ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 14

ኣገልግሎት ሚስዮናውነት እንታይ እዩ፧

ኣገልግሎት ሚስዮናውነት እንታይ እዩ፧

ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ

ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ

ፓናማ

ቲኦክራስያዊ ትምህርቲ መለለዪ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ካብ ዚኸውን ነዊሕ ኰይኑ ኣሎ። ነቶም ኣብ ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ምሉእ ግዜኦም ዚውፍዩ፡ ‘ኣገልግሎቶም ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኺፍጽሙ፡’ ፍሉይ ኣብያተ ትምህርቲ ተዳልዩሎም ኣሎ።—2 ጢሞቴዎስ 4:5

ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ። ሓደ ፈላሚ ኣብ መወዳእታ እታ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዝጀመረላ ዓመት፡ ኣብቲ ኣብ ከባቢኡ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዚካየድ ናይ ሽዱሽተ መዓልቲ ቤት ትምህርቲ ይምዝገብ እዩ። ዕላማ እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ፈለምቲ ናብ የሆዋ ዝያዳ ኪቐርቡን ኣብ ኵሉ መዳያት ኣገልግሎቶም ብዝሓሸ ውጽኢታውያን ኪዀኑን ኣብ ኣገልግሎቶም ብተኣማንነት ኪቕጽሉን ንምሕጋዝ እዩ።

ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ። እዚ ኽልተ ወርሒ ዚወስድ ቤት ትምህርቲ ነቶም ዝነበርዎ ኸባቢ ሓዲጎም ኣብ ዜድልዩሉ ዘበለ ቦታ ኼገልግሉ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ምኩራት ፈለምቲ እተዳለወ እዩ። ብኻልእ ኣበሃህላ፡ ነቲ ኻብ ኵሉ ዝዓበየ ወንጌላዊ ዝዀነ የሱስ ክርስቶስ ብምምሳል፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ዚብሉ እዮም። (ኢሳይያስ 6:8፣ ዮሃንስ 7:29) ካብቲ ዝለመድካዮ ኸባቢ ምግዓዝ፡ ቀሊል መነባብሮ ምንባር ዜጠቓልል ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሓደ ፈላሚ ኣጸቢቑ እተፈልየ ባህልን ኵነታት ኣየርን ምግብን ኪለምድ ኣለዎ። ሓድሽ ቋንቋ ኺመሃር እውን የድልዮ ይኸውን። እቲ ቤት ትምህርቲ፡ ነቶም ካብ 23 ክሳዕ 65 ዝዕድሚኦም ንጽል ኣሕዋትን ኣሓትን ሰብ ሓዳርን ኣብ ኣገልግሎቶም ዜድልዮም መንፈሳዊ ባህርያት ኬጥርዩ፡ የሆዋን ውድቡን ብዝያዳ ኺጥቀሙሎም ዜኽእሎም ክእለታት ከኣ ኬማዕብሉ ይሕግዞም።

ናይ ጊልዓድ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ግምቢ ዘብዐኛ። ብእብራይስጢ፡ “ጊልዓድ” እትብል ቃል፡ “ኵምራ ምስክር” ማለት እያ። ጊልዓድ ብ1943 ካብ ዚምስረት ኣትሒዙ፡ ልዕሊ 8,000 ተመረቕቲ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሚስዮናውያን ኰይኖም “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ምስክርነት ንምሃብ ናብ ኣስታት 200 ሃገራት ተላኢኾምን ብዙሕ ኣሳልጦ ረኺቦምን እዮም። (ግብሪ ሃዋርያት 13:47) ንኣብነት፡ ሚስዮናውያን ንፈለማ ግዜ ናብ ፐሩ ኣብ ዝኸዱሉ እዋን፡ ኣብኡ ጉባኤታት ኣይነበራን። ሕጂ ግና፡ ኣብኡ ልዕሊ 1,000 ጉባኤታት ኣለዋ። ሚስዮናውያን ኣብ ጃፓን ኬገልግሉ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ኣብታ ሃገር ካብ ዓሰርተ ዚውሕዱ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጥራይ እዮም ነይሮም። ሕጂ ግና፡ ልዕሊ 200,000 ኣለዉ። እቲ ኣብ ጊልዓድ ዚወሃብ ናይ ሓሙሽተ ወርሒ ስልጠና፡ ዓሚቝ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ የጠቓልል። ፍሉያት ፈለምቲ ወይ ሚስዮናውያን ኰይኖም ዜገልግሉን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር ወይ ኣብ ዕዮ ወረዳ ዜገልግሉን ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ንምድልዳሉን ንምሕያሉን ኪሕግዙ ዜኽእሎም ጽዑቕ ስልጠና ምእንቲ ኺረኽቡ፡ ናብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።

  • ዕላማ ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ እንታይ እዩ፧

  • ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንመን እዩ ተዳልዩ፧

ዝያዳ ፍለጥ

DOCUMENTARIES

ናይ የሆዋ መሰኻኽር—ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እተወደቡ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር በቲ ዓለምለኻዊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ እዮም ዚፍለጡ። ዕዮኦም ብኸመይ እዩ ዚውደብን ዚምራሕን ዚምወልን፧

መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!

ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን

ቲኦክራስያዊ ኣብያተ ትምህርቲ ንኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ እተመደበሎም ዕዮ ኺፍጽሙ ብኸመይ ሓጊዝዎም፧