ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናብ ተወሳኺ ዝርዝር ኪድ

ናብ ትሕዝቶ ኺድ

ናይ የሆዋ መሰኻኽር

ትግርኛ

ጽማቝ ሓሳባት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይምህረና፧

10. መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

10. መላእኽቲ እንታዎት እዮም፧

1 መላእኽቲ ኣባላት ስድራ ቤት ኣምላኽ እዮም

“ኣቱም መላእኽቱ ዅልኹም፡ ኣቱም ብርቱዕ ዝሓይልኹም፡ . . . ንየሆዋ ወድስዎ።”—መዝሙር 103:20

ብዛዕባ መላእኽቲ እንታይ ኢና እንፈልጥ፧

  • እዮብ 38:4-7

    የሆዋ ንምድሪ ቕድሚ ምፍጣሩ እዩ ንመላእኽቲ ፈጢርዎም።

  • ራእይ 5:11

    ሚልዮናት መላእኽቲ ኣለዉ።

  • 1 ጴጥሮስ 1:11, 12

    መላእኽቲ ዅሉ ሳዕ ብዛዕባ እቲ የሆዋ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ ይግደሱ እዮም።

  • ሉቃስ 15:10

    መላእኽቲ ብዛዕባ እቶም ንኣምላኽ ዜገልግሉ ሰባት ብዙሕ ይግደሱ እዮም።

2 መላእኽቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ይሕግዙ እዮም

“መልኣኽ የሆዋ ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር፡ የናግፎም እውን።”—መዝሙር 34:7

መላእኽቲ ንሰባት ኪሕግዙ ኸም ዚኽእሉ ብኸመይ ንፈልጥ፧

3 እኩያት መላእኽቲ ኺጐድኡና ይደልዩ እዮም

“ሰይጣን ከይብለጸልና ኢለ እየ፣ ምኽንያቱ፡ ውዲቱ ኣይንስሕቶን ኢና።”—2 ቈረንቶስ 2:11

ኣጋንንቲ እንታዎት እዮም፧ ኪጐድኡና ዚኽእሉኸ ስለምንታይ እዮም፧

  • ራእይ 12:9

    ሓደ መልኣኽ ካብ የሆዋ ዓለወ። ሰይጣን ተባሂሉ ድማ ተጸውዐ።

  • ዘፍጥረት 6:2

    ብግዜ ኖህ፡ ገሊኦም መላእኽቲ ዓልዮም ናብ ምድሪ መጹ።

  • ማቴዎስ 9:34

    እቶም መላእኽቲ ኣብ ዕልወት ሰይጣን ሓቢሮም እዮም፣ ኣጋንንቲ ድማ ኰኑ።

  • ዘዳግም 18:10, 11

    ኣጋንንቲ ብዚከኣሎም መጠን ንሰባት ኬታልልሉን ኪጐድኡን ይጽዕሩ እዮም።

4 ንሰይጣንን ንኣጋንንትን ክትቃወሞም ትኽእል ኢኻ

“ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ኻባኻትኩም ኪሃድም እዩ።” —ያእቆብ 4:7

ንሰይጣንን ንኣጋንንትን ምእንቲ ኽትቃወሞም ሓገዝ የሆዋ ኽትረክብ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ግብሪ ሃዋርያት 19:19

    ጥንቈላ፡ ኣጋንንቲ፡ ወይ ልዕለ ሰብኣዊ ሓይሊ ጕድኣት ከም ዘይብሉ ወይ ሰሓቢ ኸም ዝዀነ ገይሩ ንዜቕርብ ምስ ኣጋንንታዊ ተግባር ዚተሓሓዝ ዝዀነ ይኹን ነገር ኣርሕቕ።

  • ኤፌሶን 6:16, 18

    መጽሓፍ ቅዱስ ብምጽናዕ እምነትካ ኣደልድል፣ ኣምላኽ ኪሕልወካ ድማ ጸሊ።

  • ምሳሌ 18:10

    ስም የሆዋ ተጠቐም።