ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

17. ፍሉይ መሰል ጸሎት

17. ፍሉይ መሰል ጸሎት

1 የሆዋ ጸሎትና ኺሰምዕ ይደሊ እዩ

“የሆዋ ንዅሎም እቶም ዚጽውዕዎ፡ ንዅሎም እቶም ብሓቂ ዚጽውዕዎ ቐረባኦም እዩ።”—መዝሙር 145:18

የሆዋ ንጸሎትና ኺሰምዖ እንተ ደሊና፡ እንታይ ክንገብር ኣሎና፧

  • እብራውያን 11:6

    ክንኣምን ኣሎና።

  • መዝሙር 138:6

    ትሑታትን ኣኽብሮት እነርእን ክንከውን ኣሎና።

  • ያእቆብ 2:26

    ተግባርና ምስ ጸሎትና ዚሰማማዕ ኪኸውን ኣለዎ።

  • ማቴዎስ 6:7, 8

    ካብ ልብናን ብቕንዕናን ክንጽሊ ኣሎና። ኣብ ጸሎትና ሕደ ዓይነት ቃላት ክንደጋግም የብልናን።

  • ኢሳይያስ 1:15

    ምስ ፍቓድ ኣምላኽ ተሰማሚዕና ኽንነብር ኣሎና።

2 ብዛዕባ ጸሎት ዚልዓል ልሙድ ሕቶታት

3 ብዛዕባ እንታይ ክንጽሊ ንኽእል፧

“ከም ፍቓዱ ጌርና እንልምኖ ዘበለ ይሰምዓና እዩ።” —1 ዮሃንስ 5:14

ብዛዕባ እንታይ ኢና ኽንጽሊ እንኽእል፧

4 የሆዋ ንጸሎትና ይምልሰልና እዩ

“ኦ ሰማዕ ጸሎት፡ ኵሉ ዓይነት ሰብ ናባኻ ኺመጽእ እዩ።” —መዝሙር 65:2

የሆዋ ንጸሎትና ዚምልሰልና ብኸመይ እዩ፧