ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 7

ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

ኣኼባታትና ኸመይ ይመስል፧

ኒው ዚላንድ

ጃፓን

ኡጋንዳ

ሊትወይንያ

ቀዳሞት ክርስትያናት ዚገብርዎ ዝነበሩ ኣኼባታት፡ ብዓብይኡ መዝሙራትን ጸሎትን ንባብ ቅዱሳት ጽሑፋትን ብዛዕባኡ ዚግበር ምይይጥን ዘጠቓለለ እዩ ነይሩ፣ ሃይማኖታዊ ጽምብል ከኣ ኣይነበሮን። (1 ቈረንቶስ 14:26) ኣብ ኣኼባታትና እውን ተመሳሳሊ ነገር እዩ ዚቐርብ።

እቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱሳውን ግብራውን እዩ። ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ፡ ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ፡ ቅዱሳት ጽሑፋት ብዛዕባ ህይወትናን ብዛዕባ ግዜናን እንታይ ከም ዚብል ዚገልጽ 30 ደቂቕ ዚወስድ ህዝባዊ መደረ ንምስማዕ ትእከብ እያ። ኵላትና ኣብ መጽሓፍ ቅዱስና ኽንከታተል ንተባባዕ ኢና። ድሕሪ እቲ መደረ፡ ሓደ ሰዓት ዚወስድ መጽናዕቲ “ግምቢ ዘብዐኛ” ኣሎ፣ ኣብኡ ኸኣ፡ ኣባላት ጉባኤ ኣብቲ ኣብ ሕታም መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ኣብ ዚግበር ምይይጥ ኪሳተፉ ይኽእሉ እዮም። እቲ ምይይጥ፡ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ መምርሒ ኣብ ህይወትና ኸነውዕሎ ይሕግዘና። ኣብተን ኣብ ብዘላ ምድሪ ዚርከባ ልዕሊ 110,000 ጉባኤታት ሕደ ትምህርቲ እዩ ዚጽናዕ።

ክእለት ኣመሃህራና ኸነመሓይሽ ንሕገዝ። ኣብ መንጎ ሰሙን ሓደ ምሸት ከኣ፡ ሰለስተ ኽፋል ዘለዎ ኣኼባ ንገብር ኢና። እቲ ቐዳማይ ክፋል፡ 30 ደቂቕ ዚወስድ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኪኸውን ከሎ፡ ብዛዕባ ቕዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታትን መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትንቢትን ዘሎና ግንዛበ ዜዕምቘልና ብሕቶን መልስን ዚግበር ምይይጥ እዩ። ድሕሪኡ፡ 30 ደቒቕ ዚወስድ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪኸውን ከሎ፡ እዚ እውን ኣብቲ እታ ጉባኤ ኣቐዲማ ዘንበበቶ ኽፋል መጽሓፍ ቅዱስ ብዚግበር ምይይጥ ይጅምር። ቀጺሉ፡ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተመዝገቡ ተመሃሮ፡ ሓጸርቲ ኽፍልታት የቕርቡ። ክእለት ንባብን ዘረባን ምእንቲ ኸነመሓይሽ፡ ምኽሪ ዚህብ ሓደ መኻሪ ኣሎ። (1 ጢሞቴዎስ 4:13) ኣብ መወዳእታ፡ ኣብቲ 30 ደቒቕ ዚወስድ ኣኼባ ኣገልግሎት፡ ብመደረታትን ብኣቀራርባታትን ብቓለ መጠይቓትን ኣቢልና፡ ንኻልኦት ከመይ ጌርና መጽሓፍ ቅዱስ ከም እንምህሮም ንመሃር።

ኣብ ኣኼባታትና ምስ ተኣከብካ፡ ብጽፈት እቲ ኣብኡ እትረኽቦ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትምሰጥ ዜጠራጥር ኣይኰነን።—ኢሳይያስ 54:13

  • ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር እንታይ ይቐርብ፧

  • ኣብ ዚቕጽል፡ ኣብ ኣየናይ ሰሙናዊ ኣኼባታትና ኽትእከብ ትደሊ፧

ብዝያዳ ፍለጥ

ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እዩ ዚግበር፧

ኣብኡ እንታይ ከም ዚግበር እስከ ርአ።

ጉባኤታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብኸመይ እየን ዚውደባ፧

መምርሒታትን ትምህርትታትን ብኸመይ ከም እንረክብ ኣንብብ።