ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

8. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

8. መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

1 መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ እያ

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ ኸምቲ ኣብ ሰማይ፡ ከምኡ ድማ ኣብ ምድሪ ይኹን።”—ማቴዎስ 6:9-13

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧

  • ራእይ 11:15

    መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ሰማይ ኰይና ንብዘላ ምድሪ ኽትገዝእ እያ።

  • 1 ጢሞቴዎስ 6:15

    የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ እዩ።

  • ራእይ 14:1, 4

    144,000 ሰባት ኣብ ሰማይ ኰይኖም ምስ የሱስ ኪገዝኡ እዮም።

  • እብራውያን 4:15፣ 5:8

    የሱስን እቶም 144,000ን፡ ስምዒትናን ጸገማትናን ይርድኡልና እዮም።

2 የሱስ ካብ ኵሉ ዚበልጽ መራሒ ኪኸውን እዩ

“ንትሑታት [ወይ፡ ንድኻታት] ብፍትሒ ኺፈርድ . . . እዩ።” —ኢሳይያስ 11:4

የሱስ ንጉስ መንግስቲ ኣምላኽ ምዃኑ ዝበለጸ ኣማራጺ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

  • 1 ጢሞቴዎስ 6:16

    ኵሎም ሰብኣውያን ገዛእቲ ውዒሎም ሓዲሮም ሙማቶም ዘይተርፍ እኳ እንተ ዀነ፡ የሱስ ግና ፈጺሙ ኣይመውትን እዩ። እቲ የሱስ ዚገብረልና ሰናይ ነገራት ከኣ ዘለኣለማዊ እዩ።

  • ኢሳይያስ 11:2-4

    የሱስ ካብ ዝዀነ ይኹን ሰብኣዊ ገዛኢ ንላዕሊ ሰናይ ነገራት ኪገብር ክእለት ኣለዎ። ኵሎም ሰብኣውያን ገዛእቲ እንተ ዚሓብሩ እውን ክንዲ ናይ የሱስ ዚኣክል ሓይሊ የብሎምን። የሱስ ፍትሓውን ርሕሩሕን እዩ።

3 መንግስቲ ኣምላኽ ፍቓድ ኣምላኽ ከም ዚፍጸም ክትገብር እያ

“ኣምላኽ ሰማይ ንዘለኣለም ከቶ ዘይትጠፍእ መንግስቲ ኬቕውም እዩ።”—ዳንኤል 2:44

መንግስቲ ኣምላኽ ዛጊት እንታይ ገይራ ኣላ፧ ኣብ መጻኢኸ እንታይ እያ ኽትገብር፧

  • ራእይ 12:7-12

    ብ1914 የሱስ ምስ ነገሰ፡ ንሰይጣን ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ደርብይዎ እዩ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ፡ ኣብ መላእ ምድሪ ብዙሕ ህውከትን ስቓይን መከራን የጋጥም ኣሎ።

  • መክብብ 8:9፣ ራእይ 16:16

    መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ኣርማጌዶን ንዅለን እተን ጨካናትን ብልሹዋትን ዝዀና ሰብኣውያን መንግስትታት ከተጥፍአን እያ።

  • መዝሙር 37:10

    እከይ ዚገብሩ ሰባት ኪጠፍኡ እዮም።

  • ራእይ 22:1-3

    መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ምስ ገዝኣታ፡ ዚሓምም ወይ ዚመውት ሰብ ኣይኪህሉን። ኵሎም ሰባት ከኣ ስም ኣምላኽ ኬኽብሩ እዮም።