ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 10

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ኣምልኾ ስድራ ቤት እንታይ እዩ፧

ደቡብ ኮሪያ

ብራዚል

ኣውስትራልያ

ጊኒ

ካብ ጥንቲ ኣትሒዙ፡ የሆዋ ንኣባላት ስድራ ቤት፡ ብሓባር ግዜ ኼሕልፉ፡ መንፈሳውነቶም ኪሃንጹ፡ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ርክብ እውን ኬደልድሉ ይደልዮም እዩ። (ዘዳግም 6:6, 7) ስለዚ ኸኣ እዮም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ንኣምልኾ ስድራ ቤት ኣብ ሰሰሙን ግዜ ዚምድቡ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ኪብሃል ከሎ፡ ሓንቲ ስድራ ቤት ምስቲ ንዓኣ ዜድልያ ጕዳያት ብዛዕባ ዚተኣሳሰር መንፈሳዊ ነገራት ኣብ ባህ ዜብል ሃዋህው እትገብሮ ምይይጥ እዩ። ዋላ እኳ በይንኻ ትነብር እንተ ዀንካ፡ ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ ግዜ፡ ብዛዕባ ዝደለኻዮ ጕዳይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እናገበርካ፡ ምስ ኣምላኽ ከተሕልፎ ትኽእል ኢኻ።

ንየሆዋ ብዝያዳ እንቐርበሉ እዋን እዩ። “ንኣምላኽ ቅረብዎ፡ ንሱ እውን ኪቐርበኩም እዩ።” (ያእቆብ 4:8) ካብቲ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረ ቓል የሆዋ፡ ብዛዕባ ባህርያቱን ተግባራቱን ዝርዝር ነጥብታት ክንመሃር ከለና፡ ንዕኡ ብዝያዳ ኢና እንፈልጦ። ሓደ ኻብቲ ኣምልኾ ስድራ ቤት እትጅምረሉ ዝቐለለ መገዲ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓባር ዓው ኢልኩም ብምንባብ እዩ፣ ኣብዚ መዳይ እዚ ኸኣ፡ ምናልባት ነቲ ሰሙናዊ መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ክትስዕቡ ትኽእሉ ኢኹም። ንነፍሲ ወከፍ ኣባል ስድራ ቤት፡ እተወሰነ ኽፋል ንባብ ኪወሃቦ እሞ፡ ኵላትኩም ነቲ ኻብ ቅዱሳት ጽሑፋት እተመሃርኩምዎ ኽትመያየጡሉ ትኽእሉ ኢኹም።

ምስ ኣባላት ስድራ ቤትና ብዝያዳ እንቀራረበሉ እዋን እዩ። ሰብኡትን ኣንስትን፡ ከምኡ ድማ ወለድን ውሉዳትን፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብስድራ ቤት ኬጽንዑ ኸለዉ፡ ርክቦም ይድልድል እዩ። ኣምልኾ ስድራ ቤት ዜሐጕስን ሰላማውን ኵላቶም ዚናፍቕዎን እዋን እዩ ኪኸውን ዘለዎ። ወለዲ ኸከም ዕድመ ውሉዳቶም፡ ንምይይጥ ዚኸውን ግብራዊ ነጥብታት፡ ምናልባት ከኣ ካብቲ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛንቕሑ!ን ዝወጸ ዓንቀጻት ወይ ካብቲ jw.org ዚብሃል ወብ ሳይትና ኺሓርዩ ይኽእሉ እዮም። ብዛዕባ እቲ ንደቅኻ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘጋጠሞም ጸገማትን እዚ ብኸመይ ኪፍታሕ ከም ዚከኣልን ክትመያየጡ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ ኣኼባታት ዚዝመር መዝሙራት ክትለማመዱሉ፡ ድሕሪ ኣምልኾ ስድራ ቤት ከኣ ዚብላዕን ዚስተን ከተቕርቡ ትኽእሉ ኢኹም።

እዚ ንየሆዋ ብሓባር ኣብ ምምላኽ ዚሓልፍ ፍሉይ ግዜ እዚ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት፡ ብቓል ኣምላኽ ንኺፍስሁ ኪሕግዞም እዩ፣ ኣምላኽ እውን ንጻዕርታትኩም ኣብዚሑ ኺባርኾ እዩ።—መዝሙር 1:1-3

  • ንኣምልኾ ስድራ ቤት ግዜ እንምድብ ስለምንታይ ኢና፧

  • ወለዲ ነዚ ኣጋጣሚ እዚ፡ ንዅሎም ኣባላት ስድራ ቤት ባህ ዜብል ከም ዚኸውን ብኸመይ ኪገብሩ ይኽእሉ፧

ብዝያዳ ፍለጥ

ንናብራ ስድራ ቤትካ ዜሐጕስ ክትገብሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ሰብኡትን ኣንስትን ወለድን ውሉዳትን ነታ የሱስ ዘርኣያ ፍቕሪ ኪቐድሑዋ ኣለዎም። ካብ የሱስ እንታይ ክንምሃር ንኽእል፧