ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 7

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

ንህይወት ከምቲ ኣምላኽ ዜኽብራ ጌርካ ዲኻ እተኽብራ፧

“ናይ ህይወት ፈልፋሊ ኣባኻ እዩ።”—መዝሙር 36:9

1, 2. እንታይ ኣምላኽ ዝሃበና ውህበት እዩ ብፍላይ ሎሚ ኽቡር ዝዀነ፧ ስለምንታይከ፧

ሰማያዊ ኣቦና ብዋጋ ዘይሽነን ውህበት ሂቡና እዩ፣ እዚ ውህበት እዚ ኸም መስተውዓልቲ ሰባት መጠን ዘሎና ህይወት ኪኸውን ከሎ: እዚ ድማ ባህርያቱ ኸነንጸባርቕ ከም እንኽእል ገይሩ ፈጢሩና ማለት እዩ። (ዘፍጥረት 1:27) ሳላ እዚ ኽቡር ህይወት እዚ: ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ኽንርዳእ ንኽእል ኢና። ነዚ ኣብ ግብሪ ብምውዓል: ናብ መንፈሳዊ ብስለት ክንዓቢ ንኽእል፣ እዚ ድማ ንየሆዋ ነፍቅሮ: “ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ብምልማድ ንልቦናኦም ዜላምዱ” ድማ ንኸውን ማለት እዩ።—እብራውያን 5:14

2 ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ናይ ምርዳእ ክእለት ብፍላይ ሎሚ ኣገዳሲ እዩ፣ ከመይሲ: ዓለም ኣዝያ እተሓላለኸት ስለ ዝዀነት: ዚወጽእ ሕግታት ሽሕ ሳዕ ይብዛሕ ብዘየገድስ: ነቲ ኣብ ህይወት ዚለዓል ኵነታት ብምሉኡ ኺሽፍኖ ኣይክእልን እዩ። ሕክምናዊ ስነ-ፍልጠት: ብፍላይ ከኣ ምስ ደም እተተሓሓዘ ፍርያትን ኣገባባትን ነዚ ነጥቢ እዚ ዜርኢ እዩ። እዚ ንዅሎም እቶም ንየሆዋ ኺእዘዙ ዚደልዩ ሰባት ኬገድሶምን ኬተሓሳስቦምን ዚግባእ ጕዳይ እዩ። ኰይኑ ግን: ነቲ ምስዚ ዚተኣሳሰር ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦ እንተ ኽኢልና: ንሕልናና ዜዕግብን ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ ዜኽእለናን ጥበባዊ ውሳነ ኽንገብር ንኽእል ኢና። (ምሳሌ 2:6-11) ገለ ኻብዚ ስርዓታት እዚ እስከ ንርአ።

ህይወትን ደምን ቅዱስ እዩ

3, 4. ቅድስና ደም ንፈለማ ግዜ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተገልጸ መዓስ እዩ፧ ኣብ ምንታይ መሰረታዊ ስርዓታትከ እዩ ቘይሙ፧

3 የሆዋ ንፈለማ ግዜ ነቲ ኣብ መንጎ ህይወትን ደምን ዘሎ ምትእስሳርን  እዚ ነገራት እዚ ዘለዎ ቕድስናን ዝገለጸ: ቃየል ንኣቤል ደድሕሪ ምቕታሉ እዩ። ኣምላኽ ንቃየል: “ድምጺ ደም ሓውኻ ኻብ ምድሪ ናባይ ይጠርዕ አሎ” በሎ። (ዘፍጥረት 4:10) ኣብ ቅድሚ የሆዋ: ደም ኣቤል ነታ ብጭካነ እተቐትለት ህይወቱ ዜመልክት ነበረ። ስለዚ: ደም ኣቤል ሕነ ምእንቲ ኺፍደየሉ ናብ ኣምላኽ ጠሪዑ ኺበሃል ይከኣል እዩ።—እብራውያን 12:24

4 ድሕሪ እቲ ብግዜ ኖህ ዘጋጠመ ማይ ኣይሂ: ኣምላኽ ንሰባት ስጋ እንስሳታት ኪበልዑ ኺፈቕደሎም ከሎ: ደም ከይበልዑ ግን ከልከሎም። ኣምላኽ ከምዚ በሎም:- “ስጋ ምስ ነፍሱ: እቲ ደሙ: ኣይትብልዕዎ። እቲ ነፍስኹም ዘለዎ ደምኩምሲ ኣነ ኽደልዮ እየ።” (ዘፍጥረት 9:4, 5) እዚ ትእዛዝ እዚ ንዅሎም ክሳዕ ሎሚ ዘለዉ ዘርኢ ኖህ ዚምልከት እዩ። ብተወሳኺ: ነቲ ኣምላኽ ንቃየል እተዛረቦ ዘረባ ሒዝዎ ዘሎ ትርጕም ዜረጋግጽ እዩ፣ እዚ ኸኣ ነፍሲ ወይ ህይወት ሓደ ፍጡር ብደም ዚውከል ምዃኑ እዩ። ኣብዚ ድንጋገ እዚ እቲ ምንጪ ህይወት ዝዀነ የሆዋ: ንዅሎም እቶም ንህይወትን ደምን ዘየኽብሩ ደቂ ሰብ ተሓተትቲ ኸም ዚገብሮም ይገልጽ።—መዝሙር 36:9

5, 6. ደም ቅዱስን ክቡርን ምዃኑ ኣብ ሕጊ ሙሴ እተገልጸ ብኸመይ እዩ፧ (ኣብ  ገጽ 78 እትርከብ ሳጹን ርአ።)

5 እዚ ኽልተ መሰረታዊ ሓቅታት ኣብ ሕጊ ሙሴ ተንጸባሪቑ ኣሎ። ዘሌዋውያን 17:10, 11 ከምዚ ትንበብ:- “ዝዀነ ሰብ . . . ደም ዘበለ እንተ በልዔ: ነታ ደም ዝበልዔት ነፍሲ ገጸይ ናብኣ ኽመልስ እየ: ካብ ማእከል ህዝባ ኸኣ ክምንቍሳ እየ። ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ: ነታ ነፍሲ ዜተዐርቓ እቲ ደም እዩ እሞ: ኣነ ድማ ናብ ልዕሊ መሰውኢ ንነፍሳትኩም ኬተዐርቕ ኢለ ሀብኩኹም።” *—ነታ ኣብ ገጽ 76 እትርከብ “ ደም ንምትዕራቕ ዘለዎ ሓይሊ” ዘርእስታ ሳጹን ርአ።

6 ደም እንስሳ ኣብ መሰውኢ እንተ ዘይተጠቒሞምሉ: ናብ ምድሪ ኼፍስስዎ ነበሮም። በዚ ኸምዚ ብምሳልያዊ መገዲ እታ ህይወት ናብቲ ምንጫ ትምለስ። (ዘዳግም 12:16፣ ህዝቅኤል 18:4) እስራኤላውያን  ንዅሉ እቲ ኣብ ስጋ እቲ እንስሳ ዚርከብ ኣሰር ደም ንኼወግድዎ እተጋነነ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘይተኣዘዙ ግን ኣስተብህል። እቲ እንስሳ ብግቡእ እንተ ተሓሪዱን ደሙ እንተ ፈሲሱን: እዚ ነቲ ወሃብ ህይወት ግቡእ ኣኽብሮት ስለ ዚህብ: ነቲ ስጋ ብንጹህ ሕልና ኺበልዕዎ ይኽእሉ ነበሩ።

7. ዳዊት ንቕድስና ደም ኣኽብሮት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

7 እቲ ኣምላኽ “ዝኸም ልበይ” ዝበሎ ዳዊት: ነቲ ብዛዕባ ደም እተዋህበ  ሕጊ መሰረት ዝዀኖ ስርዓት ተረዲእዎ ነበረ። (ግብሪ ሃዋርያት 13:22) ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ኣመና ምስ ጸምአ: ሰለስተ ኻብ ሰቡ ሰፈር ጸላኢ ጥሒሶም: ካብ ዔላ ማይ ቀዲሖም ኣምጽኡሉ። ዳዊት እንታይ ገበረ፧ “ደም እዞም ህይወቶም ቀቢጾም ዝኸዱ ሰባትዶ ኽሰቲ እየ፧” በለ። ነቲ ማይ ከም ደም እቶም ሰብኡት ገይሩ እዩ ርእይዎ። ዋላ እውን ጸሚኡ እንተ ነበረ: “ንእግዚኣብሄር ከዐዎ።”—2 ሳሙኤል 23:15-17

8, 9. ክርስትያናዊት ጉባኤ ኽትቀውም ከላ: እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዝነበሮ ኣረኣእያ ተቐዪሩ ድዩ፧ ግለጽ።

8 ብግዜ ኖህ ብዛዕባ ደም ድንጋገ ኻብ ዚወጽእ ኣስታት 2,400 ዓመት ጸኒሑ: ሕጊ ኺዳን ካብ ዚወሃብ ድማ ኣስታት 1,500 ዓመት ጸኒሑ: የሆዋ ነቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ጉባኤ ቐዳሞት ክርስትያናት ከምዚ ኢሉ ንኺጽሕፍ ብመንፈሱ ደረኾ:- “ብዘይ እቲ እተገብኤ: ማለት፤ ንጣኦታት ካብ እተሰውኤን ደምን: ካብ ሕኑቕን ዝሙትን ደኣ ኽትክልከሉ እምበር: ገለ ሓለፋ ጾር እኳ ኸይንጽዕነኩም: ንመንፈስ ቅዱስን ንኣናን ተራእዩና እዩ።”—ግብሪ ሃዋርያት 15:28, 29

9 እቲ ቐዳማይ ኣመሓዳሪ ኣካል: ደም ቅዱስ ምዃኑ: ነዚ ብዘይግቡእ ምጥቃም ከኣ ምስቲ ብስነ-ምግባራዊ መዳይ ጌጋ ዝዀነ ኣምልኾ ጣኦት ወይ ዝሙት ከም ዚጽብጸብ ተረዲኡ ነበረ። ሎሚ ዘለዉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ነዚ መትከል እዚ ይቕበልዎ እዮም። ብዘይካዚ: ኣብ መሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተመርኲሶም ስለ ዚሓስቡ: ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ደም ብዚምልከት ውሳነታት ኪገብሩ ኸለዉ ንየሆዋ ኼሐጕስዎ ይኽእሉ እዮም።

ደም ንሕክምና ምጥቃም

ንሓደ ሓኪም ብዛዕባ ኽፋላት ደም ዚምልከት ውሳነይ ብኸመይ ምገለጽኩሉ፧

10, 11. (ሀ) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንምምሕልላፍ ምሉእ ደምን ቀንዲ ተዋጽኦታት ደምን ብኸመይ ይርእይዎ፧ (ለ) ክርስትያናት ኣብ ከመይ ዝበለ ንደም ዚምልከት መዳያት እዮም እተፈላለየ ኣረኣእያ ኺህልዎም ዚኽእል፧

10 ናይ የሆዋ መሰኻኽር: ‘ካብ ደም ኪኽልከሉ’ ኺበሃል ከሎ: ደም ዘይምውሳድ ከምኡውን ደሞም ንኻልእ ንኺወሃብ ኢሎም ዘይምልጋስ ወይ ዘይምኽዛን ከም ዜጠቓልል ኣስተውዒሎም እዮም። ንሕጊ ኣምላኽ ካብ ዘለዎም ኣኽብሮት ተላዒሎም: ነቲ ቐንዲ ተዋጽኦታት ደም: ማለት  ቀያሕቲ ዋህዮታት: ጸዓዱ ዋህዮታት: ፕላትለት: ከምኡውን ፕላዝማ ኣይቅበሉን እዮም።

11 ሎሚ ግን እዚ ተዋጽኦታት እዚ ብተወሳኺ መስርሕ ብምሕላፍ: ናብ ክፋላት ይከፋፈል እሞ ኣብ እተፈላለየ መዳያት የገልግል። ሓደ ክርስትያን ከምዚ ዝኣመሰለ ኽፋላት ኪቕበል ይኽእል ድዩ፧ ከም “ደም” ገይሩ ድዩ ዚርእዮ፧ ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን ኣብዚ ጕዳይ እዚ ብብሕቱ ኺውስን ኣለዎ። እቲ ደም እንተ ዘይተኸዚኑ: ኣብ ከም ሄሞዳያሊሲስ: ሄሞዳይሉሽን: ከምኡውን ሰል ሳልቨጅ ዝኣመሰለ ብናትካ ደም ዚግበር ኣገባባት ሕክምና ሓደ ክርስትያን ብተመሳሳሊ ብብሕቱ ውሳነ ኺገብር ኣለዎ።—ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 215-18 ርአ።

12. ንሕልና ዚምልከት ጕዳያት ብኸመይ ኢና ኽንርእዮን ክንሕዞን ዚግባእ፧

12 ንብሕታዊ ውሳነ እተገድፈ ጕዳያት ኣብ ቅድሚ የሆዋ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ድዩ፧ ኣይኰነን። ከመይሲ: የሆዋ ብሓሳብናን ብውሽጣዊ  ድራኸታትናን ብዙሕ ይግደስ እዩ። (ምሳሌ 17:3፣ 21:2፣ 24:12) ስለዚ: ብዛዕባ እቲ ሕክምናዊ ፍርያትን ኣገባባትን ብጸሎት ምርምር ድሕሪ ምግባርና: ነቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠና ሕልናና ኽንሰምዖ ኣሎና። (ሮሜ 14:2, 22, 23) ልክዕ እዩ: ካልኦት ምርጫኦም ኪጽዕኑልና ግቡእ ኣይኰነን: ንሕና እውን: “ኣብ ቦታይ እንተ ትኸውን እንታይ ምገበርካ፧” ኢልና ኽንሓትት ኣይግባእን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት: ነፍሲ ወከፍ ክርስትያን “ጸጾሩ ኺጸውር” ይግባእ። *ገላትያ 6:5፣ ሮሜ 14:12፣ ነታ ኣብ ገጽ 81 እትርከብ “ ንደም ከም ቅዱስ ገይረ እርእዮ ድየ፧” እትብል ሳጹን ርአ።

ሕግታት የሆዋ ነቲ ኣባታዊ ፍቕሩ የንጸባርቕ

13. ሕግታትን ስርዓታትን የሆዋ ብዛዕባኡ እንታይ ይገልጽ፧ ብምሳሌ ግለጽ።

13 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሕግታትን ስርዓታትን: የሆዋ ንድሕንነት ደቁ ዚሓስብ ጥበበኛ ሓጋግ ሕግን ፈቃር ኣቦን ምዃኑ እዩ ዚሕብር። (መዝሙር 19:7-11) ‘ካብ ደም ክንክልከል’ እተዋህበና ትእዛዝ ብቐንዱ ንጥዕናና ተባሂሉ እኳ እንተ ዘይተዋህበና: ካብቲ ምስ ምምሕልላፍ ደም ዚተሓሓዝ ጸገማት የዕቍበና እዩ። (ግብሪ ሃዋርያት 15:20) ብዙሓት ኣብ ዓውዲ ሕክምና ዘለዉ ኽኢላታት: ብዘይ ደም ንዚግበር መጥባሕቲ ኣብ ዘመናዊ ኽንክን ጥዕና “ብሉጽ ደረጃ” ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። እዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ምዕባለታት: ንናይ ሓቂ ክርስትያናት: ነቲ ዘይምርመር ጥበብን ኣባታዊ ፍቕርን የሆዋ ዜረጋግጸሎም እዩ።—ኢሳይያስ 55:9፣ ዮሃንስ 14:21, 23

14, 15. (ሀ) ኣምላኽ ንህዝቡ ዘርኣያ ፍቕሪ ኣብ ሕግታቱ ብኸመይ ተንጸባረቐት፧ (ለ) ነቲ ንድሕንነት ዚምልከት መሰረታዊ ስርዓታት ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧

14 ኣምላኽ ነቶም ህዝቡ ዝነበሩ ጥንታውያን እስራኤላውያን ዝነበሮ ሓልዮት ኣብ ሓያሎ ሕግታቱ ተንጸባሪቑ ነይሩ። ንኣብነት: እስራኤላውያን ኣብ ናሕሲ ብዙሕ ንጥፈታት የካይዱ ብምንባሮም: ሓደጋ ምእንቲ ኸይክሰት ኣብ ዙርያ ናሕሲ ቤቶም መጋረዲ ኺገብሩ ኣዚዝዎም ነበረ። (ዘዳግም 22:8፣ 1 ሳሙኤል 9:25, 26፣ ነህምያ 8:16፣ ግብሪ ሃዋርያት 10:9) ተዋጋእቲ ኣብዑር ድማ ኪሕለዉ ኣዚዙ  ነበረ። (ዘጸኣት 21:28, 29) ነዚ ሕግታት እዚ ዕሽሽ ዝበለ ሰብ: ንድሕንነት ካልኦት ኣኽብሮት ከም ዘይብሉ የርኢ: ብደም ተሓታቲ ኪኸውን እውን ይኽእል ነበረ።

15 ነዚ ሕግታት እዚ መሰረት ዝዀኖ ስርዓታት ብኸመይ ክትዓየሉ ትኽእል፧ ብዛዕባ ዅነታት ማኪናኻ: ኣዘዋውራኻ: እንስሳታትካ: ቤትካ: ስራሕካ: ናይ መዘናግዒ ምርጫኻ ስለምንታይ ኣዕሚቝካ ዘይትሓስብ፧ ኣብ ገሊኡ ሃገራት: ሓደጋ ሓደ ኻብቲ ብቐዳምነት ዚስራዕ ጠንቂ ሞት መንእሰያት እዩ፣ እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ባዕሎም ብዚኣትውዎ ዘየድሊ ሓደጋ እዩ ዚፍጠር። ይኹን እምበር: እቶም ንርእሶም ብፍቕሪ ኣምላኽ ኪሕልውዋ ዚደልዩ መንእሰያት: ንህይወት ኣኽቢሮም ይርእዩ: ካብ ሓደገኛ ንጥፈታት ሓጐስ ኪረኽቡ እውን ኣይጽዕሩን እዮም። መንእሰያት ኣይጕድኡን እዮም ዚብል ናይ ዕሽነት ኣተሓሳስባ የብሎምን። ኣብ ክንዳኡስ: ብግዜ ንእስነቶም ካብ ዘየድሊ መዓት ብምርሓቕ ሓጐስ ይረኽቡ።—መክብብ 11:9, 10

16. ንምንጻል ጥንሲ ዚምልከት እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ስርዓት ኣሎ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

16 ህይወት ዘይተወልደ ዕሸል እውን ከይተረፈ: ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል: ሓደ ሰብ ንጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ጐዲኡ: ንሳ ወይ ዕሸላ ኸኣ እንተ ሞይቶም: ኣምላኽ ነቲ ገበነኛ ኸም ቀታሊ ገይሩ ይርእዮ ነበረ፣ ስለዚ ድማ “ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ” ኺህብ ነበሮ። * (ዘጸኣት 21:22, 23 NW) ኣብ ዓዓመት ማእለያ ዘይብሎም ዘይተወልዱ ዕሸላት ኰነ ኢልካ ኺንጸሉ ኸለዉ: የሆዋ ኸመይ ከም ዚስምዖ እሞ ሕስብ ኣብሎ። ብዙሓት ካብዚኣቶም ዘይድለዩ ስለ ዝዀኑ ወይ ወለዶም ፈቐዶኡ ኺዘሉ ኸለዉ እተጠንሱ ስለ ዝዀኑ እዮም ዚንጸሉ።

17. ንሓንቲ መለክዒታት ኣምላኽ ቅድሚ ምፍላጣ ጥንሲ ዝነጸለት ጓል ኣንስተይቲ ብኸመይ ከተጸናንዓ ትኽእል፧

17 ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓቂ ቕድሚ ምፍላጣ ጥንሲ እንተ ነጺላኸ፧ ኣምላኽ ምሕረት ኣይገብረላን ማለት ድዩ፧ ኣይፋልን! ሓደ ብሓቂ ዚንሳሕ ሰብ: የሆዋ በቲ ዝፈሰሰ ደም  የሱስ ኣቢሉ ይቕረ ኸም ዚብሎ ኺተኣማመን ይኽእል እዩ። (መዝሙር 103:8-14፣ ኤፌሶን 1:7) እወ: ክርስቶስ ባዕሉ እውን: “ንሓጥኣን ናብ ንስሓ እምበር: ንጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን” ኢሉ እዩ።—ሉቃስ 5:32

 ጐዳኢ ኣተሓሳስባ ኣወግድ!

18. መጽሓፍ ቅዱስ ቀንዲ ጠንቂ መብዛሕትኡ ምፍሳስ ደም ብኸመይ ይገልጾ፧

18 የሆዋ ንኻልኦት ጕድኣት ካብ ምውራድ ክንቍጠብ ጥራይ ዘይኰነስ: ነቲ ቐንዲ ጠንቂ መብዛሕትኡ ምፍሳስ ደም ዝዀነ ጽልኢ ኻብ ልብና ኽንምሕዎ እውን ይደልየና እዩ። ሃዋርያ ዮሃንስ: “ንሓዉ ዚጸልእ ዘበለ ዅሉ ቐታል ነፍሲ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (1 ዮሃንስ 3:15) ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ንሓዉ ኣይፈትዎን ጥራይ ዘይኰነስ: ኪመውት እውን ይምነየሉ እዩ። ጽልኡ በቲ እኩይ ጸለመኡ ወይ ብናይ ሓሶት ክሱ ኣቢሉ ኺርአ ይኽእል፣ እዚ ድማ ፍርዲ ኣምላኽ ኬስዕብ ይኽእል እዩ። (ዘሌዋውያን 19:16፣ ዘዳግም 19:18-21፣ ማቴዎስ 5:22) እምበኣር: ንልብና ኻብ ክፍኣት ንኸነጽርዮ ኣበርቲዕና ምዕያይና ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ዀን እዩ!—ያእቆብ 1:14, 15፣ 4:1-3

19. ሓደ ብመሰረታዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚምራሕ ሰብ: ንኸም መዝሙር 11:5 ከምኡውን ፊልጲ 4:8, 9 ዝኣመሰለ ጥቕስታት ብኸመይ ይርእዮ፧

19 እቶም ንህይወት ከምቲ የሆዋ ዜኽብራ ገይሮም ዜኽብሩን ንርእሶም ብፍቕሩ ኺሕልዉ ዚደልዩን ካብ ኵሉ ዓይነት ዓመጻ ይርሕቑ እዮም። መዝሙር 11:5 ብዛዕባ የሆዋ: “ንረሲእን ንፈታው ግፍዕን ግና ነፍሱ ትጸልኦም” ትብል። እታ ጥቕሲ እቲኣ ብዛዕባ ባህርይ ኣምላኽ ጥራይ ኣይኰነትን እትገልጽ፣ የግዳስ ንህይወትና መምርሒ ዚዀነና መሰረታዊ ስርዓት ትህበና እያ። ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ምስ ዓመጻ እተተሓሓዘ መዘናግዒ ንኼርሕቑ ትድርኾም። ብተመሳሳሊ: እተን የሆዋ “ኣምላኽ ሰላም” ምዃኑ ዚገልጻ ቓላት: ንኣገልገልቱ ኣእምሮኦምን ልቦምን በቲ ሰላም ዜምጽእ ተፈታዊ ነገራትን ደግነትን ንእዶን ንኺመልእዎ እየን ዚድርኻኦም።—ፊልጲ 4:8, 9

ብደም ገበነኛ ኻብ ዝዀነ ውድባት ርሓቕ

20-22. ክርስትያናት ንዓለም ብዚምልከት እንታይ መትከል እዩ ዘለዎም፧ ስለምንታይከ፧

20 ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ: ናይ ሰይጣን ዓለም ብምልእታ ብደም ገበነኛ እያ። እቲ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ከም ሕሱማት ኣራዊት ተገይሩ ተገሊጹ ዘሎ ፖለቲካዊ ስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣ: ንሚልዮናት ሰባት: እንተላይ ንብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ ቐቲሉ እዩ። (ዳንኤል 8:3, 4, 20-22፣  ራእይ 13:1, 2, 7, 8) ንግድን ስነ-ፍልጠትን እውን ምስቶም ከም ኣራዊት ዝዀኑ ስልጣናት ብምትሕብባር: ገለ ኻብቲ ኣዝዩ ዜስካሕክሕ ኣጽዋር ምሂዙ: ካብዚ ድማ ብዙሕ መኽሰብ ረኺቡ ኣሎ። “ብዘላ ዓለምውን በቲ እኩይ ተትሒዛ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና” ዚብላ ቓላት ኣማን ብኣማን ሓቂ እየን!—1 ዮሃንስ 5:19

21 ሰዓብቲ የሱስ ‘ካብ ዓለም ብዘይምዃኖም:’ ኣብ ፖለቲካን ውግእን እውን ብጥብቂ ገለልትነቶም ብምሕላዎም: ብውልቂ ዀነ ብማሕበረሰብ ብደም ገበነኛታት ኣይኰኑን። * (ዮሃንስ 15:19፣ 17:16) ካልኦት ኬሳጕጕዎም ከለዉ እውን: ኣብነት ክርስቶስ ብምስዓብ ብዓመጻ ኣይምልሱን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ንጸላእቶም ፍቕሪ የርእዩ: ሕሉፍ ሓሊፎም እውን ይጽልዩሎም።—ማቴዎስ 5:44፣ ሮሜ 12:17-21

22 ናይ ሓቂ ክርስትያናት ብሕልፊ ምስታ ናይ ዓለም ሃጸያዊ ግዝኣት ናይ ሓሶት ሃይማኖትን ካብ ኵሉ ንላዕሊ ብደም ገበነኛን ዝዀነት “ዓባይ ባቢሎን” ዋላ ሓንቲ ርክብ የብሎምን። ቃል ኣምላኽ: “ደም  ነብያትን ቅዱሳትን ናይቶም ኣብ ምድሪ እተሐርዱ ዘበሉን ኣብኣ ተረኺቡ” ይብል። ስለዚ: “ኣቱም ህዝበይ: . . . ካብኣ ውጹ” ዚብል መጠንቀቕታ ተዋሂቡና ኣሎ።—ራእይ 17:6፣ 18:2, 4, 24

23. ካብ ዓባይ ባቢሎን ምውጻእ ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧

23 ካብ ዓባይ ባቢሎን ምውጻእ ኪበሃል ከሎ: ካብ ኣባልነታ ስምካ ኸም ዚሕከኽ ካብ ምግባር ንላዕሊ የጠቓልል። ነቲ ናይ ሓሶት ሃይማኖት እትቕበሎ ወይ ብግህዶ እትጣበቐሉ ኸም ዘይስነ-ምግባራዊ ተግባራትን ኣብ ፖለቲካ ጣልቃ ምእታውን ብስስዐ ደድሕሪ ሃብቲ ምስዓብን ዝኣመሰለ እኩይ ተግባራት ምጽላእ የጠቓልል። (መዝሙር 97:10፣ ራእይ 18:7, 9, 11-17) እዚ ንጥፈታት እዚ ብዙሕ ግዜ ናብ ምፍሳስ ደም እዩ ዚመርሕ።

24, 25. የሆዋ ንሓደ ብደም ገበነኛ ዝነበረ እሞ እተነስሐ ብመሰረት እንታይ እዩ ምሕረት ኪገብረሉ ዚኽእል፧ ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስከ ምስዚ ዚመሳሰል እንታይ መሰናድዎ ነበረ፧

24 ኣብ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕድሚ ምምጻእና: ኵላትና እንተ በዚ እንተ በቲ ንስርዓት ሰይጣን ስለ ዝደገፍና: ብእተወሰነ መጠን ብደም ገበነኛታት ኔርና ኢና። ይኹን እምበር: መገድና ስለ ዝቐየርና: ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እምነት ስለ ዘሕደርና: ከምኡውን ህይወትና ንኣምላኽ ስለ ዝወፈና: ምሕረት ኣምላኽን መንፈሳዊ ዕቝባን ረኺብና ኢና። (ግብሪ ሃዋርያት 3:19, 20) እዚ ዕቝባ እዚ ምስተን ቀደም ኣብ ግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበራ ኸተማታት ዕቝባ ኺመሳሰል ይኽእል እዩ።—ዘሁልቍ 35:11-15፣ ዘዳግም 21:1-9

25 እቲ መሰናድዎ እቲ ብኸመይ ይዓዪ ነበረ፧ ሓደ እስራኤላዊ ብዘይፍላጥ ሰብ እንተ ቐቲሉ: ናብ ሓንቲ ኻብተን ከተማታት ዕቝባ ይሃድም ነበረ። ብቑዓት ፈራዶ ውሳነ ምስ ገበሩ: እቲ ብዘይፍላጥ ዝቐተለ ኽሳዕ ሞት እቲ ሊቀ ኻህናት ኣብታ ኸተማ ኪቕመጥ ነበሮ። ድሕሪኡ ግን ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንኪቕመጥ ናጻ ይኸውን። እዝስ ንምሕረት ኣምላኽን ነቲ ንሰብኣዊ ህይወት ዘለዎ ዓብዪ ኽብርን ዜርኢ ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣብነት ኰን እዩ! ሎሚ እውን ምስተን ጥንታውያን ከተማታት ዕቝባ ብዚመሳሰል መልክዕ: ኣብ መስዋእታዊ በጃ ክርስቶስ እተመስረተ ኣምላኽ ዝገበሮ መሰናድዎ ኣሎ፣ እዚ ኸኣ ነቲ ምስ ቅድስና ህይወትን ደምን  እተኣሳሰረ ትእዛዝ ኣምላኽ ብዘይፍላጥ ክንጥሕስ ከለና የዕቍበና። ነዚ መሰናድዎ እዚ ኣኽቢርካ ትርእዮ ዲኻ፧ ከምኡ ኸም እትገብር ብኸመይ ከተርኢ ትኽእል፧ ሓደ መገዲ ንኻልኦት ኣብታ ምሳልያዊት ከተማ ዕቝባ ንኺሓብሩና ምዕዳም እዩ፣ ብፍላይ እቲ ዓብዪ “መከራ” ብቕልጡፍ እናቐረበ ይኸይድ ስለ ዘሎ ነዚ ብትግሃት ክንዓዮ ኣሎና።—ማቴዎስ 24:21፣ 2 ቈረንቶስ 6:1, 2

መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብምስባኽ ንህይወት ኣኽብር

26-28. ሎሚ ዘሎ ዅነታትና ምስ ናይ ነብዪ ህዝቅኤል ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ ንርእስና ብፍቕሪ ኣምላኽ ክንሕልዋ እንኽእልከ ብኸመይ ኢና፧

26 ሎሚ ዘለዉ ህዝቢ ኣምላኽ ዚነብሩሉ ዅነታት ነቲ ጥንታዊ ነብዪ ህዝቅኤል ዝነበሮ ዅነታት የዘኻኽረና። እዚ ነብዪ እዚ ንቤት እስራኤል መንፈሳዊ ሓላዊ ዀይኑ ኼገልግል ብየሆዋ ተመዚዙ ነይሩ። ኣምላኽ: “ነቲ ቓል ካብ ኣፈይ ስማዕ እሞ ኣብ ክንዳይ ኴንካ ኣጠንቅቆም” በሎ። ህዝቅኤል ነዚ መዝነቱ እዚ ዕሽሽ እንተ ዚብሎ ነይሩ: ብደም እቶም የሩሳሌም ክትቅጻዕ ከላ ዚቕተሉ ሰባት ገበነኛ ጌርካ ምተታሕዘ። (ህዝቅኤል 33:7-9) እንተዀነ ግን: እዙዝ ስለ ዝነበረ: ብደም ተሓታቲ ኣይነበረን።

27 ሎሚ ብምልእታ ናይ ሰይጣን ዓለም እትጠፍኣሉ ግዜ ቐሪቡ እዩ። ስለዚ: ናይ የሆዋ መሰኻኽር ነታ “መዓልቲ ሕነ” ኣምላኽ ምስ መልእኽቲ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ብምትእስሳር ምእዋጅ: ከም ግዴታን ከም ፍሉይ ክብርን ገይሮም እዮም ዚቘጽርዎ። (ኢሳይያስ 61:2፣ ማቴዎስ 24:14) ኣብዚ ኣድላዪ ዕዮ እዚ ምሉእ ብምሉእ ትሳተፍ ዲኻ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ነቲ ናይ ስብከት መዝነቱ ኣርዚኑ ይርእዮ ነበረ። ከም ውጽኢቱ ድማ: “ኵሉ ምኽሪ ኣምላኽ ነገርኩኹም እምበር[:] ዘትረፍኩልኩም የብለይን እሞ: ካብ ደም ኵልኻትኩም ንጹህ ምዃነይ ሎም መዓልቲ እምስክረልኩም አሎኹ” ኺብል ከኣለ። (ግብሪ ሃዋርያት 20:26, 27) ከመይ ዝበለ ኽንመስሎ ዚግባእ ሰናይ ኣብነት ኰን እዩ!

28 ልክዕ እዩ: ንርእስና በቲ ምዉቕ ኣባታዊ ፍቕሪ የሆዋ ንምሕላው: ንህይወትን ደምን ከምቲ የሆዋ ዚርእዮ ጌርና ኻብ ምርኣይ ንላዕሊ ኽንገብር ኣሎና። ኣብዛ እትስዕብ ምዕራፍ ከም እንርእዮ: ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ንጹሃት ወይ ቅዱሳት ክንከውን ኣሎና።

^ ሕ.ጽ. 5 ብዛዕባ እቲ “ነፍሲ ስጋ ኣብቲ ደም እዩ” ዚብል ኣምላኽ እተዛረቦ ቓላት: እታ ሳይንቲፊክ ኣመሪካን ዘርእስታ መጽሔት: “ኣብ ርእሲ እቲ ኸም ተምሳል ዘለዎ ኣገዳስነት: ቃል ብቓሉ እውን ሓቂ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍ ዋህዮ ደም ንህይወት ኣድላዪት እያ” በለት።

^ ሕ.ጽ. 12 ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት ናይ ነሓሰ 2006 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ): ኣብ ገጽ 3-12 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 16 ኣዳለውቲ መዝገበ-ቓላት መጽሓፍ ቅዱስ: ኣብቲ ኣሰራርዓ ቓላት እብራይስጢ ተመርኲሶም: “እቲ ጕድኣት ነታ ሰበይቲ ጥራይ ዜመልክት ኪኸውን ዘይመስል እዩ” ኢሎም ኣለዉ። ዕድመ እቲ ድቂ ወይ እቲ ዕሸል ነቲ የሆዋ ዚህቦ ፍርዲ ረቛሒ ኸም ዚኸውን ገይሩ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘይገለጸ እውን ኣስተብህል።

^ ሕ.ጽ. 21ካብ ዓለም ክትፍለየሉ እትኽእል መገድታት” ዚብል ኣርእስቲ ዘለዋ ምዕራፍ 5 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 70 ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ኣብ መመላእታ ጽሑፍ: ኣብ ገጽ 215-16 ርአ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ቅዱሳት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

እታ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እትርከብ ኦሪት ዘሌዋውያን፡ ንምርዳኣ ትኸብደካ ወይ ተሰልክየካ ድያ፧ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዚርከብ ክቡር መንፈሳዊ ሃብቲ፡ ኣብ ኣምልኾኻ ቕዱስ ንኽትከውን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።