ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

“ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”

 ምዕራፍ 10

መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

መውስቦ—ካብ ፈቃር ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት

“ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክብብ 4:12

1, 2. (ሀ) ሓድሓደ ግዜ ብዛዕባ ሓደስቲ መርዓውቲ እንታይ ኢና እንሓስብ፧ ስለምንታይከ፧ (ለ) ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ነየናይ ሕቶታት ክንምርምር ኢና፧

ናብ መርዓ ምኻድ ባህ ይብለካዶ፧ መርዓ ባህ ዜብል ኣጋጣሚ ስለ ዝዀነ: ንብዙሓት ባህ ይብሎም እዩ። እቶም መርዓውቲ ጽቡቕ ክዳን ተኸዲኖም ትርእዮም። ብዘይካዚ ድማ ኣብ ገጾም ፍስሃ ይንበብ! ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብሓጐስ ፍንጭሕ ይብሉ: መጻኢኦም ድማ ጽቡቕ ተስፋን መብጽዓን ዘለዎ ይመስል።

2 ኰይኑ ግን: ሎሚ መውስቦ ብብዙሕ መዳያቱ ሕንፍሽፍሽ ዝመልኦ እዩ ዀይኑ ዘሎ። ነቶም መርዓውቲ ርሑስ ጋማ ኪዀነሎም ንምነ እኳ እንተ ዀንና: ሓድሓደ ግዜ ግን ‘ሓዳሮም ሓጐስ ዝመልኦ ኪኸውን ድዩ፧ ነባሪ ኪኸውን ድዩ፧’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። መልሲ እዘን ሕቶታት እዚኣተን: ኣብቲ እቲ ሰብኣይን እታ ሰበይትን ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ መውስቦ ዝሃቦም ምኽሪ ዘለዎም ትውክልትን ኣወዓዕላን እዩ ዚምርኰስ። (ምሳሌ 3:5, 6) ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዑ እንተ ደልዮም: ከምኡ ኺገብሩ ኣለዎም። ሕጂ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ዚስዕብ ኣርባዕተ ሕቶታት ዚህቦ ምላሽ ነተኵረሉ:- ስለምንታይ ትምርዖ፧ ክትምርዖ እንተ ዄንካ: እንታይ ዓይነት መጻምድቲ ኢኻ ኽትመርጽ ዘሎካ፧ ንሓዳር ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧ ክልተ መጻምድቲ ሕጉስ ሓዳር ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ኪሕግዞም ይኽእል፧

ስለምንታይ ትምርዖ፧

3. ብዘይረብሕ ምኽንያት ምምርዓው ጥበባዊ ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧

3 ገሊኦም ሰባት መርዓ ንሓጐስ ኣገዳሲ ኸም ዝዀነ ይኣምኑ፣ ብኻልእ  ኣበሃህላ ዚምርዓወካ እንተ ዘይረኺብካ ኣብ ህይወትካ ዕግበት ወይ ሓጐስ ዘይትረክብ ኰይኑ ይስምዖም። እዚ ፈጺሙ ኻብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ! እቲ ንጽል ሰብኣይ ዝነበረ የሱስ: ንጽል ኴንካ ምንባር ከም ውህበት ገይሩ ተዛረበሉ: ነቶም ኪቕበልዎ ዚኽእሉ ድማ ኪቕበልዎ ኣተባብዖም። (ማቴዎስ 19:11, 12) ሃዋርያ ጳውሎስ እውን ንጽል ምዃን ዘለዎ ረብሓታት ገሊጹ ኣሎ። (1 ቈረንቶስ 7:32-38) ኣብዚ መዳይ እዚ የሱስ ኰነ ጳውሎስ ሕጊ ኣየውጽኡን፣ ከም ሓቂ እኳ ደኣስ ‘መውስቦ ምኽልካል’ ምስ “ምህሮ ኣጋንንቲ” ተዘርዚሩ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:1-3) ኰይኑ ግን: ነቶም ናብ ካልእ ከየስገሉ ንየሆዋ ኼገልግልዎ ዚደልዩ ንጽል ምዃን ብዙሕ ጥቕሚ ኣለዎ። ስለዚ: ብኸም ጸቕጢ መዛኑ ዝኣመሰለ ዘይረብሕ ነገራት ተደፊእካ ምምርዓው ጥበባዊ ኣይኰነን።

4. ጽቡቕ መውስቦ: ቈልዑ ንምዕባይ እንታይ መሰረት ይኸውን፧

4 በቲ ኻልእ ሸነኽ ግን: ንኽትምርዖ ዚድርኽ ብቑዕ ምኽንያታት ኣሎዶ፧ እወ። መውስቦ ኻብ ፈቃር ኣቦና እተዋህበ ውህበት እዩ። (ዘፍጥረት 2:18) ስለዚ: በረኸት ንኽትረክብ ዜኽእለካ እተወሰነ ሓለፋታትን ተኽእሎን ኣለዎ። ንኣብነት: ጽቡቕ መውስቦ ንስድራ ቤት ብሉጽ መሰረት ይኸውን እዩ። ውሉዳት ካብ ወለዶም ፍቕርን ተግሳጽን መምርሕን እናተዋህቦም ንኺዓብዩ ርጉእ ሃዋህው የድልዮም። (መዝሙር 127:3፣ ኤፌሶን 6:1-4) ንምምርዓው ምኽንያት ዚኸውን ግን ቈልዑ ምዕባይ ጥራይ ኣይኰነን።

5, 6. (ሀ) ብመሰረት መክብብ 4:9-12 ጥብቂ ዕርክነት ዘለዎ ገለ ረብሓ እንታይ እዩ፧ (ለ) መውስቦ ኸም ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

5 ነታ ኣብዛ ምዕራፍ እዚኣ ፍረ ነገር ዝሓዘት ጥቕሲ ምስቲ ኣብ ከባቢኣ ዘሎ ሓሳባት እሞ ተመልከታ:- “ብጻዕሮም ጽቡቕ ጻማ ስለ ዘለዎም: እንተ ወደቑ: እቲ ሓደ ንብጻዩ የተንስኦ እዩ እሞ: ካብ ሓደስ ክልተ ምዃን ይሐይሽ። እቲ በይኑ ዘሎ ግና እንተ ወደቐ: ዜተንስኦ የብሉን እዩ እሞ: ወይለኡ። ከምኡ ኸኣ ክልተ ብሓደ እንተ ደቀሱ: ይማወቑ: ሓደ በይኑ ግና ከመይ ኢሉ ይመውቕ፧ ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ: ክልተ እዮም ዚቃወምዎ: ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።”—መክብብ 4:9-12

 6 ብቐዳምነት: እዛ ጥቕሲ እዚኣ ነቲ ዕርክነት ዘለዎ ጥቕሚ እያ እትገልጽ። መውስቦ ኻብ ኵሉ ዕርክነት ንላዕሊ ጥብቂ እዩ። ኣብዛ ጥቕሲ እዚኣ ተሓቢሩ ኸም ዘሎ: እዚ ሕብረት እዚ ደገፍን ምጽንናዕን ዕቝባን ኬምጽእ ይኽእል እዩ። መውስቦ ኣብ መንጎ ኽልተ ሰብ ካብ ዘሎ ምትእስሳር ንላዕሊ ዜጠቓልል እንተ ዀይኑ ብዝያዳ ድልዱል ይኸውን። ከምቲ ኣብታ ጥቕሲ እተሓበረ: ብኽልተ ዝኸረረ ገመድ: ኪብተኽ ይኽእል እዩ። ብሰለስተ እተፋሕሰ ገመድ ግን ብቐሊሉ ኣይብተኽን። ሰብኣይን ሰበይትን ብቐዳምነት ንየሆዋ ኼሐጕሱ ምስ ዚደልዩ: መውስቦኦም ከም ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ይኸውን። የሆዋ ናይ ሓቂ ኽፋል እቲ መውስቦ ስለ ዚኸውን: እቲ ሕብረት ኣዝዩ ድልዱል ይኸውን።

7, 8. (ሀ) ጳውሎስ ነቶም ምስ ጾታዊ ባህጊ ዚቃለሱ ንጽል ክርስትያናት እንታይ ምኽሪ እዩ ጽሒፉሎም፧ (ለ) መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መርዓ እንታይ ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ እዩ ዚህበና፧

7 ብተወሳኺ: ጾታዊ ባህጊ ብግቡእ ኪረውየሉ ዚኽእል ሓደ በይኑ መገዲ ኣብ ውሽጢ መርዓ ጥራይ እዩ። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ዅነት: ጾታዊ ርክብ ብሓቂ ኸም ምንጪ ደስታ ጌርካ ኺርአ ይከኣል እዩ። (ምሳሌ 5:18) ሓደ ንጽል ሰብ ኣብቲ መጽሓፍ ቅዱስ ‘ኣዝዩ ብጹሕ’ ዚብሎ ደረጃ ዕቤት ምስ በጽሐ: ማለት ጾታዊ ድፍኢት ኣጸቢቑ ዚሕይለሉ ግዜ ምስ ሓለፎ እውን እንተ ዀነ: ምስ ጾታዊ ባህጊ ኺቃለስ ይኽእል እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ባህጊ ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እንተ ዘይኣትዩ: ናብ ርኹስ ወይ ዘይግቡእ ተግባር ኪመርሕ ይኽእል እዩ። ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ ንንጽል ሰባት: “ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘየተኻእሎም ግና: ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ: ይመርዐዉ” ዚብል ምኽሪ ሂብዎም ኣሎ።—1 ቈረንቶስ 7:9, 36፣ ያእቆብ 1:15

8 ንሓደ ሰብ ንኺምርዖ ዚድርኾ ዝዀነ ይኹን ምኽንያት ብዘየገድስ: ኣብ ክውንነት እተመስረተ ኣረኣእያ ኺህልዎ ይግባእ። ከምቲ ጳውሎስ ዝገለጾ: እቶም ዚምርዓዉ “ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም።” (1 ቈረንቶስ 7:28) ምርዑዋት: ንንጽል ዘየጋጥሞም ጸገማት የጋጥሞም እዩ። ክትምርዖ እንተ ወሲንካ ደኣ እሞ: ነቲ ዜጓንፈካ ጸገም ክትንክዮ: ነቲ እትረኽቦ በረኸት ከኣ ከተብዝሖ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሓደ መገዲ መጻምድትኻ ብጥበብ ምምራጽ እዩ።

 ብቑዕ መጻምድቲ ብኸመይ ክትመርጽ ትኽእል፧

9, 10. (ሀ) ጳውሎስ ምስ ዘይኣመንቲ ጥብቂ ርክብ ምምስራት ዘለዎ ሓደጋ ንምብራህ እንታይ ምሳሌ ተጠቒሙ፧ (ለ) ነቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምስ ዘይኣማኒ ዘይምምርዓው ዝሃቦ ምኽሪ ዕሽሽ ምባል መብዛሕትኡ ግዜ እንታይ የስዕብ፧

9 ጳውሎስ ብመንፈስ ተደሪኹ: “ምስቶም ዘይአምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ” ብምባል ኣብ ናይ መጻምድቲ ምርጫ እውን ኪዕየየሉ ዚግባእ መሰረታዊ ስርዓት ጽሒፉ ኣሎ። (2 ቈረንቶስ 6:14) እቲ እተጠቕመሉ ምሳሌ ኣብ ናብራ ሕርሻ እተመርኰሰ ነበረ። ብግዝፊ ወይ ብጕልበት ኣጸቢቖም ዚፈላለዩ ኽልተ እንስሳታት ኣብ ሓደ ኣርዑት እንተ ተጸሚዶም: ክልቲኦም እዮም ዚሳቐዩ። ብተመሳሳሊ: ኣማኒ ምስ ዘይኣማኒ ብመርዓ እንተ ተጸሚዶም: ብዘይ ጥርጥር ምስሕሓብን ውጥረትን እዩ ዜስዕበሎም። ሓዲኦም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ኪጸንዕ እንተ ደልዩ: እቲ ኻልኣይ ድማ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ዘይግደስ እንተ ዀይኑ: እቲ ኣብ ህይወቶም ቀዳምነት ዚህብዎ ነገር ኣይቃዶን፣ እዚ ድማ ሽግር ከም ዜምጽእ ዜጠራጥር ኣይኰነን። ስለዚ: ጳውሎስ ንክርስትያናት “ብእግዚኣብሄር ጥራይ” ኪምርዓዉ ተማሕጸኖም።—1 ቈረንቶስ 7:39

10 ኣብ ገሊኡ መዳያት ንጽል ክርስትያናት ምስ ዘይኣማኒ ኣብ ሓደ ኣርዑት ምጽማድ ካብቲ ዚስምዖም ጽምዋ ዝሓሸ ኸም ዝዀነ ገይሮም ደምዲሞም እዮም። ገሊኦም ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ዕሽሽ ኢሎም ንየሆዋ ዘየገልግል ሰብ ተመርዕዮም። እዚ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ዜሕዝን ሳዕቤን እዩ ዜስዕብ። ከምዚ ዚገብሩ ሰባት ኣብ ህይወቶም ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ኬካፍልዎ ዘይክእሉ ሰብ ይምርዓዉ። እዚ ዜስዕቦ ጽምዋ ኻብቲ ቕድሚ ምምርዓዎም እተሰምዖም ጽምዋ ዝገደደ ኪኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ዜሐጕስ ግን: ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ንጽል ክርስትያናት ኣብቲ ኣምላኽ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሃቦ ምኽሪ እምንቶ የሕድሩን ንዕኡ ብተኣማንነት ይስዕብዎን ኣለዉ። (መዝሙር 32:8) ሓደ መዓልቲ ኺምርዓዉ ተስፋ ዚገብሩ እኳ እንተ ዀኑ: ካብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ኣምላኽ ዜምልኹ ዘበሉ መጻምድቲ ኽሳዕ ዚረኽቡ ግን ንጽል ኰይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ።

11. መጻምድቲ ብጥበብ ንኽትመርጽ ኪሕግዘካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ( ኣብ ገጽ 114 እትርከብ ሳጹን እውን ርአ።)

11 ልክዕ እዩ: ኵሉ ኣገልጋሊ የሆዋ ኣይኰነን ዚሰማማዕ መጻምድቲ  ዚኸውን። ክትምርዖ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ: ምስ ናትካ ዚቃዶ ባህርያትን መንፈሳዊ ሸቶታትን ፍቕሪ ንኣምላኽን ዘለዎ መጻምድቲ ኣናዲ። እቲ እሙን ባርያ ኣብዚ ርእሰ ነገር እዚ ብዙሕ ክንሓስበሉ ዘሎና ዓንቀጻት ኣቕሪቡ ኣሎ: ነዚ ኣገዳሲ ውሳነ እዚ ኽትገብር ከለኻ በቲ ቕዱስ ጽሑፋዊ ምኽሪ ምእንቲ ኽትምራሕ ድማ ብጸሎት ክትሓስበሉ ይግባእ። *መዝሙር 119:105

12. ኣብ ሓያሎ ሃገራት ንመርዓ ብዚምልከት እንታይ ባህሊ እዩ ዘሎ፧ እንታይ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ኣብነትከ እዩ መምርሒ ኪኸውን ዚኽእል፧

12 ኣብ ሓያሎ ሃገራት: ብባህሊ ኸም እተለምደ ወለዲ ንደቆም ዚዀኖም መጻምድቲ ይመርጹ እዮም። ኣብቲ ኸምዚ ዚግበረሉ ባህልታት ከምዚ ዝኣመሰለ ኣገዳሲ ምርጫ ንምግባር ወለዲ ዝያዳ ጥበብን ተመክሮን ከም ዘለዎም ጌርካ እዩ ዚርአ። ከምቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ: ወለዲ ብዘማጽእዎ ዚግበር መርዓ ብዙሕ ግዜ ዕዉት ይኸውን እዩ። ኣብርሃም ንይስሃቅ ሰበይቲ እትዀኖ ንምርካብ ንግዙኡ ኺልእኽ ከሎ ዝገበሮ ነገራት: ነቶም ሎሚ ንደቆም መጻምድቲ ዜማጽኡሎም ወለዲ ጽቡቕ ትምህርቲ ይዀኖም እዩ። ንኣብርሃም ዘገደሶ ገንዘብን ማሕበራዊ ደረጃን ኣይነበረን። ኣብ ክንዳኡስ: ንይስሃቅ ካብ መንጎ እቶም ንየሆዋ ዜምልኹ ህዝቢ: ሰበይቲ ንኼምጽኣሉ ብቘራጽነት ጻዕሪ ገበረ። *ዘፍጥረት 24:3, 67

ንዕዉት ሓዳር ብኸመይ ክትዳሎ ትኽእል፧

13-15. (ሀ) እቲ ኣብ ምሳሌ 24:27 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ንሓደ ኺምርዖ ዚሓስብ ሰብኣይ ብኸመይ ኪሕግዞ ይኽእል፧ (ለ) ሓንቲ ሰበይቲ ንሓዳራ ንኽትዳሎ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧

13 ብዛዕባ መርዓ ኣርዚንካ ትሓስብ እንተ ኣሊኻ: ንርእስኻ ‘ተዳልየ  ድየ፧’ ኢልካ ኽትሓትት ኣሎካ። መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብቲ ብዛዕባ ፍቕሪ: ጾታዊ ርክብ: ብጻይነት: ወይ ኣተዓባብያ ቘልዑ ዘሎካ ስምዒት ኣይኰነን ዚርከብ። ኣብ ክንዳኡስ: ነፍሲ ወከፍ ሓዳር ኪምስርት ዚደሊ ሰብ ኪሓስበሉ ዚግባእ ንጹር ሸቶታት ኣሎ።

14 ኪምርዖ ዚደሊ ሰብኣይ: ነዚ ዚስዕብ መሰረታዊ ስርዓት ተጠንቂቑ ኺሓስበሉ ኣለዎ:- “ናይ ወጻኢ ዕዮኻ ኣሰናዱ: ኣብ ግራት ከኣ ንኣኻ ኣዳሉ: ደሓር ቤትካ ስራሕ።” (ምሳሌ 24:27) እዚ እንታይ የጕልሕ፧ ኣብቲ ግዜ እቲ: ሓደ ሰብኣይ ‘ቤት ኪሰርሕ’ ወይ ተመርዕዩ ስድራ ኺምስርት እንተ ደልዩ: ‘ንሰበይተይን ነቶም ዚውለዱ ደቀይን ክኣልን ክድግፍን ተዳልየ ድየ፧’ ኢሉ ንርእሱ ኺሓትት ነበሮ። ፈለማ ኺዓዪ: ማለት ንግራቱ ወይ ንእኽሉ ኺከናኸን ነበሮ። ሎሚ እውን እዚ መሰረታዊ ስርዓት እዚ ይዓዪ እዩ። ኪምርዖ ዚደሊ ሰብኣይ: ሓላፍነት ንኺስከም ኪዳሎ ኣለዎ። ኣካላዊ ዓቕሚ ኽሳዕ ዘለዎ: ኪዓዪ ኣለዎ። እቲ ንስድራ ቤቱ ብኣካላውን ብስምዒታውን ብመንፈሳውን መዳይ ዜድሊ ዘይሓሊ ሰብኣይ: ካብ ዘይኣምን ዝገደደ ምዃኑ ቓል ኣምላኽ ይሕብር!—1 ጢሞቴዎስ 5:8

15 ክትምርዖ ዝወሰነት ሰበይቲ እውን ብተመሳሳሊ ብዙሕ ከቢድ ሓላፍነታት ክትስከም እያ እትሰማማዕ። መጽሓፍ ቅዱስ ንገለ ኻብቲ ሓንቲ ሰበይቲ ንቤታ ኣብ ምእላይ ዝመጸ ንሰብኣያ ኽትሕግዘሉ እትኽእል ክእለታትን ባህርያትን ብናእዳ ይዝርዝር። (ምሳሌ 31:10-31) ነቲ ሓላፍነታቶም ንኺስከሙ ኸይተዳለዉ ተሃዊኾም ዚመራዓዉ ሰብኡትን ኣንስትን: ንመጻምድቶም እንታይ ኪህብዎ ኸም ዚኽእሉ ስለ ዘይሓስቡ: ንርእሶም ጥራይ እዮም ዚሓስቡ። ልዕሊ ዅሉ ግን እቶም ኪምርዓዉ ዚሓስቡ ዘለዉ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪዳለዉ ኣለዎም።

16, 17. እቶም ንሓዳር ዚዳለዉ ዘለዉ ነየናይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዮም ኬስተንትኑሉ ዘለዎም፧

16 ንሓዳር ክትዳሎ ኺበሃል ከሎ: ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንሰብኣይን ሰበይትን ዝመደበሎም ግደ ምስትንታን እውን የጠቓልል። ሓደ ሰብኣይ: ርእሲ ክርስትያናዊት ቤት ምዃን እንታይ ከም ዜጠቓልል ኪፈልጥ  ኣለዎ። እዚ ግደ እዚ ጨቋኒ ንኪኸውን ኣየፍቅደሉን እዩ። ኣብ ክንዳኡስ: ነቲ የሱስ ንርእስነቱ እተጠቕመሉ መገዲ ኪቐድሖ ኣለዎ። (ኤፌሶን 5:23) ሓንቲ ክርስትያን ሰበይቲ እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ሰበይቲ ዘለዋ ኽቡር ግደ ኽትርድኦ ኣለዋ። ኣብ ትሕቲ “ሕጊ ሰብኣያ” ንኽትግዛእ ፍቓደኛ ኽትከውን ድያ፧ (ሮሜ 7:2) ድሮ ኣብ ትሕቲ ሕጊ የሆዋን ክርስቶስን እያ። (ገላትያ 6:2) ሰብኣያ ኣብ ቤቱ ዘለዎ ስልጣን ከኣ ካልእ ሕጊ እዩ። ንስልጣን ዘይፍጹም ሰብኣይ ደጋፊትን ተገዛኢትን ክትከውን ትኽእል ድያ፧ እዚ ባህ ዘይብላ እንተ ዀይኑ: እንተ ዘይተመርዓወት ይሓይሽ።

17 ብተወሳኺ: ነፍሲ ወከፍ ብዓል ሓዳር ነቲ ንብጸይቱ ብፍላይ ዜድልያ ንኺሓሊ ድሉው ኪኸውን ኣለዎ። (ፊልጲ 2:4) ጳውሎስ: “ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ: እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሀዮ [“ተኽብሮ:” ትርጕም 1990]” ኢሉ ጸሓፈ። ጳውሎስ ብመንፈስ ኣምላኽ ተደሪኹ: ሰብኣይ ካብ ሰበይቱ ብፍላይ ዓሚቝ ኣኽብሮት ከም ዚደሊ ኣስተውዓለ። ሰበይቲ ኸኣ ካብ ሰብኣያ ብፍላይ ፍቕሪ ኸም እትደሊ ሓበረ።—ኤፌሶን 5:21-33

ኣብ እዋን ወርዝነት፡ ብዙሓት መጻምድቲ ብጥበብ መሰነይታ ይገብሩ

18. ወድን ጓልን ኣብ ግዜ ወርዝነት ርእሶም ኪገትኡ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧

18 እምበኣር: ወርዝነት: ማለት ፍቕሪ ንምምስራት ዚግበር መስርሕ: ከም መዘናግዒ ጌርካ ዚርአ እዋን ኣይኰነን። ሓደ ሰብኣይን ሓንቲ ሰበይትን ንሓድሕዶም ብኸመይ ብግቡእ ኪተሓሓዙ ኸም ዘለዎም ዚርእዩሉ: እቲ መርዓ ጥበባዊ ምርጫ እንተ ዀይኑ ወይ እንተ ዘይኰይኑ ዚምርምሩሉ እዋን እዩ። ርእሶም ኪገትኡሉ ዜድልዮም እዋን እውን እዩ። እቲ ብኣካላዊ መገዲ ፍቕሮም ኪገልጹ ዘለዎም ባህጊ ሓያል ፈተና ኪዀኖም ይኽእል እዩ፣ ከመይሲ: እቲ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ስሕበት ባህርያዊ እዩ። ይኹን እምበር: እቶም ብሓቂ ዚፋቐሩ ወድን ጓልን ነቲ ዜፍቅርዎ ብመንፈሳዊ መዳይ ኪጐድኦ ዚኽእል ነገር ኣይገብሩን እዮም። (1 ተሰሎንቄ 4:6) ስለዚ: ኣብ መስርሕ ወርዝነት እንተ ኣሊኻ: ርእስኻ ግታእ፣ ተመርዖ ወይ ኣይትመርዖ ብዘየገድስ: ርእስኻ ብምግታእ ኣብ ምሉእ ህይወትካ ኽትጥቀም ኢኻ።

 መውስቦኻ ብኸመይ ነባሪ ኽትገብሮ ትኽእል፧

19, 20. ሓደ ክርስትያን ንመውስቦ ኻብቲ ብዙሓት ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ብእተፈልየ መልክዕ ብኸመይ ኪርእዮ ኣለዎ፧ ብምሳሌ ኣረድእ።

19 ሰብ ሓዳር ንመውስቦኦም ነባሪ ኺገብርዎ እንተ ዀይኖም: ብዛዕባ ቓል ኪዳን ቅኑዕ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ። ኣብ ልብ ወለዳትን ኣብ ፊልምታትን: መርዓ ከም ሓደ ብዙሓት ዚምነይዎ ባህ ዜብል መወዳእታ ጌርካ እዩ ዚቐርብ። ኣብ ናይ ሓቂ ህይወት ግን: መርዓ መጀመርታ እቲ የሆዋ ነባሪ ኪኸውን ዘቘሞ ስርዓት ደኣ እምበር: መወዳእታ ኣይኰነን። (ዘፍጥረት 2:24) እቲ ዜሕዝን: ሎሚ ኣብ ዓለም ዘሎ ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ኸምኡ ኣይኰነን። ኣብ ገሊኡ ባህልታት: ሰባት ንመርዓ: ንኽልተ ገመድ ምስ ምቝጻር የመሳስልዎ። እዚ ምምስሳል እዚ ነቲ ብዛዕባ መርዓ ዘለዎም ሓፈሻዊ ኣረኣእያ ኽሳዕ ክንደይ ብግቡእ ከም ዚገልጾ ኣየስተውዕሉን ይዀኑ። ከምኡ እንብለሉ ምኽንያት እንታይ እዩ፧ ብግቡእ እተቛጸረ ቝጻር ኣድላዪ ኽሳዕ ዝዀነ ጠሚሩ ዚሕዝ እኳ እንተ ዀነ: ኣድላዪ ኣብ ዘይኰነሉ እዋን ከኣ ብቐሊሉ ይፍታሕ እዩ።

20 ብዙሓት ሰባት ንመውስቦ ኸም ግዜያዊ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። ዜድልዮም ነገራት ዜማልኣሎም ኰይኑ ምስ ተሰምዖም ተቐላጢፎም ይኣትውዎ: ኣጸጋሚ ዀይኑ ምስ ተሰምዖም ግን ብኡንብኡ ኻብኡ ኺወጹ ይደልዩ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም መውስቦ ዝኣመሰለ ማእሰር ብዚምልከት ዝሃቦ ምሳሌ ግን ሓደ ገመድ ምዃኑ ዘክር። ንመራኽብ ተባሂሉ ዚስራሕ ገመድ ኣብቲ ብርቱዕ ማዕበል እውን እንተ ዀነ: ኪምሕምሕ ወይ ኪዝርዘር ዘይኰነስ: ጽኑዕ ኪኸውን እዩ ዚስራሕ። ብተመሳሳሊ ኸኣ መውስቦ ነባሪ ኪኸውን እዩ ዚቐውም። የሱስ: “ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ: ሰብ ኣይፍለዮ” ከም ዝበለ ኣይትረስዕ። (ማቴዎስ 19:6) እንተ ተመርዒኻ: ብዛዕባ መውስቦ ተመሳሳሊ ኣረኣእያ ኺህልወካ ኣለዎ። ከምዚ ዓይነት ቃል ኪዳን ነቲ ሓዳር ጾር ይገብሮ ድዩ፧ ኣይፋሉን።

21. ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ንሓድሕዶም እንታይ ኣረኣእያ እዮም ሒዞም ኪቕጽሉ ዘለዎም፧ ከምኡ ንኺገብሩ ኺሕግዞም ዚኽእልከ እንታይ እዩ፧

21 ሰብኣይን ሰበይትን ብዛዕባ ሓድሕዶም ቅኑዕ ኣረኣእያ ሒዞም ኪቕጽሉ ኣለዎም። ነፍሲ ወከፎም ኣብ ጽቡቕ ባህርያትን ጸዓትን  እቲ ብጻዮም እንተ ኣተኲሮም: እቲ ሓዳሮም ምንጪ ሓጐስን ዕረፍትን እዩ ዚዀኖም። ብዛዕባ ዘይፍጹም መጻምድቲ ኸምዚ ዓይነት ኣረኣእያ ምሓዝ ዘይክውንነታዊ ድዩ፧ የሆዋ ዘይከውን ትጽቢት ከቶ ኣይገብርን እዩ: ግናኸ ብዛዕባና ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎ ትጽቢት ንገብረሉ ኢና። እቲ ጸሓፍ መዝሙር: “ዎ እግዚኣብሄር: ኣበሳ እንተ ተቘጻጸርካስ: ጐይታየ: መን ደው ኪብል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ። (መዝሙር 130:3) ሰብኡትን ኣንስትን ንሓድሕዶም ይቕረ እናተበሃሃሉ ተመሳሳሊ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ኺህልዎም ኣለዎ።—ቈሎሴ 3:13

22, 23. ኣብርሃምን ሳራን ሎሚ ንዘለዉ ምርዑዋት ብኸመይ ጽቡቕ ኣብነት ኪዀንዎም ይኽእሉ፧

 22 መውስቦ ንነዊሕ ዓመታት ብዝጸንዐ መጠን ዝያዳ በረኸት ኬምጽእ ይኽእል። መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መውስቦ እቶም ኣረጋውያን ዝነበሩ ኣብርሃምን ሳራን ይገልጽ እዩ። ህይወቶም ካብ ሽግራትን ጸገማትን ሓራ ኣይነበረን። እታ ኣብ 60ታት ዕድሚኣ ነይራ ኽትከውን እትኽእል ሳራ: ነታ ኣብታ ብልጽግቲ ኸተማ ኡር ዝነበረት ምሽእቲ ቤታ ሓዲጋ ዝተረፈ ህይወታ ብምሉኡ ኣብ ድንኳን ክትነብር እሞ ሕስብ ኣብሎ። ኰይኑ ግን: ንርእስነት ሰብኣያ ተገዛኢት ኰይና እያ። ብሓቂ ንኣብርሃም እትበቅዕ ደጋፊት ስለ ዝነበረት: ውሳነታቱ ዕዉት ንኪኸውን ብኣኽብሮት ትድግፎ ነበረት። ተገዛእነታ እውን ካብ ክሳድ ንላዕሊ ጥራይ ዚርአ ኣይነበረን። “ብልባ” እውን እንተ ዀነ: ንሰብኣያ “ጐይታይ” ኢላ እያ እትጽውዖ ነይራ። (ዘፍጥረት 18:12፣ 1 ጴጥሮስ 3:6) ንኣብርሃም ዝነበራ ኣኽብሮት ካብ ልባ ዝመነጨ እዩ ነይሩ።

23 ከምዚ ኺበሃል ከሎ ግን: ኣብርሃምን ሳራን ወትሩ ሓደ ዓይነት ኣረኣእያ ነይርዎም ማለት ኣይኰነን። ሓደ ግዜ ንሳ ንኣብርሃም “ኣዝዩ ኽፉእ” ኰይኑ እተራእዮ ሓሳብ ሂባቶ እያ። እንተዀነ ግን: ኣብርሃም በቲ የሆዋ ዝሃቦ መምርሒ ተደሪኹ ብትሕትና ቓል ሰበይቱ ሰምዐ፣ እዚ ድማ ነታ ስድራ ቤት በረኸት ኣምጸኣላ። (ዘፍጥረት 21:9-13) ሎሚ ዘለዉ ሰብኡትን ኣንስትን: ዋላ እውን እቶም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እተመርዓዉ: ካብዞም ፍርሃት ኣምላኽ ዝነበሮም ሰብኣይን ሰበይትን ኪመሃሩ ይኽእሉ እዮም።

24. ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽኣሉ እንታይ ዓይነት ሓዳር እዩ፧ ስለምንታይከ፧

24 ኣብ ክርስትያን ጉባኤ ኣሽሓት ሓጐስ ዝመልኦ ሓዳር ኣሎ። ኣብዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ሓዳር: ሰበይቲ ንሰብኣያ ብዕምቈት ተኽብሮ: ሰብኣይ ንሰበይቱ የፍቅራን የኽብራን: ክልቲኦም ከኣ ኣብ ኵሉ ነገራት ፍቓድ የሆዋ ንኬቐድሙ ብሓባር ይዓዩ። ክትምርዖ እንተ ሓሲብካ: መጻምድትኻ ብጥንቃቐ ምረጽ: ንሓዳርካ ብግቡእ ተዳሎ: ንየሆዋ ኣምላኽ ክብሪ ዜምጽእ ሰላምን ፍቕርን ዝሰፈኖ ሓዳር ንኺህልወካ ዕየ። ከምኡ እንተ ጌርካ: መውስቦኻ ብርግጽ ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ንኽትጸንዕ ኪሕግዘካ እዩ።

^ ሕ.ጽ. 11 ኣብታ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት ዘርእስታ መጽሓፍ ኣብ ምዕራፍ 2 ርአ።

^ ሕ.ጽ. 12 ገሊኦም እሙናት ኣበዋት ብዙሓት ኣንስቲ ነበራኦም። የሆዋ ምስ ኣበዋትን ምስ ብስጋ እስራኤላውያንን ኣብ ዝነበሮ ርክብ: ንድርብ መውስቦ ዕሽሽ ኢልዎ ነበረ። ንሱ እኳ እንተ ዘየተኣታተዎ: ስርዓት ግን ኣትሒዝዎ ነበረ። ክርስትያናት ግን የሆዋ ድሕሪ ደጊም ኣምለኽቱ ድርብ መውስቦ ኺገብሩ ኸም ዘይፈቅድ ኪርስዑ የብሎምን።—ማቴዎስ 19:9፣ 1 ጢሞቴዎስ 3:2

ዝያዳ ፍለጥ

ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)

ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ህነጽ

ሓሙሽተ ምሳልያዊ ሕጡብ ተጠቒምካ፡ ድልዱልን ሕጉስን ሓዳር ህነጽ።