ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 28

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ኪርከብ ይከኣል፧

ፈረንሳ

ፖላንድ

ሩስያ

የሱስ ክርስቶስ ንሰዓብቱ፡ “ነቲ ሰናይ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመጕስዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ” በሎም። (ማቴዎስ 5:16) ስለዚ ኸኣ፡ ንዘመናዊ ተክኖሎጂ፡ እንተላይ ንኢንተርነት ብዚግባእ ንጥቀመሉ ኢና። jw.org፡ ብዛዕባ እምነታትን ንጥፈታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓበሬታ ዚርከበሉ ወግዓዊ ወብ ሳይትና እዩ። ኣብኡ እንታይ ኣሎ፧

ብዙሕ ሳዕ ንዚሕተት ሕቶታት ዚኸውን መጽሓፍ ቅዱሳዊ መልሲ። ንገለ ኻብቲ ሰባት ዚሓትትዎ ኣገዳሲ ሕቶታት ዚኸውን መልሲ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ። ንሽዱሽተ ኻብዚ ሕቶታት እዚ፡ ኣብታ ኣብ ወብ ሳይትና ብልዕሊ 400 ቛንቋታት እትርከብ ሓቂ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት መልሲ ተዋሂቡለን ኣሎ። ትርጕም ሓዳስ ዓለም ብልዕሊ 100 ቛንቋታት ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። ከም መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝኣመሰለ ንመጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚሕግዝ ጽሑፋትን ሓደስቲ ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ! እውን ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። መብዛሕትኡ ኻብዚ ጽሑፋት፡ ካብቲ ወብ ሳይት ከተንብቦ ወይ ክትሰምዖ፡ ወይ ከኣ ብድምጺ፡ ብPDF ወይ ብEPUB እተዳለወ ጽሑፋት ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ። ንሓደ ተገዳስነት ዘሕደረ ሰብ እውን፡ ብቛንቋኡ ሒደት ገጻት ሓቲምካ ኽትህቦ ትኽእል ኢኻ። ብብርክት ዝበለ ምልክት ቋንቋ እተዳለወ ቪድዮታት እውን ኣሎ። ኣብ ግዜ ዕረፍትኻ እተሰምዖ፡ ብድራማዊ መገዲ እተቐድሐ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስመጽሓፍ ቅዱሳዊ ድራማታትን ጥዑም ሙዚቃን ከተራግፍ ትኽእል ኢኻ።

ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚገልጽ ናይ ሓቂ ሓበሬታ። ኣብቲ ወብ ሳይት፡ ሓድሽ ዜናን ዓለምለኻዊ ዕዮና ዚምልከት ቪድዮታትን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ዚትንክፍ ፍጻመታትን ሰብኣዊ ረድኤት ንምሃብ እንገብሮ ጻዕርታትን እውን ይወጽእ እዩ። ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ዚህሉ ኣኼባታት ኣውራጃን ኣድራሻ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈርናን ድማ ሓበሬታ ኽትረክብ ትኽእል ኢኻ።

በዚ መገዲ እዚ፡ ብርሃን ሓቂ ኽሳብ ወሰን ምድሪ ነብርህ ኣለና። ኣብ ኵሉ ኽፍለ ዓለም፡ እንተላይ ኣብ ኣንታርክቲካ ዚርከቡ ሰባት ከኣ ይጥቀሙ ኣለዉ። “ቃል የሆዋ . . . ብፍጥነት ኪዝርጋሕ” ጸሎትና እዩ።—2 ተሰሎንቄ 3:1

  • jw.org፡ ሰባት ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪመሃሩ ዚሕግዝ ዘሎ ብኸመይ እዩ፧

  • ኣብ ወብ ሳይትና እንታይ ክትርኢ ትደሊ፧