ዚርከበሉ ኣገባብ ኣዐሪ

ቋንቋ ምረጽ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

11. መከራ ኣመና ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

11. መከራ ኣመና ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

1 የሆዋ መከራ ኣየምጽእን እዩ

“እቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እከይ ኪገብር፡ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኪዕምጽሲ ዘይሕሰብ እዩ!”—እዮብ 34:10

ኣብ ዓለም መከራ ኣመና ዝበዝሐ ስለምንታይ እዩ፧

  • 1 ዮሃንስ 5:19

    ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ ሰይጣን ድያብሎስ እዩ።

  • መክብብ 8:9

    ሰባት ኣብ ልዕሊ ኻልኦት መከራ የምጽኡ እዮም።

  • መክብብ 9:11

    ሓድሓደ ግዜ፡ ሰባት ሕማቕ ነገር ኣብ ዜጋጥመሉ እዋን ኣብቲ ቦታ ብምጽናሖም መከራ ይወርዶም እዩ።

  • 1 ጴጥሮስ 5:7

    የሆዋ ንሰባት ብዙሕ የፍቅሮም እዩ ኪሳቐዩ ኸለዉ ድማ ባህ ኣይብሎን እዩ።

2 ሰይጣን ነቲ የሆዋ ንምግዛእ ዘለዎ መሰል ተቓዊምዎ እዩ

“ኣምላኽ . . . ኣዒንትኹም ከም ዚኽፈታ፡ ከም ኣምላኽ እውን ከም እትዀኑ፡ ጽቡቕን ክፉእን ከኣ ከም እትፈልጡ ስለ ዝፈለጠ እዩ።” —ዘፍጥረት 3:5

የሆዋ ንሰይጣን ብኡብኡ ዘየጥፍኦ ስለምንታይ እዩ፧

  • ዘፍጥረት 3:2-5

    ሰይጣን፡ ኣምላኽ ክፉእ ገዛኢ ኸም ዝዀነ እዩ ኸሲሱ። ንሰባት ከኣ ጽቡቕን ክፉእን ባዕላቶም ኪውስኑ መሰል ከም ዘለዎም ኬእምኖም እዩ ዚደሊ።

  • እዮብ 38:7

    ሰይጣን ኣብ ቅድሚ ሚልዮናት መላእኽቲ እዩ ንየሆዋ ተቓዊምዎ።

3 ተቓውሞ ሰይጣን ፈሺሉ እዩ

“ዚመላለስ ሰብ . . . ስጕምቱ ኬቕንዕ ናቱ ኣይኰነን።” —ኤርምያስ 10:23

ሰባት ንኽንድዚ ዚኣክል ግዜ ዚሳቐዩ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧

  • ኢሳይያስ 55:9

    ደቂ ሰብ እተፈላለየ ዓይነት ኣገዛዝኣ እኳ እንተ ፈተኑ፡ ብዘይ ሓገዝ ኣምላኽ ንምድሪ ጽቡቕ ገይሮም ኬመሓድርዋ ኣይክእሉን እዮም።

  • 2 ጴጥሮስ 3:9, 10

    የሆዋ ንዕኡ ኽንፈልጦን ገዛኢና ኪኸውን ክንመርጾን ዜኽእለና ግዜ ብምሃብ ይዕገሰና ኣሎ።

  • 1 ዮሃንስ 3:8

    የሆዋ ብየሱስ ኣቢሉ ነቲ ሰይጣን ዘስዓቦ ጕድኣት ኬወግዶ እዩ።

4 ነቲ ናይ ምምራጽ ናጽነትካ ንየሆዋ ንምግልጋል ተጠቐመሉ

“ወደየ፡ ነቲ ዜባጭወለይ ምላሽ ምሃቡ ክኽእልሲ፡ ጥበበኛ ኹን።”—ምሳሌ 27:11

የሆዋ ኸነገልግሎ ዘየገድደና ስለምንታይ እዩ፧

  • ምሳሌ 30:24

    እንስሳታት ብባህረት እዮም ዚነብሩ፣ የሆዋ ግና ንዓና ናይ ምምራጽ ናጽነት ሂቡና እዩ። ንዕኡ ንምግልጋል ባዕልና ኽንውስን ንኽእል ኢና።

  • ማቴዎስ 22:37, 38

    የሆዋ ብፍቕሪ ተደሪኽና ኸነገልግሎ እዩ ዚደልየና።