ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

13. ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

13. ንህይወት ኣኽብሮት ኣርኢ

1 ንህይወት ኣኽብሮ ኣርኢ

“ምንጪ ህይወት ምሳኻ እዩ።”—መዝሙር 36:9

ንህይወት ኣኽብሮት እነርኢ ብኸመይ ኢና፧

2 ህይወትን ደምን

“ህይወት ኣብኡ ስለ ዘሎ፡ ህይወት ኵሉ ስጋ ኣብ ደሙ እዩ።” —ዘሌዋውያን 17:14

ኣምላኽ ብዛዕባ ህይወትን ደምን ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧

3 የሆዋ ዝፈቐዶ ኣጠቓቕማ ደም

“ደም የሱስ . . . ካብ ኵሉ ሓጢኣትና የንጽሃና እዩ።” —1 ዮሃንስ 1:7

መስዋእቲ የሱስ እንታይ ጥቕሚ እዩ ኣምጺኡልና፧

  • ዘሌዋውያን 17:11

    ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ እስራኤላውያን ኪሓጥኡ ኸለዉ፡ መስዋእቲ እንስሳ ብምቕራብን ሓደ ኻህን ካብቲ ደም ወሲዱ ኣብ መሰውኢ ኼፍስሶ ብምሕታትን፡ ንየሆዋ ሓጢኣቶም ኪሓድገሎም ኪልምንዎ ይኽእሉ ነይሮም እዮም።

  • ማቴዎስ 20:28፣ እብራውያን 9:11-14

    የሱስ ናብ ምድሪ ምስ መጸ፡ ሓጢኣትና ምእንቲ ኺሕደገልና ህይወቱ ወይ ደሙ ብምሃቡ፡ ነቲ ብዛዕባ መስዋእቲ እንስሳ ዚገልጽ ሕጊ ተኪእዎ እዩ።

  • ዮሃንስ 3:16

    ህይወት የሱስ ኣዝዩ ኽቡር ስለ ዝዀነ፡ የሆዋ ንየሱስ ናብ ሰማይ ምስ ኣተንስኦ፡ ንዅሎም ብየሱስ ዚኣምኑ ደቂ ሰብ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዜኽእሎም ኣጋጣሚ ኸፊቱሎም እዩ።