ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

15. ንኣምላኽ እተምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ

15. ንኣምላኽ እተምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ

1 ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብኸመይ ከተለልዮ ትኽእል፧

“እታ ናብ ህይወት እትወስድ ኣፍ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳ እውን ቀጣን እያ፣ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዮም።”—ማቴዎስ 7:14

ኣምላኽ ዘይቅበሎ ዓይነት ኣምልኾ ኸም ዘሎ ብኸመይ ንፈልጥ፧

  • ማቴዎስ 7:21-23

    ኣምላኽ ንዅለን ሃይማኖታት ኣይኰነን ዚቕበለን። ኵለን ሃይማኖታት ኣይኰናን ፍቓድ ኣምላኽ ዚገብራ።

  • ማቴዎስ 7:13, 14

    ናይ ሓቂ ኣምልኾ ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ይመርሕ። ናይ ሓሶት ኣምልኾ ግና ናብ ጥፍኣት ይመርሕ።

  • ማቴዎስ 7:16, 17

    ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ብግብርታቱ ኸተለልዮ ትኽእል ኢኻ። ነዚ ኽትፈልጥ ግና፡ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚምህር ከተጽንዕ እምበር፡ ንዅለን ሃይማኖታት ክትምርምረን ኣየድልየካን እዩ።

2 ንኣምላኽ እተምልኸሉ ቕኑዕ መገዲ

3 ነቲ እትኣምነሉ ተግብሮ

ኣምላኽ ንኣምልኾኻ ኪቕበሎ እንተ ደሊኻ፡ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ያእቆብ 2:19

    ብኣምላኽ ምእማን ጥራይ እኹል ኣይኰነን። ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ፡ ኣምላኽ ክትገብሮ ዝኣዘዘካ ነገራት እውን ክትገብር ኣሎካ።

  • ኢሳይያስ 52:11፣ ራእይ 17:5

    ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ወይ “ዓባይ ባቢሎን፡” ሰባት ንኣምላኽ ንሱ ብዘይቅበሎ መገዲ ኼምልኽዎ እያ እትምህሮም። ትምህርትታት ናይ ሓሶት ሃይማኖት፡ ከም እኒ ስላሴ፡ ዘይትመውት ነፍሲ፡ ገሃነም እሳት ዝኣመሰለ ትምህርትታት የጠቓልል።

  • ራእይ 18:4, 8

    ድሕሪ ሓጺር ግዜ፡ የሆዋ ንዅለን ናይ ሓሶት ሃይማኖታት ኬጥፍአን እዩ። ምስ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ኻብ ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገራት ክትርሕቕ ኣሎካ።

  • ማርቆስ 10:28-30

    ምጽራር ኬጋጥመካ ዚኽእል እኳ እንተ ዀነ፡ የሆዋ ኣይጥንጥነካን እዩ።