ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

18. ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧

18. ህይወተይ ንኣምላኽ ወፍየ ኽጥመቕዶ፧

1 ክጥመቕዶ፧

“እንሆ ማይ፣ ከይጥመቕከ እንታይ ይኽልክለኒ፧” —ግብሪ ሃዋርያት 8:36

ክትጥመቕ ዘሎካ ስለምንታይን ብኸመይን ኢኻ፧

ጥምቀት፡ ናይ ቀደም ኣነባብራኻ ሓዲግካ፡ ፍቓድ ኣምላኽ ብምግባር ሓድሽ ህይወት ከም ዝጀመርካ ዜርኢ እዩ።

  • ማቴዎስ 28:19, 20

    ንየሆዋ ኸተገልግሎ እንተ ደሊኻ፡ ክትጥመቕ ኣሎካ።

  • መዝሙር 40:8

    ጥምቀት፡ ንኣምላኽ ከተገልግሎ ኸም ዝደለኻ ንኻልኦት እተርእየሉ ኣጋጣሚ እዩ።

  • ማቴዎስ 3:16

    ከም የሱስ፡ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ውሽጢ ማይ ክትኣቱ ወይ ክትጠልቕ ኣሎካ።

2 የሆዋ ኻብ ዓቕምኻ ንላዕሊ ኽትገብር ኣይደልየካን እዩ

“ፍቕሪ ኣምላኽ ከኣ ትእዛዛቱ ኽንሕሉ እዩ፣ ትእዛዛቱ እውን ከቢድ ኣይኰነን።”—1 ዮሃንስ 5:3

ርእስኻ ንየሆዋ ንምውፋይ ክትፈርህ ዘይብልካ ስለምንታይ ኢኻ፧

  • መዝሙር 103:14፣ ኢሳይያስ 41:10

    ርእስኻ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትውፊ ፍጹም ክትከውን ኣየድልየካን እዩ። ኣምላኽ ቅኑዕ ዘበለ ኽትገብር ኪሕግዘካ እዩ።

  • ቈሎሴ 1:10

    እታ ንየሆዋ ዘላትካ ፍቕሪ ንዕኡ ኸይተጕህዮ ንዚስምዓካ ሻቕሎት ከተሰንፎ ኽትሕግዘካ እያ።

3 ናብ ጥምቀት ዚመርሕ ስጕምትታት

“ኦ ኣምላኽ፡ ፍቓድካ ምግባር ደስ ይብለኒ እዩ፣ ሕግኻ ድማ ኣብ ውሽጠይ እዩ።”—መዝሙር 40:8

ርእስኻ ንየሆዋ ምእንቲ ኽትውፊ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ዮሃንስ 17:3

    ቃል ኣምላኽ ኣጽንዕ

    ንየሆዋን ንየሱስ ክርስቶስን ፍለጦም። ብዛዕባኦም ብእተምሃርካ መጠን፡ ዝያዳ ኸተፍቅሮም ኢኻ።

  • እብራውያን 11:6

    እምነትካ ህነጽ

    ብተስፋታት ኣምላኽን በቲ መስዋእቲ የሱስ ካብ ሓጢኣትን ሞትን ኬድሕነና ዘለዎ ሓይልን ምሉእ ብምሉእ እመን።

  • ግብሪ ሃዋርያት 3:19

    ተነሳሕ

    ማለት፡ ንዅሉ እቲ ዝገበርካዮ ሓጢኣት ተጠዓሰሉ።

    ተመለስ

    ማለት፡ ዝዀነ ይኹን ሕማቕ ኣካይዳ ሓዲግካ፡ ቅኑዕ ዘበለ ግበር።

  • 1 ጴጥሮስ 4:2

    ህይወትካ ወፊ

    ብጸሎት ኣቢልካ ንየሆዋ ኸም እተምልኾን ንሱ ዚደልዮ ዘበለ ኣብ ህይወትካ ቐዳምነት ከም እትህብን ቃል ብምእታው ህይወትካ ንየሆዋ ወፊ።