ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 4

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበሉ ሰባት እዮም፧

ኮንጎ (ኪንሻሳ)

ሩዋንዳ

መዝሙር 69:31 መለኮታዊ ስም ዝሓዘ፡ ኣብ ሳልሳይ ወይ ራብዓይ ዘመን ድ.ክ. ዝነበረ ቝራጽ ሲመከስ

ንሓያሎ ዓመታት፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ተጠቒሞምን ሓቲሞምን ዘርጊሖምን እዮም። ድሕሪ ግዜ ግና፡ ንሰባት፡ “ልክዕ ፍልጠት ሓቂ” ኺመሃሩ ብዝያዳ ኺሕግዞም ዚኽእል ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ምድላው ኣገዳሲ ምዃኑ ተገንዚብና ኢና፣ እዚ ድማ ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ዚሰማማዕ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 2:3, 4) ስለዚ፡ ብ1950፡ ገለ ኽፋል እቲ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዚብሃል ብዘመናዊ ቛንቋ እተዳለወ መጽሓፍ ቅዱስ ከነውጽእ ጀሚርና። እዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብልዕሊ 120 ቋንቋታት ብትኽክልን ብልክዕን ተተርጒሙ ኣሎ።

ንምርዳኡ ቐሊል ዝዀነ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። ቋንቋ በብግዜኡ ይቕየር እዩ፣ ሓያሎ ትርጕማት ከኣ፡ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዘይፍለጥ ወይ ብሉይ ቃላት ሒዙ ኣሎ። ዝያዳ ልክዕነት ዘለዎን ምስቲ በዅሪ ጽሑፍ ዚቀራረብን ጥንታዊ ኢደ ጽሑፋት ስለ እተረኽበ እውን፡ ብዛዕባ እቲ ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነበረ ቛንቋታት እብራይስጥን ኣረማይስጥን ግሪኽኛን ዝሓሸ ግንዛበ ኺርከብ ተኻኢሉ እዩ።

ንቓል ኣምላኽ ብልክዕ ዜመሓላልፍ ትርጕም ኣድለየ። ተርጐምቲ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ቓላት ከም ድላዮም ኣብ ክንዲ ዚትርጕምዎ፡ ነቲ በዅሪ ጽሑፋት ብልክዕ ዜመሓላልፍ ገይሮም ኪትርጕምዎ ኣለዎም። ይኹን እምበር፡ መብዛሕትኡ ትርጕማት፡ ነቲ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ኣይተጠቕመሉን።

ነቲ ደራሲኡ ውዳሰ ዜምጽእ መጽሓፍ ቅዱስ ኣድለየ። (2 ሳሙኤል 23:2) ትርጕም ሓዳስ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ናይ ጥንቲ ኢደ ጽሑፋት መጽሓፍ ቅዱስ 7,000 ሳዕ ኣቢሉ ዚርከብ የሆዋ ዚብል ስም ኣምላኽ ናብ ቦታኡ መሊስዎ ኣሎ፣ ሓደ ኣብነት ካብዚ ኢደ ጽሑፋት እዚ ኣብ ታሕቲ ኺርአ ይከኣል እዩ። (ራእይ 4:11) እዚ ንዓመታት ብርቱዕ ጻዕሪ እተገብረሉ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ንኸተንብቦ ባህ ዜብልን ንሓሳብ ኣምላኽ ብንጹር ዜመሓላልፍን እዩ። ብቛንቋኻ ትርጕም ሓዳስ ዓለም ዘሎካ ይኹን ኣይኹን ብዘየገድስ፡ መዓልታዊ ቓል የሆዋ ናይ ምንባብ ጽቡቕ ልማድ ኪህልወካ ነተባብዓካ።—እያሱ 1:8፣ መዝሙር 1:2, 3

  • ሓድሽ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ከነዳሉ ዘድለየ ስለምንታይ እዩ፧

  • ፍቓድ ኣምላኽ ኪፈልጥ ዚደሊ ዘበለ መዓልታዊ እንታይ ኪገብር ኣለዎ፧

ብዝያዳ ፍለጥ

መጽሓፍ ቅዱስ—ትርጉም ሓዳስ ዓለም

ንትሕዝቶ ትርጉም ሓዳስ ዓለም መርምሮ። ነዚ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ፡ ብቐሊሉ ኸተንብቦን ክትርድኦን ትኽእል ኢኻ።

እቲ ኣምላኽ ዝሃበና መጽሓፍ ቅዱስ

መጽሓፍ ቅዱስ ብሕታዊ ጸገማትካ ኽትዋጽኣሉ ኺሕግዘካ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ነቲ ኣብኡ ተመዝጊቡ ዘሎ ትንቢታት ክትኣምኖ እትኽእል ስለምንታይ ኢኻ፧