4. የሱስ ክርስቶስ መን እዩ፧
1 የሱስ መሲሕ እዩ
“ንስኻ ክርስቶስ . . . ኢኻ።”—ማቴዎስ 16:16
የሱስ መሲሕ ምዃኑ ብኸመይ ንፈልጥ፧
-
የሆዋ፡ የሱስ ወዱ ምዃኑ ሓቢሩ እዩ።
-
የሱስ ንዅሉ እቲ ብዛዕባ መሲሕ እተነግረ ትንቢታት ፈጺምዎ እዩ።
2 የሱስ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ መልኣኽ እዩ ነይሩ
‘ካብ ሰማይ ወሪደ ኣለኹ።’—ዮሃንስ 6:38
የሱስ ኣብ ሰማይ እንታይ እዩ ዚገብር ነይሩ፧
-
የሆዋ መጀመርታ ንየሱስ እዩ ፈጢርዎ፣ ብእኡ ኣቢሉ ድማ ንዅሉ ኻልእ ነገራት ፈጢሩ። የሱስ ብቢልዮናት ንዚቝጸር ዓመታት ካብ ኣቦኡ ተማሂሩ እዩ።
-
የሆዋ ንየሱስ ናብ ምድሪ ልኢኽዎ እዩ።
3 የሱስ ንሰባት የፍቅሮም እዩ
“ነቶም ቈልዑ ናባይ ኪመጹ ሕደግዎም።”—ማርቆስ 10:14
ካብ ባህርያት የሱስ እትፈትዎ ኣየናይ እዩ፧
-
የሱስ ለዋህ እዩ ነይሩ፣ ሰባት ከኣ ንዕኡ ኼዛርብዎ ደስ ይብሎም ነይሩ።
-
የሱስ ንኣንስቲ ብኣኽብሮት ይሕዘን ነይሩ።
-
የሱስ ትሑት እዩ ነይሩ።
-
የሱስ ንኻልኦት ኪሕግዝ ይደሊ ነይሩ።
4 የሱስ ኵሉ ሳዕ ፍቓድ ኣምላኽ ይገብር እዩ
“ኣነ ኽገብሮ ዝሃብካኒ ግብሪ ፈጺመ።”—ዮሃንስ 17:4
የሱስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ እሙናት ክንከውን ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
-
የሱስ ብድያብሎስ ምስ ተፈተነ፡ እሙን ኰይኑ እዩ።
-
የሱስ ኣዝማዱ ኼላግጹሉ ኸለዉ እውን ፍቓድ ኣምላኽ ይገብር ነይሩ እዩ።
-
የሱስ ንጸላእቱ ኣይጐድኦምን።
-
የሱስ ክሳዕ ሞት እውን ንኣምላኽ እሙን ኰይኑ እዩ።
-
የሆዋ ንየሱስ ናብ ሰማይ ኣተንሲእዎ እዩ።