሩኽ ናይ ምርካብ ኣጋጣሚ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። (መዝሙር 133:1) ኣብ ጉባኤ መንፈሳዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ኣዕሩኽ ብኸመይ ክትረክብ ትኽእል፧ ባህርያት ኣምላኽ ከተማዕብልን ብመገድታቱ ኽትመላለስን ከለኻ: ካልኦት ከም ናትካ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ናባኻ ኸም ዚሰሓቡ ኣየጠራጥርን እዩ። ንስኻ እውን ብተመሳሳሊ ሓደስቲ ኣዕሩኽ ንምጥራይ ገለ ግብራዊ ስጕምትታት ክትወስድ ትኽእል ኢኻ። (ነታ ኣብ ገጽ 30 እትርከብ “ ብኸመይ ጥዑያት ኣዕሩኽ ከም ዘጥረና” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።) ነቲ ኸተንጸባርቖ እትደሊ ባህርያት ዜርእዩ ሰባት ሕረ። ዓሌቶም: ዜግነቶም: ወይ ባህሎም ብዘየገድስ ምስ ኣመንቲ ብጾትካ ንምትዕርራኽ: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ‘ልብኻ ኸተግፍሕ’ እተዋህበካ ምኽሪ ስዓብ። (2 ቈረንቶስ 6:13፣ 1 ጴጥሮስ 2:17) ምስቶም ኣብ ክሊ ዕድመኻ ዚርከቡ ጥራይ ኣይትተዓራረኽ። ዮናታን ካብ ዳዊት ኣመና ይዓቢ ምንባሩ ኣይትረስዕ። ብዙሓት ዓበይቲ  ሰባት ተመክሮን ጥበብን ስለ ዘለዎም: ንዕርክነት ኬበልጽጉ ይኽእሉ እዮም።

ጸገማት ኪፍጠር ከሎ

16, 17. ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ብጻይና ብገለ ነገር እንተ ጐዲኡና: ካብ ጉባኤ ኽንርሕቕ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

16 ኣብ ጉባኤ እተፈላለየ ባህርያትን ኣተዓባብያን ዘለዎም ሰባት ስለ ዚርከቡ: ሓሓሊፉ ጸገማት ይፍጠር እዩ። ሓደ ኣማኒ ዝዀነ ብጻይ ንስምዒትካ ዚጐድእ ነገር ይዛረብ ወይ ይገብር ይኸውን። (ምሳሌ 12:18) ሓድሓደ ግዜ ገሊኡ ጸገማት ብሰንኪ ናይ ባህርይ ፍልልያት: ዘይምርድዳኣት: ወይ ብሰንኪ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት ይጋደድ እዩ። በዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ጸገማት ተዓንቂፍና ኻብ ጉባኤ ኽንርሕቕ ግቡእ ድዩ፧ ንየሆዋን ነቶም ንሱ ዜፍቅሮምን ናይ ሓቂ ፍቕሪ እንተ ኣልያትና: ከምኡ ኣይንገብርን ኢና።

 17 የሆዋ ፈጣሪናን ሓብሓቢ ህይወትናን ስለ ዝዀነ: ፍቕርናን ምሉእ ተወፋይነትናን ይግብኦ እዩ። (ራእይ 4:11) ነታ ኺጥቀመላ ዚፈቱ ጉባኤ እውን ብተኣማንነት ክንድግፋ ይግባእ። (እብራውያን 13:17) ስለዚ: ሓደ ንየሆዋ ዜምልኽ ብጻይና ብገለ ነገር እንተ ጐዲኡና ወይ እንተ ኣጕህዩና: ተቓውሞና ንምግላጽ ኢልና ኻብ ጉባኤ ኽንርሕቕ የብልናን። ስለምንታይ ኢና እሞ ኸምኡ ንገብር፧ እቲ ዘጕሃየና የሆዋ ኣይኰነን። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንእኡን ንህዝቡን ዝባንና ኽንመልሰሎም ከቶ ኣይትፈቕደልናን እያ!—መዝሙር 119:165

18. (ሀ) ኣብ ጉባኤ ሰላም ምእንቲ ኺሰፍን እንታይ ክንገብር ንኽእል፧ (ለ) በደል ንምሕዳግ እኹል መሰረት ኣብ ዚህልወሉ እዋን ይቕረ ምባል እንታይ በረኸት የምጽእ፧

18 ነቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ብጾትና ዘላትና ፍቕሪ ኣብ ጉባኤ ሰላም ንኽንገብር ትድርኸና። የሆዋ ኻብቶም ዜፍቅርዎ ፍጽምና ኣይጽበን እዩ: ንሕና እውን ክንጽበ የብልናን። ኵላትና ዘይፍጹማትን እንጋገን ምዃንና ስለ እንዝክር: ፍቕሪ ንንኣሽቱ ጕድለታት ዕሽሽ ንኽንብል ተኽእለና። (ምሳሌ 17:9፣ 1 ጴጥሮስ 4:8) ፍቕሪ ‘ይቕረ ንኽንበሃሃል’ ትሕግዘና። (1 ጴጥሮስ 4:8) ነዚ ምኽሪ እዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል ወትሩ ቐሊል ኣይኰነን። ኣሉታዊ ስምዒታት ንኺቈጻጸረና እንተ ፈቒድና ግን: ኵራና ነቲ በዳሊ ይቐጽዖ ይኸውን ካብ ዚብል ስምዒት ተላዒልና ብቐሊሉ ቒም ክንሕዝ ንኽእል ኢና። ከም ሓቂ ግን ቂም ምሓዝ ንርእስና እዩ ዚጐድኣና። በደል ንምሕዳግ እኹል መሰረት ኣብ ዚህልወሉ እዋን ይቕረ ምባል: ብዙሕ በረኸት የምጽእ። (ሉቃስ 17:3, 4) ኣእምሮናን ልብናን ሰላም ይረክብ: ሰላም እታ ጉባኤ ኣይዝረግን: ልዕሊ ዅሉ ኸኣ ምስ የሆዋ ዘሎና ርክብ ኣይበላሾን።—ማቴዎስ 6:14, 15፣ ሮሜ 14:19

ምስ ሓደ ሰብ ዝነበረና ሕብረት ክንበትኽ ዜድልየሉ እዋን

19. ምስ ሓደ ሰብ ዝነበረና ሕብረት ክንበትከሉ ዜድሊ እንታይ ኵነታት ኪፍጠር ይኽእል፧

19 ሓድሓደ ግዜ ምስ ሓደ ኣባል ጉባኤ ዝነበረ ሰብ ሕብረትና ኽንበትኽ  ንሕተት ኢና። ሓደ ውልቀ-ሰብ ሕጊ ኣምላኽ ጥሒሱ ብዘይምንሳሑ ምስ ዚውገድ ወይ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት ብምምሃር ወይ ካብታ ጉባኤ ርእሱ ብምግላል ንእምነት ምስ ዚነጽግ: ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ኪፍጠር ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ምስ ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት “ከይትጽምበሩ” ኢሉ ብንጹር ይነግረና። * (1 ቈረንቶስ 5:11-13፣ 2 ዮሃንስ 9-11) ካብ ሓደ ዓርክኻ ወይ ዘመድካ ዝነበረ ሰብ ምርሓቕ ብሓቂ ኣጸጋሚ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ጽኑዕ መትከል ብምሓዝ: ንየሆዋን ነቲ ጽድቃዊ ሕግታቱን እሙናት ምዃንና ነርኢ ዲና፧ የሆዋ ንተኣማንነትን ተኣዛዝነትን ኣኽቢሩ ኸም ዚርእዮ ኣይትረስዕ።

20, 21. (ሀ) ስርዓት ውገዳ ፍቕራዊ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ለ) ኣዕሩኽና ተጠንቂቕና ኽንመርጽ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

20 ስርዓት ውገዳ: የሆዋ ዘዳለዎ ፍቕራዊ መሰናድዎ እዩ። ከመይ ኢሉ፧ ንሓደ ዘይተነስሐ ሓጥእ ምውጋድ: ነቲ ቕዱስ ስም የሆዋን ንስርዓታቱን ንየሆዋ ንባዕሉን ፍቕሪ ዜርኢ እዩ። (1 ጴጥሮስ 1:15, 16) ውገዳ ንጉባኤ የጽርያ። እሙናት ኣባላት ካብቶም ብፍታው ሓጢኣት ዝፈጸሙ ዜሕድርዎ ሕማቕ ጽልዋ ይስተሩ: እታ ጉባኤ ኻብዛ እክይቲ ስርዓት እተሓለወት ምዃና ፈሊጦም ድማ ኣምልኾኦም ይቕጽሉ። (1 ቈረንቶስ 5:7፣ እብራውያን 12:15, 16) እዚ ተሪር ተግሳጽ እዚ: ነቲ ኣባሲ እውን ፍቕሪ እዩ ዜርእዮ። ኣረኣእያኡ ንኼዐርን ናብ የሆዋ ንኺምለስ ዚሕግዞ ስጕምትታት ንኺወስድን ዜድልዮ ነገር ኪኸውን ይኽእል እዩ።—እብራውያን 12:11

21 ናይ ቀረባ ኣዕሩኽና ሓያል ጽልዋ ኸየሕደሩልና ኸነምልጥ ኣይንኽእልን ኢና። እምበኣር: ኣዕሩኽና ብጥበብ ክንመርጽ ኣሎና። ምስቶም ኣዕሩኽ የሆዋ ምስ እንተዓራረኽ ከምኡውን ነቶም ኣምላኽ ዜፍቅሮም ምስ እነፍቅር: በቶም ብሉጻት ኣዕሩኽ ክንክበብ ኢና። ካባታቶም እንረኽቦ ነገር ነቲ ንየሆዋ ንምሕጓስ ዘሎና ቘራጽነት ክንፍጽም ኬኽእለና እዩ።

^ ሕ.ጽ. 4 የሆዋ ንኣብርሃም: ወዱ ኺስውኣሉ ብምሕታቱ: ነቲ ንሱ ንባዕሉ ንሓደ ወዱ ብምሃብ ዚኸፍሎ መስዋእቲ ሓበረ። (ዮሃንስ 3:16) ኣብቲ ንኣብርሃም ዚምልከት ጕዳይ: የሆዋ ጣልቃ ብምእታው ከም መተካእታ ይስሃቅ ዚኸውን ድዑል ኣዳለወ።—ዘፍጥረት 22:1, 2, 9-13

^ ሕ.ጽ. 9 ዳዊት ንጐልያድ ኪቐትሎ ኸሎ: ንእሽቶ መንእሰይ ወይ “ቈልዓ” እዩ ነይሩ: ዮናታን ኣብ ዝሞተሉ ግዜ ኸኣ ወዲ 30 ዓመት ኣቢሉ ነበረ። (1 ሳሙኤል 17:33፣ 31:2፣ 2 ሳሙኤል 5:4) ዮናታን ኪመውት ከሎ ወዲ 60 ዓመት ኣቢሉ ስለ ዝነበረ: ካብ ዳዊት ብ30 ዓመት ኣቢሉ ይዓቢ ነበረ።

^ ሕ.ጽ. 10 ኣብ 1 ሳሙኤል 23:17 ተገሊጹ ኸም ዘሎ: ዮናታን ንዳዊት ንምጽንናዕ ሓሙሽተ ነጥብታት ተዛረበ:- (1) ጻዕሪ ሳኦል ከም ዚፈሽል ንዳዊት ኣረጋገጸሉ። (2) ንዳዊት ከይፈርህ ኣተባብዖ። (3) ከምቲ ኣምላኽ እተመባጽዖ: ንግስነት ከም ዚቕበል ንዳዊት ኣዘኻኸሮ። (4) ንዳዊት ዘለዎ ተኣማንነት ኣረጋገጸ። (5) ነቲ ንዳዊት ዘለዎ ተኣማንነት ሳኦል እኳ ኸይተረፈ ኸም ዚፈልጦ ነገሮ።

^ ሕ.ጽ. 19 ንእተወገደ ወይ ርእሱ ንዘግለለ ሰብ ብዛዕባ ኺህልወና ዚግባእ ኣተሓሕዛ ዝያዳ ሓበሬታ ንምርካብ: ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 207-9 ርአ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ህዝቢ የሆዋ ‘ኻብ ዓመጻ ይርሕቑ’

እታ ‘ኻብ ዓመጻ ምርሓቕ’ እትብል ሓረግ፡ ምስቲ ብግዜ ሙሴ ዘጋጠመ ፍጻመታት እትተሓሓዝ ብኸመይ እያ፧ ንሕናኸ ኻብቲ ፍጻመታት እንታይ ክንመሃር ንኽእል፧

ነቲ ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት እትምስርቶ ዕርክነት ተጠንቀቐሉ

ኣዕሩኽ ዚብሃሉ፡ እቶም ምሳታቶም ኴንካ ግዜ እተሕልፍ ሰባት ጥራይ ኣይኰኑን።