ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

6. ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

6. ምስ ሞትና ናበይ ኢና እንኸይድ፧

1 ሓደ ሰብ ምስ ሞተ፡ ብህይወት ምንባር የቋርጽ እዩ

“ምዉታት ግና ገለ እኳ ኣይፈልጡን እዮም።”—መክብብ 9:5

ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧

2 ሰባት ኪሞቱ ዕላማ የሆዋ ኣይነበረን

“ብዛዕባ እታ ኦም ፍልጠት ጽቡቕን ክፉእን ግና፡ ካብኣ ኣይትብላዕ፣ ከመይሲ፡ በታ ኻብኣ እትበልዓላ መዓልቲ ብርግጽ ክትመውት ኢኻ።” — ዘፍጥረት 2:17

ስለምንታይ ኢና እንመውት፧

  • ዘፍጥረት 3:1-6

    ሰይጣን ንሄዋን፡ ንኣምላኽ እንተ ዘይተኣዚዛቶ ብዛዕባ ዜጋጥማ ነገር ሓሶት ነገራ። ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ስለ ዘይተኣዘዝዎ፡ ሓጢኦም፡ ደሓር ከኣ ሞይቶም እዮም።

  • ዘፍጥረት 3:19

    ኣዳም ምስ ሞተ፡ ድሕሪኡ ብህይወት ኣይቀጸለን።

  • ሮሜ 5:12

    ሓጢኣት ካብቶም ቀዳሞት ወለድና ዝወረስናዮ ኸቢድ ሕማም እዩ። ኵላትና ሓጥኣን ኴንና ስለ እተወለድና ድማ፡ መወትቲ ኢና።

  • 1 ቈረንቶስ 15:26

    መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሞት ጸላኢ ኸም ዝዀነ ይነግረና እዩ።

3 ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ፡ ሓራ የውጽኣና እዩ

“ሰብ እንተ ሞይቱ፡ መሊሱዶ ህያው ኪኸውን ይኽእል እዩ፧ ራህዋይ ክሳዕ ዚመጽእ . . . ክጽበ እየ።”—እዮብ 14:14

ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ሓቂ ምፍላጥና ኻብ ግጉይ ኣረኣእያታት ሓራ ዘውጽኣና ብኸመይ እዩ፧

  • 1 ዮሃንስ 4:8

    ትምህርቲ ገሃነም እሳት ንኣምላኽ ዜዋርድ ትምህርቲ እዩ። ሰባት በዚ ኸምዚ ኺሳቐዩ ኣምላኽ ፈጺሙ ኣይፈቅድን እዩ።

  • ራእይ 4:11

    ሓያሎ ሰባት ኣብ ክንዲ ንየሆዋ፡ ንምዉታት ይፈርህዎምን የምልኽዎምን እዮም። ግናኸ፡ እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ፡ የሆዋ እዩ፣ ንዕኡ ጥራይ ድማ ከነምልኽ ኣሎና።