ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

3. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

3. ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

1 ኣምላኽ ብዕላማ እዩ ፈጢሩና

“ጻድቃን ንምድሪ ኺርስተይዋ፡ ኣብኣ እውን ንዘለኣለም ኪነብሩ እዮም።”—መዝሙር 37:29

ኣምላኽ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማ እንታይ እዩ፧

  • ዘፍጥረት 1:28

    ኣምላኽ፡ ደቂ ሰብ ንምድሪ ገነት ኪገብሩዋን ንእንስሳታት ኪከናኸንዎምን ይደሊ እዩ።

  • ኢሳይያስ 46:9-11፣ 55:11

    ኣምላኽ ዕላማኡ ኺፍጽም እዩ፣ ኪዓናቕፎ ዚኽእል ከኣ የልቦን።

2 ህይወት ብሽግር እተመልአት ስለምንታይ እያ፧

“ብዘላ ዓለም . . . ኣብ ትሕቲ ቝጽጽር እቲ እኩይ ምህላዋ ንፈልጥ ኢና።”—1 ዮሃንስ 5:19

ንዓለም ዚገዝኣ ዘሎ መን እዩ፧

  • ዮሃንስ 12:31

    የሱስ ንሰይጣን፡ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ኢሉ ጸዊዕዎ እዩ።

  • ያእቆብ 1:13-15

    ሰይጣን ዘይናቱ ኺረክብ ደልዩ እዩ።

  • ዘፍጥረት 2:17፣ 3:1-6

    ሰይጣን፡ ኣዳምን ሄዋንን ንኣምላኽ ከይእዘዝዎ ኣስሒትዎም፣ ድሕሪ ግዜ ኸኣ፡ ኣዳምን ሄዋንን ሞይቶም።

  • ሮሜ 3:23፣ 5:12

    ካብ ኣዳም ሓጢኣት ስለ ዝወረስና ኢና እንመውት።

  • 2 ቈረንቶስ 4:3, 4

    ሰይጣን ንሰባት የስሕቶም እዩ።

3 መንግስቲ ኣምላኽ ነቲ ጸገም ክትፈትሖ እያ

“መንግስትኻ ትምጻእ። ፍቓድካ . . . ኣብ ምድሪ ይኹን።” —ማቴዎስ 6:10

የሆዋ እንታይ ኪገብር እዩ፧

  • ዳንኤል 2:44

    መንግስቲ ኣምላኽ ንዅለን መንግስትታት ዓለም ክትትክአን እያ።

  • ራእይ 16:14-16

    ኣምላኽ ነዛ እክይቲ ዓለም እዚኣ ኣብ ኣርማጌዶን ኬጥፍኣ እዩ።

  • ኢሳይያስ 9:6, 7

    የሆዋ ንየሱስ፡ ንጉስ እታ ሰማያዊት መንግስቱ ኪኸውን ሓርይዎ እዩ። የሱስ ድማ ንምድሪ ኺገዝኣ እዩ።

4 መንግስቲ ኣምላኽ ንምድሪ ገነት ክትገብራ እያ

“ኢድካ ትኸፍት እሞ፡ ትምኒት ህያው ዘበለ ዅሉ ተዕግብ።” —መዝሙር 145:16

መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ክትገብረልና እያ፧