ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

9. መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

9. መወዳእታ ዓለም ቀሪቡ ድዩ፧

1 የሆዋ ብዛዕባ መጻኢ ገሊጹልና እዩ

“ካብ መጀመርታ፡ መወዳእታኡ፡ ካብ ቀደም ከኣ፡ ገና ዘይተገብረ እነግር እየ።”—ኢሳይያስ 46:10

ብዛዕባ ግዜ መወዳእታ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

  • ዳንኤል 7:13, 14

    ብ1914 የሱስ ኣብ ሰማይ ነጊሱ እዩ።

  • ማቴዎስ 24:3-14

    የሱስ፡ ደቂ ሰብ ጽንኩር ግዜ ኸም ዜጋጥሞም ተነብዩ እዩ።

  • ራእይ 12:7-9, 12

    የሱስ ድሕሪ ምንጋሱ ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ። ሰይጣን ድማ፡ ኣምላኽ ኬጥፍኦ “ሓጺር እዋን” ከም ዝተረፎ ስለ ዝፈለጠ፡ ተቘጢዑ ኣሎ።

2 ኣብ ግዜ መወዳእታ ኢና እንነብር ዘለና

‘ምልክት መደምደምታ እቲ ስርዓት እንታይ እዩ፧’—ማቴዎስ 24:3

ትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ኪፍጸም ከሎ ርኢኻ ዲኻ፧

  • ማቴዎስ 24:7፣ ሉቃስ 21:11

    ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ፡ ውግእን ጥሜትን ምንቅጥቃጥ ምድርን ሕማምን ንርኢ ኣለና።

  • 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5

    ሃዋርያ ጳውሎስ፡ ሰባት ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ዓይነት ባህርያት ከም ዜርእዩ ገሊጹ ኣሎ።

  • ዳንኤል 12:4

    ኣምላኽ ንህዝቡ፡ ካብ ቅድሚ ሕጂ ንላዕሊ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ኪርድእዎ ይሕግዞም ኣሎ።

  • ማቴዎስ 24:14

    ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ብዘላ ምድሪ ይስበኽ ኣሎ።

3 ውዓል ሕደር ከይበልካ ንየሆዋ ኸተሐጕሶ ጽዓር

‘መዓልቲ የሆዋ ኸምቲ ሰራቒ ብለይቲ ዚመጾ ዀይና ኽትመጽእ እያ።’—1 ተሰሎንቄ 5:2

መወዳእታ ስለ ዝቐረበ፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

  • ዮሃንስ 17:3

    ነቲ እትገብሮ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብቝም ነገር ርኣዮ።

  • እብራውያን 10:24, 25

    ኣብ ኣኼባታት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣኪብካ ዝያዳ ኽትምሃር ጽዓር።

  • ያእቆብ 4:8

    ናብ ኣምላኽ ምእንቲ ኽትቀርብ፡ ኣብ ህይወትካ ኣድላዪ ዝዀነ ለውጥታት ግበር።

  • ሉቃስ 21:34-36

    ኣቓልቦኻ ኺሰርቕ ካብ ዚኽእል ነገራት ርሓቕ፣ ህይወትካ ኣብ ኣምልኾ የሆዋ ኸም እተተኵር ግበር።