ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

7. ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!

7. ትንሳኤ ኪኸውን እዩ!

1 የሆዋ ንሞት ኬወግዶ እዩ

“እቲ ዚሰዓር ናይ መወዳእታ ጸላኢ እውን ሞት እዩ።” —1 ቈረንቶስ 15:26

ሰብና ኺሞተና ኸሎ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ናይ ሓቂ መጸናንዒ ዚህበና ብኸመይ እዩ፧

  • 2 ቈረንቶስ 1:3, 4

    ኣባል ስድራ ቤትና ወይ ፈታዊና ኺሞተና ኸሎ፡ ተስፋ ዘይብልና ዀይኑ ይስምዓና እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ግና ናይ ሓቂ መጸናንዒ ይህበና እዩ።

  • ኢሳይያስ 25:8፣ 26:19

    የሆዋ ንሞት ጠሪሱ ኼጥፍኦ ሓይሊ ኣለዎ። ነቶም ሞይቶም ዘለዉ እውን ኬተንስኦም እዩ።

2 ብትንሳኤ ኽንኣምን ንኽእል ኢና

“ኣቲ ጓል፡ ተንስኢ እብለኪ ኣለኹ።”—ማርቆስ 5:41

ብትንሳኤ ኽንኣምን እንኽእል ስለምንታይ ኢና፧

  • ዮሃንስ 11:1-44

    የሱስ ንኣልኣዛር ኣተንሲእዎ እዩ።

  • ማርቆስ 5:22-24, 35-42

    የሱስ ንሓንቲ ጓል ኣተንሲእዋ እዩ።

  • ዮሃንስ 11:41, 42

    የሱስ በቲ የሆዋ ዝሃቦ ሓይሊ ተጠቒሙ እዩ ንምዉታት ኣተንሲእዎም።

  • ዮሃንስ 12:9-11

    የሱስ ንምዉታት ኬተንስእ ከሎ ዝረኣዩ ሓያሎ መሰኻኽር ነይሮም እዮም። ጸላእቲ የሱስ እኳ ከይተረፉ፡ የሱስ ከምኡ ኺገብር ከም ዚኽእል ይፈልጡ ነይሮም እዮም።

3 የሆዋ ብቢልዮናት ንዚቝጸሩ ሰባት ኬተንስኦም እዩ

“ክትጽውዕ፡ ኣነ እውን ክምልሰልካ እየ። ንተግባር ኣእዳውካ ኽትናፍቕ ኢኻ።”—እዮብ 14:13-15

መን እዮም ኪትንስኡ፧

  • ዮሃንስ 5:28, 29

    እቶም ኣብ ተዘክሮ የሆዋ ዘለዉ ዅሎም ኪትንስኡ እዮም።

  • ግብሪ ሃዋርያት 24:15

    ጻድቃንን ሓጥኣንን ኪትንስኡ እዮም።

  • ኢሳይያስ 40:26

    የሆዋ ንስም ኵሎም ከዋኽብቲ ኺዝክር ካብ ከኣለ፡ ነቶም ዜተንስኦም ሰባት ብዚምልከት ኵሉ ነገራት ብቐሊሉ ኺዝክር ይኽእል እዩ።

4 ገሊኦም ሰባት ተንሲኦም ኣብ ሰማይ ኪነብሩ እዮም

“ቦታ ኸዳልወልኩምሲ እኸይድ ኣለኹ።”—ዮሃንስ 14:2

እቶም ተንሲኦም ኣብ ሰማይ ዚነብሩ መን እዮም፧

  • 1 ጴጥሮስ 3:18

    ኣብ ሰማይ ኪነብር ዝተንስአ ናይ መጀመርታ ሰብ፡ የሱስ እዩ።

  • ሉቃስ 12:32

    የሱስ፡ ሒደት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ጥራይ

  • ተንሲኦም ኣብ ሰማይ ከም ዚነብሩ ገሊጹ እዩ።

    ራእይ 14:1

የሆዋ ኣብ ሰማይ ኪነብሩ ዝሓረዮም፡ 144,000 ጥራይ እዮም።