ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ዲኻ፧

ፍቓድ የሆዋ ኽትገብር ዲኻ፧

ምስ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምእንቲ ኽትፋለጥ፡ ብዛዕባ ንጥፈታትና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ኣብ ውድብና ዚግበር ምንቅስቓሳት ምእንቲ ኽትዕዘብ፡ ግዜ ወሲድካ ነዛ ብሮሹር እዚኣ ስለ ዘንበብካያ፡ ከነመስግነካ ንፈቱ። ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ ንሳቶም ምዃኖም ከተለሊ ኸም ዝሓገዘትካ ተስፋ ንገብር። ወትሩ ፍልጠት ኣምላኽ ክትቀስም፡ ንስድራ ቤትካን ንፈተውትኻን ብዛዕባ እቲ እተማሃርካዮ ኽትነግሮም፡ ምሳና ሓቢርካ ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታትና ኽትካፈል ድማ ነተባብዓካ።—እብራውያን 10:23-25

ብዛዕባ የሆዋ ዝያዳ ብእተመሃርካ መጠን፡ ክሳዕ ክንደይ ብሓቂ ኸም ዜፍቅረካ ዝያዳ ኸተስተውዕል ኢኻ። እዚ ኸኣ፡ ንስኻ እውን ፍቕርኻ ንኸተርእዮ ዚከኣለካ ዘበለ ኽትገብር ኪድርኸካ እዩ። (1 ዮሃንስ 4:8-10, 19) ነዚ ባህግኻ ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ኸተርእዮ እትኽእል ግና ብኸመይ ኢኻ፧ ነቲ ንሱ ዘውጽኦ ስነ ምግባራዊ ስርዓታት ምሕላው ንጥቕምኻ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ምሳና ሓቢርካ ፍቓድ ኣምላኽ ንኽትገብር፡ ባህጊ ኼሕድረልካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህረካ ሰብ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ‘ናይ ዘለኣለም ህይወት እናተጸበኹም፡ ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትሕልውዋ፡’ መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ተሓጒሱ ኺነግረካ እዩ።—ይሁዳ 21

ቀጺልካ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ መጽሓፍ ብምጽናዕ፡ ኣብ መገዲ ሓቂ ብቐጻሊ ዕቤት ክትገብር ብኽብሪ ንዕድመካ።

 

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ ከተጽንዕ ዘሎካ ስለምንታይ ኢኻ፧

መጽሓፍ ቅዱስ፡ ኣብ መላእ ዓለም ንዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት፡ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት መልሲ ንኺረኽቡሉ ይሕግዞም ኣሎ። ንስኻኸ ሓደ ኻባታቶም ክትከውን ትደሊዶ፧

መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧

ብዛዕባ እቲ እንህቦ ናጻ መደብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚልዓል ሕቶታት ዚኸውን መልስታት ኣንብብ።