ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ሎሚ ፍቓድ የሆዋ ዚገብሩ ዘለዉ መን እዮም፧

 ትምህርቲ 22

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንታይ ይግበር፧

ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንታይ ይግበር፧

ደሴታት ሰሎሞን

ካናዳ

ደቡብ ኣፍሪቃ

ኣባላት ስድራ ቤት-ኤል ንንጥፈታት ስብከት ሓንቲ ሃገር ወይ ካብ ሓንቲ ዚዛይዳ ሃገራት እናደገፉ፡ ኣብ እተፈላለየ ኽፍልታት የገልግሉ እዮም። ኣብ ጕጅለታት ትርጕም፡ ኣብ ሕትመት መጽሔታት፡ ኣብ ምጥራዝ መጻሕፍቲ፡ ኣብ መኽዘን ጽሑፋት፡ ኣብ መሰናድዎ ኣውድዮ/ቪድዮ፡ ወይ ነቲ ኸባቢ ኣብ ዜድሊ ኻልእ ጕዳያት የገልግሉ እዮም።

ኮሚተ ጨንፈር ነዚ ንጥፈታት እዚ ይቈጻጸሮ። ኣመሓዳሪ ኣካል ንዕዮ ነፍሲ ወከፍ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር፡ ጽቡቕ ብቕዓት ብዘለዎም ሰለስተ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ሽማግለታት ዚቐውም ኮሚተ ጨንፈር ብሕድሪ ይህቦ እዩ። እቲ ኮሚተ ብዛዕባ እቲ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ነፍሲ ወከፍ ሃገር እትገብሮ ምምሕያሽን ብዛዕባ ዚለዓል ጸገማትን ንኣመሓዳሪ ኣካል ይሕብሮ። ከምዚ ዝኣመሰለ ጸብጻባት፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ኣብ መጻኢ ኣብ ጽሑፋትን ኣብ ኣኼባታት ጉባኤን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታትን እንታይ ትምህርቲ ኺውሰድ ከም ዘለዎ ንኺውስን ይሕግዞ። ተወከልቲ ኣመሓዳሪ ኣካል ንጨንፈራት ንምብጻሕን ንኮሚተታት ጨንፈር ንዕዮኦም ዚምልከት መምርሒ ንምሃብን በብእዋኑ ይለኣኹ እዮም። (ምሳሌ 11:14) ኣብ ክሊ እቲ ጨንፈር ንዚነብሩ ንምትብባዕ ድማ፡ ብተወካሊ ቐንዲ ቤት ጽሕፈት ዚወሃብ መደረ ዜጠቓልል ፍሉይ ኣኼባ ይግበር እዩ።

ንጉባኤታት ሓገዝ ይወሃብ። ኣብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዜገልግሉ ሓላፍነት ዘለዎም ኣሕዋት፡ ሓደስቲ ጉባኤታት ኪቘማ የጽድቑ። ንጥፈታት እቶም ኣብ ክሊ እቲ ጨንፈር ዜገልግሉ ፈለምትን ሚስዮናውያንን ሓለውቲ ወረዳን እውን ይመርሑ። ዓበይቲ ኣኼባታት ይውድቡ፡ ህንጸት ሓደስቲ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ የወሃህዱ፡ ንጉባኤታት ዜድሊ ጽሑፋት ከም ዚለኣኽ ከኣ ይገብሩ። ኣብ ጨንፈር ዚግበር ዘበለ ዅሉ፡ ነቲ ስርዓት ዝሓለወ ዕዮ ስብከት ኣበርክቶ ይገብር እዩ። —1 ቈረንቶስ 14:33, 40

  • ኮሚተታት ጨንፈር ንኣመሓዳሪ ኣካል ብኸመይ ይሕግዛኦ፧

  • ቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንታይ ሓላፍነታት ኣለዎ፧