ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

16. ንኣምላኽ ከተምልኾ ወስን

16. ንኣምላኽ ከተምልኾ ወስን

1 ካብ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ርሓቕ

“ካብ መንጎኦም ውጹን ተፈለዩን . . . ርኹስ እውን ደጊም ኣይትተንክዩ።”—2 ቈረንቶስ 6:17

ብምስሊ ምምላኽን ንምዉታት ከተሐጕሶም ወይ ካባታቶም ሓገዝ ክትረክብ ዚግበር ነገራትን ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧

2 ኣምላኽ ዘይቅበሎ በዓላት ኣሎ

“ብጐይታ ተቐባልነት ዘለዎ እንታይ ምዃኑ ብቐጻሊ መርምሩ።” —ኤፌሶን 5:10

ዝዀነ ይኹን በዓል ከተብዕል ግቡእ እንተ ዀይኑ ብኸመይ ክትፈልጥ ትኽእል፧

  • ህዝቅኤል 44:23፣ 2 ቈረንቶስ 6:14, 15

    ኣረማዊ መበቈል ዘለዎ እንተ ዀይኑ መርምር።

  • ዘጸኣት 32:2-10

    ገሊኦም ሰባት ብቕኑዕ ድራኸ በዓል ዜብዕሉ እኳ እንተ ዀኑ፡ እቲ ዜብዕልዎ በዓል ግና ኣምላኽ ዘይቅበሎ ኪኸውን ይኽእል እዩ።

  • ዳንኤል 3:1-27

    ንሰባት፡ ንሰብኣዊ ውድባት፡ ወይ ንሃገራዊ ኣርማታት ክብ ካብ ዜብል በዓላት ርሓቕ።

  • 1 ጢሞቴዎስ 1:18, 19

    ኣመዛዚንካ ወስን። ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰናይ ሕልና ኺህልወካ ድማ ጽዓር።

3 ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ብለውሃት ግለጸሎም

“ንነፍሲ ወከፍ ከመይ ጌርኩም ክትምልሱ ኸም ዚግብኣኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ዘረባኹም ብጨው እተቓመመ፡ ኵሉ ሳዕ ጥዑም ይኹን።”— ቈሎሴ 4:6

ብዛዕባ እምነትካ ንኻልኦት ብኸመይ ክትገልጸሎም ኣሎካ፧

  • ማቴዎስ 7:12

    ከምቲ ኻልኦት ንምርጫኻ ኬኽብሩልካ እትደሊ፡ ንስኻ እውን ንምርጫኦም ኣኽብረሎም።

  • 2 ጢሞቴዎስ 2:24

    ኵሉ ሳዕ ብለውሃት ተዛረብ፣ ብእምነትካ ድማ ምስ ካልኦት ኣይትብኣስ።

  • 1 ጴጥሮስ 3:15

    ነቲ እትኣምነሉ ነገር ብልእመትን ብኣኽብሮትን ተማጐተሉ።

  • እብራውያን 10:24, 25

    ኣብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት፡ እቶም ኣብኡ ዚእከቡ ብዛዕባ እምነትካ ኽትሕተት ከለኻ ብኸመይ ምላሽ ከም እትህብ ክትፈልጥ ኪሕግዙኻን ኬተባብዑኻን እዮም።