ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 2

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧

ከመይ ጌርካ ኢኻ ሰናይ ሕልና ኽትዕቅብ እትኽእል፧

“ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም።”—1 ጴጥሮስ 3:16

1, 2. ኮምፓስ ኣዝያ ኣገዳሲት መሳርሒት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ ምስ ሕልናኸ ብኸመይ ክትመሳሰል ትኽእል፧

ሓደ ባሕረኛ ንመርከቡ ኣብ መንጎ ማዕበላት ሰፊሕ ውቅያኖስ ይመርሓ፣ ሓደ ብእግሩ ዚጐዓዝ ሰብ ኣብ ጽምዊ በረኻ ይጐዓዝ፣ ሓደ ፓይለት ከኣ ነፋሪቱ ኣብ ልዕሊ ደበና ዝመልኦ ሰማይ ክትበርር ከላ ይመርሓ። እዞም ውልቀ-ሰባት እዚኣቶም እንታይ ሓባራዊ ነገር ከም ዘለዎም ትፈልጥዶ፧ ነፍሲ ወከፎም ኮምፓስ እንተ ዘይተማሊኦም—ብፍላይ ከኣ ካልእ ዘመናዊ ተክኖሎጂ እንተ ዘይብሎም—ኣብ ከቢድ ሽግር እዮም ዚኣትዉ።

2 ኮምፓስ ቀላል መሳርሒት ክትከውን ከላ: መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ሰሜን እትሕብር ማግነታዊ መርፍእ ዝሓዘት ሰዓት እትመስል ነገር እያ። ብግቡእ ክትዓዪ ኸላ: ብሕልፊ ኸኣ ምስ ቅኑዕ ካርታ ኣሰኒኻ ኽትጥቀመላ ኸለኻ: ካብ ሓደጋ ተድሕን። ብእተወሰነ መዳያት ምስቲ የሆዋ  ዝሃበና ሕልና ዚበሃል ክቡር ውህበት ክትመሳሰል ትኽእል እያ። (ያእቆብ 1:17) ሕልና እንተ ዘይህልወና: ዚመርሓና ነገር ምሰኣንና። ሕልናና ብግቡእ ምስ እንጥቀመሉ ግን: ነታ ቕንዕቲ መገዲ ህይወት ክንረኽባን ካብኣ ኸይንወጽእን ይሕግዘና። ስለዚ: ሕልና እንታይ ምዃኑን ብኸመይ ከም ዚዓዪን እስከ ንመርምር። ድሕሪኡ: ነዚ ዚስዕብ ነጥብታት ክንርኢ ንኽእል ኢና:- (1) ሕልና ብኸመይ ኪስልጥን ከም ዚኽእል: (2) ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ዘሎና ስለምንታይ ምዃኑ: (3) ሰናይ ሕልና ብኸመይ በረኸት ከም ዜምጽእ።

እንታይነት ሕልናን ብኸመይ ከም ዚዓዪን

3. እታ “ሕልና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧ ሰባት እንታይ ፍሉይ ኣኽእሎ ኸም ዘለዎምከ እያ እትገልጽ፧

3 ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እታ “ሕልና” ተባሂላ ተተርጒማ ዘላ ናይ ግሪኽ ቃል: ቃል ብቓሉ “መፋልጥቲ: ወይ ብርእስኻ ዚፍለጠካ” ማለት እያ። ንሕና ኻብቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ኻልኦት ፍጡራት ብእተፈልየ መልክዕ: ኣምላኽ ዝሃበና ርእስና እንፈልጠሉ ኣኽእሎ ኣሎና። ብኻልእ ኣበሃህላ: ሓንሳእ ደው ኢልና ብዛዕባ ርእስና ብምሕሳብ ስነ-ምግባራዊ ውሳነታት ክንገብር ንኽእል ኢና። ሕልናና ኸም ውሽጣዊ ዚምስክረልና ነገር ወይ ዳኛ ብምዃን ንተግባራትናን ኣረኣእያታትናን ምርጫታትናን ኪምርምሮ ይኽእል እዩ። ናብ ጽቡቕ ውሳነ ይመርሓና ወይ ካብ ሕማቕ ውሳነ የጠንቅቐና ይኸውን። ድሕሪኡ: ጽቡቕ ምርጫ ብምግባርና የጸናንዓና ወይ ሕማቕ ምርጫ ብምግባርና የሳቕየና ይኸውን።

4, 5. (ሀ) ኣዳምን ሄዋንን ነፍሲ ወከፎም ሕልና ኸም ዝነበሮም ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧ ሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ ምባሎምከ እንታይ ኣስዓበሎም፧ (ለ) ቅድሚ ክርስትና ዝነበሩ እሙናት ሰባት: ሕልናኦም ይዓዪ ምንባሩ ዜርኢ እንታይ ኣብነታት ኣሎ፧

4 እዚ ኣእምሮኣዊ ኽእለት ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ንሰብኣይን ሰበይትን ተዋሂቡ እዩ። ኣዳምን ሄዋንን ሕልና ኸም ዝነበሮም ኣርእዮም እዮም። ሓጢኣት ምስ ገበሩ ምሕፋሮም: ነዚ ዜርኢ መርትዖ እዩ። (ዘፍጥረት 3:7, 8) እቲ ዜሕዝን ግን: ኣብቲ ግዜ እቲ ሕልናኦም ምርባሹ ዜምጽኦ ጥቕሚ ኣይነበረን። ደይ መደይ ኢሎም ሕጊ ኣምላኽ ዕሽሽ ኢሎም ነይሮም። በዚ ኸምዚ ዓለወኛታትን ንየሆዋ ኣምላኽ  ዚጻረሩን ኪዀኑ ብፍላጥ ምርጫ ገበሩ። ፍጹማት ሰባት ስለ ዝነበሩ: እንታይ ይገብሩ ኸም ዝነበሩ ይፈልጡ ነበሩ: ናብ ኣምላኽ ድማ ኪምለሱ ኣይክእሉን ነበሩ።

5 ብዙሓት ዘይፍጹማት ሰባት: ከም ኣዳምን ሄዋንን ብዘይምዃኖም: ንሕልናኦም ሰሚዖምዎ እዮም። ንኣብነት: እቲ እሙን ሰብኣይ ዝነበረ እዮብ: “ንጽድቀይ ኣጽኒዔ እሕዞ: ከቶ ኣይሰዶን: ካብተን መዓልትታተይ ልበይ ስለ ሓንቲ እኳ ኣይነቕፈንን” ኪብል ከኣለ። * (እዮብ 27:6) እዮብ ንሕልናኡ ኣብ ተግባራቱን ውሳነታቱን ኪመርሖ ብምፍቃድ ተጠንቂቑ ይሰምዖ ነበረ። ስለዚ: ካብ ውሽጣዊ ዕግበት ተላዒሉ ሕልናኡ ኸም ዘይነቐፎ ወይ ብሕፍረትን ጣዕሳን ከም ዘየሳቐዮ ኺዛረብ ከኣለ። እዮብን ዳዊትን እተሰምዖም ስምዒት ክሳዕ ክንደይ ፍልልይ ከም ዘለዎ እውን ኣስተብህል። ዳዊት ነቲ የሆዋ ዝቐብኦ ንጉስ ሳኦል ኣኽብሮት ምስ ኣጕደለ: “ልቡ ወቕዖ።” (1 ሳሙኤል 24:6) ሕልናኡ ዘምጸኣሉ ስቓይ: ካብኡ ንደሓር ከምኡ ዝኣመሰለ ኣኽብሮት ዜጕድል ነገር ንኸይፍጽም ብምምሃር ብርግጽ ጠቒምዎ ኪኸውን ኣለዎ።

6. ሕልና ንዅሎም ሰባት እተዋህበ ውህበት ምዃኑ ዚሕብር እንታይ እዩ፧

6 ሕልና ንኣገልገልቲ የሆዋ ጥራይ ድዩ ተዋሂብዎም፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ዝጸሓፎ እስከ ንርአ:- “እቶም ሕጊ ዜብሎም ኣህዛብ: ሕሊናኦም እናመስከረሎም ሓሳቦምውን ንሓድሕዱ እናተኻሰሰ ወይስ እናተኻላኸለ: እቲ ግብሪ ሕጊ ኣብ ልቦም ጽሑፍ ምዃኑ የርእዩ አለዉ እሞ: ነቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ብባህርዮም ተደሪኾም ካብ ዚገብርዎስ: ንሳቶም ሕጊ እንተ ዜብሎም እኳ: ንርእሶም ሕጊ እዮም።” (ሮሜ 2:14, 15) እቶም ንሕግታት የሆዋ ፈጺሞም ዘይፈልጡ ሰባት እውን እንተ ዀኑ: በቲ ውሽጦም ዚምስክረሎም ነገር ተደሪኾም ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ተሰማሚዖም ስጕምቲ ኺወስዱ ይኽእሉ እዮም።

7. ሓድሓደ ግዜ ሕልና ጌጋ ኪኸውን ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧

 7 ይኹን እምበር: ሓድሓደ ግዜ ሕልና ጌጋ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ስለምንታይ፧ ሓንቲ ኮምፓስ ጥቓ ብረት እንተ ተቐሚጣ: ናብ ሰሜን ዘይኰነስ ናብ ካልእ ኣንፈት ንኸተመልክት ትጽሎ ትኸውን። ቅኑዕ ካርታ እንተ ዘይብልካ ድማ: እታ ኮምፓስ ዳርጋ ረብሓ ኣይህልዋን። ብተመሳሳሊ: ሕልናና ብስሱዕ ባህጊ ልብና እንተ ተጸልዩ: ናብ ግጉይ ኣንፈት ኪሕብረና ይኽእል እዩ። ብዘይ እቲ ዜተኣማምን መምርሒ ዝዀነ ቓል ኣምላኽ እንተ ተጠቒምናሉ ኸኣ: ኣብ ሓያሎ ኣገዳሲ መዳያት ቅኑዕን ጌጋን ክንፈሊ ኣይንኽእልን ኢና። ሕልናና ብግቡእ ንኺዓዪ እምበኣር: ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ዚህበና መምርሒ የድልየና። ጳውሎስ: “ሕሊናይ ብመንፈስ ቅዱስ ይምስክረለይ አሎ” ኢሉ ጸሓፈ። (ሮሜ 9:1, 2) እንተዀነ ግን: ሕልናና ምስ ናይ የሆዋ መንፈስ ቅዱስ ከም ዚሰማማዕ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ ነዚ ብስልጠና ኢና ኽንበጽሖ እንኽእል።

ሕልና ብኸመይ ከም ዚስልጥን

8. (ሀ) ልቢ ንሕልና ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧ ኣብ ውሳነታትናኸ እንታይ እዩ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ኪኸውን ዘለዎ፧ (ለ) ሓደ ክርስትያን ንጹህ ሕልና ምሓዙ ጥራይ ወትሩ እኹል ማለት ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧ (እግረ-ጽሑፍ ርአ።)

8 ኣብ ሕልና እተመርኰሰ ውሳነ ብኸመይ ክንገብር ንኽእል፧ ገሊኦም ውሽጦምን ስምዒቶምን መርሚሮም እንታይ ከም ዚገብሩ ዚውስኑ እዮም ዚመስሉ። “ንሕልናይ ኣይርብሾን እዩ” ይብሉ ይዀኑ። ባህጊ ልቢ ኣዝዩ ሓያል ካብ ምዃኑ እተላዕለ: ንሕልና ኺጸልዎ ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ: “ልቢ ኻብ ኵሉ ጐራሕን ኣዝዩ ሕሱምን እዩ: መንከ የስተውዕሎ፧” ይብል። (ኤርምያስ 17:9) ስለዚ: እቲ ልብና ዚብህጎ ነገር: ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ረቛሒ ኪኸውን ኣይግባእን። ኣብ ክንዳኡስ: ፈለማ ንየሆዋ ኣምላኽ ዜሐጕሶ እንታይ ምዃኑ ኣብ ግምት ከነእቱ ኢና እንደሊ። *

9. ፍርሃት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ እዚኸ ንሕልናና ብኸመይ ኪጸልዎ ይኽእል፧

 9 ውሳነና ብሓቂ ኣብ ዝሰልጠነ ሕልናና እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ: ንኣምላኽ ዘሎና ፍርሃት ደኣ እምበር ንብሕታዊ ባህግና ኣየንጸባርቕን እዩ። ሓደ ኣብነት እስከ ንርአ። እቲ እሙን ምስለኔ ዝነበረ ነህምያ ኻብቶም ኣብ የሩሳሌም ዝነበሩ ሰባት ክፍሊትን ግብርን ኪቕበል መሰል ነበሮ። ኰይኑ ግን: ከምኡ ኣይገበረን። ስለምንታይ፧ ንህዝቢ ኣምላኽ ብምጭቋን ንየሆዋ ኼጕህዮ ኣይደለየን። “ንእግዚኣብሄር ስለ ዝፈራህኩ: ከምኡ ኣይገበርኩን” በለ። (ነህምያ 5:15) ናይ ሓቂ ፍርሃት ኣምላኽ: ማለት ንሰማያዊ ኣቦና ንኸይነጕህዮ ብምሉእ ልብና ምፍራህ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ውሳነታት ክንገብር ከለና: ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኽብሮታዊ ፍርሃት ካብ ቃል ኣምላኽ መምርሒ ንኸነናዲ ይድርኸና።

10, 11. ኣልኮላዊ መስተ ብዛዕባ ምስታይ ዚምልከት እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎኸ መሪሕነት ኣምላኽ ብኸመይ ክንረክብ ንኽእል፧

10 ንኣብነት: ብዛዕባ ኣልኮላዊ መስተ ዚምልከት ጕዳይ እስከ ንርአ። መብዛሕትና ኣብ ማሕበራዊ ምትእኽኻብ ‘ክሰትዶ ኽሓድጎ፧’ ዚብል ውሳነ ዜድልዮ ሕቶ የጋጥመና እዩ። ፈለማ: ብዛዕባ እዚ ጕዳይ እዚ ፍልጠት ኪህልወና ኣለዎ። ነዚ ጕዳይ እዚ ዚምልከት እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ መጽሓፍ ቅዱስ: ኣልኮላዊ መስተ ብመጠኑ ምስታይ ኣይዅንንን እዩ። እኳ ደኣስ ወይኒ ስለ ዝሃበና ንየሆዋ ይውድሶ እዩ። (መዝሙር 104:14, 15) ይኹን እምበር: መጽሓፍ ቅዱስ ንስኽራን ኰነ ንጓይላ ወይ ቀይዲ ንዘይብሉ ድግስ ይዅንን እዩ። (ሉቃስ 21:34፣ ሮሜ 13:13) ብዘይካዚ ንስኽራን ምስ ከም ምንዝርን ዝሙትን ዝኣመሰለ ኻልእ ከቢድ ሓጢኣት ይዝርዝሮ። *1 ቈረንቶስ 6:9, 10

11 ሕልና ሓደ ክርስትያን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ስርዓታት ይመሃርን ይስልጥንን እዩ። ስለዚ: ኣብ ምትእኽኻብ ንመስተ ዚምልከት ጕዳይ ኪለዓል ከሎ: ከምዚ ዚስዕብ ዝኣመሰለ ሕቶታት ንርእስና ንሕተት:-  ‘እቲ ምትእኽኻብ እንታይ ዓይነት እዩ፧ ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ብምዃን ቀይዲ ዘይብሉ ድግስ ይኸውን ድዩ፧ እንታይ ድኽመታት እዩ ዘሎኒ፧ ኣልኮላዊ መስተ እብህግ: ብዘይ ብእኡ ዘይኰነለይ: ወይ ጠባየይ ንምቍጽጻር እጥቀመሉ ድየ፧ ነቲ ዝሰትዮ ደረት ንኽገብረሉ ርእሰይ ክቈጻጸር እኽእል ድየ፧’ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ነቲ ኻብኡ ዚብገስ ሕቶታትን ክንሓስበሉ ኸለና: መሪሕነት የሆዋ ንምርካብ ክንጽሊ ኣሎና። (መዝሙር 139:23, 24) በዚ ኸምዚ: የሆዋ ብመንፈስ ቅዱሱ ገይሩ ኺመርሓና ንዕድሞ። ንሕልናና እውን ምስ ስርዓታት ኣምላኽ ንኺሰማማዕ ነሰልጥኖ። ይኹን እምበር: ኣብ ውሳነታትና ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ዚግባእ ካልእ ረቛሒ ኣሎ።

ንሕልና ኻልኦት ኣብ ግምት ከነእቱ ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧

ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልና: ኣልኮላዊ መስተ ንኽትሰቲ ወይ ንኸይትሰቲ ኣብ እትገብሮ ውሳነ ኺሕግዘካ ይኽእል

12, 13. ሕልና ክርስትያናት ኪፈላለ ዚኽእለሉ ገለ ምኽንያታት እንታይ እዩ፧ ነዚ ፍልልያት እዚኸ ብኸመይ ኢና ኽንሕዞ ዚግባእ፧

12 ሓድሓደ ግዜ ሕልና ክርስትያናት ክሳዕ ክንደይ ኪፈላለ ኸም ዚኽእል ይገርመካ ይኸውን። ሓደ ሰብ ንሓደ ተግባር ወይ ልምዲ ኺቃወሞ ኸሎ: ካልእ ሰብ ግን ይፈትዎ: ዋላ ሓንቲ ጌጋ ዘይብሉ ገይሩ ድማ ይርእዮ። ንኣብነት: ምስ ኣልኮላዊ መስተ ኣብ ዚተሓሓዝ ጕዳያት: ሓደ ሰብ ምሸት ምስ ገለ ኣዕሩኹ እናተዘናግዐ መስተ ምስታይ ባህ ይብሎ ይኸውን: ካልእ ሰብ ግን በዚ ተግባር እዚ ይርበሽ። ከምዚ ዝኣመሰለ ፍልልያት ኪህሉ ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ፧ እዚኸ ንውሳነታትና ብኸመይ ኪጸልዎ ኣለዎ፧

13 ሰባት ብብዙሕ ምኽንያታት ኪፈላለዩ ይኽእሉ እዮም። ኣተዓባብያኦም ኣመና እተፈላለየ እዩ። ንኣብነት: ገሊኦም ኣብ ዝሓለፈ ይቃለስዎ ዝነበሩ: ምናልባት እውን ወትሩ ዘይዕወቱሉ ድኽመት ከም ዘለዎም ኣጸቢቖም ይፈልጡ ይዀኑ። (1 ነገስት 8:38, 39) ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ንኣልኮላዊ መስተ ብዚምልከት ተኣፈፍቲ ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ኪበጽሓካ እንተ መጺኡ: ነቲ እተቕርበሉ መስተ ንኺኣቢ ሕልናኡ ኺድርኾ ይኽእል እዩ። በዚ ኽትቅየም ግቡእ  ድዩ፧ ግዲ ኽትብሎ ቕኑዕ ድዩ፧ ኣይፋልን። ከምኡ ዝበለሉ ምኽንያታት ፍለጦ ኣይትፍለጦ ብዘየገድስ—ምናልባት እውን ነቲ ምኽንያታቱ ኣብቲ ዅነታት ኪገልጸልካ ኣይደልን ይኸውን—ሕውነታዊት ፍቕሪ ግን ሓላዪ ንኽትከውን እያ እትድርኸካ።

14, 15. ሕልና እቶም ኣብታ ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበረት ጉባኤ ዝነበሩ ክርስትያናት ኣብ ምንታይ ጕዳይ ይፈላለ ነበረ፧ ጳውሎስከ እንታይ ኪገብሩ እዩ እተማሕጸኖም፧

14 ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት እተፈላለየ ሕልና ኸም ዘሎ ተዓዘበ። ኣብቲ ግዜ እቲ ገሊኦም ክርስትያናት እቲ ንጣኦታት እተሰውአ ምግቢ ምብላዕ ይርብሾም ነበረ። (1 ቈረንቶስ 10:25) ሕልና ጳውሎስ ግን ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዚሽየጥ ከምዚ ዝኣመሰለ ምግቢ ምብላዕ ኣይቃወሞን ነበረ። ንዕኡ ጣኦታት ዋላ ሓንቲ ኣይኰኑን፣ ጣኦታት ነቲ የሆዋ ዝምንጩን ዝወናኒኡን ምግቢ ኺውንንዎ ኣይክእሉን እዮም። ኰይኑ ግን: ካልኦት ነዚ ኣረኣእያ እዚ ኸም ዘይቅበልዎ ጳውሎስ ተረድአ። ገሊኦም ናብ ክርስትና ቕድሚ ምምጻኦም: ኣብ ኣምልኾ ጣኦት ይሳተፉ ነይሮም ይዀኑ። ዝዀነ ይኹን ምስ ኣምልኾ ጣኦት ዚተሓሓዝ ነገር ከኣ ጽዩፍ ገይሮም ይርእይዎ ይዀኑ። እንታይ ደኣ እሞ ይገበር፧

15 ጳውሎስ: “ንሕና ብርቱዓት ዝዀንና: ድኻም እቶም ድኹማት ክንጸውር: ንርእስናውን ባህ ከይነብል: ይግብኣና እዩ። . . . ክርስቶስ ድማ ንርእሱ ባህ ዜብሎ ኣይደለየን” በለ። (ሮሜ 15:1, 3) ከምቲ ክርስቶስ ዝገበሮ: ጥቕሚ ኣሕዋትና ኻብ ጥቕምና ኸነቐድም ከም ዘሎና ተዛረበ። ምስዚ ኣብ ዚተኣሳሰር ጕዳይ: ጳውሎስ ንሓደ ክርስቶስ ህይወቱ ዝኸፈለሉ በጊዕ ካብ ዚዕንቅፍ: ንሓዋሩ ስጋ እንተ ዘይበልዕ ከም ዚመርጽ ገሊጹ ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 8:13፣ 10:23, 24, 31-33

16. እቶም ሕልናኦም ሓደ ነገር ከይገብሩ ዚቕይዶም ሰባት ነቶም እተፈለየ ሕልና ዘለዎም ኪፈርዱ ዘይብሎም ስለምንታይ እዮም፧

16 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን እቶም ሕልናኦም ሓደ ነገር ከይገብሩ ዚቕይዶም ሰባት ንኻልኦት ከምቲ ናታቶም ዓይነት ኣረኣእያ ዘይብልኩም  ኢሎም ኪነቕፍዎም የብሎምን። (ሮሜ 14:10) ሕልና ንርእስና ንምፍራድ ደኣ እምበር: ንኻልኦት ንምፍራድ ኣይኰነን ኬገልግል ዘለዎ። የሱስ: “ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ” ኸም ዘበለ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 7:1) ኵሎም ኣባላት ጉባኤ ንብሕታዊ ሕልና ኣብ ዚምልከት ጕዳያት ኪከራኸሩ ኣይደልዩን እዮም። ኣብ ክንዳኡስ: ንሓድሕድና ብምፍርራስ ዘይኰነስ ብምትህንናጽ: ፍቕርን ሓድነትን እነስፍነሉ መገድታት ነናዲ።—ሮሜ 14:19

ሰናይ ሕልና ብኸመይ በረኸት ከም ዜምጽእ

ሰናይ ሕልና ኣብ ጕዕዞ ህይወትና ሓጐስን ውሽጣዊ ሰላምን ብምምጻእ ኪመርሓና ይኽእል

17. ሎሚ ሕልና ብዙሓት ሰባት እንታይ ኰይኑ ኣሎ፧

17 ሃዋርያ ጳውሎስ: “ሰናይ ሕሊና ይሀሉኹም” በለ። (1 ጴጥሮስ 3:16) ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኣምላኽ ንጹህ ሕልና ምህላው ዓብዪ በረኸት እዩ። እዚ ኻብ ሕልና መብዛሕትኦም ሎሚ ዘለዉ ሰባት እተፈለየ እዩ።  ጳውሎስ ብዛዕባ “እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዐለመ” ሰባት ገሊጹ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:2) መዓለም ንስጋ ብምትኳስ ስምዒት ኣልቦ በሰላ ይገብሮ። ብዙሓት ሰባት ምዉት ሕልና እዩ ዘለዎም፣ ከመይሲ: ኣመና ዝደንዘዘ በሰላ ኻብ ምዃኑ እተላዕለ ጌጋ ኺግበር ከሎ መጠንቀቕታታት: ተቓውሞታት: ናይ ሕፍረት ወይ ጣዕሳ ስምዒት ኣይህብን እዩ። ሎሚ ብዙሓት ሰባት ንኸምዚ ዝኣመሰለ ናይ ጣዕሳ ስምዒት “እንቋዕ ኣልገሰ” ዚብሉ እዮም ዚመስሉ።

18, 19. (ሀ) ናይ ጣዕሳ ወይ ናይ ሕፍረት ስምዒት እንታይ ጥቕሚ ኺህልዎ ይኽእል፧ (ለ) ሕልናና በቲ ኣብ ሕሉፍ እዋን ዝፈጸምናዮ እተነሳሕናሉ ሓጢኣትና ብቐጻሊ ዚቐጽዓና እንተ ዀይኑ: እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

18 ከም ሓቂ: ናይ ጣዕሳ ስምዒት: ጌጋ ኸም ዝገበርና ሕልናና ዚነግረና መገዲ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ስምዒት ንሓደ ሓጥእ ኪንሳሕ ኪድርኾ ኸሎ: እቲ ዝኸፍአ ሓጢኣት እውን ይቕረ ኺበሃለሉ  ይከኣል እዩ። ንኣብነት: ንጉስ ዳዊት ከቢድ ኣበሳ ፈጸመ: ካብ ልቡ ስለ እተነስሐ ግን በደሉ ተሓድገሉ። ነቲ ግጉይ መገዱ ምጽላኡን ካብቲ ግዜ እቲ ንደሓር ሕግታት የሆዋ ኺሕሉ ምቝራጹን: የሆዋ “ሕያዋይን ንይቕሬታ ድልውን” ምዃኑ ብተመክሮ ንኺርእዮ ኣኽኣሎ። (መዝሙር 51:1-19፣ 86:5) ድሕሪ ምንሳሕናን ይቕረ ምስ ተባህለልናን ሓያል ናይ ጣዕሳን ሕፍረትን ስምዒት እንተ ቐጺሉኸ፧

19 ሓድሓደ ግዜ ሕልና ሓደ ዝሓጥአ ሰብ: ድሕሪ እቲ ጠቓሚ ዕላማኡ ምብቃዑ ንነዊሕ እዋን ብምቕጻል: እምብዛ ቐጻዒ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጕዳያት: የሆዋ ኻብ ኵሉ ስምዒታት ወዲ ሰብ ከም ዚዓቢ ብምዝካር: ነቲ ዚዅንነና ልብና ኸነጸናንዖ ንኽእል። ከምቲ ንኻልኦት ሰባት ንፍቕርን ይቕረታን የሆዋ ኺኣምኑሉን ኪቕበልዎን እነተባብዖም: ንሕና እውን ከምኡ ኽንገብር ኣሎና። (1 ዮሃንስ 3:19, 20) በቲ ኻልእ ሸነኽ ድማ: ንጹህ ሕልና ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘይርከብ ውሽጣዊ ሰላምን ህድኣትን ዓሚቝ ሓጐስን የምጽእ። ብዙሓት ኣብ ሓደ እዋን ከቢድ ሓጢኣት ዝፈጸሙ ሰባት: ነዚ ዜደንቕ እፎይታ ረኺቦም: ሎሚ ድማ ንየሆዋ ኣምላኽ ብሰናይ ሕልና የገልግልዎ ኣለዉ።—1 ቈረንቶስ 6:11

20, 21. (ሀ) እዛ መጽሓፍ እዚኣ እንታይ ንኽትገብር ክትሕግዘካ እያ ተዳልያ፧ (ለ) ክርስትያናት ከም ምዃንና መጠን: እንታይ ሓርነት እዩ ዘሎና፧ ብኸመይ ግን ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

20 እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ብምሉኡ እዚ ተሪፉ ዘሎ ዳሕሮት መዓልትታት ስርዓት ሰይጣን: ሰናይ ሕልና ንኺህልወካ ኽትሕግዘካ እያ ተዳልያ። ልክዕ እዩ: ንዅሉ እቲ ኣብ መዓልታዊ ዚለዓል ክትሓስበሉን ክትዓየሉን ዚግባእ ሕግታትን ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱስ ክትሽፍን ኣይትኽእልን እያ። ብዘይካዚ: ንሕልና ኣብ ዚምልከት ጕዳያት: ቅኑዕ ወይ ጌጋ ዚብል ንጹርን ቀሊልን ሕግታት ኣይትጸበ። ዕላማ እዛ መጽሓፍ እዚኣ: ቃል ኣምላኽ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ብኸመይ ከም እተውዕሎ ብምጽናዕ: ንሕልናኻ ንምምሃርን ንምስልጣንን እዩ። “ሕጊ ክርስቶስ” ካብ ሕጊ ሙሴ እተፈልየ ዀይኑ: ንዚስዕብዎ ድማ ኣብ ክንዲ ኣብ  ጽሑፍ ብዝሰፈረ ሕግታት: ብሕልናን ብመሰረታዊ ስርዓትን ኪመላለሱ እዩ ዚዕድም። (ገላትያ 6:2) በዚ ኸምዚ የሆዋ ንክርስትያናት ፍሉይ ሓርነት ሂብዎም ኣሎ። ይኹን እምበር: ቃሉ ነቲ ሓርነት እቲ “መጐልበቢ ኽፍኣት” ከይንገብሮ የዘኻኽረና። (1 ጴጥሮስ 2:16) ኣብ ክንዳኡስ: ከምዚ ዝኣመሰለ ሓርነት ንየሆዋ ዘላትና ፍቕሪ ንኽንገልጽ ዜደንቕ ኣጋጣሚ እዩ ዚኸፍተልና።

21 ብስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ከመይ ጌርካ ብዝበለጸ ኸም እትመላለስ ብጸሎት ምስ እትሓስብን ነቲ ውሳነታትካ ኣብ ግብሪ ምስ እተውዕሎን: ንየሆዋ ፈለማ ምስ ፈለጥካዮ ዝጀመርካዮ ኣገዳሲ መስርሕ ኢኻ እትቕጽሎ። በዚ ኸምዚ “ልቦና”ኻ “ብምልማድ” ወይ “ብተመክሮ” (ትርጕም 1990) ኺላመድ እዩ። (እብራውያን 5:14) እቲ ብመጽሓፍ ቅዱስ ዝሰልጠነ ሕልናኻ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልታዊ ህይወትካ በረኸት ኬምጽኣልካ እዩ። ከምቲ ንሓደ ተጓዓዚ ኮምፓስ ዚመርሖ: ንዓኻ እውን ሕልናኻ ንሰማያዊ ኣቦኻ ዜሐጕስ ውሳነታት ንኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ። እዚ ንርእስኻ ብፍቕሪ ኣምላኽ እትሕልወሉ እተረጋገጸ መገዲ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 5 ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እብራይስጢ ነታ “ሕልና” እትብል እተመልክት ንጽርቲ ቓል የላን። ይኹን እምበር: ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብነታት ሕልና ይዓዪ ኸም ዘሎ ንጹር እዩ። እታ “ልቢ” እትብል ቃል ብሓፈሻኡ ንውሽጣዊ ሰብ እያ እተመልክት። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነታት ከኣ: ንሓደ ኽፋል ውሽጣዊ ሰብ: ማለት ንሕልና እተመልክት ክትከውን ኣለዋ። ኣብ ናይ ክርስትያን ቅዱሳት ጽሑፋት ግሪኽ: እታ “ሕሊና” ተባሂላ እተተርጐመት ናይ ግሪኽ ቃል 30 ሳዕ ኣቢላ ተጠቒሳ ኣላ።

^ ሕ.ጽ. 8 መጽሓፍ ቅዱስ ንጹህ ሕልና ምሓዝ ጥራይ ወትሩ እኹል ከም ዘይኰነ ይሕብር። ንኣብነት: ጳውሎስ: “ኣብ ርእሰይ ሓንቲ እኳ ኣይፈልጥን እየ: ዚፈርደኒ ግና ኣምላኽ እዩ እምበር: በዚ ኣይጸደቕኩን” በለ። (1 ቈረንቶስ 4:4) ከምቲ ሓደ እዋን ጳውሎስ ዝገበሮ ንክርስትያናት ዜሳጕጉ ዘበሉ እውን: ኣምላኽ ነቲ ተግባሮም ዚሰምሮ ዀይኑ ስለ ዚስምዖም ብንጹህ ሕልና ይገብርዎ ይዀኑ። ሕልናና ኣብ ቅድሚ ኣዒንትናን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ኣምላኽን ንጹህ ኪኸውን ኣለዎ።—ግብሪ ሃዋርያት 23:1፣ 2 ጢሞቴዎስ 1:3

^ ሕ.ጽ. 10 ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዘለዎም ሰባት ብመጠኑ ኺሰትዩ ኸም ዘይክእሉ: ብዙሓት ሓካይም ዚሰማምዑሉ ጕዳይ እዩ፣ ንዓታቶም “ብመጠኑ” ማለት: ዘይምስታይ ማለት እዩ።

ብዝያዳ ፍለጥ

ንብሕታዊ ውሳነታትካ ብጥበብ ግበሮ

ውሳነታትና ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሳነ እንተ ዀይኑ ኸነረጋግጽ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነቲ ዝገበርናዮ ውሳነ ንምትግባር እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧