ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

19. ናብ የሆዋ ልገብ

19. ናብ የሆዋ ልገብ

1 የሆዋ የፍቅረካ እዩ

“ኣምላኽሲ በቲ ሓደ ወዱ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቂርዋ እዩ።”—ዮሃንስ 3:16

ኣምላኽ ከም ዜፍቅረካ ዜርእየካ ብኸመይ እዩ፧

  • መዝሙር 91:2

    የሆዋ መዕቈቢና እዩ። ካብቲ ሕጂ ዜጋጥመና ጸገማት እውን ኬናግፈና ይኽእል እዩ።

  • መዝሙር 37:29

    ዜደንቕ ተስፋ መጻኢ ሂቡና ኣሎ።

  • 1 ጢሞቴዎስ 6:12, 19

    ኣምላኽ፡ ፍጹም ኵነታት ዝሰፈኖ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪህበና እዩ። ኣብታ ባህ እተብል ገነት፡ ሰላምን ሓጐስን ፍጹም ጥዕናን ከነስተማቕር ኢና።

2 የሆዋ ኸተፍቅሮ ይደልየካ እዩ

“ንየሆዋ ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብምሉእ ነፍስኻን ብምሉእ ኣእምሮኻን ኣፍቅሮ።”—ማቴዎስ 22:37

ፍቕሪ ኣምላኽ እንታይ ክትገብር እዩ ዜለዓዕለካ፧

3 ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ኣደልድላ

“ንርእስኹም ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ።”—ይሁዳ 21

ናብ የሆዋ ኽትለግብ እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧