ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 15

ብጻዕርኻ ጽቡቕ ርአ

ብጻዕርኻ ጽቡቕ ርአ

“ሰብ . . . ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየ።”—መክብብ 3:13

1-3. (ሀ) ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ ስራሖም ከመይ ይስምዖም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ስራሕ እንታይ ኣረኣእያ እዩ ዜተባብዕ፧ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣኸ እንታይ ኢና ኽንምርምር፧

ሎሚ ዘለዉ ብዙሓት ሰባት ብስራሕ ኣይሕጐሱን እዮም። ኣብ ዘይፈትውዎ ስራሕ ንነዊሕ ሰዓታት ተጸሚዶም ስለ ዚዓዩ: መዓልታዊ ናብ ስራሕ ምኻድ ይጽልኦም። ከምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብስራሖም ኪግደሱ: ካብኡ ሓሊፎም እውን ዕግበት ኪረኽቡ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

2 መጽሓፍ ቅዱስ ንጻዕሪ ወይ ንብርቱዕ ዕዮ ብኣወንታዊ ጐድኒ እዩ ዚርእዮ። ስራሕ ምስራሕን ጻማኻ ምርካብን በረኸት ከም ዝዀነ እዩ ዚገልጽ። ሰሎሞን: “ሰብ እንተ በልዔን እንተ ሰተየን: ብዅሉ ጻዕሩ ጽቡቕ እንተ ረአየን: እዚውን ውህበት ኣምላኽ እዩ” ኢሉ ጸሓፈ። (መክብብ 3:13) እቲ ወትሩ ዜፍቅረናን ንጥቕምና ዚሓስብን የሆዋ: ካብ ስራሕና ዕግበት ክንረክብን ጻማ ጻዕርና ኽንረክብን ይደልየና እዩ። ኣብ ፍቕሩ ንምጽናዕ: ምስቲ ብዛዕባ ስራሕ ዘለዎ ኣረኣእያን ስርዓታትን ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና።—መክብብ 2:24፣ 5:18

3 ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ኣርባዕተ ሕቶታት ክንርኢ ኢና:- ብጻዕርና ጽቡቕ ክንርኢ እንኽእል ከመይ ጌርና ኢና፧ እንታይ ዓይነት ስራሕ እዩ ንክርስትያናት ዘይከውን፧ ኣብ ዓለማዊ ስራሕናን መንፈሳዊ ንጥፈታትናን ሚዛንና ሓሊና ኽንከይድ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ክንዓዮ እንኽእል ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ እንታይ እዩ፧ ፈለማ ግን: ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝዓበዩ ኽልተ ሰራሕተኛታት ዝገደፉልና ኣብነት ንመርምር፣ ንሳቶም ከኣ የሆዋ ኣምላኽን የሱስ ክርስቶስን እዮም።

 እቲ ዝለዓለ ሰራሕተኛን እቲ ወሓለ ሰራሕተኛን

4, 5. የሆዋ ኣፍራዪ ሰራሕተኛ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕብር ብኸመይ እዩ፧

4 የሆዋ እቲ ዝለዓለ ሰራሕተኛ እዩ። ዘፍጥረት 1:1 “ኣምላኽ ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ” ትብል። የሆዋ ንምድሪ ዜጠቓልል ናይ ምፍጣር ስራሑ ምስ ዛዘመ: እቲ ዝገበሮ “ብዙሕ ጽቡቕ” ከም ዝዀነ ገለጸ። (ዘፍጥረት 1:31) ብኻልእ ኣበሃህላ: ብዅሉ እቲ ምድራዊ ስራሑ ምሉእ ብምሉእ ዓጊቡ ነይሩ ማለት እዩ። የሆዋ “ሕጉስ ኣምላኽ” ስለ ዝዀነ: ኣፍራዪ ሰራሕተኛ ብምዃን ዓብዪ ሓጐስ ረኺቡ ኪኸውን ኣለዎ።—1 ጢሞቴዎስ 1:11 NW

5 እቲ ጻዕረኛ ኣምላኽና ምስራሕ ከቶ ኣየቋረጸን። ንምድሪ ዚምልከት ናይ ምፍጣር ዕዮ ኻብ ዚዛዘም ድሕሪ ነዊሕ ግዜ: የሱስ: “ኣቦይ ክሳዕ ሕጂ ይዓዪ ኣሎ” በለ። (ዮሃንስ 5:17 ትርጕም 1990) ኣቦ እንታይ እዩ ኺዓዪ ጸኒሑ፧ ኣብቲ ሰማያዊ መንበሪኡ ዀይኑ: ንደቂ ሰብ ኣብ ምምራሕን ኣብ ምክንኻንን ንጡፍ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። ነቶም ኣብ መወዳእታ ምስ የሱስ ኣብ ሰማይ ዚገዝኡ “ሓድሽ ፍጥረት” እተባህሉ ብመንፈስ እተወልዱ ክርስትያናት ኣቚምዎም እዩ። (2 ቈረንቶስ 5:17) ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ ንምፍጻም—ነቶም ዜፍቅርዎ ኣብ ሓዳስ ዓለም ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዚረኽቡ ንምግባር—ኪዓዪ ጸኒሑ እዩ። (ሮሜ 6:23) የሆዋ በቲ ኻብ ስራሑ ዝረኸቦ ፍረ ብዙሕ ተሓጒሱ ኪኸውን ኣለዎ። ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ተቐቢሎምሲ: ናብ ኣምላኽ ተሳሒቦምን ኣብ ፍቕሩ ንምጽናዕ ህይወቶም ኣተዓራርዮምን ኣለዉ።—ዮሃንስ 6:44

6, 7. የሱስ ንነዊሕ እዋን ብትግሃት ብምስራሕ ዝመጸ ጽቡቕ ስም ዘጥረየ ብኸመይ እዩ፧

6 የሱስ ንነዊሕ እዋን ብትግሃት ብምስራሕ ዝመጸ ጽቡቕ ስም ኣጥርዩ እዩ። ሰብ ቅድሚ ምዃኑ ኣብ ዝነበሮ ህይወት: “ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን” ዘሎ ዅሉ ኣብ ምፍጣር “ወሓለ” “ሰራሕተኛ” ኣምላኽ ኰይኑ ኣገልጊሉ እዩ። (ምሳሌ 8:22-31ትርጕም 1990ቈሎሴ 1:15-17) የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ እውን ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ። ገና ኻብ ንእስነቱ ሓደ ሞያ ስለ እተማህረ: ጸኒሑ  “እቲ ጸራቢ” ተባሂሉ ተጸውዐ። * (ማርቆስ 6:3) እዚ ስራሕ እዚ ብዙሕ ጻዕርን እተፈላለየ ኽእለትን ዚሓትት እዩ፣ ብሕልፊ ኣብቲ መጋዛትን ቀረባት ዜከፋፍል ቤት መሸጣን ብኤለክትሪክ ዚሰርሕ ናውትን ዘይነበረሉ እዋን ዝያዳ ጻዕሪ ይሓትት ነበረ። ዕንጨይቲ ኣናድዩ ኺረክብ: ምናልባት እውን ኦም ቈሪጹ ናብቲ ዚሰርሓሉ ቦታ ጐሲሱ ኼምጽኦ ኸሎዶ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎ ትኽእል፧ ኣባይቲ ኺሃንጽ ከሎ: ንኣብነት ንናሕሲ ዚኸውን ገመል ኬዳሉን ኪገጥምን ከሎ: ማዕጾታት ኪሰርሕ ከሎ: ገለ ኻብ ኣቕሑ ቤት ኪዓዪ ኸሎ ኣብ ኣእምሮኻ ኽትስእሎዶ ትኽእል፧ የሱስ ነቲ ብውሕሉል መገዲ ዚግበር ትግሃት ዝመልኦ ስራሕ ዜምጽኦ ዕግበት ባዕሉ ኸም እተመከሮ ዜጠራጥር ኣይኰነን።

7 የሱስ ኣገልግሎቱ ኣብ ምፍጻም እውን ኣመና ትጉህ ሰራሕተኛ እዩ ነይሩ። ንሰለስተ ዓመትን መንፈቕን በዚ ኻብ ኵሉ ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕዮ ኣመና ትሑዝ ነበረ። ብእተኻእሎ መጠን ንብዙሓት ሰባት ኪበጽሕ ይደሊ ስለ ዝነበረ: ኣንጊሁ ብምትንሳእን ክሳዕ ለይቲ ብምዕያይን ግዜ ኣየባኽንን ነበረ። (ሉቃስ 21:37, 38፣ ዮሃንስ 3:2) “መንግስቲ ኣምላኽ እናሰበኸን እናኣበሰረን ፍቕዳ ኸተማታትን ዓድታትን ይዘውር ነበረ።” (ሉቃስ 8:1) የሱስ ነቲ ብስራት ንሰባት ንምብጻሕ ኣብ ዶራን መገዲ ቓል ብቓሉ ኣማእታት ኪሎ ሜተራት ተጓዒዙ እዩ።

8, 9. የሱስ ብጻዕሩ ጽቡቕ ዝረኣየ ብኸመይ እዩ፧

8 የሱስ ብጻዕሩ ጽቡቕ ርእዩ ድዩ፧ እወ! ዘርኢ ሓቂ መንግስቲ ኣምላኽ ዘሪኡ: ንዓጺድ ዝበጽሐ ግራውቲ ድማ ሓዲጉ እዩ ኸይዱ። ዕዮ ኣምላኽ ምዕያይ ሓይልን ብርታዐን ይህቦ ስለ ዝነበረ: ነቲ ዕዮ ኺዓዪ ኸሎ ምግቢ እኳ ዕሽሽ ንኺብል ፍቓደኛ ነበረ። (ዮሃንስ 4:31-38) ኣብ መወዳእታ ምድራዊ ኣገልግሎቱ ንኣቦኡ: “ኣነ ነቲ ኽገብሮ ዝሀብካኒ ግብሪ ፈጺመ: ኣብ ምድሪ ኣኽበርኩኻ” ኢሉ ሓቀኛ ጸብጻብ  ኪህቦ ኸሎ እተሰምዖ ዕግበት እሞ ሕስብ ኣብሎ!—ዮሃንስ 17:4

9 ብጻዕሮም ጽቡቕ ብምርኣይ ዝመጸ: የሆዋን የሱስን ቀንዲ ኣብነታት ምዃኖም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ “ሰዓብቲ ኣምላኽ” ንኽንከውን ትድርኸና። (ኤፌሶን 5:1) ንየሱስ ዘላትና ፍቕሪ ኸኣ ‘ኣስኣሰሩ ኽንስዕብ’ ትደፋፍኣና። (1 ጴጥሮስ 2:21) ስለዚ: ንሕና እውን ብጻዕርና ኸመይ ጌርና ጽቡቕ ከም እንርኢ እስከ ንመርምር።

ብጻዕርና ጽቡቕ እንርኢ ብኸመይ ኢና፧

ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓልካ፡ ብጻዕርኻ ጽቡቕ ንኽትርኢ ኺሕግዘካ ይኽእል

10, 11. ንስራሕካ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ንኸተማዕብል እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

10 ዓለማዊ ስራሕ ኣብ ህይወት ናይ ሓቂ ክርስትያናት ቦታ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። ካብ ስራሕና እተወሰነ ዕግበት ክንረክብ ንደሊ ኢና: እንተዀነ ግን ኣብ ዘይንፈትዎ ስራሕ ንሰርሕ እንተ ኣሊና: እዚ ብሓቂ በዳሂ ኪዀነና ይኽእል እዩ። ኣብ ትሕቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ብስራሕና ጽቡቕ ክንርኢ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

11 ኣወንታዊ ኣረኣእያ ብምምዕባል። ንዅነታትና ወትሩ ኽንቅይሮ ኣይንኽእልን ኢና: ንኣረኣእያና ግን ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ነቲ ኣምላኽ ዘለዎ ኣረኣእያ ምስ እነስተንትነሉ: ብዛዕባ ስራሕ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኸነሕድር ንኽእል ኢና። ንኣብነት: ርእሲ ስድራ ቤት እንተ ዄንካ: ስራሕካ ኽሳዕ ክንደይ ትሑት ይኹን ብዘየገድስ: ንስድራ ቤትካ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ንኸተማልእ ከም ዚሕግዘካ ሕሰበሉ። ንእተፍቅሮም ሰባት ክትከናኸኖም ምኽኣል ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንእሽቶ ነገር ኣይኰነን። ንስድራ ቤቱ ዘይሓሊ እንተሎ: “እምነት ዝኸሐደ ኻብቲ ዘይአምንውን ዝገደደ እዩ” ብምባል ቃል ኣምላኽ ይነግረና። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ስራሕካ ነዚ ኣምላኽ ዝሃበካ ሓላፍነት ንኽትስከም ዜኽእለካ ምዃኑ ምፍላጥካ: ካብ ስራሕካ ኻልኦት መሳርሕትኻ ዘይረኽብዎ እተወሰነ ዕግበትን ዕላማን ንኽትረክብ የኽእለካ።

12. ኣብ ስራሕና ትጉሃትን ሓቀኛታትን ምዃን ብኸመይ እዩ ዓስቢ ዜምጽኣልና፧

12 ትጉህን ሓቀኛን ብምዃን። ብትግሃት ምዕያይን ንስራሕካ ብውሕሉል መገዲ ንኽትፍጽሞ ኽእለት ምምዕባልን ናብ በረኸት ኪመርሓካ  ይኽእል እዩ። ትጉሃትን ክኢላታትን ሰራሕተኛታት መብዛሕትኡ ግዜ ብኣስራሕቶም ልዑል ግምት እዩ ዚወሃቦም። (ምሳሌ 12:24፣ 22:29) ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ኣብ ስራሕና ሓቀኛታት ክንከውን ኣሎና፣ ማለት ካብ ኣስራሒና ገንዘብ: ናውቲ: ወይ ግዜ ኣይንሰርቕን ኢና። (ኤፌሶን 4:28) ኣብታ ቕድሚ እዚኣ ዘላ ምዕራፍ ከም ዝረኣናዮ: ሓቀኛነት ዓስቢ ኣለዎ። ሓቀኛ ምዃኑ ዚፍለጥ ሰራሕተኛ: መብዛሕትኡ ግዜ ይእመን እዩ። ኣስራሒና ንትግሃትና የስተብህለሉ ኣየስተብህለሉ ብዘየገድስ: “ሰናይ ሕሊና” ስለ ዘሎናን ነቲ እነፍቅሮ ኣምላኽ ከም እነሐጕሶ ስለ እንፈልጥን ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና።—እብራውያን 13:18፣ ቈሎሴ 3:22-24

13. ኣብ እንሰርሓሉ ቦታ እነርእዮ ጽቡቕ ኣብነት እንታይ ፍረ ኺህልዎ ይኽእል፧

 13 ኣኻይዳና ንኣምላኽ ክብሪ ኸም ዜምጽኣሉ ብምፍላጥና። ኣብ እንሰርሓሉ ቦታ ልዑል መለክዒ ክርስትያናዊ ኣኻይዳ ምስ እንሕሉ: ካልኦት የስተብህሉሉ እዮም። እዚ እንታይ ፍረ የፍሪ፧ ‘ነቲ ትምህርቲ እግዚኣብሄር መድሓኒና ኽንስልሞ’ የኽእለና። (ቲቶስ 2:9, 10) እወ: ካልኦት በቲ ሰናይ ኣኻይዳና ኣቢሎም ኣምልኾና ዘለዎ ጽባቐ ኺርእዩ ይኽእሉ: ዝያዳ እውን ኪስሕቦም ይኽእል። መሳርሕትኻ በቲ ኣብ ስራሕ እተርእዮ ጽቡቕ ኣብነት ተደሪኹ ነታ ሓቂ ምስ ዚቕበል ዚስምዓካ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ልዕሊ ዅሉ ኸኣ: እቲ ሰናይ ኣኻይዳኻ ንየሆዋ ኽብሪ ኸም ዜምጽኣሉን ንልቡ ኸም ዜሐጕሶን ካብ ምፍላጥ ንላዕሊ እንታይ ዓስቢ ኣሎ፧—ምሳሌ 27:11፣ 1 ጴጥሮስ 2:12

ብምስትውዓል ስራሕ ምምራጽ

14-16. ብዛዕባ ስራሕ ውሳነ ኽንገብር ከለና: እንታይ ኣገደስቲ ሕቶታት ኢና ኽንሓስበለን ዚግባእ፧

14 መጽሓፍ ቅዱስ ንዓለማዊ ስራሕ ብዚምልከት ቅቡልን ዘይቅቡልን ኢሉ ዝርዝር ነገራት ኣይገልጽን እዩ። እዚ ግን እቲ ዚስራሕ ነገር ብዘየገድስ ዝዀነ ይኹን ዓይነት ስራሕ ክንቅበል ንኽእል ኢና ማለት ኣይኰነን። ቅዱሳት ጽሑፋት ንኣምላኽ ዜሐጕሶ ፍረ ዘለዎን ምትላል ዘይብሉን ስራሕ ንኽንመርጽ ኪሕግዘና ኸሎ: ካብቲ ንዕኡ ዜጕህዮ ስራሕ ግን ንኽንርሕቕ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ። (ምሳሌ 2:6) ብዛዕባ ስራሕ ዚምልከት ውሳነ ኽንገብር ከለና: ክልተ ኽንሓስበለን ዚግብኣ ሕቶታት ኣለዋ።

15 እዚ ስራሕ እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተዀነነ ተግባር ዜጠቓልል ድዩ፧ ቃል ኣምላኽ ንስርቂ: ንሓሶት: ከምኡውን ንምስራሕ ጣኦታት ብንጹር ኰኒንዎ ኣሎ። (ዘጸኣት 20:4፣ ግብሪ ሃዋርያት 15:29፣ ኤፌሶን 4:28፣ ራእይ 21:8) ነዚ ነገራት እዚ ኽንገብር ዚሓተና ዝዀነ ይኹን ስራሕ ኣይንቕበልን ኢና። ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ: ትእዛዛት ኣምላኽ ኣብ ዚጥሕስ ተግባራት ኪጸምደና ንዚኽእል ስራሕ ክንቅበል ኣይትፈቕደልናን እያ።—1 ዮሃንስ 5:3

 16 ነዚ ስራሕ እዚ ምስራሕና: ብንጹር ተሓባባሪ ወይ ኣተባባዒ ሕማቕ ተግባር ይገብረና ድዩ፧ ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። ተቐባል ጋሻ ዄንካ ምዕያይ ጌጋ ኣይኰነን። ሓደ ክርስትያን ኣብ ሓደ ጥንሲ ዚንጸለሉ ክሊኒክ ተቐባል ጋሻ ዀይኑ ኺዓዪ ኣጋጣሚ እንተ ቐሪቡሉኸ፧ ልክዕ እዩ: እቲ ስራሑ ምስ መስርሕ ምንጻል ጥንሲ ብቐጥታ ዚተሓሓዝ ስራሕ ኪሰርሕ ኣይሓቶን እዩ። ይኹን እምበር: ኣብኡ ኣዘውቲሩ ምዕያዩ ነቲ ጥንሲ ኺንጽል ኢሉ ዝቘመ ክሊኒክ ዚድግፍዶ ኸይኰነ፧  ጥንሲ ምንጻል ከኣ ምስ ቃል ኣምላኽ ዚጻረር እዩ። (ዘጸኣት 21:22-24) ንየሆዋ ስለ እነፍቅሮ: ምስ ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ተግባራት ብቐረባ ኽንሰርሕ ኣይንደልን ኢና።

17. (ሀ) ብዛዕባ ስራሕ ውሳነ ኽንገብር ከለና እንታይ ረቛሒታት እዩ ኣብ ግምት ኪኣቱ ዘለዎ፧ ( ኣብ ገጽ 177 እትርከብ ሳጹን ርአ።) (ለ) ሕልናና ንኣምላኽ ዜሐጕስ ውሳነታት ንኽንገብር ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧

17 ንስራሕ ዚምልከት መብዛሕትኡ ጕዳያት: መልሲ እተን ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 15ን 16ን ዘለዋ ሕቶታት ተጠንቂቕና ብምሕሳብ ፍታሕ ክንረኽበሉ ንኽእል ኢና። ብተወሳኺ: ብዛዕባ ስራሕ ውሳነ ኽንገብር ከለና ኽንሓስበሉ ዚግባእ ካልእ ረቛሒታት እውን ኣሎ። * እቲ እሙን ባርያ ንዅሉ እቲ ዚለዓል ኵነታት ዚምልከት ሕግታት ኬውጽኣልና ኽንጽበዮ ኣይንኽእልን ኢና። ኣብዚ ኸኣ እዩ ምስትውዓል  ዜድልየና። ኣብ ምዕራፍ 2 ኸም እተመሃርናዮ: ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ብኸመይ ከም እንዓየሉ ብምጽናዕ: ንሕልናና ኽንምህሮን ከነሰልጥኖን ኣሎና። በዚ ኸምዚ ‘ልቦናና ብምልማድ’ ወይ “ብተመክሮ” ምስ ዚስልጥን: ሕልናና ንኣምላኽ ዜሐጕስ ውሳነታት ንኽንገብር ኪሕግዘና ይኽእል: ኣብ ፍቕሩ ንኽንጸንዕ ድማ የኽእለና።—እብራውያን 5:14ትርጕም 1990

ብዛዕባ ስራሕ ሚዛናዊ ኣረኣእያ ሒዝካ ምምልላስ

18. መንፈሳዊ ሚዛንና ሓሊና ምምልላስ ቀሊል ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

18 ኣብዘን “ክፉእ ዘመን” እተባህላ “ዳሕሮት መዓልትታት” መንፈሳዊ ሚዛንና ሓሊና ምምልላስ ቀሊል ኣይኰነን። (2 ጢሞቴዎስ 3:1) ስራሕ ምርካብን ስራሕ ሒዝካ ምቕጻልን ብሓቂ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ንስድራ ቤትና ዜድሊ ንምምላእ ብትግሃት ክንሰርሕ ከም ዜድልየና ንፈልጥ ኢና። እንተ ዘይተጠንቂቕና ግን: ኣብ ስራሕ ዜጋጥመና ጸቕጢ ወይ ኣብዛ ዓለም ዚላባዕ ዘሎ ፍቕረ-ንዋያዊ ኣተሓሳስባ ንመንፈሳዊ ንጥፈታትና ዕንቅፋት ኪዀኖ ይኽእል እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 6:9, 10) ነቲ “ዚሐይሽ” እናመርመርና: ብኸመይ ሚዛንና ኽንሕሉ ኸም እንኽእል እስከ ንርአ።—ፊልጲ 1:10

19. ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ኽንእመን ዚግባእ ስለምንታይ ኢና፧ ከምዚ ዝኣመሰለ ምትእምማንከ ኻብ ምንታይ ንኽንርሕቕ ይሕግዘና፧

19 ምሉእ ብምሉእ ብየሆዋ ተኣመን። (ምሳሌ 3:5, 6) የሆዋስ ክንእመኖ ዚግባእዶ ኸይኰነ፧ ከመይሲ: ንሱ ይሓልየልና እዩ። (1 ጴጥሮስ 5:7) ካብቲ ንሕና ብዛዕባ ርእስና እንፈልጦ ንላዕሊ: ንሱ ዜድልየና ይፈልጥ እዩ: ኢዱ እውን ሓጻር ኣይኰነትን። (መዝሙር 37:25) ስለዚ: ነቲ ቓሉ ኸምዚ ዚስዕብ ብምባል ዚህበና መዘኻኸሪ ኽንሰምዖ ኣሎና:- “ንሱ ባዕሉ፤ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይክብለካን እየ: ኢሉ እዩ እሞ: ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን: በቲ ዘሎኩም ዕገቡ።” (እብራውያን 13:5) ብዙሓት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልቲ ነቲ ኣምላኽ ንህይወት ዜድሊ መሰረታዊ ነገራት ኣብ ምምላእ  ዘለዎ ኽእለት ይምስክሩሉ እዮም። የሆዋ ኸም ዚሓልየልና ምሉእ ብምሉእ ንተኣማመን እንተ ዄንና: ንስድራ ቤትና ዜድሊ ንምምላእ ኢልና እምብዛ ኣይንጭነቕን ኢና። (ማቴዎስ 6:25-32) ዓለማዊ ስራሕ ንኸም ስብከት ብስራትን ኣብ ኣኼባታት ምእካብን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ንጥፈታትና ዕሽሽ ከም እንብሎ ኺገብረና ኣይንፈቕደሉን ኢና።—ማቴዎስ 24:14፣ እብራውያን 10:24, 25

20. ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ከምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ሒዝካ ኽትቅጽል እትኽእልከ ብኸመይ ኢኻ፧

 20 ዓይንኻ ጥዕይቲ ግበራ። (ማቴዎስ 6:22, 23) ጥዕይቲ ዓይኒ ምህላው ኪበሃል ከሎ: ህይወትና ዘይተሓላለኸ ንገብሮ ማለት እዩ። ክርስትያን ዘላቶ ጥዕይቲ ዓይኒ ኣብ ሓደ ዕላማ ጥራይ እያ እተተኵር: እዚ ድማ ፍቓድ ኣምላኽ ምግባር እዩ። ዓይንና ኣብ ግቡእ ነገር ዘተኰረት እንተ ዀይና: ደድሕሪ ብዙሕ ዚኽፈሎ ስራሕን ልዑል ኣነባብራን ኣይንጐይን ኢና። ኣብቲ መዋዓዋዕቲ ሕጉሳት ንኽንከውን ከም ዜድልየና ገይሮም ዚዛረቡሉ መወዳእታ ዘይብሉ ሓድሽ ንብረት ንምጥራይ ዚግበር ጕያ ኣይንወሓጥን ኢና። ብኸመይ ኢኻ ጥዕይቲ ዓይኒ ሒዝካ ኽትቅጽል እትኽእል፧ ዘየድሊ ዕዳ ኣይትሰከም። ብዙሕ ግዜን ቈላሕታን ብዜድልዮ ጥሪት ንህይወትካ ኣይትምልኣዮ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብ“ቐለብናን ክዳንናን” ክንዓግብ ዝሃበና ምኽሪ ስዓቦ። (1 ጢሞቴዎስ 6:8) ብእተኻእለ መጠን ንህይወትካ ዝቐለለ ንምግባር ጽዓር።

21. ቀዳምነት እንህቦ ነገራት ክንሰርዕ ዜድሊ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ ህይወትናኸ እንታይ ነገር እዩ ቐዳማይ ቦታ ኺወሃቦ ዚግባእ፧

21 ቀዳምነት እትህቦ መንፈሳዊ ነገራት ስራዕ: ነዚ ድማ ጠቢቕካ ስዓቦ። ኣብ ህይወትና ኽንገብሮ እንኽእል ነገራት ደረት ስለ ዘለዎ: ቀዳምነት ኪወሃቦ ዚግባእ ነገራት ክንሰርዕ ኣሎና። እንተ ዘይኰይኑ: ብዙሕ ኣገዳሲ ዘይኰነ ነገራት ነቲ ዝያዳ ኣገዳሲ ነገራት ደፊኡ ብምውጻእ ግዜኻ ኺወስደልካ ይኽእል እዩ። ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ኺወሃቦ ዘለዎ እንታይ እዩ፧ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ኣብዚ ስርዓት እዚ ብዙሕ ዚኽፈሎ ስራሕ ምእንቲ ኺረኽቡ ኢሎም: ዝለዓለ ትምህርቲ ምስዓብ ቀዳማይ ቦታ ይህብዎ። የሱስ ግን ንሰዓብቱ: “ቅድም መንግስቲ ኣምላኽ . . . ድለዩ” ኢሉ ተማሕጸኖም። (ማቴዎስ 6:33) እወ: ናይ ሓቂ ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ንህባ ኢና። እንገብሮ ምርጫታት: እነውጽኦ ሸቶታት: እንስዕቦ ንጥፈታት: ኰታስ ኣነባብራና ብሓፈሻ: ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ፍቓድ ኣምላኽን ካብ ስጋዊ  ሓልዮን ዓለማዊ ንጥፈታትን ንላዕሊ ንዓና ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ኼርኢ ኣለዎ።

ኣብ ኣገልግሎት ብትግሃት ምዕያይ

ንዕዮ ስብከት ኣብ ህይወትና ቐዳማይ ቦታ ብምሃብ፡ ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ ንኽእል

22, 23. (ሀ) ቀንዲ ዕዮ ናይ ሓቂ ክርስትያናት እንታይ እዩ፧ እዚ ዕዮ እዚ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑኸ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ ( ኣብ ገጽ 180 እትርከብ ሳጹን ርአ።) (ለ) ንዓለማዊ ስራሕ ብዚምልከት እንታይ ቈራጽነት ኢኻ ጌርካ ዘለኻ፧

22 ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ዚጽንቀቐሉ ዘሎ እዋን ንነብር ከም ዘለና ስለ እንፈልጥ: ኣብቲ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኪዓይዎ ዚግባእ ቀንዲ ዕዮ ኢና እነተኵር፣ እዚ ኸኣ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ምግባርን እዩ። (ማቴዎስ 24:14፣ 28:19, 20) ከምቲ ኣርኣያና ዝዀነ የሱስ: በቲ ህይወት ዜድሕን ዕዮ ትሑዛት ክንከውን ኢና እንደሊ። እዚ ዕዮ እዚ ንዓና ኣገዳሲ ምዃኑ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧ መብዛሕትኦም ህዝቢ ኣምላኽ ኣስፋሕቲ ጉባኤ ብምዃን ብምሉእ ልቦም ነቲ ዕዮ ስብከት ይዓዩ ኣለዉ። ገሊኦም ኵነታቶም ብምትዕርራይ ፈለምቲ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም የገልግሉ ኣለዉ። ብዙሓት ወለዲ ኣገዳስነት መንፈሳዊ ሸቶታት ስለ ዚፈልጡ: ንደቆም ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ኪስዕቡ የተባብዕዎም እዮም። ቀናኣት ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ኣብ ኣገልግሎት ዚገብርዎ ጻዕሮም ጽቡቕ ይርእዩ ድዮም፧ ብርግጽ ይርእዩ እዮም! ንየሆዋ ብምሉእ ነፍስኻ ምግልጋል: ሓጐስን ዕግበትን ማእለያ ዘይብሉ በረኸትን ዚርከበሉ እተረጋገጸ መገዲ ህይወት እዩ።—ምሳሌ 10:22

23 መብዛሕትና ንስድራ ቤትና ብስጋ ዜድልዮም ንምምላእ ኣብ ዓለማዊ ስራሕ ነዊሕ ሰዓታት ነሕልፍ ኢና። የሆዋ ብጻዕርና ጽቡቕ ክንርኢ ኸም ዚደልየና ኣይንረስዕ። ኣረኣእያናን ተግባራትናን ምስ ኣረኣእያን ስርዓታትን የሆዋ ብምስምማዕ: ካብ ስራሕና ዕግበት ክንረክብ ንኽእል ኢና። ዓለማዊ ስራሕና ኻብቲ ቐንዲ ዕዮና: ማለት ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ካብ ምእዋጅ: ናብ ካልእ ከም እነስግል ኪገብረና ኸይነፍቅድ ቈራጽነት ንግበር። ነዚ ዕዮ እዚ ኣብ ህይወትና ቐዳምነት ብምሃብ: ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ኸነርኢ: ኣብ ፍቕሩ ድማ ክንጸንዕ ንኽእል።

^ ሕ.ጽ. 6 እታ “ጸራቢ” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: “ቤት ኰነ ኣቕሑ ቤት ኰነ ኻልእ ዝዀነ ይኹን ብዕንጨይቲ ዚስራሕ ኣቕሑ ንዚሰርሕ ሰራሕተኛ እተገልግል ሓፈሻዊ ስያመ” ኸም ዝዀነት ተገሊጹ ኣሎ።

^ ሕ.ጽ. 17 ብዛዕባ ስራሕ ዝያዳ ዝርዝር ሓበሬታ እንተ ደሊኻ: ግምቢ ዘብዐኛ ናይ 15 ሚያዝያ 1999 ኣብ ገጽ 28-30: ከምኡውን ናይ 15 ሓምለ 1982 (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 26 ርአ።

ዝያዳ ፍለጥ

ንቕሑ!

ናይ ሓቂ ዓወት ብኸመይ ከም ዚርከብ

ናብ ናይ ሓቂ ዓወት ኪመርሓካ ዚኽእል ሓሙሽተ ግብራዊ ነጥብታት።